ካቢነ እስራኤል ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣጽዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Israeli Government Press Office
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ዝመርሖ ጥምረት መንግስቲ ምስ ሓማስ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣጽዲቑ።
ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ስምምዕ ጽባሕ ሰንበት ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
እቲ ውሳን ካብ ክልተ ሕሉፋት የማናውያን ምኒስተራት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል፡ "ዕላማታት እቲ ኲናት ንምዕዋት ዝድግፍ'ዩ" ብምባል ካቢነ ጸጥታ እታ ሃገር ኣቐዲሙ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከጽድቕ ሓሳብ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
እቲ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ ተስፋ ዝተገብረሉ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብረቡዕ 15 ጥሪ 2025 እዩ ተፈሪሙ።
ረቡዕ ምሸት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝብሰር ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምክልኻል በርጌሳውያን ዝተባህለ ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ብመንጐኝነት ቐጠር፡ ኣመሪካን ግብጽን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰለስተ ምዕራፋት የጠቓልል።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም 33 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ እዮም።
ኣምሳያኡ ድማ እስራኤል ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ።
ሰራዊት እስራኤል ካብ ምብራቓዊ ምድረበዳ ቓዛ ከምዝወጽእን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝፍቀደሎምን እውን ተገሊጹ ኣሎ።
600 መካይን ረድኤት መካይን መዓልታዊ ናብ ምድረበዳ ቓዛ ክኣትዋ ክፍቀደለን እዩ።
ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ተወሰኽቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑ እዮም። ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንኽወጽእን "ዘላቒ ምርግጋእ ንምምስራትን" ዝዓለመ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ዙርያ 16 መዓልታት ምስ ኣቝጸረ ክትግበር እዩ።
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ ድማ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመታት ክትግበር እዩ።
ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ሬሳ ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እውን ክምለስ እዩ።
ቐጠር፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝፍትሑ እስራኤላውያን ጅሆ "ሲቪላውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ወተሃደራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናት፡ ኣረጋውያን፡ ዝሓመሙን ዝቘሰሉን ሲቪላት" ከምዘጠቓልሉ ገሊጻ።
ምኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡን ብኣምሳያ ጅሆታት ዝፍትሑን ዝርዝር 737 ፍልስጤማውያን ኣውጺኡ ኣሎ።
ዋላ'ኳ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ እንተሃለወ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ቀጺላ ኣላ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶም መጥቃዕቲታት ልዕሊ 46,870 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።
ካብዚኦም መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃነን ከኣ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።
ሓማስ ኣብ መወዳእታ መስከረም ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከምዝቐተሉን 253 ጅሆ ከምዝተተሓዙን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







