ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚደንት ኰይኑ ብወግዒ ቃለማሕላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ብወግዒ ቃለማሕላ ብምፍጻም ስልጣን ተረኪቡ'ሎ። ትራምፕ ኣብ 2017 መበል 45 ፕረዚደንት ብምዃን ንሓደ እብረ ከምዘገልገለ ይዝከር።
ወግዓዊ ጽንብል ምስግጋር ስልጣን ብሰንኪ ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዘሎ ብውርጪ ዝተሰነየ ክቱር ቀዝሒ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ባይቶታት ኣመሪካ (ካፒቶል) ክፍጸም ኣገዲዱ'ሎ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ጆ ባይደን፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ተረኺቦም።
ኣቐዲሞም ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተራኸቡ ጆ ባይደንን ትራምፕን ብሓደ ኣብ ሓንቲ ፕረዚደንታዊት ማኪና ናብ ካፒቶል ምምርሖም ትእምርቲ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ኮይኑ'ሎ።
ኣብ 2021 ብውጽኢት ምርጫ ዘይተሓጎሰ ትራምፕ፡ ንወግዓዊ ጽንብል ምርካብ ስልጣን ባይደን ረጊጹ፡ ካብታ ከተማ ምውጽኡ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ባይደን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ስልጣኑ ነቶም ትራምፕ ሕነ ንምፍዳይ ክሲ ከቕርበሎም ይኽእል'ዩ ዝበሎም፡ ከም ብዓል ሓላፊ ምክልኻል ሕማማት ዝነበረ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺን ንትራምፕ ዝምርምሩ ዝነበሩ ኣባላት ኮንግረስን ኣቐዲሙ ምሕረት ሂብዎም ኣሎ። ትራምፕ ብወገኑ ነቶም ብናዕቢ ካፒቶል 6 ጥሪ ዝተኣሰሩ ደገፍቱ ምሕረት ከምዝገብረሎም ኣፍሊጡ'ሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ጀይ-ዲ ቫንስ'ውን ሎሚ ብወግዒ ቃለማሕላ ፈጺሙ'ሎ።
ድሕሪ'ቲ ቃለማሕላ ንክብሪ እቲ ፕረዚደንት መዳፍዕ ተተኲሱ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝርከቦም መራሕቲ ዓለም፡ ነገስታትን ንግስትታትን ንትራምፕ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ይገልጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ሕጂ ክጅምር'ዩ'
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ጽንብል ኣብ ዘስምዖ ወግዓዊ መደረ፡ ንዝጸንሐ ምምሕዳር ባይደን ብትሪ ብምንቃፍ 'ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ሕጂ ክጅመር'ዩ' ኢሉ።
ንዝሰረተ ፖለቲካዊ ደርቢ እታ ሃገር ብልሽው ክብል ብምግላጽ ድማ "ንክብሪ ኣመሪካ" ከምዘምልሶ ቃል ኣትዩ።
"25 ጥሪ 2025 መዓልቲ ሓርነት'ያ" ዝብል ትራምፕ "ምንቁልቋል ኣመሪካ ኣብዚ ኣብቂዑ'ሎ" ክብል ኣዊጁ።
ናብ ፕረዝደንትነት "ብርእሰ ምትእምማንን ትስፉውነትን" ከም ዝተመለሰን እዚ ኸኣ "ምጅማር ናይቲ ዘሕጉስ ሓድሽ መዋእል ሃገራዊ ዓወት" ከም ዝኾነ ሞጒቱ።
"ፀሓይ ብርሃን ኣብ መላእ ዓለም የንጸባርቕ ኣሎ። አሜርካ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ነዚ ዕድል ክትጥቀመሉ ዕድል ኣለዋ"።
"ህይወተይ ብምኽንያት እያ ድሒና" ብምባል'ውን ንዝተኻየደሉ ፈተነ-ቅትለት ኣዘኻኺሩ። "ንኣሜርካ ዳግም ዓባይ ምግባር" ዝብል ጭርሖኡ'ውን ኣብ ግብሪ ከምዘውዕል ብምስማር ንዓለም እተቕንእ ሃገር ከምዝገብራ ተመባጺዑ።
ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ድማ ኢሚግረሽንን ዕቑባ ስደተኛታትን ዝርከብዎም ተረርቲ መምርሒታት ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ንፖሊሲታት ምምሕዳር ባይደን ብምስራዝ፡ ኣብ ነዳዲ ዝተመስረተ ስርዓተ ጸዓት ከምዝእውጅ ብምፍላጥ፡ ኣመሪካ ርእሳ ክኢላ ንካልእ ከምእትኸውን ኣነጺሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብታ ሃገር ብወግዒ "ክልተ ጾታታት፡ ተባዕታይን ኣንስታይን" ምህላዉ ኣፍልጦ ከምዝህብ ተዛሪቡ።
ትራምፕ ነቲ ወሽመጥ ሜክሲኮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዘሎ ማያዊ ዞባ'ውን 'ወሽመጥ ኣመሪካ' ዝብል ወግዓዊ ስም ክህቦ'ዩ።
"ኣመሪካዊ ሕልሚ ዳግማይ ክምለስ'ዩ" ድሕሪ ምባል ድማ "ዳግማይ ሃብታም ሃገር" ክትከውን'ያ" ክብል ንሓይሊ፡ ዝናን ክብርን ኣመሪካ ዘጉልሐ መደረ ኣስሚዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







