ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም

ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Home Office

ፖሊስ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ መላእ ምምሕዳር ዌስት ሚድላንድስ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ ኢሚግሬሽን ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ይሰርሑ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣበጻጻሕቲ ንብረት [ደሊቨሪ]፡ ኣብ በርሚንግሃም፡ ኮቨንትሪን ሄረፎርድን ብዝርከቡ ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ገሊጹ።

ፖሊስ ዝዘርግሖም ምስልታት፡ ኣብ መደበር ባቡር ኒው ስትሪት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኤሌክትሪክ ብሽክለታታት ተጠቒሞም ተባሂሎም ደው ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው የርእዩ።

እዚ፡ ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ዝንቀሳቐሱ ሰነዳት ዘይብሎም ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከም መሕጸቢ መካይን፡ ቦታታት ህንጻን እንዳ ጽፍሪን ዝኣመሰሉ ቦታታት ማእሰርቲ ስደተኛታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ዘጋጥም ዘሎ እዩ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ስርሒት ድማ፡ 21 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ገበናት ኢሚግሬሽን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከ ምዝኣተዉ መንግስቲ ወሲኹ ገሊጹ።

እዚኦም ካብ ኤርትራ፡ ጊኒ፡ ጣልያን፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ቬትናምን ባንግላድሽን ዝመጽኡ ሰባት ይርከቡዎም።

ኣብ በርሚንግሃም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ዝተዋፈሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ኵሎም ድማ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክስጐጕ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጕዳያት ኢሚግሬሽን ዌስት ሚድላንድስ ማቲው ፎስተር፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ንሕጋዊ ትካላት ንግዲ ይጸሉን ተቓላዕቲ ሰባት ክምዝመዙ ይገብርን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

"ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰሪሖም ወይ ድማ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ሕጊ ክጥሕሱ ዝመርጹ ሰባት ክትሓዙን ክቕጽዑን ይግባእ፡" ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን መራሕቲ እታ ሃገር፡ "ዶባት ብሪጣንያ ንምሕላው" ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ስደት ተሪር ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ምግላጾም ይፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኩባንያታት ምብጽጻሕ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ንምክልኻል ኣብ ከም በዓል Deliveroo, Uber Eats ከምኡ'ውን Just Eat ዝበሉ ትካላት ኣገልግሎት ኣብ ምጥቃም ትዅረት ክገብራ መደባት ኣሎ።

ኣብ ሰነ፡ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከም መልእኽተኛታት ኰይኖም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጸብጻባት ምውጽኦም ስዒቡ፡ እተን ኩባንያታት ምቍጽጻር ጸጥታ ንምሕያል ተሰማሚዐን።

ኣብ ብሪጣንያ ዝኣተው ሓተትቲ ዕቝባ፡ ኣብተን ቀዳሞት 12 ኣዋርሕ፡ ወይ ድማ መመልከቲ ዕቝባኦም ክሳብ ዝጸድቕ ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን።

ገለ ኣብ መንግስታዊ መዕቈቢ ሆቴላት ዝርከቡ ስደተኛታት ግን በቶም መተግበሪታት ተጠቒሞም ገንዘብ ክረኽቡ ምጽንሖም ስክፍታታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብግዝያውነት ኣብ ሆቴላት ክጸንሑ እንከለው፡ መንግስቲ ልዑል ወጻኢታት ይሓቶ ምህላው ቅሬታታት ከልዕል ጸኒሑ ኣሎ።

ካብ ሚያዝያ 2024 ክሳብ መጋቢት 2025 ሓተትቲ ዕቝባ ንምዕቋብ ንሆቴላት ዘውጽኦ ዝነበረ ወጻኢታት ክጐድል ከም ዝገበረ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ዝወጽአ ጸብጻብ እታ ሃገር የመልክት።

ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ከም ዘመልክቶ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ 2.1 ቢልዮን ፓውንድ ንመንበሪ ሆቴላት ከም ዘውጽአ ይሕብር፤ እዚ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ኣስታት 5.77 ሚልዮን ፓውንድ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 3 ቢልዮን ፓውንድ ወይ 8.3 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ መዓልቲ ዝወረደ እዩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝረኸቦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ሕስር ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ክውሰዱ ብምግባር ወጻኢታት ሓደ ሰብ ክንኪ ከም ዝተገብረ ይሕብር።

ምሁር ስደተኛታት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዶክተር ፒተር ዋልሽ፡ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ዝተራእየ ምውሳኽ ብንኣሽቱ ጃልባ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዳግም ኣብ ሆቴላት ዝነበረ ጽግዕተኛነት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ፈረንሳ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ብሓድሽ ናይ ፈተነ መደብ ክትመልሶም ክትጅምር ምዃና ሰር ኬር ስታርመር ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ "ሓደ ክኣቱ፡ ካልእ ይወጽእ" ዝብል ውጥን፡ ገለ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰባት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ እዮም። ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ከም ኣምሳያኡ ጸጥታዊ ተፍትሽ ብምግባር ተመሳሳሊ ብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ክትቅበል እያ።

ኣሃዛት ክእከብ ካብ ዝጀመረሉ 2018 ጀሚሩ ልዕሊ 170,000 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብዚ ዓመት ዝበጽሐ ቍጽሪ ክብረወሰን ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2025 ኣስታት 20,000 ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብቲ ዘይወግዓዊ ቍጠባ ተባሂሉ ዝግለጽ ግብሪ ዘይክፈሎን ብዘይሕጋዊ ግቡእ ሰነዳት ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ይግለጽ።