ብዛዕባ ትራምፕ ብዙሕ ዘይፍለጡ ሸሞንተ ሓቅታት

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መበል 47 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ብምስዓር ብዘደንቕ ኵነታት ናብ ዋይትሃውስ ተመሊሱ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተሳዒሩ ካብ ዋይት ሃውስ ብምውጻእ፡ ኣብ ዝቕጽል ውድድር ስዒሩ ናብ መንበረ ስልጣን ዝተመልሰ ካልኣይ ፖለቲከኛ እዩ።

ካብ 2017 ክሳብ 2021 ፕረዚደንት ዝነበረ ትራምፕ ኣዘራራቢ ናይ ኣደባባይ ህይወት እዩ ዘለዎ። ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ምምሃሩ ሓዊሱ ካልኦት ብዛዕባ ትራምፕ ዘይፍለጡ ሓቅታት'ውን ኣለዉ።

ካብ መንጐ እዚኦም ነቶም ሸሞንተ ንርአ፤

1. ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ኒውዮርክተማሂሩ

ትራምፕ ወዲ 13 ዓመት ሰገን እንከሎ ስድራኡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ኣእትየሞ ነይሮም።

እዚ ቤት-ትምህርቲ ኣሸጋሪ ወይ ተጻባኢ ባህሪ ንዘለዎም ተምሃሮ "ዘስተኻኽል" ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ትራምፕ ኣብ 1987 'ዘ ኣርት ኦፍ ዘ ዲል' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ፡ "መንእሰይ እንከለኹ ተጓናጺ እየ ነይረ። ጸገም ምፍጣርን ምስ ሰባት ምንሕናሕን የሐጕሰኒ ነይሩ" ኢሉ።

ኣብቲ ወተሃደራዊ ቤት-ትምህርቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኵዕሶ ሰኪዐትን ቤዝቦልን ይጻወት ነይሩ።

ገለ ሓቢረሞ ዝተምሃሩ፡ ትራምፕ ናይ መራሒ ባህሪ ከም ዝነበሮ ይዝክሩ፤ ካልኦት ንጋዜጣታት ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ድማ፡ ትራምፕ ጨቋኒ ነይሩ ይብሉ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ብሮንክስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፎርድሃም ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ጀሚሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ፔንሲልቬንያ ናብ ዝርከብ ዋርቶን ስኩል ኦፍ ቢዝነስ ተዛዊሩ።

ብስነቍጠባ ቀዳማይ ዲግሪ ኣለዎ።

ብኸመይ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝኣተወን ውጽኢቱ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን ግን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

2. ወራሲ ትካላት ኣቦኡ ነይሩ

ካብ ኮሌጅ ምስ ወጸ፡ ትካላት ሪስል-ስቴት ወላዲኡ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ወዲ 25 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ 1971 ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ኰይኑ።

ነቲ ትካል ድማ 'ትራምፕ ኦርጋናይዜሽን' ኢሉ ሰይምዎ።

ምቹኣት ኣባይቲ ብምህናጽ፡ ልዑል ኣታዊ ይረክብ ነይሩ። ኣብ ተሌቬዥን ኣብ ዝቐርበሉ ዝናኡ ሰማይ ዓሪጉ። ድሒሩ ድማ ናብ ፖለቲካ ዓለም ተጸንቢሩ።

ትካል ትራምፕ፡ ህንጻታት ንግዲ፡ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ጽሕፈትን፡ መቋመሪ - ካዚኖታት፡ ኮንዶሚንየም፡ መጻወትቲ ጐልፍ፡ ሆቴልን ሪል ስቴትን ምህናጽ ቀጺሉ።

ምርመራዊ ፀብፃብ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ትራምፕ ኣስታት 400 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ካብ ወላዲኡ ከም ዝወሰደ የመልክት።

ትራምፕ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቃሳት ይነጥፍ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ይነጥፍ ነይሩ

3. ትራምፕ ዲሞክራት ነይሩ

ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ዓመታት የሰጕሞ ዝነበረ ፖለቲካ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታትን ሕጅን ሕጹይ ውድብ ሪፓብሊካን ኰይኑ ንፕረዚደንትነት'ኳ እንተተወዳደረ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ኣባል ውድብ ዲሞክራት እዩ ነይሩ።

ዝበዝሕ ሂወቱ ኣባል ሪፓብሊካን ኰይኑ እኳ እንተሕለፎ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2009 [ኣ.ኣ] ግን ኣብ ኒውዮርክ ኣባል ውድብ ዲሞክራት ከም ዝነበረ ሓበሬታ ቦርድ መረጻ የመልክት።

ኣብ 2000 ሕጹይ ፕረዚደንት ውድብ ሪፎርም ንምዃን እውን ጻዕሪ ገይሩ ነይሩ። ይዅን'ምበር እቲ ውድብ ኣብ ቅልውላው ምስ ኣተወ ናብቲ ውድብ ናይ ምጽንባር ትልሙ ሰሪዝዎ።

4. መርገጺኡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ብተደጋጋሚ ቀይሩ

ትራምፕ፡ ኣብ 1999 ምስ ኤንቢሲ መደብ 'ሚት ዘ ፕረስ' ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ሕርያ ደቂ ኣንስትዮ እድግፍ እየ" ኢሉ ነይሩ።

ሪፓብሊካን ትራምፕ፡ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዘለዎ መርገጺ ብተደጋጋሚ'ዩ ቀይሩ። እዚ ጉዳይ ንኣሜርካውያን ዝኸፋፍል እዩ። ኣብ 2011 ድማ ኣብ ኮንሰርቫቲቭ ፖለቲካል ኣክሽን ኮንፍረንስ፡ ምንጻል ጥንሲ ከም ዘይድግፍ ኣፍሊጡ።

ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ድሕሪ 20 ሰሙናት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምንጻል ጥንሲ ክእግድ ፈቲኑ።

ጥንሲ ዘይሕጋዊ ንምግባር ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ድማ፡ ንጸጋማውያን ዳያኑ ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብምሻም ኣፈጺምዎ።

ኣብ 2024 ጎስጓስ መረጻ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ምፍቃድ ይዅን ምኽልካል ምንጻል ጥንሲ ውሳነ ግዝኣታት ከም ዝዀነ ገሊጹ።

5. ሽድሽተ ትካላት ንግዲ ትራምፕ ከሲሮም

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሆቴላትን እንዳ ጠላዕን ገለ ካብ ምንጭታት ሃብቲ ዶናልድ ትራምፕ እዮም

ካብ መንጐ ትካላት ንግዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሽድሽቲኦም ዕዳኦም ምኽፋል ዓቕሚ ስኢኖም ከሲሮም። ኣብ ኣትላንቲክ ሲቲ ኒው ጀርሲ ዝነበረ ካዚኖ ታጅ ማሃል (ብ1991)፣ ኣብ ኣትላንቲክ ሲቲ ዝነበረ ካስል ካዚኖ (ብ1992)፣ ኣብ ኣትላንቲክ ሲቲ ዝነበረ ትራምፕ ፕላዛ ኤንድ ካዚኖ (ብ1992)፣ ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረ ሆቴል ፕላዛ (ብ1992) ዕዳኦም ምኽፋል ስኢኖም ካብ ዝኸሰሩ ትካላት ንግዲ ትራምፕ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣትላንቲክ ሲቲን ኢንዲያናን ዝነበረ ሆቴልስ ኤንድ ካዚኖ ሪዞርትስ (ብ2004)፣ ከምኡ'ውን ትራምፕ ኢንተርተይመንት ሪዞርትስ (ብ2009) ከሲሮም።

ኣብ 1992 ምስ ኣለቃሕቲ ባንክታት ብዝገበሮ ስምምዕ ዕዳኡ ንምስትኽኻል ፈቲኑ።

ዝነበሮ መርከባት፡ ጄታት፡ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ኣብ ግራንድ ሃይት ዘለዎ ብጽሒትን ትራምፕ ሸትልን'ውን ንምሻጥ ተገዲዱ።

ዳግማይ ኣብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣብ ዝጠሓለሉ'ውን ምስ ኣለቃሕቲ ባንክታት ብምስምማዕ በዲህዎ'ዩ።

እንዳ ቍማት፣ ሆቴላት፣ ጕጅለ ኩዕሶ እግሪ ኒው ጀርሲ ጀኔራልስን ዩኒቨርሲቲ ትራምፕን፡ ዕዉታት ካብ መንጐ ዘይኰኑ ትካላት ትራምፕ ይርቍሑ።

6. ኣብ 'ዘ ኣፕረንተስ' ድሕሪ ምርኣዩ ስሙይ ኰይኑ

'ዘ ኣፕረንተስ' ቢልየነራት ካብ መንጐ ዝቐርብሎም ምርኢታት (ሾው) ተሌቪዥን ሓደ ነይሩ። ትራምፕ'ውን ናይዚ ምርኢት ኣቕራቢ ኰይኑ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ስሙይ ኰይኑ።

ናብ ፖለቲካ ዓለም ቅድሚ ምጽንባሩ፡ ኣብ መደባት ተሌቬዥንን መዘናግዕን ቀሪቡ።

ፈለማ ንውድድር ጽባቐ ብምድናይ'ዩ ስሙይ ኰይኑ። ድሕሪኡ ድማ ካብ 2004 ክሳብ 2015 ብተሌቬዥን ዝተመሓለላፈ 'ዘ ኣፕረንተስ' ከም ዝተርኣየ ይግለፅ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ 'ዘ ፍሬሽ ፕሪንስ ኦፍ ቤል ኤር'ን 'ሆም ኣሎን 2'ን ንርእሱ ኰይኑ ተዋሲኡ።

7. ትራምፕ ብስቶርሚ ዳንኤልስ ተኸሲሱ

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ፈላማይ ገበነኛ ዝተብሃለ ፕረዚደንት ነበር እዩ። ብ34 ክስታት ገበነኛ ዝተበሃለ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ቅድሚ መረጻ 2016 ምስ ተዋሳኢት ጾታዊ ርክብ ስቶርሚ ዳንኤልስ ዝነበሮ ርክብ ብክፍሊት ንምሽፋን ስኑዕ ሰነድ ምድላው ዝብል ይርከቦ።

ትሩዝ ሶሻል ብዝበሃል ናይ ባዕሉ ሶሻል ሚድያ ንጹህ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ነዚ ክሲ "ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ" ብምባል ነጺግዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቲ ዘለዎ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ዘለዎ ብምምሳል ዝተኸሰሰ ኰይኑ፡ ብልዑል ገንዘብ ክቕጻዕ ተበይኑ።

ኢ ጂን ኮሮል ንዝተበሃለት ዓምደኛ ብምትንኳይን ብምጽላምን'ውን ብተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ገንዘብ ተበይንዎ።

ምስቲ ዝኸሰረ ዩኒቨርሲቲ ትራምፕ ብዝዛመድ፡ ንተምሃሮ ካሕሳ ንክኸፍል'ውን ኣብ 2018 ብይን ተዋሂቡ ነይሩ።

ካልኦት ተወሰኽቲ ሰለስተ ክስታት'ውን ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ 2020 ውጽኢት መረጻ እታ ሃገር ንምቅያር ፈቲኑ ዝብል ክሲ የጠቓልል።

8. ፍርሓት ታህዋስያን (ጀርም) ኣለዎ

ኣብ 1997 [ኣ.ኣ] ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ 'ዘ ኣርት ኦፍ ዘ ካምባክ'፡ "ኢድ ሰባት ምጭባጥ መርገም ኣሜሪካ" ብምባል ነቒፉ።

ትራምፕ፡ ደጋጊሙ እዩ ብዛዕባ ጽሬት ኢድ ዝዛረብ።

"ጽሩይ ኢድ እፈቱ። ኢደይ ኣጸቢቐ ኣብ ዝሕጸበሉ ጽቡቕ ይስመዓኒ። ብዝተኻእለኒ መጠን ነዚ እገብር" ኢሉ።

ንሕማም ዘቃልዕ ነገር ምስ ዘጋጥሞ፡ ከም ዝሻቐል ሓቢረሞ ዝሰርሑ ሰባት ይዛረቡ።

ኣብ 1993 ምስ ሃዋርድ ስተርን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ራድዮ፡ "ፍርሓት ታህዋስያን (ጀርም) ኣለኒ" ምባሉ ይዝከር።