ርዋንዳ ኣስታት 250 ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ክትቅበል ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency/Getty Images
ርዋንዳ፡ ካብ ኣመሪካ ዝተሰጕ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትርማፕ ብመሰረት ዝበጽሓቶ ስምምዕ፡ ኣስታት 250 ስደተኛታት ከም እትቕበል ገሊጻ።
ብመሰረት እቲ ውጥን እቶም ዝተሰጕ ሰባት "ኣብ ርዋንዳ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ስልጠና ሓይሊ ስራሕ፡ ክንክን ጥዕናን መንበሪን" ክወሃቦም ምዃኑ ወሃቢት ቃል መንግስቲ ዮላንደ ማኮሎ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።
ሓደ ቅድመ ኵነት ናይቲ ስምምዕ፡ ርዋንዳ "ንነፍሲ ወከፍ ናብታ ሃገር ክምለስ ዝተወሰነሉ ውልቀሰብ ንምቕባል ናይ ምጽዳቕ ዓቕሚ፡" ክህልዋ'ዩ ኢላ። ዋይት ሃውስ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበን።
እንተዀነ፡ "ነቶም [ፕረዚደንት ነበር] ጆ ባይደን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፈቐደሎም ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ንምእላይ ክሕግዛና ድሌት ምስ ዘለወን ሃገራት" ዝበለን ብቐጻሊ ይዘራረብ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ሰፊሕ ውጥን ጃምላዊ ምስጓግ ኣተኲሩ'ሎ። እዚ ድማ ካብቲ ቀንዲ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝኣተዎ መብጽዓ'ዩ።
ኣብ ግንቦት፡ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ዋሽንግተን ገለ ካብቶም "ኣዝዮም ፉንፉናት ደቂ ሰባት" ኢሉ ዝገለጾም ሰባት ክትወስድ ፍቓደኛ ዝዀነት ሃገር "ብንጥፈት ትደሊ ኣላ" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ መንጐ ርዋንዳን ኣመሪካን ስምምዕ ከም ዝተገብረ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም ነይሮም።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዝመጽኡለን ሃገራት ኣይንቕበልን ዝበላኦም ዝተሰጕ ስደተኛታት ንምቕባል ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ።
ኢስዋቲኒን ደቡብ ሱዳንን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንገሊኦም ተቐቢለን ኣለዋ፤ እዚኦም ብገበን ተፈሪዶም ዝነበሩ ውልቀሰባት ይርከብዎም።
ወሃቢት ቃል ርዋንዳ ማኮሎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ዳርጋ ኵለን ስድራቤታት ርዋንዳ ምምዝባል ኣጋጢሙወን ስለ ዝነበረ፡" ርዋንዳ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝገበረቶ ስምምዕ ምኽንያት ከም ዝዀና ተዛሪባ።
ወሲኻ ድማ ክብርታት ሕብረተሰብ ርዋንዳ "ኣብ ዳግመ ውህደትን ምሕዋይን" ዝተሞርኰሰ ምዃኑ ገሊጻ።
እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ግንቦት ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፡ እታ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ብጃምላዊ ቅትለት ዝሓለፈት ሃገር፡ "ኣብ መላእ ዓለም ጸገም ንዘለዎም ስደተኛታት ካልእ ዕድል" ብዝብል "መንፈስ" እያ እትምራሕ ብምባል ዝሃቦ ርእይቶታት ዘራጕድ እዩ።
እታ ሃገር፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ካብ መስከረም 2019 ክሳብ ሚያዝያ 2025 ናብ ሩዋንዳ ከም ዝተሰደዱ ይሕብር።
ብድሕሪኡ ብዙሓት ካብዞም ሰባት ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዝገዓዙ ይገልጽ።
ርዋንዳ፡ ኣብ 2022 ምስ ብሪጣንያ'ውን ስደተኛታት ንምቕባል ስምምዕ ነይርዋ።
እንተዀነ እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ሕጋዊ ብድሆታት ምስ ገጠሞን ሰር ኬር ስታርመር ዝመርሖ መንግስቲ ዕዮ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ምስ ሓዘን እቲ ውጥን ፈሪሱ።
ብሪጣንያ ብመሰረት እቲ ምስ ርዋንዳ ዝኣተወቶ ውዕል 310 ሚልዮን ዶላር ከፊላ ነይራ፤ ርዋንዳ'ውን እቶም ስደተኛታት ዘዕቁቡሉ ቦታታት ሰሪሓ ነይራ።
እዞም መሳለጥያታት ሕጂ ንምንታይ መዓላ ከም ዝወዓሉ ንጹር ኣይኰነን።
ከም ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ርዋንዳ ኣመሪካ ንኪጋሊ ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ዘይተገልጸ ሓገዝ ክትህባ ምዃና ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተረጋገጸን።
ወሃቢት ቃል ማኮሎ'ውን፡ ነገራት ምስ ተጻፈፈ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃብ እዩ ኢላ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ መበቈል ሃገር እቲ ስደተኛ ናብ ዘይኰነት ሃገር - ሳልሰይቲ ሃገር - ዝግበር ምግዓዝ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ክጥሕስ ከም ዝኽእል ስክፍታኦም ኣልዒሎም።
ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ትንቀፍ ዝነበረት ኰይና፡ እቶም ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝተላእኩ ዳግማይ ሓደጋ ከስዕባሎም ናብ ዝኽእላ ሃገራት ክጥረዙ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ሻቕሎት ኣልዒሉ ኣሎ።
መንግስቲ ርዋንዳ ግን፡ ንስደተኛታት ውሑስ ቦታ ክህብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝካየድ ግጭት ዝሳተፍ ጕጅለ ዕጡቓት ኤም23 ብምድጋፍ'ውን ትኽሰስ። ርዋንዳ፡ ነዚ ክሲ ትነጽጐ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ዘይምርግጋእ ንምውዳእ ዝዓለመ መስርሕ ሰላም ዝበለቶ ስምምዕ ኣብ መንጐ ርዋንዳን ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ክፍረም ገይራ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







