ትራምፕ፡ ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ኣዚዙ፣ ካልእከ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ናይ ምስሓብ መስርሕ ንምጅማር ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ትማሊ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመልሰ ነቲ ሰነድ ኣብ ዘጽደቐሉ እዋን፡ "እዋእ፡ እዚ ዓቢ ነገር'ዩ" ኢሉ።
እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ ካብ ዝወሰደሎም ዓሰርተታት ፈጸምቲ ስጕምትታት ሓደ እዩ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ክእዝዝ እንከሎ እዚ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።
እቲ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ዝነበሮ ኣተኣላልያ ብምንቃፍ፡ ኣመሪካ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ካብቲ ትካል ንክትስሕብ መስርሕ ጀሚሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ክኣ ነቲ ውሳነ ኣትሪፉዎ።
ሕጂ፡ ነዚ ፈጻሚ ስጕምቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ ምእዛዙ ኸኣ፡ ኣመሪካ ካብቲ ዓለማዊ ትካል ብወግዒ ናይ ምውጻእ ተኽእሎኣ ዝለዓለ ይገብሮ።
ትራምፕ፡ "ክንምለስ ይደልዩ'ዮም፤ ስለዚ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና" ብምባል ምናልባት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ክትምለስ ከም እትኽእል ኣመልኪቱ።
እቲ ውሳነ፡ "ብሰንኪ እቲ ትካል ካብ ዉሃን ቻይና ዝተላዕለ ኮቪድ-19ን ካልኦት ዓለማዊ ቅልውላዋት ጥዕናን ብዝነበሮ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ፣ ብህጹጽ ዘድሊ ጽገናታት ክገብር ብዘይምኽኣሉ፣ ከምኡ'ውን ካብ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ካብ ዝበጽሖ ዘይግቡእ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ናጻ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ፡" ነዚ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ።
እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ካብቲ ውድብ ምስሓብ ነቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገበረቶ "ዘይፍትሓዊ ከቢድ ክፍሊት" ዝወለዶ ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ትካል "ቻይና ማእከል ዝገበረ'ዩ" ብምባል ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምምካት ከም ዝፈሸለ ይገልጽ ነይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዘውጽኦም መምርሒታት'ውን ንቻይና ሻራውነት ዘርኣየ ነይሩ ክብል ይኸስስ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን ኣመሪካ ዝዓበየት መዋሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ኰይና ቀጺላ ነይራ፤ ኣብ 2023 ድማ ዳርጋ ሓደ ሕምሲት ባጀት እቲ ትካል ኣበርኪታ።
ዓመታዊ ባጀት እቲ ትካል 6.8 ቢልዮን ዶላር እዩ።
ክኢላታት ህዝባዊ ጥዕና፡ ትራምፕ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንምውጻእ ዝወሰዶ ውሳነ ብምንቃፍ፡ ኣብ ጥዕና ኣመሪካውያን ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም።
ገለ ሰባት እዚ ስጕምቲ ኣብ ምምካት ተላባዕቲ ሕማማት -ከም ዓሶ፡ ዓባይ ሰዓልን ኤችኣይቪ ኤይድስን - ዝተገብረ ምዕባለ ንድሕሪት ክመልሶ ከም ዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን ከም ኣተሓባባሪ ምላሽ ኮቪድ-19 ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣሺሽ ጃ፡ ካብቲ ትካል ምውጻእ "ንጥዕና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንመሪሕነትን ሳይንሳዊ ብቕዓት ኣመሪካ'ውን ከም ዝጐድእ" እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ኣዕናዊ ፕረዚደንታዊ ውሳነ'ዩ። እዚ ስጕምቲ ንጥዕና ዓለም ከቢድ ቁስሊ'ኳ እንተዀነ፡ ንኣመሪካ ክኣ ዝዓሞቐ ቁስሊ'ዩ" ይብል ዓለማዊ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውንን ፕሮፌሰር ሎረንስ ጎስቲን።
ካልኦት ውሳነታት ከ?
ትራምፕ፡ ኣብ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእወጅ መምርሒ ፈሪሙ።
"እዚ ዓቢ ነገር'ዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣትዮም ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ሰባት ዝተወልዱ ህጻናት ብቐጥታ ዝወሃቦም ዝነበረ ዜግነት'ውን ዒላማ ገይሩ።
ትራምፕ፡ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኣመሪካ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክቋረጽ ዝተዳለወ ትእዛዝ'ውን ፈሪሙ፤ ዝርዝር እዚ ትሕዝቶ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ካልእ ብትራምፕ ዝተፈረመ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ወተሃደራት "ዶባት ክዓጽዉ" ዝእዝዝ ኰይኑ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምስ መሳገሪ ዶባት ዝተኣሳሰር ገበንን ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይጠቅስ።
ትራምፕ ኣካል ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ክእወጅ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ሓለፍቲ ትካላት "ኣብ ደቡባዊ ዶብ ተወሳኺ መሰናኽላት ንምህናጽ" ዳግም ጻዕርታት ክጅምሩ መምርሒ ሂቡ።
እንተዀነ፡ እቲ መምርሒ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣይኰነን፡ ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ብኸመይ ክምወል ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን፤ እዚ ድማ ንትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዓብይ ማሕለኻ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ትራምፕ ኣብ 2016 ንመጀመርያ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ መንደቕ ዶብ ንምህናጽ ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ ነይሩ።
ገለ ክፋል እዚ መንደቕ'ኳ እንተተሃነጸ፡ መብዛሕትኡ ግን ከይተዛዘመ'ዩ ተሪፉ።
ብተወሳኺ ንገበነኛታት ካርተላት [ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ] ኣህጕራውያን ግብረሽበራውያን ትካላት ወጻኢ ኢሉዎም።
ሳልቫዶራዊ ጕጅለ ስደተኛታት ኤምኤስ-13ን ቬንዙዌላዊ ጕጅለ ትሬን ደ ኣራጉዋን ኣብቲ ኣልቓዒዳ፡ ኣይኤስን ሓማስን ዝሓቘፈ ዝርዝር ግብረሽበራ ክኣትው'ዮም።
ምግታእ ሓድሽ ምቝጻር
ትራምፕ ብተወሳኺ ነቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ማሕበራዊ ሚድያ ቲክቶክ ዝእግድ ሕጊ ን75 መዓልታት ተግባራዊ ከይኰነ ክጸንሕ ዘኽእል መምርሒ ፈሪሙ።
ቲክቶክ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ንሓጺር ሰዓታት ኣብ ኣመሪካ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ትራምፕ ዝበዝሐ ብጽሒት እቲ ኩባንያ ዝገዝእ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ንምርካብ ዝያዳ ግዜ ከም ዝህቦ ብምግላጽ፡ ኣገልግሎት ንክህብ ከም ዘፍቅድ ገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ዝፈረሞ መምርሒ ግን ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ስጕምቲ ድሕሪ ምፍራሙ፡ "ንክሸጦ ወይ ንክዓጽዎ" መሰል ከም ዝህቦ ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ ሓድሽ ፌደራላዊ ምቑጻር ስራሕ ደው ዘብል ስጕምቲ ክኣ ፈሪሙ - ብዘይካ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኣመሪካን ካልኦት ሓያሎ ምድባትን - እዚ ድማ ክሳብ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ምሉእ ቍጽጽር ዝገብር ዝጸንሕ እዩ።
ሰራሕተኛታት ፌደራል'ውን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ክሰርሑ ከም ዘለዎምን ካብ ገዛኦም ኰይኖም ክሰርሑ ከም ዘይፍቀደሎምን ዝእዝዝ ሰነድ ፈሪሙ ኣሎ።
ካበዚ ብዝሰገረ፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ክትወጽእ ምዃና የጠንቅቕ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናዕቢ ካፒቶል
ኣብ 2021 ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ንዝተኣስሩ ኣስታት 1500 ደገፍቱ ምሕረት ገይሩሎም።
ትራምፕ ነቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተኣስሩ ሰባት "ጅሆታት" ክብል ብተደጋጋሚ ክጽውዖም ጸኒሑ'ዩ።
ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 1500 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።
ብውሕዱ 600 ድማ ንኣባላት ፖሊስ ፌደራል ብምጥቃዕ ወይ ብምዕንቃፍ ተኸሲሶም።
ትራምፕ ምስ ናዕቢ ካፒቶል ብዝተኣሳሰር ብዓመጽ ውዲት ዝተፈርዱ ኣባላት ሕሉፋት የማናውያን ጕጅለታት 'ኦዝ ኪፐርስን ፕራውድ ቦይስን' እውን ፍርዶም ክቕየር ገይሩ።
ጠበቓ ናይቲ ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ዝመልኦ ውዲት ፈጺሙ ብዝብል ን22 ዓመታት ዝተፈርደ መራሒ ፕራውድ ቦይስ ነበር ሄንሪ "ኤንሪከ" ታሪዮ፡ ክፍታሕ ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







