ኣመሪካ ዝሰረዘቶ ጕዕዞ ስደተኛታት ንመን ይጸሉ?

ኣመሪካ ካብ ዶብ ሜክሲኮ ብዙሓት ስደተኛታት ትመልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ፡ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዅሉ መገሻ ስደተኛታትን መስርሕ ምስላጥ ቪዛ ስደተኛታትን ክስረዝ ገይሩ ኣሎ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ መስርሕ መወክስ (ሪፈራል) ስደተኛታትን ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም ውልቀሰባት ንስደተኛታት ዋሕስ (ስፖንሰር) ክገብሩ ዘፍቅድ መደብን ደው ከብሉን መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ይግለጽ።

እዚ፡ ብዂናት ካብ ዝተሃስያ ንዝመጽኡ፡ ንህይወቶም ንዝሰግኡ ሰባት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዕድል ዝህብ ዝነበረ መደብ'ዩ።

እዚ ስጕምቲ ግን፡ ነቶም ንወተሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካ ዝሓገዙ ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት ዝነበሮም ሰባት ከም ዘይጸሉ እቲ መምርሒ ይሕብር።

ብሰኑይ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ መዓልቲ - ንውጥን ምቕባል ስደተኛታት ኣመሪካ (USRAP) ደው ዘብል ፈጻሚ ትእዛዝ ከም ዝፈረመ ገሊጹ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኣመሪካ፡ "ንኣመሪካውያን ዝኸውን ጸጋታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘየእቱ መንገዲ፡ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ማሕበረሰባ ናይ ምውሓጥ ዓቕሚ የብላን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ደው ክብል ስለ ዝተገብረ፡ ቅድሚ 27 ጥሪ ናብ ኣመሪካ ክገሹ ፍቓድ ዝተዋህቦም ስደተኛታት፡ መደብ መገሻኦም ብመንግስቲ ትራምፕ ተሰሪዙ ኣሎ።

ሕጂ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓለም ጕዕዞኦም ተሰናኺሉ ኣሎ።

እዚኦም፡ ስደተኛታት ኰይኖም ተቐባልነት ንኽረኽቡን ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ዝፍቀደሎም ነዊሕ መስርሕ ዝሓለፉን እዮም።

መስርሕን ምምጻእን ስደተኛታት ዝከታተል ትካል ኣመሪካ ንሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክመጽኡ ዝገብር መስርሕ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃብ ተቛሪጹ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ጸብጻብ ኣሰውሸየትድ ፕረስ የመልክት።

እዚ ምስራዝ በረራታት፡ ነቲ ናይ ስደተኛታት ምጥያስ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ክብል ዝገብር ኰይኑ፡ ብዙሓት ትካላት ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ዝቕበሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ስደተኛታት፡ ሰራሕተኛታት ናብታ ሃገር ንምምጻእ ዝገብሩዎ ዝነበሩ መስርሕ ደው ክብል ይገብር።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክግዕዙ ኣብ ምድላው ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ የመልክቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚኦም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብእተካይዶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምስ ወተሃደራታ ምትእስሳር ዝነበሮ ኣፍጋናውያን ከም ዝርከቡዎም ተገሊጹ።

ካብዞም ፍቓድ መገሻ ረኺቦም ዝነበሩ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጽኡ ስደተኛታት'ውን ይርከቡዎም።

እቲ በረራታት ሃንደበታዊ ደው ምባሉ ነቶም ብሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ንምእታው ዝተሓላለኸን ነዊሕን መስርሕ ክኽተሉ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ሰራሕተኛታት ጕጅለ ዳግመ-ምጥያስ ገሊጾም።

እቲ መደብ ስደተኛታት ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ኣካል እቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢሚግረሽን ሰፊሕ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝሰማማዕ'ዩ።

ብመሰረት እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተግባራዊ ክኸውን ዝጸንሐ መደብ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ስደት፡ ኲናት ወይ ካልእ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምኽንያታት ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ሰባት፡ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዕድላት ፈጢሩ ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ዓመት ፕረዚደንትነት ትራምፕ - 2020- በዚ መደብ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ቍጽሪ ስደተኛታት ኣብ 2020 ኣስታት 11 ሽሕ ጥራይ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2016 ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝነበረ 85 ሽሕ ዝተሓተ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጆ ባይደን ነቲ መደብ ዳግማይ ክኽለስ ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 100 ሽሕ ሰባት ክኣትዉ ክኢሎም ነይሮም።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ዝበዝሐ እዩ።

ትራምፕ ቀዳምነት ንኣመሪካ ከም ዝህብ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኢሚግረሽን እታ ሃገር ዘየናሕሲ ስጕምቲታት ክወስድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዝተፈላለዩ ትእዛዛት ፈሪሙ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእወጅ መምርሒ ሂቡ።

ብተወሳኺ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ሰባት ዝተወልዱ ህጻናት፡ ብቐጥታ ዝወሃቦም ዝነበረ ዜግነት ክስረዝ`ውን ገይሩ ኣሎ።

ትራምፕ፡ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክቋረጽ ዝተዳለወ ትእዛዝ'ውን ፈሪሙ፣ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ካልእ ብትራምፕ ዝተፈረመ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ወተሃደራት "ዶባት ክዓጽዉ" ዝእዝዝ ኰይኑ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ምስ መሳገሪ ዶባት ዝተኣሳሰር ገበንን ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይጠቅስ።

ትራምፕ ኣካል ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ክእወጅ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ሓለፍቲ ትካላት "ኣብ ደቡባዊ ዶብ ተወሳኺ መሰናኽላት ንምህናጽ፡" ዳግም ጻዕርታት ክጅምሩ መምርሒ ሂቡ።

እንተዀነ፡ እቲ መምርሒ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ብኸመይ ክምወል ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን። እዚ ንትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዓብይ ማሕለኻ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ልዕሊ 20 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ኣብታ ሃገር ንዝተወልደ ዝወሃብ ዝነበረ ዜግነት ደው ንምባል ዘሕለፎ ውሳነ ዝቃወም ክስታት ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ።