ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰጋር ያታን ንቡርን

ትራምፕ እቲ ረባሺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ምስቶም ኣዝዮም ሕሉፋት የማናውያን መሻርኽቱ ብምትሕብባር፡ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ መኣዲ ዘተ ዘቕረቦ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንኸይቅበል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ምድንጓይ ሜላታት ኣቋሪጹዎ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓማስን ካልኦት ጕጅለታት ፍልስጤምን ጸቕጢ ክትገብር ውሁብ እዩ።

ይዅን እምበር ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተገብረ ርኡይ ጸቕጢ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ፡ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፡ ንኲናት ቓዛ ክዓርፍ ብምሕጋዙ ኣፍልጦን ክብርን ይረክብ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ነታንያሁ፡ ኣብ ውሽጢ ጥምረት ፖለቲካዊ ቅልውላው የጋጥሞ ኣሎ።

ምስ ሓማስ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ስምምዕ፡ ነቶም ኣብ መንግስቱ ዘለዉ ሕሉፋት ሃገራውያን ፖለቲከኛታት ቅቡል ኣይኮነን።

ሓደ ካብኣቶም፡ ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር፡ ካብ ሰልፊ ሓይሊ ኣይሁድ እዩ።

ንሱ፡ ውግእ ቓዛ እንተቐጺሉን፡ ኵሉ'ቲ ናብ ቓዛ ዝግበር ሓገዝ ደው ብምባል ንሓማስ ምስ ዘጥፍእን ጥራይ እዩ ክድግፎ ይብል።

እቲ ጠለባት እንተዘይተማሊኡ ግን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ የፈራርሕ።

እዚ ንዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ኣገዳስነት ኣይክህልዎን እዩ።

ትራምፕ ቅድሚ ፖለቲካዊ ጠለባት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ንረብሓታት ፕረዚደንትነቱ ዘቐምጦ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ እዩ ዘቐድም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ'ቲ ብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ ዓንዩ እዩ።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ሰላማውያን ሰባት እናቐተለት፡ መግብን ጽሩይ ማይን ሕክምናን እናኸልአት ከይተረፈ፡ ጆ ባይደን ንእስራኤል ክሕግዝ ብምውሳኑ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ኣገደስቲ ኣብ ዝዀኑ ሓደ ሓደ ግዝኣታት ክረኽቦ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ድምጺ ከይተረፈ'ዩ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ።

ሕሉፋት የማናውያን ሃገራውያን እስራኤል፡ ትራምፕ ኣብ ሕዳር ምስ ተዓወተ፡ ካብቲ ባይደን ዝህቦም ዝነበረ ዝለዓለ ፍቓድ ክህበና እዮም ኢሎም ስለ ዝገመቱ፡ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም።

እቲ ክውንነት ግን ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ወጻእን ዝተሓላለኸን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እስራኤል፡ እታ ትራምፕ፡ ኣብ 2021 ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንከሎ ዝገደፋ ሃገር ኣይኰነትን።

ትራምፕ እውን ሕጂ ከምቲ ናይ ፈለማ ፕረዚደንትነቱ ዝነበሮ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ።

ትራምፕ፡ ንማእከላይ ምብራቕ ብኸመይ ከም ዝቐርቦ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመት ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ብዝገበሮ ምልክታት ክትርዳእ ኣየጸገምን እዩ።

ካብ እስራኤልን ካብቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤምን ወጻኢ ትነብር እንተዄንካ፡ ፍጻመታት ናይ 14 ግንቦት 2018 እንተዘይዘኪርካ ይቕረ ክበሃለካ ይኽእል እዩ።

እቲ ናብ ኲናት ቓዛ ዝመርሐ ፍጻመታት እውን ክርሳዕ ይከኣል እዩ። እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ምፍሳስ ደም ዘስዓበ መጥቃዕቲ ግን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን።

ኣብዛ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ዜናታቶም ብኢንተርነት ዝረኽቡላ ዓለም ሰባት ኣብ ሓንቲ ስክሪን ኣብ ሓደ ህሞት ክልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘሐጕስን ዘሕዝንን ዜናታት እዮም ዝርእዩ።

ኣብ ሓደ ወገን ናይቲ ዜና፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣዝዮም ፎቶጀኒክ ዝዀኑ መጻምድቲ፡ ጓል ትራምፕ ኢቫንካን በዓል ቤታ ጃረድ ኩሽነርን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይቲ ፕረዚደንት እውን ዝነበረን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ሓድሽ ኤምባሲ ኣመሪካ ይኸፍቱ ነይሮም።

ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ስክሪን ከኣ ወተሃደራት እስራኤል ነቶም ሓጹር ሰጊሮም ተቓውሞኦም ከስምዑ ዝፍትኑ ናብ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ዘንብዕን ጋዝን ጠያይትን ይትኩሱ ነይሮም።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ተልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ምግዓዝ ማለት እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ነይሩ።

ንሱ ከኣ ሓደ ካብቲ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ መብጽዓታት ጐስጓስ መረጻን ኰይኑ፡ ነቶም ዝበዝሑ ወንጌላውያን ክርስትያን ንምሕጓስ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ፍጻመ ንዓኣቶምን ንእስራኤላውያን ፖለቲከኛታትን ተደናገጽትን ደገፍትን ሃብታማት ኣመሪካውያን ፍሉይ ህያብ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ - 14 ግንቦት 2018 ካብ 50 ክሳብ 60 ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ብእስራኤላውያን ዕጡቓት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ተልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ምግዓዝ ማለት እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ተልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ምግዓዝ ማለት እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን እቶም ንቓዛ ዘመሓድሩ ሓማስ "ዓቢ ሰልፊ ምልሶት" ዝብልዎ ፍጻመ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ይሳተፉ ነይሮም።

እቶም መብዛሕትኦም መንእሰያት ናብቲ ሓጹር ትሪኰላታ ገጾም ክግስግሱ እንከለው፡ ኣብቲ ናይ ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜተር ብድሕሪኦም ዝነበረ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ነይሮም።

ገሊኦም ስድራቤታት ኣብቲ መዘናግዒ ገማግም እንከለው ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ዘንብዕ ጋዝ ቦምባን ምስ ተኰሳሎም እናእወዩ ሃዲሞም ተበታቲኖም።

ስለዚ ኣዘዝቲ ሓማስ ኣብ ክንዲ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራይ ምክያድ ናብ እስራኤል ሴርካ ምእታው ዝብል ሓሳብ ኣንቂሎም ክዀኑ ኣለዎም።

ብ7 ጥቅምቲ 2023 ከኣ ንእስራኤል ዘሰምበደ፡ ብዝሓሸ ውጥን ዝተዳለወ ሃንደበታዊ ስግረ ዶባዊ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

ሓማስ ዶብ ጥሒሱ ኣብ ዝገበሮ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሲቪል ዝዀኑ ኣስታት 1200 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።

ባይደን ድሕሪቲ ንዓለም ዘሰንበደ ብሓማስ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ብ18 ጥቅምቲ 2023 ኣብ እስራኤል ዓሊቡ።

ብድሕሪ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ከኣ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘስካሕክሕ ደብዳብ ሕነ ክትፈዲ ጀሚራ።

ኣብ ሒደት መዓልታት ከኣ ንመብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ ናብ ዑና ቀይራቶ።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ከምዝገለጹዎ ከኣ ቘልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።

እስራኤል እቲ ዝተገልጸ ኣሃዝ ከምዝተጋነነ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣብ መጽሔት ሕክምና ብሪጣንያ ዘ ላንሰት ዝተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን እቲ ኣሃዝ ብ41ሚእታዊት ከምዝበዝሕ የረድእ።

ኵሎም ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ንእስራኤል ይድግፉ።

ሕሉፋት የማናውያን እስራኤላውያን ግን ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ናብ እየሩሳሌም ምግዓዝ ንረብሓታት ኣመሪካ ዕንቅፋት እዩ ተባሂሉ ዝእመን ዝነበረ ዲፕሎማሲ ስለ ዝሰበሮ ሕጂ እውን ዘይተለምደ ነገር ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ትራምፕ እቲ ረባሺ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰጋር ያታን ንቡርን!

ንሱ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲ ምዕራባውያን መሻርኽቲ፡ እስራኤልን መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራትን፡ ምስ ፍልስጤማውያን ዝግበር ስምምዕ ሰላም እየሩሳሌም ንመን ከምእትወሃብ ብስምምዕ ክሳብ ዝውስን ኤምባሲታተን ኣብ ተልኣቪቭ ከጽንሓ ኣለወን ንዝብል እዩ ጥሒሱዎ።

እቲ ጽምብል ምኽፋት ኤምባሲ ኣብ እየሩሳሌም፡ ኣመሪካ ካብቲ ምስ ኢራን ዝገበረቶ ሓደ ጐድናዊ ስምምዕ ኑክሌር ድሕሪ ምስሓቡ፡እዩ ተኻይዱ።

ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዘደንት ባራክ ኦባማ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ምስሓቡ እውን ዕግበት ሂቡዎ እዩ።

ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፊ እስራኤል፡ ትራምፕ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ዕዙዝ ዓወት ምስ ኣመዝገበ ተሓጒሱ እዩ።

ትራምፕ ካብቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ውዑል ምውጽኡ ነቲ ነዊሕ ጎስጓስ ከካይድ ዝነበረ ነታንያሁ ዓወት እዩ።

ኣብ መጋቢት 2019 ዶናልድ ትራምፕ ካብዚ ንላዕሊ ብምኻድ እስራኤል፡ ነቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ዝሓዘቶ መሬት ሶርያ ኣኽራናት ጐላን ከም ልዑላዊ መሬት እስራኤል ክሳብ ምቕባል ከይዱ እዩ።

እስራኤል ንኣኽራናት ጐላን ዝሕውስ ልዑላዊ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ካብ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ፡ "ሃገራት ብወተሃደራዊ ስጕምቲ መሬት ናይ እንዳማተን ክሕዛ የብለንን" ዝብል ምርድዳእ ምዕራባውያን ዝጥሕስ እዩ።

ሓድሽ ስምምዕ ኣብርሃም

ሓድሽ ስምምዕ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2020 ምምሕዳር ትራምፕ ንእስራኤል ካልእ ሽልማት ሂብዋ።

ጃረድ ኩሽነር፡ ኣብ መንጎ እስራኤል ብሓደ ወገንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሞሮኮ፡ ሱዳንን ባሕሬንን ዝተገብረ ስምምዕ ኣብርሃም ከም ኣሳላጢ ሰሪሑ።

ኣመሪካ ንኣርባዕቲአን ሃገራት ንምትሕብባር፡ ከም ምቁር ሕብስቱ ዝቑጸር መተባብዐዒ ሂባ እያ።

ንሳተን እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ፡ ንእስራኤል ምሉእ ኣፍልጦ ዝህብን፡ ፍልስጤማውያን ከኣ ኣብ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ እየሩሳሌምን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክምስርቱ ዝብልን ተበግሶ ሰላም ዓረብ ክገድፍኦ ተሰማሚዐን፤ እዚ ከኣ ንእስራኤል ከም ነጻ ህያብ'ዩ ዝረአ።

ባይደን ልክዕ ከም ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ስልጣኑ "ስምምዕ ኣብርሃም!" ናብ ስዑዲ ዓረብ እውን ከናውሖ ደልዩ።

ንእስራኤል ብስዑዳውያን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት፡ ሓላዊ ክልተ ቅዱሳን መቕደሳት እስልምና፡ መራሒ ሱኒ ኣስላም ዓለምን፡ ሃብታምን ሓያልን ሃገር ዓረብን፡ ዓቢ ትርጕም ክህልዎ እዩ።

ኣምሳይኡ ከኣ ስዑዳውያን ካብ ኣመሪካ፡ ውዕላት ኣጽዋር ዘጠቓልል፡ ውሕስነት ኵሉ መዳያዊ ጸጥታ ክረኽቡ እዮም።

እዚ ከኣ ንዅሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ልዑል መኽሰብ ካብ ዘለዎ ንግዳዊ ዕድላት ንላዕሊ ማራኺ እዩ።

ጆ ባይደን፡ ንእስራኤል ንምድጋፍ ብዝነበሮ ቆራጽነት፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ልዑል ተራ ኣብ ዝነበሮ ግዝኣታት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ድሉው ነይሩ።

እቲ ክትዕ ነቲ ዕግርግር ዝመልኦ ማእከላይ ምብራቕ ከረጋግኦ እዩ ዝብል እዩ ነይሩ።

እዚ ናይ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ናይ ጸጥታ ስምምዕ፡ ነታ ልዑል ሃብቲ ነዳዲ፡ ገንዘብን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነትን ዘለዎ ወሽመጥ ዓረብ ልዑል ተገዳስነት ብምሕዳር ናብ ዓለማዊ ሓይሊ ትመጣጠር ዘላ ቻይና ክትዕብልላ ሓጊዙ እዩ።

እዚ ግን ንስምምዕ ሰላምን ድሌትን ፍልስጤማውያን ዘንጊዑዎ እዩ።

ስዑዳውያን ኣብ መፋርቕ እዚ ክፍለ ዘመን ብዛዕባ ተበግሶ ሰላም ዓረብ ጽሒፎምን ኣብ ጣውላ ኣቕሪቦምን እዮም።

ቅድሚ 7 ጥቅምቲ ምስ እስራኤልን ኣሜሪካን ስምምዕ ብምግባር ብመሰል ፍልስጤም ክነግዱ ድሉዋት ኣይነበሩን።

ሓማስን ካልኦት ፍልስጤማውያንን ግን ከምኡ ይኸውን ከምዘሎ ይኣምኑ ነበሩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ምልክት እዩ ነይሩ። ጉዳይ ፍልስጤም፡ ከምቲ መራሒ ሓማስን ዋና ተደራዳሪ ተዅሲ ደው ምባልን ኸሊል ኣል ሃያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ደውሓ ዝበሎ "ተረሲዑ ካብ መኣዲ ተኣልዩ" ዝብል እምነት ነይርዎም።

ቅድሚ 12 ኣዋርሕ ንእስራኤል ዘጥቅዑሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ "መሰል ፍልስጤም ብዝዀነ ሰብ ኣብ ግምት ስለዘይኣቱ'ዩ" ኢሉ።

"እንሆ ዕላማን ክማላእ ዘለዎ ጠለባትን ዘለዎ ህዝቢ ከምዘሎ ንዓለም ንምንጋርን ደወል ምድዋልን ኣድላዪ ነይሩ። እዚ ከኣ ንእስራኤል ነታ ጽዮናውያን ጸላኢት ጽፍዒት እዩ ነይሩ፡"።

እቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ዝግበር ስምምዕ ሰላም 'ዓቢ ቀዳምነት' ከምዝወሃቦ ድሮ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ሓያል ገዛኢ እታ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክብል ከሲሱ'ዩ።

ዋላ'ኳ ከምኡ እንተዀነ፡ ስዑዳውያን ምስ እስራኤል ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ብኣሜሪካ ብዝካየድ ናይ ኣሳላጥነት ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ተገዳስነት ከምዘለዎም ብንጹር ገሊጾም ኣለዉ።

ናይ ልኡል መሓመድ ብወግዒ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት ከኣ፡ እቲ መስርሕ ናብ ናጽነት ፍልስጤም ዝወስድ ዘይምለስ ምዕባለ ክኸውን እዩ።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ዝግበር ስምምዕ ሰላም ንፕረዚደንት "ዓቢ ቀዳምነት" ምዃኑ ድሮ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ዶናልድ ትራምፕ ማይክ ዋልትዝ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ታሕሳስ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከብ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ዓቃባዊ፡ "ነዞም ግብረ ሽበራዊ ውድባት ምውጋድ"፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ምፍታሕን ምስ ሪያድ ናብ ስምምዕ ምኻድን ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ትራምፕ ኣብ መረጻ 2020 ብባይደን እንተዘይተሳዒሩ፡ "ጉዳይ ፍልስጤም ኣብ ማእከል ምቕማጥ" ዘይኰነስ፡ ኣንጻር'ታ ኣብ ካልእ ሸነኽ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ፡ መወዳድርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ኢራን፡ ናይ ሓባር ግንባር ብምፍጣር ስምምዕ ምገበሩ ነይሮም።

ንማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ምብርባር

ንማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ምብርባር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ጸገም ናይቲ ጕዕዞ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣዝዩ ግልጺ ብዝዀነ መገዲ፡ ምትሕብባራ ምስ መሰላት ፍልስጤም ኣተሓሒዛቶ ምህላዋ እዩ።

ምምሕዳር ባይደን ንማእከላይ ምብራቕ ክልውጥ ዝኽእል ዝዓበየ ዘተ ህዝበ ዓረብ ንእስራኤል ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ እስራኤል እውን ናይ ፍልስጤም መሰል ምቕባል ምዃኑ ተሰማሚዑ እዩ።

ብ14 ጥሪ ካብ ስልጣኑ ክወጽእ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ከኣ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይደን ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መደረ ንቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ ብንጹር ገሊጹዎ እዩ።

ጽኑዕ ደጋፊ እስራኤል ከምዝዀነ ዝንገረሉ ብሊንከን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብጃምላዊ ቅትለት ዝኽሰሱ ወገናት ኣለዎ ዝብል መደረኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተሪር ቃላት ነይርዎ።

"እስራኤላውያን ምስ ፍልስጤማውያን እንታይ ዝምድና ከም ዝደልዩ ክውስኑ ኣለዎም። እዚ ፍልስጤማውያን ብዘይ ሃገራዊ መሰል ዝብል ሕልሚ ትርጕም የብሉን። ኣብ ሓንቲ መሬት ሱር ዝሰደዱ፡ ሸውዓተ ሚልዮን እስራኤላውያን ኣይሁድን ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን፡ ክልቲኦም ናብ ዝዀነ ቦታ ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም።"

ብምቕጻል ከኣ "እስራኤላውያን፡ ብዘይ ዝዀነ ወጻኢታትን ሳዕቤንን ኣብ ዴሞክራሲኣ ዲ-ፋክቶ ጐበጣ ምክያድ ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጽውጽዋይ ክሓድጉዎ ኣለዎም" ኢሉ።

ሓደ ሓደ ሕሉፋት የማናውያን እቲ ኣብ ትሕቲ ጆ ባይደን፡ፈጺሙ ዘይሕሰብ ዝመስል ዝነበረ፡ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ጸገም ጐበጣን ሰፈራን ክካየድ ዝምነዩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ትራምፕ ፈታዊ ፍልስጤም ስለዘይኰነ ክፈቕደሎም ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ይዅን'ምበር ምዕራባውያን መሻርኽቱ ግን ድሮ፡ ትራምፕ፡ ካብቲ ንነብሱ ከም ጽዮናዊ ዝርእያ ዝነበረ ጆ ባይደን ዝያዳ ተዓጻጻፊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም።

ብፍላይ ከኣ ስዑዳውያን ናብ ስምምዕ ኣብርሃም ክጽንበሩ እንተደልዩ።

ሰላም ማእከላይ ምብራቕ፡ ምናልባት ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ እቲ ዝዓበየ ሽልማት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምኽንያቱ ኣዝዩ ተሃዋሲን ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ኣዝዩ ርሑቕን እዩ።

ትራምፕ በቲ ኣብ መንጐ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ዝግበር ስምምዕ እንታይ ዋጋ ክቕበል ተዳልዩ ኣሎ?

ዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ዝግበር ስምምዕ እንታይ ዋጋ ክቕበል ተዳልዩ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ናቱ – ፍልስጤማዊት ሃገር ኢሉ ሰይምዎ።

ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ግን ፍልስጤማውያን ፈጺሞም ናጻ ሃገር ከምዘይረኽቡ'ዩ ዝዛረብ።

ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ንመሓመድ ቢን ሳልማን መርገጺኡ ክቕይር ክደፍሮ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።

ልዑል ስዑዲ ዓረብ ከኣ ብዛዕብኡ ኣዝዩ ርግጸኛ እዩ።

ንፕረዚደንት ቻይና ናብ ሪያድ እንተዓዲሙዎ ንኣሜሪካውያን ስግኣት ክፈጥረሎም እዩ።

ከቢድ ምርጫታት ዝሕተተሉ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ወግዓዊ ጽምብል ፕረዚደንትነቱ፡ ዳግማይ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ኣተወ ብዙሕ ክሓስበሉ ዘለዎ ክኸውን እዩ።