ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ስልጣኑ ክቕይሮም ዝወጠኖም መደባት

ትራምፕ ሎሚ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።

ንሱ ናብ ስልጣን ኣብ ዝምለሰላ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ብዙሓት ነገራት ክቕይር ከም ዝዀነ ድማ ተመባጺዑ'ዩ።

ጕዳያት ዘይሕጋዊ ስደት፡ ሕግታት ክሊማ፡ ፖሊሲታት ብዙሕነት፡ ምስጢራዊ ሰነዳትን ካልኦትን ገለ ካብቶም ዒላማ ክገብሮም ዝኽእል ዛዕባታት ምዃኖም ገሊጹ።

እዚኦም፡ ክሳብ ሕጂ ፊርማ ኣየንበረሎምን።

ፕረዚደንታት ስልጣን ክሕዙ እንከለዉ ዝተፈላለዩ ትእዛዛት ክፍርሙ ልሙድ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ትእዛዛት ብሕጊ ዝድንግጉ ኰይኖም ብስዒቦም ዝመጽኡ ፕረዚደንታት ወይ ኣብያተ ፍርዲ ግን ክቕየሩ ይኽእሉ።

ስፍሓት እቲ ትራምፕ ዝሓስቦ ዘሎ ስጕምቲታት ግን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ኵሉ፡ ሕጋዊ ብድሆታት ክገጥሞ ከም ዝኽእል እውን ይግበር።

ንገለ ካብቶም ትራምፕ ዘይከናሕስየሎም ዝኽእል ኣገዳስቲ ዛዕባታት ንርአ።

ኢሚግሬሽንን ዶብን

ትራምፕ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ "ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝዓበየ ስርሒት ምስጓግ [ስደተኛታት] ከበግስ" ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተሓንዩ።

ንሱ፡ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዶብ ክእውጅ፡ ከምኡ'ውን ሰራዊት ንደቡባዊ ዶብ ንምውሓስ ክሕግዝ ክእዝዝ ምዃኑ ፎክስ ኒውስ ሓቢሩ።

ትራምፕ ኣብ 2016 ንመጀመርያ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሓጹር መንደቕ ክህነጽ ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ።

ገለ ክፋላት እቲ መንደቕ እኳ እንተተሃንጸ፡ ገና ብዙሕ ዘይተዛዘመ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዝጀመሮ ክውድኦ ክጽዕር ይኽእል እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ፈደራል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ ትምህርትን ወፍሪ ከየካይዱ ዝዓገተ ፖሊሲ ከም ዘብቅዕ እውን ገሊጹ።

ዝዀነ መደብ ጃምላዊ ምስጓግ ግን ሎጅስቲካዊ ጸገማት፡ ቢልዮናት ወጻኢታትን ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ ብድሆታትን ከጋጥሞ ትጽቢት ይግበር።

ትራምፕ ነቲ "ኣብ ሜክሲኮ ምጽናሕ" ዝብል ፖሊሲኡ ዳግማይ ተግባራዊ ክገብሮ ይኽእል'ዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ኣስታት 70 ሽሕ ዘይ-ሜክሲካውያን ሓተትቲ ዑቕባ ስግር ዶብ ናብ ሜክሲኮ መሊሱ መስርሕ ፍርዲ ኣብኡ ኰይኖም ክጽበዩ ዝገበረ ፖሊሲ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ነቲ ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝተወልደ ዝዀነ ሰብ ኣመሪካዊ ዜጋ እዩ ዝብል ን150 ዓመታት ዝጸንሐ ቅዋማዊ መሰል "መስሓቕ" ብምባል ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ክስርዞ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እንተዀነ፡ መሰል ልደት ዜግነት ብቅዋም ኣመሪካ ብግልጺ ዝተረጋገጸ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ስጕምቲ ተግባራዊ ምግባር ትእዛዝ ፈጻሚ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝኸበደ'ዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ትራምፕ ብምኽንያት ጕዳያት ጥዕና ዶባት ክዓጹ ከም ዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብታ ሃገር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጥዕና ህዝቢ ንምሕላው ስደት ክገትእ ዘኽእል "Title 42" ዝተባህለ ኣብ 1944 ዝተወስደ ስጕምቲ ኣሎ።

እዚ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ግን እቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ንደቡባዊ ዶብ (ኣመሪካ ምስ ሜክሲኮ ዘራኽባ) ንምዕጻው ዝሓንጸጾ መደብ ንምምኽናይ ዝሕግዝ ምኽንያት ይደሊ ከምዘሎ ይሕብራ።

ብኻልእ ወገን፡ ትራምፕ ንካርተላት ዕጸፋርስ "ትካላት ሽበራ ወጻኢ" ኢሉ ክብይኖም ኣብ ዝርዝር ከም በዓል ኣልቓዒዳ፡ እስላማዊ መንግስቲን ሓማስን ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ዝሰፈርሉ መዝገብ ከእትዎምን ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብደቡባዊ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝጕዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብደቡባዊ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝጕዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት

ንግድን ቍጠባን

ትራምፕ፡ ኣካል ናይቲ ንዓውዲ ማኑፋክቸሪን ኣመሪካ ቀዳምነት ንምሃብ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑ ሰፊሕ ቀረጽ ክኽፈል ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ'ውን ኣተኣታትዩዎ ዝነበረ ስጕምቲ'ዩ። እዚ ገሊኡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተነብረ ጆ ባይደን ክለዓል ገይሩዎ ጸኒሑ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ግን፡ ኣብ ኵሉ ካብ ወጻእ ዝኣቱ ኣቕሓ 10% ቀረጽ፡ ካብ ካናዳን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ኣቑሑት 25%፡ ካብ ቻይና ዝመጽእ ድማ 60% ቀረጽ ከኽፍል እየ ይብል።

ነዚ ተግባራዊ ንምግባእ ዘኽእል መምርሒታት ድማ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ምፍራም ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

ታሪፍ ንሃለኽቲ ኣቑሑ ዝያዳ ክቡር ክገብሮም ተኽእሎ ከም ዘሎን ዝቕባበ ዋጋ ክጋደድ ጽልዋ ክፈጥር ከም ዝኽእልን ክኢላታት ይገልጹ።

ገለ ሃገራት'ውን ሕነ ንምፍዳይ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዳ ይሓስባ ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን፡ ትራምፕ ንክሪፕቶካረንሲ ዝጣበቕ ኰይኑ፡ ንሱ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን ዋጋ ቢትኮይን ብ30% ክውስኽ ተራእዩ እዩ።

ገለ ሰባት ትራምፕ "ንዅሎም ኣመሪካውያን ዝጠቅም ቀዋሚ ሃገራዊ ንብረት" ኰይኑ ከም ዘገልግል ዝገለጾ ፈደራላዊ "መኽዘን ቢትኮይን" - ምስቲ ኣመሪካ ዘለዋ ዕቑር ወርቅን ነዳድን ዝመሳሰል ስትራተጂያዊ ዕቑር ሃብቲ - ንምፍጣር ብቕልጡፍ ክስጕም ምዃኑ ይኣምኑ።

ክሊማን ጸዓትን

ንፖሊሲታት ክሊማ ጆ ባይደን ክኣልዮም'ዩ።

እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት፡ ሓምላይ ስራሕ ንምዕባይ፡ ብከላ ከባቢ ንምቍጽጻርን መሰረተ ልምዓት ንምምዋልን ዝቃለሶ ዝነበረ ተኸታታሊ መምርሒታት፡ ሕጋጋትን መደባት ምወላን፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ዓወታቱ ገይሩ ይርእዮ።

ትራምፕ፡ ንመብዛሕትኡ ንድሕሪት ክመልሶ ከም ዝደሊ ብንጹር ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ኳዕቲ ዝነበረ ገደብ ንምእላይ ትእዛዝ ከም ዘመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ምፍራይ ጸዓት ክውስኽ ዝገብር ክኸውን እዩ።

ብተወሳኺ ሓደስቲ ፕሮጀክትታት ንፋስ ክእግድን ንናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ክስርዞን ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ከውጽኣ ምዃኑ ይገልጽ።

ትራምፕ ኣብ 2017 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ኣውጺኡዋ።

እዚ፡መጠን ሙቐት ዓለም ንምድራት ዝተዳለወ ፍሉይ ኣህጉራዊ ስምምዕ እዩ።

ባይደን ኣብ 2021 ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ ኣመሪካ ዳግማይ ናብቲ ስምምዕ ክትጽንበር'ኳ እንተገበረ፡ ትራምፕ ግን ዳግማይ ካብቲ ስምምዕ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።

2024፡ እታ ኣዝያ ዝወዓየት ዓመት ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, 2024፡ እታ ኣዝያ ዝወዓየት ዓመት ነይራ

ናዕቢ ካፒቶል

ድሕሪ'ቲ ኣብ 2021 ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝተፈርዱ ኣማኢት ሰባት፡ሎሚ ትራምፕ ናብ ስልጣኑ ምስ ተመልሰ፡ ምሕረት ክግበረሎም ይጽበዩ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንብዙሓት ካብኣቶም ይቕረ ክብል ዝንባለ ኣለኒ" ኢሉ።

"ንነፍሲ ወከፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ሓደ ክልተ ካብኣቶም፡ ምናልባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኖም ክዀኑ ይኽእሉ።"

ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 1500 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ብውሕዱ 600 ድማ ንፖሊስ ፈደራል ብምጥቃዕ ወይ ብምዕንቃፍ ተኸሲሶም።

ምስጢራዊ ሰነዳት

ትራምፕ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ 1963 ዝተፈጸመ ቅትለት ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝተኣሳሰሩ ምስጢራዊ ሰነዳት ከም ዝዝርግሕ ገሊጹ።

እዚ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝሓዘ እዩ።

ኣብ 1968 ምስ ቅትለት ሴናተር ሮበርት ኬነዲን መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየርን ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት'ውን ወግዓዊ ክገብር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ፖሊሲ ወጻኢ

ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፕረዚደንትነቱ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ'የ ኢሉ ነይሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሽዱሽተ ወርሒ ከድልዮ ከም ዝኽእል'ውን ገሊጹ።

ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ግን ንጹር ኣይኰነን።

ብኻልእ ወገን፡ እተን ኣብ ቀረባ ምምሕዳር ባይደን ካብ ዝርዝር መንግስታዊ መወልቲ ግብረሽበራ ዝተኣለያ ኵባን ቬነዙወላን ንምእላይ ዝተወስደ ስጕምቲ ክጐሲ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ልዕሊ ቬነዙወላ ዝተነበረ እገዳ'ውን ክመልሶ ይኽእል'ዩ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳሩ ብተደጋጋሚ ቁጥዐኡ ዝገልጸለን ሃገራት ምንባረን ይዝከር።

ብዙሕነትን ጾታን

ትማሊ፡ ኣንጻር ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትማሊ፡ ኣንጻር ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ንደቂ ኣንስትዮን ውሑዳት ዓሌታትን ንምድጋፍ ዝተዳለወ ፖሊሲታት ተግባራዊ ገይረን እየን።

እዞም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ "ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ሓቛፍነትን" (DEI) ዝምደቡ ተግባራት፡ ንብዙሓት ዓቃባውያን ኣቘጢዖምን ሕጋዊ ብድሆታት ኣጋጢምዎምን እዩ።

ትራምፕ ኸኣ፡ ነዚኦም ክፍርሶም ተሓንዩ ኣሎ።

ድሮ፡ ከም ሜታ፡ ዋልማርትን ኣማዞንን ዝበሉ ዓበይቲ ኮርፖረሽናት ተዛመድቲ ተበግሶታት ንድሕሪት ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ትራምፕ ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ካልኦት መደባት ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ሓቛፍነትን ዘለወን ትካላት ዝኸይድ ምወላ ፈደራል ክገትኦ ይኽእል እዩ።

"ወሳኒ ክልሰ ሓሳብ ዓሌት" (critical race theory CRT) ንዝምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ዝግበር ምወላ'ውን ክእግድ ይኽእል እዩ።

ምንጻል ጥንሲ

ትራምፕ ከም መብዛሕትኦም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሪፐብሊካን ፕረዚደንታት፡ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ንዝህቡ ኣህጉራውያን ጕጅለታት ዝወሃብ ፈደራላዊ ሓገዝ ዝእግድ "ፖሊሲ ከተማ ሜክሲኮ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ መምርሒ ዳግማይ ክመልሶ ትጽቢት ይግበር።

ብተወሳኺ ነቲ ትሑት እቶት ዘለዎም መደብ ውጥን ስድራቤት ዝዀኑ ፈደራላዊ ወሃብቲ ጥዕና - "ታይትል ኤክስ" - ንሕሙማት ምንጻል ጥንሲ ከይጠቕሱ ዝኽልክል ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዳግማይ ክመልሶ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ለውጢ፡ ካብተን ምንጻል ጥንሲ ወይ ሪፈራል ዝህባ ትካላት ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ክስእና ገይሩ'ዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ልውጠ-ጾታ (ትራንስጀንደር) ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስፖርት ክእግደን እዩ።

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን "ዕብዳን ትራንስጀንደር" ብምባል ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ፡ ብፍላይ ድማ 'ትራንስጀንደር' ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ከይወዳደራ ከም ዝኽልክል ቃል ኣትዩ።

ቲክቶክ፡ ትማሊ ኣብ ኣመሪካ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ከም ዝነበረ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቲክቶክ፡ ትማሊ ኣብ ኣመሪካ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ከም ዝነበረ ይዝከር

ቲክቶክ

ትማሊ ሰንበት ንግሆ ትራምፕ ነቲ ብቻይናውያን ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ክእገድ ዝእዝዝ ሕጊ ክናዋሕ ከም ዝገብር ገሊጹ'ዩ።

ንሱ፡ 50% ብጽሒት ናይቲ ኩባንያ ዝገዝእ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ንምርካብ ግዜ ከም ዝህቦም ገሊጹ።

ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ንእገዳ ቲክቶክ ይድግፍ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን መርገጺኡ ቀይሩ።