ትግራይ፡ ስደት፡ ምፍንቓልን ፖለቲካዊ ሕምስምስን ዝደሃዀ ህዝቢ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ውግኣት፡ ጠንቂ ስደትን ምምዝባል ኣማኢት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ኰይኖም እዮም።
ስደትን ምምዝባልን፡ ሞትን ጥምየትን ከኣ፡ ንስድራ ማሾ ጸጋይ ሓደ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን፤ ክልተ ሰለስተ ግዜ ተበራርዩላ።
ኣብ ሕዳር 1984 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተኸሰተ ዓቢይ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምስቲ ዝነበረ ኲናት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ጥምየት ንዓለም የዛርብ ነበረ።
ብሰንኩ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ክሃልቍ እንከለው፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ተመዛቢሎም።
ብርሃነን ወለዱን ካብቶም ካብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ እዮም።
ማሾ'ውን ከምኡ ብ1977 [ኣ.ግ] ናብ ሱዳን ተሰዲዳ።
ብርሃነ፡ ካብ ዓዱ ምስ ተሰደደ ኣይተመልሰን፤ ኣብኡ ሓዳር መስሪቱ ክልተ ቈልዑ ወሊዱ።
ማሾ፡ እቲ ኲናት ምስ ተወድአ [ብ1988] ናብ ትግራይ ተመሊሳ ኣብ ሑመራ ክትነብር ጀሚራ።
ንሳ ናብ ዓዲ ክትምለስ እንከላ ኣሕዋታ ኣብ ኲናት ሞይቶም'ዮም ጸኒሖምዋ።
ኣቶ ብርሃነን በዓልቲ ቤቱን ግን ኣብ ፖርት ሱዳን እንከለው ብሕማም ሞይቶም፤ ክልተ ደቈም ከኣ ዘኽቲመን።
ማሾ፡ ሓትንአን እያ፤ "ኣነ ንርእሰይ ስድራ የብለይን" ብምባል እቲ ኲናት ብዙሓት ኣባላት ስድራኣ ከም ዝበልዐ ትዛረብ።
ኣብ ሑመራ ናብራ መስሪታ'ኳ እንተነበረት፡ ኣይቀጸለን፤ ነተን ቈልዑ -ደቂ ሓፍታ - ካብ ሱዳን ብምምጻእ ከተዕብየን ሓላፍነት ወሰደት።
ቅድሚ እቲ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 [ኣ.ኤ] ዳግም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ -ብቐንዱ ክልል ትግራይ- ዝተወልዐን ድሒሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐት ነዘን ቈልዑ ተባጽሐን ነይራ።
ክዳን ለይቲ፡ ሽፎን . . . ዘይራ እናሸጠት ተዕብየን፤ ጐድኒ ጐድኒ'ውን ንእሽቶ ጀርዲን ነይራታ።
ኣደ ሓደ ቈልዓ'ኳ እንተዀነት፡ ንሳምሪን ምንኣስ ሓፍታ ሄለንን'ውን ደቀይ እናበለት እያ ኣዕብያተን።
ሳምሪ ተጋዲላ ሄለን ናብ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዳ።
ሕጂ፡ ብደላሎ ስደት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጽአት ጓል 17 ዓመት ሄለን፡ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ትከላበትን ማሾ ልዕሊ ዓቕማ ዝዀነ ኣማኢት ኣሽሓት ክትከፍል ትሕተንን ኣላ።

'መዓዝ ኢና ናብ ዓድና ንኸይድ ትብለኒ ነይራ'
ቅድሚ እቲ ኵነታት ሎምን ጽባሕን ስድራ ማሾን ካልኦት ብዙሓት ዜጋታትን ዝሓምሸሸ ሓድሽ ኲናት ምውልዑ፡ ቅድሚ'ቲ ቤት ኣልቦ ክዀኑ ዝገበረ ውራ መሬትን ምፍንቓልን ምምጽኡ፡ "ደቀይ ተማሂረን፡ ተመሪቐን፡ ስራሕ ሒዘን፡ ንባዕለን ሓድጊ ኰይነን፡ ንዓይ'ውን ክጥውራኒ ተስፋ ነይሩኒ፡" ትብል።
እንተዀነ፡ እተን ቈልዑ ካብ ትምህርተንን መጻኢአንን ተሰናኺለን፤ ሳምሪን ኣብ እዋን እቲ ኲናት ናብ ዕጡቓት ትግራይ ክትጽንበር እንከላ፡ ማሾ ንሄለን ሒዛ ህይወታ ከተድሕን ተመዛቢላ።
እቲ ኲናት ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ክልተ ዓመታት ገይሩ'ሎ፤ ስደት መንእሰያት ግን ደው ኣይበለን።
ስድራ ማሾ፡ ዳግም ግዳይ እዚ ዘይዛሪ ጕዳይ ስደት ኰይና ሰንፈለል ትብል ኣላ።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝያዊ ማእከላት መዕቈቢ ተመዛበልቲ እዮም ዝርከቡ።
መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሓይልታቶም ዕጥቂ ኣውረዶም ዕርቀ-ሰላም ክመጽእ ክሰርሑ ክሰማምዑ እንከለው፡ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ብጽንብል ተቐቢሎምዎ።
እዚ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉን ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ተዓቚቦም ዝነበሩን ልዑል ተስፋ ዝፈጠረ ነይሩ።
ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ናብ ንቡር ህይወቶም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ ክልልን ፈደራልን ግን፡ ነዚ ክግሃድ ዝገብር ስርሓት ክሰርሑ ዘይኰነ፡ ንሓድሕዶም "ኣብ ምንቛት ተጸሚዶም" ብምህላዎም ተስፋታቶም ይጽንቀቕ ከምዘሎ ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ይገልጹ።
ግዳያት እቲ ኲናት ድማ፡ መሰረታዊ ቀረባት ዘይማልኣሎም፡ ንኣራዊትን ጸገማት ጸጥታን ዝተቓልዑ ጽሓይን ንፋስን ኣብ ዘማህመኖም ቴንዳታት ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ደቈም ብዘይሕጋዊ ስደት ይስእኑ ኣለው።
ጓል 17 ዓመት ሄለን ብርሃነ ኣብ ጣብያ ጥዕና መቐለ ምስ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምስ ሓትነኣ ማሾ ትነብርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ 9ይ ክፍሊ ትመሃርን ነይራ።
ብሎም-ጽባሕን ካብዚ ጸሓይን ንፋስን ዝፋረቘ ቅሳነት ዘይብሉ ኵነታት ክንናገፍ ኢና ኢላ ትጽቢት ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት እዋን ግን፡ ሄለን ጠፊኣ ናብ ስደት ኣምሪሓ።
ከም ውጽኢቱ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ካብ የመን ድሕሪኡ ድማ ካብ ከባቢ ራጐ ቴሌፎን ብምድዋል ልዕሊ ዓቕማ ዝዀነ ገንዘብ ክሓቱዋ ጀሚሮም፤ ማሾ ድማ ኣብ ጐደናታት መቐለ ብምውጻእ ክትልምን ጀሚራ።
"መን ከም ዝወሰዳ ኣይፈልጥን፤ ኣብ የመን ምስ በጽሐት ግን 115 ሽሕ ብር ክፈሊ ኢሎምኒ፤ ሽዑ ሰባት ሓጊዞምኒ ከፊልናላ። ናብ ራጐ ምስ ከደት ከኣ ተወሳኺ ቅርሺ ኣዚዞምኒ፤ ገሊኦም 300 ሽሕ ገሊኦም ድማ 190 ሽሕ ብር ይብሉኒ- እናጸንሑ'ዮም ዝውስዅ፡" ትብል።
ሄለን፡ ቅድሚ ናብ ስደት ምኻዳ፡ "መዓዝ ኢና ናብ ዓድና ኬድና ስራሕ እንፈጥር . . . ከመይ ኢሉ ኣብ ቴንዳ ኰይንኻ ይሓልፈልካ" እናበለት ትሻቐል ከም ዝነበረት ማሾ ትዛረብ።
ወሲኻ፡ "እዚ ኵነታት [ኲናት] እንተዘይፍጠር፡ እዚ ምፍንቓል፡ እዚ ዕግርግር እንተዘይፍጠር ነይሩ፡ ጓለይ [ሄለን] ፈጺማ እዚ ጕዕዞ - ስዑዲ ዝበሃል ኣይትሓልሞን ነይራ። እዚ ዕግርግር'ዩ እዚ ዅሉ መከራ ኣብጺሑለይ ዘሎ፡" ብምባል እናነብዐት ቃላ ሂባትና።
ድሃይ ሄለን ካብ እትሰምዕ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይራ ኣላ።
ራጐ፡ ኣብ መንጐ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝርከብ ቀንዲ ናይ ስግረ ዶብ ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ግዳያት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ወተሃደራትን ክዀኑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ከባቢ ከም ዝቘጻጸሩዎ'ዩ ዝግለጽ። ብርክት ዝበለ ናይ መቓብር ቦታ ከም ዘሎ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ክጠቕሱ ጸኒሖም'ዮም።
ብዙሓት ኣብዚ ከባቢ ግዳይ ዝዀኑ ካብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ስደተኛታት ከም ዝዀኑ'ውን ይግለጽ።
ጸሓይ በሪቓ ትዓርብ

ኣቶ ፈቒጦር ሓጐስ፡ መራሒ ሸውዓተ ዝኣባላታ ስድራ'ዮም፤ ክረምቲ ሓሪሶም ሓጋይ ዝነግዱ ንፉዕ ገባርን ነጋዳይ ነይሮም።
ኣብ ጽቡቕ ኣዝመራ ጽሓይ በሪቓ ክሳብ እትዓርብ ዘፍረዩዎ ምህርቲ ማሽላን ሰሊጥን ካብ 40 ክሳብ 100 ኵንታል ምህርቲ ይሓፍሱ ነይሮም።
ደቈም ኣምሂሮም ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብጺሖም።
ሎሚ ግን፡ ጽሓይ መብረቕን መጽደቒን ዝብላዕ ጥራይ ዝረኽብሉ ረድኤት እናተጸበዩ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ምስ ካልኦት 40 ሰባት ይነብሩ ኣለው።
ኣቶ ፈቒጦር፡ ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ማይካድራ'ዮም ተመዛቢሎም።
"ዝነበረና ጸጋ ኣበይ ኢልካ እሞ ይርከብ?" ዝብሉ ኣቶ ፈቒጦር፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ መረበቶም ክምለሱ ተስፋ ከም ዝነበሮም ተዛሪቦም።
መራሕቲ እቲ ክልል፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ንዘሎ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን ዕንወትን፡ ተሓተትቲ እዮም ክብሉ ይነቕፉ።
"እዚ ዕንክሊል፡ ናይ ኣመራርሓ ጐደሎ ዝወለዶ እዩ፤ ቅኑዕ ኣካይዳ እንተዝህሉ ነይሩ፡ ካብተን ካልኦት ክልላት ብዝተፈለየ ንበይንና በረድ ኣይምወረደናን። ድራሩ እምበር ድራር ህዝቢ ዘይፈልጥ መሪሕነት ጐዲኡና፡" ኢሎም።
እቲ ኲናት፡ ኣጽዋር ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ክወርድ ዝድርዅ ተረኻት ዝተሓወሶ ብምንባሩ፡ ምምዝባልን ስደትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝምድናታትን ብሓባር ናይ ምንባር ተኽእሎታትን ህዝብታት ክዝረጕን ክበታተዅን ገይሩ'ዩ።
"እቲ ዓድና፡ ኣይኰነን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳናውያን'ውን ሓደ ኰይንና ንነብረሉ ዝነበርና እዩ፤ ኣብ ማይካድራ ዘይመጽአ ብሄር ብሄረሰብ የለን እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን" ዝብሉ ኣቶ ፈቒጦር፡ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ፖለቲካዊ ዕንደራን ማሕበራዊ ኣነባብራ እቲ ህዝቢ ከም ዝተጸልወ ሓቢሮም።
ሕጂ ድማ፡ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ተስፋታት እናቕሃመ ካልእ ዕግርግን ኲናትን ከይለዓል ዝብል ስግኣታት ይውስኽ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት ጠቒሶም።
"ግዜ ነዊሑ፡ ከምቲ ምስ ካልኦት ክልላት ዘጋጨውና [ንሓድሕድና] ብወረዳ'ውን ከየባእሱና ኢና ንሰግእ። እቲ ቀደም ከየገናዘብና ዘጋጨዩና ይኣክል፤ ብሓደ እንነብር ገባር ኢና ክንብሎም ይግባእ። በቲ ዝሓለፈ ዘይተጐድአት ቍሸትን ወረዳን የላን። ስለዚ፡ [ንህዝቢ] ብዘረባ እናልዓዓልኻ ምንኻስ ይኣኽለኵም ኢና ንብል" ኢሎም።
ተደጋጋሚ ኲናት፡ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት እቲ ክልል እናበልዐ ዝመጽአ "ካብ ዕድሜና ዘይንእስ" ኰይኑ፡ እዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ገባር ከቢድ ክሳራታት እናውረደ ምምጽኡ ምግንዛብ የድሊ ክብሉ ኣቶ ፈቒጦር ይዛረቡ።
ሕጂ፡ "ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ንዅን፡ ዘረባ ፖለቲከኛ እናሰማዕና ገደል ኣይንእቶ እየ ዝብል" ዝበሉ ኣቶ ፈቒጦር፡ ውግእ "ውላድ፡ ንብረት፡ ሙሁር እዩ ዝበልዕ። እዚ ውግእ እዚ ንማንም ህዝቢ ኣይጠቐመን- ኣብ ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ'ውን ጌጋ'ዩ እየ ዝብል። ኲናት ነቲ ታሕተዋይ ገባር'ዩ ዝጐድእ- ንብረቱ ይብላዕ፡ ዝመጽአ ይወሮ" ይብሉ።

ኣቶ ገብረመድህን ሓጐስ'ውን ብተመሳሳሊ ሓደ ካብቶም ግዳያት እዚ ኲናትን ምዝንባልን እዮም።
እዞም ወዲ 73 ዓመት ሓረስታይ፡ ካብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ክመዛበሉ እንከለው፡ ገለ ክፋል ስድራኦም ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።
ዓመታዊ፡ ሰሊጥ፡ ማሸላን ቡልቱግን ይዘርኡ ነይሮም፤ ክሳብ 65 ኵንታል [ሰሊጥ] ክሳብ 120 ኵንታል [ማሸላ] ክኣ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።
"ሰሪሕካ ድራር ለይቲ ዝርከቦ ጽቡቕ ዓዲ'ዩ" ብምባል ንሕሉፍ ህይወቶም ይዝክሩ።
ኣቶ ገብረመድህን ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ'ዮም። እቶም ክልተ ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ዝጅምርሉ ግዜ በጺሑ ነይሩ።
ካልኦት'ውን ትምህርቶም ይከታተሉ ነይሮም፤ እንተዀነ እዚ ኵሉ ተዀሊፉ ዕጫ እታ ስድራ ስደትን ምምዝባልን ኰይኑ።
"ተበታቲንና ኢና ዘለና" ዝብሉ ኣቶ ገብረመድህን፡ እቲ ኲናት ሃንደበት ክውላዕ እንከሎ "ኣነ ንብረት ክሕሉ ኢለ ተሪፈ- እንተዀነ ንብረት ኣየትረፍኩ፤ ምስ ደቀይ'ውን ኣይተራኸብኩን" ብምባል ኣርባዕተ ደቆም ኣብ ሱዳን ከም ዘለው ሓቢሮም።
ኣብ መንጐ፡ ሓንቲ ጓሎም ናብ ሑመራ ክትምለስ እንከላ ን18 መዓልቲ ተኣሲራ [ካብ ኣምሓራ'ውን ስለ እትውለድ] ግን "ተወላዲት እያ ተባሂላ ተፈቲሓ" ኢሎም።
ብኸምኡ እናነበሩ ጸኒሖም ግን ንሶም ተኣሲሮም።
"ተጋዳላይ ነይርኻ ተባሂለ ብዙሕ ስቓይ በጺሑኒ። ክቐትሉኒ ክብሉ ሓደ ካብኣቶም 'ዓብዪ ሰብኣይ'ዩ' ኢሉ ኣትሪፉኒ" ኢሎም።
ድሕሪኡ፡ ናብ መቐለ ተመዛቢሎም።
"ብናፍቈት ደቀይን ጸገምን ኣለዅ። ከም ዘይንመውት ከም ዘይንድሕን ኢና ኰይንና ዘለና።"
ወሲዀም፡ "ኲናት ደው ምስበለ፡ ብስምምዕ ኵሉ ተሓጒሱ- ክልተ መዓልቲ ወይ ሰሙን እንጸንሕ ኣይመሰለናን። [ክንምለስ] ተስፋ ገይርና ተሗጒስና ነይርና። እንተዀነ፡ እቲ ጸገም ናይ መራሕቲ ትግራይ'ዩ። ክሰዱና ኣይክኣሉን፡ ኣይተገደሱልናን፤ ኣብ ናይ ባዕሎም ትርጕም ዘይብሉ ነገር እዮም ግዜ ዘሕሉፉ ዘለው" ብምባል ይነቕፉ።
እዞም ተመዛበልቲ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል "ምርድዳእ" ብምግባር ናብ መረበቶም ከግዕዞም ከኣ ተማሕጺኖም።
ሰማዒ ዝስኣነ ጥርዓን ስደተኛታትን ተመዛበልትን

ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ኣብተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ኣዕቝበን ዝርከባ መዓስከራት ኡምራኩባ፡ ተነድባን ሓሸባን ዝነበሩ ስደተኛታት ድማ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ንዝተፈላለዩ ጸገማት [ቅትለትን መጭወይትን ሓዊሱ] ክቃልዑ ከም ዝጸንሑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊታት ከካይዱ ጸኒሖምን ኣለውን።
ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን፡ ዓድግራት፡ ኣክሱም፡ ዓቢይ ዓዲ፡ ሽረን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዝተፈላለየ ሕቶታት ዘልዓለ ሰላማዊ ሰልፊታት ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝግበሩ ንጥፈታት ምስ ምፍራስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ከም ዝዀነ ብምግላጽ እዚ ድማ "ክሳብ መወዳእታ ሰነ" [እቲ ዝሓለፈ ዓመት] ክፍጸም ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ሌ/ጀነራል፡ ኣብ ሓምለ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፋራይ ኣሎ፤ መንግስቲ ኣምሓራ ዘስፈሮም ኣለው። እዚኦም ኣብ ናጻ ቦታ ኣይኰኑን ሰፊሮም ዘለው፣ ዋና ኣብ ዝነበሮ ቦታ እዮም ዘለው። እዚ እንተዘይተላዒሉ እቲ ምምላስ ከተሓላልኾ ከም ዝኽእል ገሚትና ኢና። እዚ ክሳብ ዝውዳእ ንጽናሕ ኣይኰነን፡ ጐና ጐኒ ተመዛበልቲ ክንመልስ ኣለና፡" ምባሉ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ ገደብ ግዜ ናይቲ ዝተባህለ ምምላስ ግን ኣይሓበረን። ክሳብ ሕጂ'ውን ጭቡጥ ምዕባለ ኣይመጽአን ዘሎ።
ኣካያዲ ስራሕ ጽላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝዀነ ጸጋይ ተጠምቀ፡ እቲ ምምዝባል ዜጋታት ብኽልቲኡ ሸነኽ "ከም ፖለቲካዊ ጅሆ ተታሒዙ ዝስርሓሉ ኵነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና" ብምባል መራሕቲ እቲ ክልል "ህዝቢ ክሒዶም ፖለቲካዊ ጸወታ ይጻወቱ ኣለው" ብምባል ይነቅፍ።
"ኣብያተ ትምህርቲ መንበሪ ተመዛበልቲ እየን ኰይነን ዘለዋ፤ እቲ ሓገዛት መድሃኒትን መግብን ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ'ዩ ወዲቑ ዘሎ። "ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም እንተተመሊሶም፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብዚ ክናገፍን ጾር ይቐለሉን ኣሎ ማለት'ዩ" ብምባል እቲ ኵነታት ሕብረተሰብ ንነባሪ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ክቃላዕ ይገብሮ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
መብዛሕትኡ ተመዛባላይ፡ ካብ ረድኤት ዝረኽቦ 15 ኪሎ ስርናይ ስለ ዘይኣኽሎ፡ ካብ ነበርቲ ዝረኽቦ ሓገዝ መግብን ዓለባን እዩ ዝናበር ዘሎ ብምባል፡ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደትን ምስርጣያትን ክዀኑ ይዕዘብ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
"ተስፋ ምቝራጽ እቲ ዝዓበየ ሞት ወዲ ሰብ እዩ። መንግስታት ይቕልዱ እዮም ዘለው፤ በዚ ተስፋ ምቝራጽን ሕርቃንን ድማ ወጺኦም ዝኸዱ ኣለው።
ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ክልተ ጕጅለ ዝተገምዐ መሪሕነት ህወሓት ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ወጠጥ፡ ተደጋጋሚ ጥርዓን እዞም ተመዛበልቲ ካብ ዝጐሰዩ ምኽንያታት ሓደ ከም ዝዀነ ትካል ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ይገልጽ።
መንግስቲ ፈደራል'ውን እዚ ጕዳይ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍጸም እናተገብኦ እቶም ተመዛበልቲ ከም "መጣልዒ"ዩ ሒዙዎ ዘሎ ብምባል ከሲሱ።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት እዚ ንጐኒ ዝተጐሰየ ጕዳይ ፍታሕ እንተረኺቡ "እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እግሪ ክተክል እዩ ዝብል ዝንባለ ዘለዎ'ዩ ዝመስልን" ዝብል ምክትል ዳይረክተር እቲ ትካል ኣቶ መብርሂ ብርሃነ፡ ነዚ ጕዳይ ሓዲኡ ወገን እንተኣፈጺሙዎ "እቲ ሓደ ቕቡልነትን ኣፍልጦን ከምኡ'ውን ኣጀንዳ ይስእን" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ጠለባት ካብ ተደጋጋሚ መብጽዓታት ብዝሰገረ ጭቡጥ መልሲ ኣይረኸበን።
ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፈደራል'ውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣየውጽኦም፤ ብክልል ኣምሓራ ዝተወደቡ ምምሕዳራት'ውን ስለ ዘየፍረሶም፡ እቶም ተመዛበልቲ ኰነ ስደተኛታት ንክምለሱ ውሑስ ኣይኰነን ዝብል ርኢይቶ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት መዕለቢ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ተተግቢሩ ናብ ካልእ ምዕራፍ ከይእቶ፡ ቀንዲ ዓንቀፍትን ሓለኽቲን እቲ ሽግር መራሕቲ ህወሓት እዮም ክብል፡ ምኒስተር መስኖን ቆላታትን ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።
እቲ ምኒስተር፡ ኵሉ እቲ ነዚ ስምምዓት ንምትግባር ኣብ መንጐ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ዝተገብረ ምርድዳኣት፡ "ኣብኡ መምስከዱ የርፍስዎ" ብምባል፡ ካብ ሰበስልጣን ትግራይ ነቲ ጉዳይ ንዘይምፍታሕን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ከም መሻቐጢ ክተሓዝ ስለ ዝተደለየን'ዩ ብምባል ካብ መንግስቲ ዝዀነ ዕንቅፋት ከም ዘየለ ኣስሚሩሉ።
"እቲ ዝተፈናቐለልሉ መገዲ ዝፍለጥ'ዩ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ናብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ [ወረዳታት ጸለምቲ፡ ማይ ጸብሪ] ከምኡ'ውን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተመለሱ ስሩዕ ምሕደራ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት የብሎምን፡ ዕጡቓት ገበናት ዝፍጽምሉ ኵነታት ስለ ዘሎ፡ መጀመርታ እቲ ከባቢ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ" ይብል ኣቶ መብርሂ።
ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ሓደ ዓቢይ ኣጀንዳ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ውዕል ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቕ፡ "ነዚ ውዕል ዝፈረሙ ኣካላት እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበጽሐ ማህሰይቲ ብዘይደግም ብሰላማዊ መገዲ ዝምለሰሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ክመቻቻእ ኣለዎ" ብምባል መራሕቲ ኣብ ክንዲ ንስልጣኖም ንሰብኣዊ መሰል ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







