'ትራምፕ ክጭክን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን' - ብውሳነኡ ዝተጸልዉ ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብርሃነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ኣዲስ ኣበባ -ኢትዮጵያ- ዝተፈላለየ ግፍዒ ከም ዝወረዶ ይዛረብ።
ኣብ 2021፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ማእከላይ መንግስቲን ደማዊ ውግእ ይካየድ ነይሩ።
ብርሃነን ስድራኡን፡ ኣብታ ንዓሰርተ ዓመታት ዝነበሩላ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ስሙይ ቤት መግብን ካልኦት ምንቅስቓሳት ንግድን ነይሩዎም።
እቲ ኲናት እናተጕሃሃረ ኣብ ዝኸደሉ፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ማእሰርትን 'ብሄር መሰረት ዝገበረ' መጥቃዕቲን ክበጽሕ ጀሚሩ።
ብርሃነ'ውን፡ ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ማእሰርትን ምክልባትን ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።
"ብሰንኪ መንነትና ተኣሲርና፡ ብሚልዮናት ዝግመት ግብሪ ስራሕ መጺኡና ትካል ንግድና ተዓጽዩ። እቲ ሽግራት ምስ በዝሐ ዝነበረኒ ንብረት ሸይጠ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ሒዘን ክወጽእ ወሲነ፡" ይብል።
ቅድሚኡ፡ ብዛዕባ ስደት ሓሲቡ ኣይፈልጥን፤ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ቅልውላው ግን፡ ሰለስተ ደቍን ነፍሰ-ጾር በዓልቲ ቤቱን ሒዙ ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ መጺኡ።
"ነብስና ከነውጽእ ኢና መጺእና፡" ዝብል ብርሃነ፡ ናብ ኬንያ ምስ መጽአ'ውን ግን ህይወት ካብ ባዶ ምጅማር ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝነበረ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ርእሲኡ ስግኣት ጸጥታን ኣብታ ሃገር ክትንቀሳቐስ ፍቓድ እትረኽበሎም ዕድላት ኣብ እዋኑ ዘይምርካቦምን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ማእሰርትን ምክልባትን የቃልዖ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
"መጀመርታ ወረቐት ስለ ዘይነበረና ኣብ መገዲ ፖሊስ ክትሕዘና እንከሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገንዘብ እናኸፈልና ኢና ሓሊፍናዮ፤ ናይ ስደተኛ ወረቐት ከይሓዝና እንከለና ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተብጽሖም፡ ኣብ መገዲ ፖሊስ እንተርእዮም 'ባቢ ተሓባእ' ይብሉኒ ነይሮም፡" ብምባል ይዝክሮ።
ብጽሕቲ ወርሒ ኰይና ናብ ኬንያ ዝመጽአት በዓልቲ ቤቱ ድማ፡ ገና ከይተደላደሉ እንከለዉ ሓሪሳ።
ይዅን'ምበር፡ ዝነበሮም ሒደት መንቀሳቐሲ ተጠቒሞም ናብራኦም ንምምራሕ ቤት ብልዒ ከፊቶም ክሰርሑ ጀሚሮም።
"ጓል 40 መዓልቲ ቈልዓ ሒዝና ኢና ወጺእና ስራሕ ጀሚርና። ደቀይ ካብ ሰብ እናተጸበኻ ምንባር ክምህሮም ስለ ዘይደሊ፡ በዓልቲ ቤተይ ሕቑኣ ተኸፊቱ እናሃለወ [ከይጠንከረት] ስራሕ ጀሚርና። ጅግና እያ- ከመይ ከም ዝገልጻ'ዉን ኣይፈልጥን።"
ስራሕ ጽቡቕ ክኸደሎም ጀሚሩ፤ በዚ ኸኣ ተስፋ ክረኽቡ ጀሚሮም።
ኣብ 2023፡ ምምሕዳር ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን፡ 'ዌልካም ኮር' ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም "ስደተኛታት"ን መጻኢ ዜጋታት ኣመሪካን ክመርጹ ዕድላት ዝፈጥር ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ፕሮግራም ተጀሚሩ።
እዞም ስፖንሰር ዝግበረሎም ውልቀሰባት፡ ብትካል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ስደተኛታት ክብሃሉ ኣየድልዮምን።
እቶም መወልቲ ድማ፡ ንርእሶም ኣቐዲሞም ስደተኛታት ወይ ካልኦት ሓደስቲ መጻእቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ የፍቅድ።
እዚ፡ ኣብ ጥሪ 2023 ወግዓዊ ምስ ኰነ፡ ፍጹምን ስድራኡን ኣብ ኣመሪካ 'ስፖንሰር' ዝገብሩዎም ኣዝማድ ስለ ዝረኸቡ፡ እቲ መስርሕ ጀሚሮም፤ ሓደ ዓመት ድማ ተጸብዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ዝነበረና ኣቕሓ ሸይጥና ባዶ ምስ ቀረና . . .'
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘኽእሎም ውሳነ ከም ዝረኸቡ ተበሲሮም።
ካብ ናይሮቢ ናብ ኣመሪካ ቦስተን ዝብገስሉ ዕለትን ዝኣትዉሉ ሰዓትን ብዝርዝር ዝጠቅስ መልእኽትን ቲኬትን ተላኢኹሎም።
ኣብ መወዳእታ "ኵሉ ነገር ስለ ዝተማልአ፡ ዝነበረና ናይ ስደተኛ ሰነዳት ብሙሉኡ ንመንግስቲ ኣረኪብና፤ ዝነበረና ንብረት'ውን ሸይጥና። ናብቶም ስፖንሰር ዝገበሩና'ውን 'ይመጽኡ ስለ ዘለው ተዳሊኹም ዲዅም?' ዝብል ኢ-ሜይል ተላኢዅሎም። ቤተሰብ'ውን ንዓና ክቕበል ብዙሕ ነገር ተዳልዩ፡" ይብል ብርሃነ።
መጻኢ ሰሙን 4 ለካቲት 2025፡ ናብ ኣመሪካ ክኸድሉ ትኬት ዝተቘርጸሉ ዕለት'ዩ።
ብትምህርቶም ኣዝዮም ንፉዓትን ተሸለምትን ዝዀኑ ደቍ'ውን፡ ዓዲ ይቕይሩ ስለ ዘለዉ ተባሂሉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቶም መሰናበቲ ተገይሩሎም።
ሃንደበት፡ ብሰንኪ እቶም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ድሕነት ዶባትን ዘሕለፎ ትእዛዛት ስዒቡ፡ እዚ ዝተሓስበ ጕዕዞ ንግዚኡ ዝተሰናኸለ ይመስል።
በዚ ዝተደናገረ ብርሃነ፡ "ሕዚ፡ ምንም ዓይነት መንቀሳቐሲ ይዅን ካልእ የብልናን፡ ኣብ ኢድና ዝነበረ ነገር ብምሉኡ ኣጻፊፍና፡ ባዶ ምስ ቀረና ሃንደበት ደው ኣቢሎምዎ -ጕዕዞ የለን ተባሂልና። ሰለስቲኦም ደቀይ ትምህርቲ ኣቋሪጾም፡ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን፡" ይብል።
ትራምፕ ናብ ፕረዚደንትነት ካብ ዝምለስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝኣተዎም መብጽዓታቱ ንምፍጻም ዝዓለመ ትእዛዛት ምፍራሙ ይፍለጥ።
እዚ ድማ ኣብ ዶብ ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ስደትን ሕቶ ዑቕባን ብዝለዓለ ደረጃ ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዅሉ መገሻ ስደተኛታትን መስርሕ ምስላጥ ቪዛ ስደተኛታትን ክስረዝ ገይሩ።
እዋን ምምሕዳር ባይደን ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም ውልቀሰባት ንስደተኛታት ዋሕስ (ስፖንሰር) ክገብሩ ዘፍቅድ መደብን ደው ከብሉን መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ይግለጽ።
እዚ፡ ብዂናት ካብ ዝተሃስያ ንዝመጽኡ፡ ንህይወቶም ንዝሰግኡ ሰባት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዕድል ዝህብ ዝነበረ መደብ'ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ መዓልቲ - ኣመሪካ፡ "ንኣመሪካውያን ዝኸውን ጸጋታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘየእቱ መንገዲ፡ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ማሕበረሰባ ናይ ምውሓጥ ዓቕሚ የብላን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ደው ክብል ስለ ዝተገብረ፡ ናብ ኣመሪካ ክገሹ ፍቓድ ዝተዋህቦም ስደተኛታት፡ መደብ መገሻኦም ብመንግስቲ ትራምፕ ተሰሪዙ ኣሎ።
ሕጂ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓለም ጕዕዞኦም ተሰናኺሉ ኣሎ።
እዚኦም፡ ስደተኛታት ኰይኖም ተቐባልነት ንኽረኽቡን ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ዝፍቀደሎም ነዊሕ መስርሕ ዝሓለፉን እዮም።
መስርሕን ምምጻእን ስደተኛታት ዝከታተል ትካል ኣመሪካ ንሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክመጽኡ ዝገብር መስርሕ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃብ ተቛሪጹ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ምስራዝ በረራታት፡ ነቲ ናይ ስደተኛታት ምጥያስ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ክብል ዝገብር እዩ።
ብርሃነ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱን ደቍን ቀሊል ዘይበሃል ጽልዋን ሕርቃንን ከም ዘሕደረ ገሊጹ።
"ብቓላት ዝግለጽ ኣይኰነን፤ ንነዊሕ ግዜ ንኣደይ ኣይርኣኹዋን፤ ቤተሰበይ ንነዊሕ እዋን ኣይርኣኹዎምን። ኣብ ብዙሕ ጭንቂ ኢና ነይርና። ደቀይ'ውን ጽቡቕ ዕድል ረኺቦም፤ ቀሲኖም ጽቡቕ ህይወት ክነብሩ'ዮም፡ ንሕና'ውን ካብ ስግኣታት ናጻ ኴንና ክንነብር ኢና ኢልና ተስፋ ገይርና ነይርና። ዝነበረና ኣቕሓ ብምሉኡ ሸይጥና፡ ሰሉስ ክንጕዓዝ'ዩ ነይሩ እቲ መደብ፡" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዝቕበልዎ ሰባት'ውን፡ ብብዙሕ መዳይ ምድላዉ ገይሮም ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, US Government
'ዝሓሸ ዕድል ክህበና ንጽበ ነይርና'
ብመሰረት እቲ 'ዌልካም ኮር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደብ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት፡ ነቶም ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ሰባት ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕሉ መንበሪ ኣባይትን ካልእ መሰረታዊ ድሌታትን ንምድጋፍ፡ ንሓደ ሰብ ብውሑድ 2,275 ዶላር ስፖንሰር ክገብሩ ትጽቢት ይግበር።
እቶም ስፖንሰር ዝገብሩ ጕጅለታት፡ ዜጋታት ኣመሪካ ወይ ቀወምቲ ነበርቲ ክዀኑ ይኽእሉ።
እዚኦም፡ ልክዕ ከምቶም ጕዳዮም ዝሳለጠሎም ስደተኛታት ዝሓልፉዎ መስርሕ ምጽራይ ድሕረ ባይታ ክሓልፉ ይግደዱ።
ብርሃነን ኣባላት ስድራኡን'ውን እዚ ኵሉ መስርሓት ብዕዉት መገዲ ሓሊፎም እዮም መዓልቲ ጕዕዞኦም ክጽበዩ ጸኒሖም።
"መረጻ ኣመሪካ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ መዓልቲ'የ ቃለ-መጠይቕ ወዲአ፤ ጸዓዱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር ስለ ዝፍለጡ፡ ዓሌት ከይፈለዩ ብዙሕ ሰብ ካብ ጸገም ኣውጺኦምዎ'ዮም። ሕዚ ትራምፕ ይዅን ኣመሪካውያን በዚ ደረጃ ክጭክኑ'ዮም ዝብል ግምት ፈጺሙ ኣይነበረንን። ኣብ ዓዶም ብዙሕ ጸቕጢ ክህልዎም ይኽእል'ዩ፤ ብዙሕ ብሕጋውን ዘይሕጋውን መገዲ ስለ ዝኣቱ፣ ከምቲ ዝደልዩዎ ዘይክኸውን ይኽእል፡ ግን በዚ ደረጃ ኣይተጸበኹን፡" ይብል።
ብርሃነ፡በቲ ውሳነ ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ ብምጥቃስ፡ ስድራኡ ንምጽንናዕ ከም ዝኸበዶ ኣይሓብአን።
"በይነይ እንተዝኸዉን ምኸኣልኩዎ፤ ንሕና ግን ሽዱሽተ ኴንና። ንመን ከተረጋግእ፡ መን የረጋግኣካ የጸግም። እቶም ብትምህርቶም ንፉዓት ዝነበሩ ደቀይ፡ መሰናበቲ ወረቐት ስለ ዘውጻእና ኣይንምሃርን ክብሉኒ ጀሚሮም - ስራሕና'ውን ጠጠው ኣቢልናዮ፤ እንታይ ከም ዝብል ኣይፈልጥን፡" ብምባል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ደቁ ዝሓሸ ዕድላት ትምህርትን ህይወትን ክረኽቡ'ዮም ዝብል ልዑል ትጽቢት ነይሩዎ።
"ደቀይ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዝበጽሐና ኵሉ ስለ ዝርኣዩዎ ይፈልጡዎ'ዮም፤ ኣብ ዝሓሸ ዓዲ ከይዶም ተማሂሮም ግን ንዓዶምን ዓለምን ተስፋ ኣለዎም'ዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ። ንኣመሪካ'ውን ክጠቕሙዋ እዮም- ክሰርሑ'ዮም፡ ክመሃሩ'ዮም ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ትራምፕ ዝሓሸ ዕድል ክህበና ኢና ንሓስብ ነይርና- ሕዚ'ውን ተስፋ ኣይቈርጽን።"
ጽልዋ ክሳብ ሕጂ ዝተለወጡ ሽዱሽተ ጕዳያት ኢሚግሬሽን
ትራምፕ፡ ስደተኛታት ብኸመይ ከም ዝትሓዙን ካብ ኣመሪካ ከም ዝስጐጕን ዝብሉ ዛዕባታት ዘጠቓለለ ጽገና ስርዓት ኢሚግሬሽን ንምክያድ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 21 ስጕምትታት ወሲዱ ኣሎ።
ንሱ፡ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝህሉ ክሕነ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ጥራይ ኣይኰነን ተራእዩ፤ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ባይደን'ውን ብዙሓት ስደተኛታት ክስጐጕ ገይሩ'ዩ።
ኣብ ባጀት ዓመት 2024፡ 271 ሽሕ ስደተኛታት ናብ 192 ሃገራት ተሰጒጐም።
ብድምር ባይደን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዝሰጐገ ኣሃዛት ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደተኛታት ይሕብር።
እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ዝተፈጸመ ዝጽጋዕ'ዩ።
እዚ ቍጽሪ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ባራክ ኦባማ ዝተኻየደ ምስጓግ ስደተኛታት ዝወሓደ ኰይኑ፡ ባራክ ኦባማ ብድምር 2.9 ሚልዮን ሰባት ሰጒጕ ነይሩ።
ፔንታጎን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ 1500 ንጡፋት ሰራዊት ናብ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ 2500 ንጡፋት ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ብዝሒ ሰራዊት ብ60 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ የመልክት።
ሰበስልጣን ወሲዀም፡ ብርክት ዝበሉ ተወሳኺ "ተልእኾታት ምኽባር ዶብ" ኣብ ምምዕባል ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ባይደን'ውን፡ ናብቲ ዶብ ወተሃደራት ኣዋፊሩ ከም ዝነበረ ይዝከር፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ስልጣኑ፡ ስግረ ዶብ ብዓቢኡ ከም ዝነከየ ይግለጽ።
ኣብ ታሕሳስ 2024 - ናይ መወዳእታ ምሉእ ወርሒ ምምሕዳር ባይደን - ኣስታት 47,330 ስደተኛታት ተኣሲሮም። ኣብ ታሕሳስ 2023 ድማ፡ ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት ተኣሲሮም ነይሮም።
እዚ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ትራምፕ ዝነበረ ወርሓዊ ማእከላይ ደረጃ ዝወሓደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ትራምፕ ንመደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ባይደን ኣብ 2024፡ ኣመሪካ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ተቐቢላ - እዚ ድማ ድሕሪ 1995 ዝለዓለ ቍጽሪ ስደተኛታት እዩ።
ትራምፕ "ኣብ ሜክሲኮ ምጽናሕ" ዝብል ፖሊሲ'ውን ዳግማይ ክምለስ ገይሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ሜክሲካውያን ዘይኰኑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኣመሪካ ዝሓተትዎ ዑቕባ ክሳብ ዝፍታሕ ኣብ ሜክሲኮ ክጽበዩ የገድድ።
እዚ ፖሊሲ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 71 ሽሕ ሰባት ጽልዋ ኣሕዲሩ ነይሩ።
እዚ ኣካታዒ ፖሊሲ ብተጣበቕቲ ኢሚግሬሽን ብቐጻሊ ይንቀፍ ከም ዝነበረን፡ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሜክሲኮ ንኣዋርሕ ከም ዝተረፉን፡ ሓሓሊፉ ድማ ብገበነኛታት ጕጅለታት ከም ዝተሃድኑን ይዛረቡ።
ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ 3.6 ሚልዮን ሕቶታት ዕቝባ ተወዚፎም ከም ዘለዉ ይግመት።
መብዛሕትኡ ግዜ ስደተኛታት ሕቶኦም ተቐባልነት ንክረክብ ዓመታት እዮም ዝጽበዩ። መብዙሓት እቶም ጉዳያት ክረኣይሉ ዝኽእል ዕድል ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕል።
ትራምፕ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንሓያሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ካብ ስራሕ ሰጒጕ ኣሎ።
እዚ ኣብ መስርሕ እቶም ጕዳያት ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ፡ 'ሲቢፒ ዋን ኣፕ' - ብምምሕዳር ባይደን ዝተጀመረን ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ብትራምፕ ዝተነቐፈን ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን (መተግበሪ) ከም ዝተዓጸወ ይፍለጥ።
እቲ መተግበሪ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዑቕባ ንምሕታት እቲ እንኮ ሕጋዊ መገዲ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ኵሉ በቲ መተግበሪ ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራታት ብምስራዙ ድማ ዶብ ምስጋር ዝበሃል ኣይክህሉን እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሜክሲኮ ተዓጽዮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ - ኵሎም ድማ ቈጸራ ዝነበሮምን ቈጸራኦም ዝተሰረዘን እዮም።
ኣስታት 270 ሽሕ ስደተኛታት ብወገን ዶብ ሜክሲኮ ኰይኖም በቲ መተግበሪ ቈጸራ ክረኽቡ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ይግመት ክብል መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ዝረኸቦ ኣሃዛት መንግስቲ ይሕብር።
እቲ ስጕምቲ፡ ነቶም ናብ ዶብ ነዊሕ ጕዕዞታት ዝተጓዕዙ፡ ነቶም ቈጸራታት ንምርካብ ድማ ኣዋርሕ ዝተጸበዩ ስደተኛታት ዘጨንቕ እዩ።
ተጣበቕቲ፡ እዚ መተግበሪ ምእላዩ ስዒቡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ዋሕስ ክረኽቡ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ ይብሉ።
ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነታት ኣመሪካ ብወገኑ፡ ኣንጻር ምዕጻው እቲ መተግበሪ ሕጋዊ ብድሆ ኣቕሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







