ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝነብሩሎም ሆቴላት ዝተኻየደ ተቓውሞን ማእሰርትን

ኣብ ለንደን ኣብ ኣፍ ደገ ሆቴል ባርቢካን ቲስል ኣብ መንጐ ጸረ ስደተኛታት ሰልፈኛታትን ተቓወምትን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝኣተው ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለንደን ኣብ ኣፍደገ ሆቴል ባርቢካን ቲስል ኣብ መንጐ ጸረስደተኛታት ሰልፈኛታትን ተቓወምትን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝኣተው ፖሊስ

ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝነብሩሎም ሆቴላት ድሕሪ ዝተኻየደ ተቓውሞታት 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ጕጅለታት ጸረስደተኛታትን ሰልፈኛታትን ኣብ ለንደን፡ ኒውካስልን ማንቸስተርን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊታት ተጋጭዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ሸውዓተ ድማ ቅድመ ኵነት ሕጊ ህዝባዊ ስርዓት ብምጥሓሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ ኣፍደገ እተን ስደተኛታት ዘዕቝባ ሆቴላት ተኸታታሊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት፡ ቍጽሪ ናይቶም ንሓተቲ ዕቝባ ዘገልግሉ ሆቴላት፡ ኣብ 2023፡ ካብ ልዕሊ 400 ናብ ትሕቲ 210 ከም ዘጕደለን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ክሳብ 2029፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ንምዕቃብ ዝጥቀሙሉ ሆቴላት ንምጕዳል መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ኣብ ዓመት ሓደ ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ከድሕን ከም ዝገብሮ ሓላፊት ግምጃ ቻንስለር ራቸል ሪቭስ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ኢቨት ኩፐር፡ ምስ ሰንደይ ታይምስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ መስርሕ ይግባይ ስርዓት ዕቝባ ብምቅልጣፍ፡ "ስርዓትን ቍጽጽርን ክትመልስ" ከም እትደሊ ገሊጻ።

"እቲ ናይ ውሳነ ይግባይ ስርዓት እንተ ኣቀላጢፍናዮን ድሕሪኡ ምምላስ እንተቐጺልናን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ቍጽሪ ኣዝዩ ዓቢ ምንካይ ክንገብር ክንክእል ተስፋ ንገብር፡" ኢላ።

እቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣብ ጥቓ ኣብ ኢስሊንግተን ዝርከብ ቲስል ሲቲ ባርቢካን ሆቴል ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብ ጕጅለ 'ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም' ዝተመርሐ እዩ ነይሩ።

እቲ ምምሕዳር፡ እቲ ተቓውሞ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተወደበ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ፖሊስ ግን "ካብቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ወጻኢ ብዝመጽኡ ጕጅለታት ከም ዝተደገፈን እዚ ድማ ቍጽሪ ዝሳተፉ ሰባት ክውስኽ ከም ዝገበረን፡" ገሊጹ።

ኣባል ባይቶ ኢስሊንግተን ኖርዝ፡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበር ጀረሚ ኮርቢን፡ ሰባት ኣብቲ ኣንጻር ጸረ ስደተኛታት ዝገብርዎ ሰልፊ ዝካየድ ተቓውሞ ክጽንበሩ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ፖሊስ ቅድሚ እቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ሰልፊ ፍሉይ እገዳታት ኣንቢሩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ክጸንሓሉ ዘለዎ ፍሉይ ከባቢታት ምቕማጥ ሓዊሱ እዩ።

ኣብ ኒውካስል ኣብ ኣፍደገ ሆቴል ዘ ኒው ብሪጅ ተቓውሞን ጸረተቓውሞን ተኻይዱ።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ድማ ፖሊስ ኖርዝሃምብሪያ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ "መሰል ሕጋዊ ተቓውሞ ቀንዲ ኣካል ዲሞክራሲ'ዩ፣ ፖሊስ ዝድግፎ'ዩ። እንተዀነ ሰባት ከም መሳርሒ ገበን ወይ ስርዓት ኣልቦነት ንምፍጻም ክጥቀሙሎም ኣይንቕበልን ኢና፡" ኢሉ።

ኣስታት 1500 ሰባት ብጕጅለ ብሪጣንያ ፈርስት ካብ መደበር ባቡር ማንቸስተር ፒካዲሊ ናብ ሴንትራል ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብተወሳኺ ኣስታት 250 ሰባት ኣብቲ ብናይ 'ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም' ዝምራሕ ጸረ-ሰልፊ ከም ዝርከቡ ይግመት።

ፖሊስ ዓባይ ማንቸስተር "ብዝሒ ሰልፍታት ብዘይ ዝዀነ ዘይንቡር ተርእዮ ብሰላም ሓሊፉ፡" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ምጅማር እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተፈጠረ ጐንጺ ግን ማእሰርቲ ክልተ ሰባት ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ሰብ ብስርቂ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ማእሰርቲ ንምትዕንቓፍ ብምፍታን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።