'ሰባት ተቘጢዖም'ዮም ዘለው' - ማዕበል ተቓውሞ ሆቴላት ዑቕባ ብሪጣኒያ

ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብሪጣኒያ ኣብ ዝካየዱ ዘለው ተቓውሞታት ጸረ-ኢሚግሬሽን ይሳተፉ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Carl Court/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣማኢት ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብሪጣኒያ ኣብ ዝካየዱ ዘለው ተቓውሞታት ጸረ-ኢሚግሬሽን ይሳተፉ ኣለው

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኢትዮጵያዊ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ሓታቲ ዕቑባ፡ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኽሰስ ንደሓር ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ ሓተትቲ ዕቑባ ንምጽናሕ ዘገልግል ሆቴል ተቓውሞታት ክካየድ ቐጺሉ ኣሎ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ክስዕም ፈቲኑ ብዝብል ከኣ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ። ንሱ፡ ብ17 ሓምለ 2025፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ክሲ ነጺጕዎ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ጥቓ ኣብ ከባቢ ኤፒንግ ዝርከብ 'ቤል ሆቴል' ብዝብል ዝፍለጥ ሆቴል፡ ግን ናብ ዕግርግር ዝተቐየሩ ተቓውሞታት ይካየዱ ኣለው።

"ንደቅና ስለ እንፈርሕ በዞም ኣብዚ ሆቴል ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ሕጕሳት ኣይኰናን። እዚ ሕልፍቲ የማናዊት ዘብለኒ እንተዀይኑ፡ እቕበሎ" ትብል ኦርላ ሚኒሃነ።

ኦርላ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ኣብ ከባቢ ኤፒንግ እያ ትነብር፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ሪፎርም ዩኬ' ናብ ዝተባህለ የማናዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተጸንቢራ።

ናብ ከተማ ኢሴክስ ኣብ ዝወስድ ጽዑቕ ጽርግያ፡ ዝርከብ ሆቴል ዘ ቤል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ልዕሊ 200 መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዘቕመጡሎም ሆቴላት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታታሊ ተቓውሞታት፡ ብድምር ካብ ክልቲኡ ወገን ሓያሎ ኣማኢት ሰባት - ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ ኣስታት 2000 ሰባት ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ተቓውሞ ኣጠቓቕማ ሆቴላት ሓተትቲ ዑቕባ ተኻይዶም'ዮም።

ኣብዚ ሰሙን ብዓርብን ቀዳምን ኣስታት 20 ተወሳኺ ሰልፊታት ክካየዱ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ዙርያ ሰልፍታት ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብቲ 80 ክፍልታት ዘለዎ ሆቴል ቤል ዝጀመረ ኰይኑ፡ እዚ ኣብቲ ሆቴል ዝነብር ውልቀሰብ ድሕሪ ምእሳሩ ዝተላዕለ እዩ።

ድሕሪኡ ድማ ብጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ምግፋዕን ንሓንቲ ጓል ኣብ ጾታዊ ንጥፈታት ክትዋፈር ምልዕዓልን ተኸሲሱ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ምዃኑ ዝግለጽ ወዲ 41 ዓመት ሓዱሽ ቅባቱ ነቲ ገበናት ብምኽሓድ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

እዚ ጕዳይ ግን፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝዕቈቡለን ዘለው ሆቴላት ሰፊሕ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ።

"ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብቲ ሆቴል ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ስለ ዝነበሩ - ቁሩብ ገበን'ዩ። ሕጂ ግን ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም'ዩ እቲ ጸገም። ሚዛናዊ ኣይኰነን።"

ምኽንያት ተቓውሞታት ጸረ-ኢሚግሬሽን ብሪጣኒያ

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ከተማ ኒኑዩተን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ብዝተፈጸመ ዓመጽ ብዝተኣሳሰር ተኸሲሶም ክልተ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ ኣሕመድ ሙላኪል ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ክልተ ናይ ዓመጽ ክስታት ክቐርቡ እንከለዉ፡ ካልእ መሓመድ ከቢር ዝተባህለ ድማ ብጭውያ፡ ብምሕናቕን ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ንምዕማጽ ብምሕጋዝን ተኸሲሱ።

መራሒ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ዋርዊክሻየር ጆርጅ ፊንች፡ እቶም ክልተ ሰባት ሓተትቲ ዕቑባ ምዃኖም ገሊጹ።

ቢቢሲ ነዚብናጻ ከረጋግጾ'ኳ እንተዘይኽኣለ፡ ፖሊስ ዋርዊክሻየርን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጒዳያትን ድማ ንዅነታት ኢሚግሬሽን እቶም ተኸሰስቲ ሸፊኖም ክብል ከሲሱ።

ፖሊስ፡ "ሓደ ሰብ ብገበን ምስ ተኸሰሰ፡ ሃገራዊ መምርሒ ንኽተል። እዚ መምርሒ ድማ ብሄር ወይ ኵነታት ኢሚግሬሽን ምክፋል ዘጠቓልል ኣይኰነን፡" ብምባል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይክኣለን።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ገበን ዝፍጽሙ ወጻእተኛታት ዜጋታት፡ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ናብ ፍትሒ ከም ዝቐርቡን ክጠራጠሩ የብሎምን፡" ኢሉ።

ወዲ 23 ዓመት ሙላኪል ብ28 ሓምለ ኣብ ኮቨንትሪ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እንከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ካቢር እውን ትማሊ ቀዳም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እዞም ውልቀሰባት፡ ካብ ከተማ ዋርዊክሻየር ዝመጽኡ ኰይኖም፡ 26 ነሓሰ ዳግም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።

እቶም ተኸሰስቲ፡ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ምዃኖም እኳ እንተተገለጸ፡ ብወግዒ ግን ኣይተረጋገጸን።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ብዙሓት ነበርቲ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ብዙሓት ነበርቲ ተሳቲፎም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ብሪስቶል፡ በርንማውዝ፡ ሊቨርፑል፡ ሌስተር፡ በርሚንግሃምን ካልኦትን ካብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ተቓውሞተት ምዃኑ ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም ሓቢሩ።

ኣብቲ ተቓውሞ ዝተንጸባረቑ፡ "ማሕበረሰብና ሓልዉ"፡ "ቅድሚ ወጻእተኛታት ድሕነት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን [ብሪጣኒያ] ይቕድም"፡ ከምኡ'ውን "ኵለዅም ሃገራውያን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም" ዝብሉ ጭርሖታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተዘርጊሖም'ዮም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ገለ ካብቲ ተቓውሞታት ሕሉፍ የማናውያን ተሓለቕቲን ነዚኦም ዝቃወሙ ሰልፈኛታትን ከም ዝተሳተፉ ክዕዘብ ክኢሉ እዩ።

እቲ 'ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም' ዝተባህለ ጕጅለ ተሓለቕቲ፡ እዚ ተቓውሞታት "ዓሌታዊ ዓመጽ ዘለዓዕሉ"ን ነቲ ድሕሪ ቅትለት ሰለስተ ቈልዑ፡ ኣብ ሳውዝፖርት ዝተጕሃሃረ ዓመጽ ክደግሙ ዝፍትኑን ሕሉፍ የማናውያን ትካላት ዘለዓዕሉዎ ገይሩ ከም ዝርእዮ ይገልጽ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ተቓውሞ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ጐደና ጐስጓስ ብዙሕ ተመኩሮ ዘይብሎም ሰባት ዝውደብ ኰይኑ፡ ከም በዓል ኦርላ ዝኣመሰላ ኣዴታትን ሰራሕተኛታትን ሓዊሱ ዝሳተፍሉ ዘለው እዩ።

ብሰንኪ እቶም ሰልፊታት ተቓውሞ ድማ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያ ብሪጣኒያ ሓተትቲ ዕቑባ እተጽንሓሎም ሆቴላት ዘለዎ ኣረኣእያ ለውጢ ይርአ ምህላው ዘመላኽቱ እዮም።

ሓደ ካብቶም ኣብ ሆቴል ዘቤል ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ዝዀነ ካብ ሊብያ ዝመአጽ ዋኤል፡ ሕቶ ዕቑባ ካብ ዘቕርብ ሓደ ዓመት ገይሩ'ሎ፤ ንራብዓይ ግዜ ቃለ መሕትት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ክገብር ድማ ይጽበ ኣሎ።

"ምስ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ተዘራሪበ፤ ኵሉ ጽቡቕ'ዩ። ኤፒንግ ጽቡቕ'ዩ። ኮፍ ኢልና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና። ሰባት የኽብሩና'ዮም። እንግሊዝኛ ክመሃርን ክሰርሕን እየ ዝደሊ- ዋላ ምሕጻብ መኪና ወይ ገለ። ኣብዚ ኰፍ ኢለ ክቕለብ ኣይደልን። ሕልሚ ኣለኒ - ገንዘብ ክረክብን ኵዕሶ ክጻወትን ክዘናጋዕን እደሊ፡" ይብል።

ካልኦት ክልተ ኣብቲ ሆቴል ዘለው መንእሰያት -ዒራቓውያን ኩርዳውያን - ግን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩን ብሞተር ብሽክለታ ዝንቀሳቐሱን መንእሰያት፡ ይድህሉዎም ከም ዝነበሩ ተዛሪቦም።

ሓደ ካብቶም ሓተትቲ ዑቕባ፡ 24 ሰዓታት ኣብቲ ሆቴል ምሕላፍ ከቢድ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ውዕዉዕ መደረ ዘስምዐት ኦርላ፡ ስለ ምንታይ በቲ ሓተትቲ ዕቑባ ዝጸንሕሉ ሆቴል ክሳብ ክንድዚ ከም ዝተቖጥዐት ተሓቲታ።

ኣዕሩኽታ ደቀን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ጸዓዱ ዘይኰኑ መንእሰያትን ደቂ ተባዕትዮ "ይትሓዛ" ወይ "ይትንከፋ" ኣለዋ ከም ዝብላ ትዛረብ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ድኳን ድማ ስርቂ ክፍጸም ከም ዝረኣየት ገሊጻ።

ኦርላ፡ "ሓተቲ ዕቑባ ምዃኖም ኵሉ ሰብ ይፈልጥ'ዩ፡" ብምባል፡ ብዛዕባ ኣብ ሆቴል ዝቕመጡ ስደተኛታት ወሲኻ፡ "ናጻ ነገራት ደልዮም ከም ዝመጽኡ ትፈልጥ ኢኻ፤ ናብዚ ምስ መጽኡ ድማ ነቲ ፍሉይ መሰል ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ። መስሓቕ'ዩ፡" ትብል።

ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምምጻእ ሓለዋ ከም ዘድልዮም ይሓቱ፤ ገሊኦም ኣብ መወዳእታ ንደረጃ ዑቕባ ብቑዓት ከም ዘይኰኑ ይፍረድ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም፡ ኦርላ ኣብ ሓደ ተቓውሞ ምስ ሓደ ኣባል ናይ ኒዮ-ናዚ ጒጅለ እዩ ዝበሃል መድረኽ ከም ዝተኻፈለት ገሊጹ ነይሩ። ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መን ምዃኑ "እትፈልጦ ነገር ከም ዘይነበረ፡" ገሊጻ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ካብቲ ጕጅለ ከም ዝወጽአት ትዛረብ።

ሰልፈኛታት

ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን እዩ። መንግስታት እታ ሃገር፡ ምስ ሰራሕተኛታት እንግሊዝ ክወዳደሩ ካብ ምፍቃድ፡ ንመሕደሪኦምን መግቦምን ምኽፋል ከም ዝምረጽ ብምፍቃድ፡ ኣብ ሆቴላት ክጸንሑ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ መንግስቲ ገለ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከም መራሕቲ ምብጽጻሕ መግቢ ኰይኖም ይሰርሑ ከም ዘለው ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ግን፡ ኣብ መንጐ "ሕጋዊ ስደት"ን "ዘይሕጋውያን ሓተትቲ ዕቑባ"ን ኣፈላላይ ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ።

"ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ብቐሊሉ ድማ ብመትረብ ኢንግሊዝ ክመጽኡ እንተኽኢሎም፡ ከመይ ኢሉ'ዩ ሰባት ብሕጋዊ መገዲ መጺኦም፡ ግብሪ ክኸፍሉን ምስ'ዚ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱን ዝተባብዑ? እዚ ጽቡቕ ኣብነት ድዩ? እዛ ሃገር ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት እያ ዶባት ከፊታ ዘላ፡" ይብል ሓደ ቼንግቼንግ ከል ዝተባህለ ቻይናዊ ነባሪ ብሪጣኒያ።

ቁጽሪ ብንኣሽቱ ጀላቡ ብመትረብ ኢንግሊዝ ናብ ብሪጣኒያ ዝሰግሩ ሓተትቲ ዕቑባ ይውስኽ እኳ እንተሃለወ፡ ካብ ጠቕላላ ስደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተው ስደተኛታት ግን ውሑድ ክፋል እዮም ዝሕዙ።

መንግስቲ ሰለስተ ኩባንያታት ማለት ሰርኮ፡ ክሊርስፕሪንግስን ሚርስን እቶም በዚ መትረብ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ዕማም ሂቡ ኣሎ።

ሚኒስተራት እታ ሃገር፡ መርበባት ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ክበትኵ ከም ዝደልዩ ብቐጻሊ ይረዛቡ። ብዛዕባ እቶም ሆቴላት ግን ብዙሕ ኣይረዛቡን።

ነበርቲ፡ እተን ሆቴላት ዕቑባ ኣብ ዘለውለን ከባቢታት ቁጽሪ ገበን ይውስኽ'ዩ ዘሎ እኳ እንተበሉ፡ መብዛሕትኦም ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝነብሩሎም ምዃኖም እቲ ስግኣት ሓፍ ክብል ከም ዝገበረ ይገልጹ።

እንተዀነ፡ እዚ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ከተማ ኢፒንግ 35 ጾታውን ጐነጻውን ገበናት ከም ዝተፈጸሙ ተገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ቅድሚ ዓመት፡ ኣብ ሆቴል ዘ ቤል ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ 28 ጾታውን ጐነጻውን ገበናት ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ግንቦት 2023፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት እቲ ሆቴል ስደተኛታትን ስድራቤታቶምን ንምዕቛብ ይጥቀመሉ ነይሩ። ቁጽሪ ናይቶም ዝተገልጹ ገበናት ድማ 32 ነይሩ።

እንተዀነ፡ ካብዞም ገበናት ግን ክንደይ ንሓተትቲ ዕቑባ ዘጠቓለለ እዩ? ፖሊስ ብልክዕ ገበናት ኣበይ ከም ዘጋጥም ወይ መን ከም ዝፈጸሞ ዝሕብር ስታቲስቲክስ ኣይዘርግሐን።

ስለዚ ብብዙሕ መዳይ "መን ምዃኖም" ኣይንፈልጥን ኢና።

ኦርላ ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብ ነቲ ውጥረት ንምንካይ ክሕግዝ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናጻ ዋና ተቖጻጻሪ ዶባትን ኢሚግሬሽንን ዴቪድ ቦልት፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ኣተሓሕዛ ሆቴላት ዕቑባ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ኣብ መጀመርታ 2025፡ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ካብ ሆቴላት ከም ዘውጽአን ድሮ 200 ሆቴላት ከም ዝዓጸወን ይገልጽ። ሰልፊ ዕዮ፡ ክሳብ ዝቕጽል ምርጫ ንዅሎም ክዓጽዎም ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት፡ ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ዝጸንሐ 79 ሽሕ ሕቶ ዕቑባ ከጕድሎ ክኢሉ እዩ።

እንተዀነ፡ ሕቶ ዕቑባ ዘቕርቡ ሰባት ብዝሖም ኣይነከየን፤ ብሰንኩ ድማ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ።

መንግስቲ ድማ፡ ነዚ ክቃለሶ ከም ዘይክለኣን ንርእይቶ ሕብረተሰባት ዕሽሽ ኢሉን ዝብሉ ነቐፌታታት ይቐርበሉ።

ኣብዚ እዋን ሓተትቲ ዕቑባ ጥራይ ዝሓዙ ልዕሊ 200 ሆቴላት ኣለው፤ እዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ይቐጽል ኣይቀጽልን ግን መንግስቲ መፍትሒ ከናዲ ክግደድ እዩ።