ኤርትራውያን ብዝርከቡዎም ግዳም-ሓደር ስደተኛታት ዘዕለቕለቐት ከተማ

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ እግሪ ህንጻታት ምምሕዳር ከተማ ማንቸስተር ቴንዳ ዘርጊሖም'ዮም ዝነብሩ
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ እግሪ ህንጻታት ምምሕዳር ከተማ ማንቸስተር ቴንዳ ዘርጊሖም'ዮም ዝነብሩ

ኣብ ማንቸስተር ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ እታ ከተማን ትካላት ግብረ ሰናይን፡ ቍጽሪ ኣብ ግዳምን ቴንዳታትን ዝነብሩ ስደተኛታት ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጾም።

ብቤት ምኽሪ ዝምወል ኣገልግሎት ማእከል ደገፍ፡ ካብ መጋቢት 2024 ጀሚሩ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝሓገዘን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሆቴላት ዕቝባ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት ክልተ ሲሶ ስደተኛታት፡ ካብቶም ሆቴላት ከም ዝተባበሩ ገሊጹ።

መብዛሕትኦም ካብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኲናት ዝተሰደዱ እዮም።

ካብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ሃዲሙ ንሰሙናት ኣብ ጐደናታት ማንቸስተር ዝነብር ዘሎ ዓብደላ ዛይድ ዝተባህለ መምህር ቋንቋ እንግሊዘኛ ይርከቦም።

ምክትል ቤት ምኽሪ ከተማ ማንቸስተር ጆኣና ሚድግሊ፡ እቲ ጸገም "ሃገራዊ ፍታሕ" ከም ዘድልዮ ገሊጻ።

ማንቸስተር፡ "ምሕዝነታዊት፡ ዓለማዊት ከተማ" ስለዝዀነት ስደተኛታት ናብታ ከተማ ክመጽኡ ከም ዝገበሮም እትገልጽ ጆኦና፡ መብዛሕትኦም ግን ኣብ መወዳእታ መንበሪ ኣባይቲ ክረኽቡ "ቀዳምነት ስለ ዘይወሃቦም" ኣብ ጽንኵር ኵነታት ክነብሩ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተዛሪባ።

"ኣብ እግሪ ህንጻታት [ኣዳራሻት መንግስቲ] ቴንዳ ዘርጊሕካ ምንባር ክኣ ነዚ መልሲ ክኸውን ኣይክእልን። ሰባት ቅኑዕ ሓገዝን ደገፍን ንክረኽቡ ክንፍትንን ኢና ንደሊ" ኢላ።

ሱዳናዊ ስደተኛ ዓብዱላህ ዛይድ፡ ካብ ዝነብረሉ ቦታ ምስ ተሰጐገ ኣብ ግዳም ክነብር ጀሚሩ
መግለጺ ስእሊ, ሱዳናዊ ስደተኛ ዓብዱላህ ዛይድ፡ ካብ ዝነብረሉ ቦታ ምስ ተሰጐገ ኣብ ግዳም ክነብር ጀሚሩ

ወዲ 31 ዓመት ሱዳናዊ ዓብዱላ ዛይድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ኣብ ፋሎውፊልድ ዝርከብ ስደተኛታት ዝጸንሕሉ ሆቴል ተሰጒጕ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ቦታታት እዩ ዝርከብ።

"ዓባይ ብሪጣንያ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ዓባይ ብሪጣንያ ኣይኰነትን፣ ምኽንያቱ ካብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ስለ ዝመጻእና፣ መሊስና ድማ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ኢና ንወድቕ ዘለና፡" ኢሉ።

ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብቶም ናብ ማንቸስተር ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ዝተዋህቦም ከም ዝዀኑ 'ማስታርድ ትሪ' ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ግዳም ሓደር ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መጋቢት ክሳብ ታሕሳስ፡ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ዝደገፈ ኰይኑ፣ እዚኦም ኣስታት 328 ካብ ኤርትራ፡ 290 ድማ ካብ ሱዳን ዝመጽኡ ስደተኛታት ይርከብዎም።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብ ሊቨርፑል፡ በርሚንግሃምን በርንሊን ናብ ማንቸስተር ዝተጓዕዙ ኰይኖም፡ ካልኦት ኣብ መላእ ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ዝመጽኡ ኣለዉ።

ሱዳናዊ ሳላሕ ቤንሰን፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብራ ኣብ ማንቸስተር ይሓስር ኢሎም ከም ዝሓስቡ ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ሱዳናዊ ሳላሕ ቤንሰን፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብራ ኣብ ማንቸስተር ይሓስር ኢሎም ከም ዝሓስቡ ገሊጹ

ብሰንኪ ኲናት ካብ ሱዳን ክወጽእ ዝተገደደ ወዲ 20 ዓመት ሳላሕ ቤንሰን፡ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ፍቓድ ስለ ዝረኸበ፡ ካብቲ ኣብ ማንቸስተር ዝጸንሓሉ ዝነበረ ሆቴል ክወጽእ እዩ።

ስራሕ ክረክብ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ብወለንታ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን፡ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ካልኦት ቦታታት ዝሓሸ ህይወት ኣሎ ብዝብል ናብታ ከተማ ከም ዝመጽኡን ይዛረብ።

"ገሊኦም፡ ካብ ካልኦት ከተማታት ናይ ስደተኛ ወረቐት ምስ ረኸቡ፡ ዝሓሸ ዕድላት ክረኽቡን ሕሳር እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡን ናብ ማንቸስተር ይመጽኡ፡" ኢሉ።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ኣስታት 66 ሚእታዊት ስደተኛታት ሕቶ ዕቝባኦም ተቐባልነት ረኺቡ'ዩ።

ኣብ መስከረም 2024 ድማ ናብ ሆቴላት ተሰጋጊሮም።

ማስታርድ ትሪን ቤት ምኽር እታ ከተማን ንቢቢሲ ሬድዮ ማንቸስተር ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ብዙሓት ናብ ማንቸስተር ዝመጽኡ ስደተኛታት መንእሰያትን ሓዳር ዘይብሎምን ስለ ዝዀኑ ማሕበራዊ ኣባይቲ ከም ዘይረኽቡን፡ ኣባይቲ ክረኽቡ ቀዳምነት ከም ዘይወሃቦምን ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ እቶም ስደተኛታት ናብታ ንግዳም ሓደር ዝወሃብ ደገፋት ልዕሊ ዓቕሚ ዝዀነላ ከተማ ብብዝሒ ይመጽኡ ከም ዘለዉ'ዮም ዝገልጹ።

ጆኣና ሚድግሊ፡ እዚ "ሃገራዊ ጉዳይ'ዩ፡ ሃገራዊ ፍታሕ ድማ የድልየና፡" ኢላ።

ከም፡ "ቋንቋ እንግሊዘኛ ምምሃር፡ ስልጠና ምርካብ ዝኣመሰሉ ነገራት ከምኡ'ውን ናይ ምስራሕ መሰል ክህልዎም ዝገብር ጐስጓስ'ውን ኣሎ፤ እዚ ኵሉ ምሓገዘ፡ ምኽንያቱ ናይ ምጽናሕ ውሳነኦም ዝረኽብሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ንኽወሃሃዱን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ንኽሳተፉን ዝያዳ ድሉዋት ክዀኑ ስለ ዝሕግዞም።"