ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተዅሲ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ረቡዕ ምሸት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝብሰር ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምክልኻል በርጌሳውያን ዝተባህለ ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ሎሚ ንግሆ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ማሕሙድ ባሳል፡ 27 ቈልዑን 31 ደቀንስትዮን ዝርከብዎም 101 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 264 ድማ ምቝሳሎም ሓቢሩ።
ትማሊ ምሸት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣል-ጁርን ኣብ ዝርከብ ገዛ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ከምኡ`ውን፡ ትማሊ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ሓደ ገዛ ብምውቅዑ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ወሽመጥ ቓዛ ምፍንጃር ቦምባታት ከም ዝቐጸለ ፍልስጤማዊ ማዕከን ዜና ዋፋ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘተ፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣረጋጊጹ።
እቲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ፡ ዘተ ብኣተካይድ ጕጅለ ሓድሽ ሓበሬታ ተዋሂብዎ'ሎ፡" ይብል።
"ቀዳማይ ምኒስተር፡ ካቢነ ምኒስተራት ጸጥታ ሎሚ (ዓርቢ) ድሒሩ ክእከብ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ንምጽዳቕ ድሒሩ ክጋባእ እዩ።"
ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ውሽጢ እቲ ዝዓበየ ካቢነ መንግስቲ ዝርከብ ንኡስ ውሽጣዊ ጕጅለ ምኒስተራት እዩ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ስድራ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓድሽ ሓበሬታ ከም ዝተዋህቦምን እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ እስራኤል ንኽምለሱ ምድላዋት ከም ዝተጀመረን ይሕብር።
መብዛሕትኦም ምኒስተራት እስራኤል ነቲ ስምምዕ ክድግፉ ትጽቢት ይግበር፣ እንተዀነ፡ ገለ ሕሉፋት የማናውያን ፖለቲከኛታት (እንተላይ ምኒስተር ጸጥታ ኢታማር ቤን-ግቪር)፡ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ ስልጣኑ ክሓድግ ከም ዝኽእል የፈራርሕ ኣሎ።
ካልእ ኣብ ባይቶ እስራኤል ኣቦ መንበር ሕሉፍ የማናዊ ሃይማኖታዊ ጽዮናዊ ሰልፊ ዝዀነ ኦሃድ ታል'ውን፡ ነቲ ስምምዕ ብትሪ ተቓዊምዎ ኣሎ። ትማሊ ምሸት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሱን መሳርሕቱን ካብ ልፍንቲ መንግስቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ክወጽኡ ድዮም ኣይወጽኡን የሰላስሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
"ኣንጻር ሓማስ ዳግማይ ክንቃለስ ምዃንና መልእኽቲ ከነሕልፍ ንደሊ። ነቲ ዕማም ብኸመይ ከም እንውድኦን ንሓማስ ጠቕሊልና ከም እነጥፍኦን ውጥን ኣለና፡" ይብል ታል።
ንሱን መሳርሕቱን፡ ነቲ ዘቕረቡዎም ነጥብታት ንምትግባሩ መረጋገጺ እንተ ረኺቦም፡ ኣብ መንግስቲ ክጸንሑ፣ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ስልጣን ምጽንሖም ትርጕም ኣልቦ ምዃኑ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







