ፕረዚደንታት ኣመሪካ ዝጥቀሙሉ ሓያል መሳርሒ፡ 'ትእዛዝ ፈጻሚ' እንታይ'ዩ?

ትራምፕ

ትእዛዝ ፈጻሚ፡ [ኤክሰኲቲቭ ኦርደር] ንዝዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ፖሊሲ ​​መንግስቲ ናይ ባዕሉ ኣሰር ከንብር ዝገብሮ ወሳኒ መሳርሒ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ድማ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመለሰሉ መዓልቲ፡ ዝዀነ ግዜ ከጥፍእ ኣይደለየን- ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ትእዛዛት ፈሪሙ ኣሎ።

እዚኦም ልዕሊ 200 ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

እዚ ድማ ብሕጊ ​​ቀያዲ ዝዀኑ ትእዛዛት ፈጻሚን ካልኦት ከም ኣዋጃት ዝኣመሰሉ ፕረዚደንታዊ መምርሒታትን ዘጠቓልል እዩ።

ትራምፕ፡ መደባት ስለያ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ከዕቢ፡ ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ (ዶጅ) ከቕውም፡ ምስ ኣብ 1963 ዝተፈጸመ ቅትለት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ንኽቐርቡ፣ ወተሃደራት መከላኸሊ ሚሳይል ኣይሮን ዶም ክፈጥሩን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ፖሊሲታት ፍትሓውነትን ሓቛፍነትን ክህሉ ዝገብሩ ትእዛዛት ክፍጸሙ ምዃኖም ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ፈላማይ እብረ ስልጣኑ፡ 220 ፈጸምቲ ትእዛዛት ዝፈረመ ኰይኑ፡ ገለ ካብኣቶም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብድሆ ገጢሙዎም እዩ።

ትእዛዝ ፈጻሚ እንታይ እዩ?

እዚ፡ ሓደ ፕረዚደንት ንመንግስቲ ፌደራል ዝህቦ ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ኰይኑ፡ ግብራዊ ንክኸውን ፍቓድ ኮንግረስ ኣየድልዮን።

እቶም ትእዛዛት ፖሊሲ ካብ ምቕያር - ከምቲ ትራምፕ ኣብ 2017 ክልተ ገዘፍቲ ሻምብቆታት ነዳዲ ንምህናጽ ዘጽደቘ - ክሳብ ተራ ንግዲ - ከም ባራክ ኦባማ ኣብ ድሮ በዓል ፍርቂ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ክዕጸዋ ዝሃቦ መምርሒ - ዝበሉ ክዀኑ ይኽእሉ።

እቶም ትእዛዛት ናይ ምሃብ ስልጣን፡ ካብ ዓንቀጽ ክልተ ቅዋም እታ ሃገር ዝምዘዝ ኰይኑ፡ "ፈጻሚ ስልጣን ንፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይወሃብ" ይብል።

ፕረዚደንታት ስለምንታይ ነዞም ትእዛዛት የውጽኡ?

ሩዝቨልት፡ ኣሽሓት ትእዛዛት ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩዝቨልት፡ ኣሽሓት ትእዛዛት ፈሪሙ

ሓሓሊፉ፡ እቲ ትእዛዛት ኣብ እዋን ውግእ ወይ ዘቤታዊ ቅልውላው ንምክልኻል እዩ ዝወሃብ።

ኣብ ለካቲት 1942 ፕረዚደንት ፍራንክሊን ደ ሩዝቨልት ዝፈረሞ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ መዳጐኒ ማእከላት ኣስታት 120 ሽሕ ጃፓናውያን ኣመሪካውያን ክፍጠራ ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።

ኣብ 1952 ፕረዚደንት ሃሪ ትሩማን፡ ኣድማ ንኸይፍጠር ኢንዱስትሪ ሓጺን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ዘእቱ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

ብሰኑይ ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ [ብ20 ጥሪ 2021]፡ ኣመሪካ ናብቲ ትራምፕ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ 2015 ክትወጽእ ዝገበረ ትእዛዝ ብምምላስ ዳግማይ ናብቲ ስምምዕ ክትጽንበር ዝገብር ትእዛዝ ፈሪሙ።

ሽዑ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይደን ኣንቶኒ ብሊንከን፡ "ኵላትና ካብ ኣዕናዊ ምውዓይ ዓለም ንምክልኻል" ዝሕግዝ'ዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

መን ይመልሶም?

ትእዛዝ ፈጻሚ፡ ኣብ መቓን ሕጊ እዩ ክፍጸም ዘለዎ።

ብክልሰ-ሓሳብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶን ሕጋውነትን ክኣ ብቤት ጽሕፈት ሕጋዊ ኣማኸርቲ ይግምገም።

እዚ ግን ወትሩ ዝፍጸም ኣይኰነን።

ሓደ ትእዛዝ ካብቲ ቅቡል ዝዀነ ኣገባብ ወጻኢ ኰይኑ እንተተዳልዩ ሕጋዊ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ይኽእል።

ኮንግረስ ነቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ዝስዕር ሕጊ እውን ከውጽእ ይኽእል እዩ፤ እንተዀ ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጊ ዝለዓለ ስልጣን [ቬቶ] ከም ዘለዎ እቲ ቅዋም ይድንግግ።

ፖለቲካዊ ተነቃፊነት

ትእዛዛት ፈጻሚ ኣካታዕቲ እዮም።

እዚ ድማ፡ ካብ ኮንግረስ ንዝወሃብ ፍቓድ ብምሕላፍ፡ እቲ ፕረዚደንት ድላዩ ክገብር ዘፍቅድሉ ብምዃኖም'ዩ።

ሪፐብሊካን፡ ንኦባማ ብዛዕባ ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ 2010 ኣብ ክንክን ጥዕና ዝገበሮ ለውጢ ዝምልከት ከሲሶምዎ እዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ኦባማ ሽፋን መድሕን ጥዕና ብምድንጓይ ሕገ መንግስታዊ ስልጣኑ ሓሊፉ እዩ ክብሉ ተማጒቶም።

ትራምፕ ኣብ ገለ ኣብዝሓ ኣስላም ዘለወን ሃገራት ዝገበሮ እገዳ መገሻ ኣዝዩ ኣካታዒ ብምንባሩ፡ ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ኣተወ ክቋረጽ ገይሩ ነይሩ።

ሓደ ፕረዚደንት፡ ኣባላት ኮንግረስ ኣዝዮም ቀስ ኢሎም ክዋስኡ ወይ ድማ እቲ ፕረዚደንት ዝርዝር ሓድሽ ሕጊ ክደሊ እንከሎ እውን ትእዛዝ ከውጽእ ይኽእል እዩ።

ክንደይ ግዜ ዝወሃቡ ትእዛዛት'ዮም?

ፍራንክሊን ደ ሩዝቨልት እቲ ዝበዝሐ ትእዛዝ ዘውጽአ ፕረዚደንት እዩ።

ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን 12 ዓመታት፡ 3,721 ትእዛዛት ኣውጺኡ።

ዉድሮው ዊልሰንን ካልቪን ኩሊጅን ድማ ነፍሲ ወከፎም 1,803 ከምኡ'ውን 1,203 ትእዛዛት ፈሪሞም።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ 220 ፈጸምቲ ትእዛዛት ፈሪሙ።

ብመንጽር እዚ፡ ጆ ባይደን 160 ትእዛዛት ክህብ እንከሎ፡ ክልቲኦም ተኸታተልቲ ክልተ ግዜ ዘገልገሉ ባራክ ኦባማን ጆርጅ ቡሽን ድማ ነፍሲ ወከፎም 277 ከምኡ'ውን 291ን ትእዛዛት ኣውጺኦም እዮም።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ፡ ፕረዚደንታት ነቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ስራሕ ንምፍራስ ነዚ ፈጻሚ ትእዛዛት ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለው።

ኣብ 2017 ትራምፕ ን'ኦባማኬር' ዒላማ ብምግባር ትእዛዝ ብምሃብ እዩ ጀሚሩ።

ባይደን ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሓጹር መንደቕ ንምህናጽ ዝሓለፈ ህጹጽ ኣዋጅ ሰሪዙ።

ኣብ ገለ ዝበዝሑ ኣስላም ዘለወን ሃገራት ዝተነበረ እገዳ መገሻ እውን ኣቋሪጹ።

ንኣመሪካ ናብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ መሊሱዋ።

ሕጂ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ፡ ካብ ኢሚግሬሽንን ምስጓግ ስደተኛታት ክሳብ መሰላት ጾታን ዝሽፍኑ ሓያሎ ትእዛዛት ክፍርም ተሓንዩ ኣሎ።