'ተፈጻምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝሓላልኹ ዘለዉ መራሕቲ ትግራይ እዮም' - ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ምንጪ ስእሊ, ABREHAM BELAY FACEBOOK
ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት መዕለቢ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ተተግቢሩ ናብ ካልእ ምዕራፍ ከይእቶ፡ ቀንዲ ዓንቀፍትን ሓለኽቲን እቲ ሽግር መራሕቲ ህወሓት እዮም ክብል፡ ምኒስተር መስኖን ቆላታትን ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።
ንሱ፡ ብዓርቢ 24 ጥሪ 2025 ምስ ተለቪዥን ፋና 'ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ' ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ብምሉኡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቍርቍስን፡ ነቲ ጸገማት ህዝቢ ጅሆ ሒዝካ ከም ፖለቲካዊ መዋገዪ ናይ ምግባር ኣካይዳ ስለ ዘሎ ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ።
ከምዚ ዝበለ ንመስርሕ ትግበራ ስምምዕ ፕሮቶሪያን ብድሆታቱን ዝምልከት፡ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ብዙሕ ዘይስማዕ ኰይኑ፡ ካብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ግን፡ "ስምምዕ ፕሪቶሪያ፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬትና ከይወጹ፣ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረበቱ ከይተመልሰ..." ዝብል መገለጺታት ብተደጋጋሚ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ምኒስተር ግን፡ ኵሉ እቲ ነዚ ስምምዓት ንምትግባር ኣብ መንጐ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ዝተገብረ ምርድዳኣት፡ "ኣብኡ መምስከዱ የርፍስዎ" ብምባል፡ ካብ ሰበስልጣን ትግራይ ነቲ ጉዳይ ንዘይምፍታሕን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ከም መሻቐጢ ክተሓዝ ስለ ዝተደለየን'ዩ ብምባል ካብ መንግስቲ ዝዀነ ዕንቅፋት ከም ዘየለ ኣስሚሩሉ።
ዶ/ር ኣብርሃም ኣብ ነሓሰ 2023 ምኒስተር ምልክልኻል ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ውን፡ ኣብ ኣጋጣሚ በዓል ኣሸንዳ ነዚ ኵነታት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።
ምኒስተር ኣብርሃም፡ "ብቐዳምነት ዝተመዛበለ ህዝብና ድሕነቱን ሰላሙን ብዘረጋግጽ መንገዲ ናብ መረበቱ ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ኵሎም ዝምልከቶም ኣመራርሓ ክልቲኦም ክልላት [ኣምሓራን ትግራይን] ኣብ ዘለውዎ ፈደራል መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ናብ ተግባር ንምልዋጥ እናተሰርሐ ይርከብ፡" ብምባል፡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ኣብቲ ከባቢ ክዋፈሩ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።
ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።
ኣብቲ እዋን ብፍላይ ንዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቱ፡ ምኒስተር ኣብርሃም፡ "ኣብ ሓጺር እዋን ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ብዘረጋግጸ መንገዲ ምሕደርኡ ባዕሉ ክምስርት ክግበር እዩ፡" ብምባል፡ "ኣብዘን ከባቢታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኵነታት ተጠቒሙ ዝተጣየሸ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ወጻኢ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ከይህሉ ነዚ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፍነት ወሲዱ ከፈጽም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ቃለመሕትቱ ምስ ተሌቪዝን ፋና ድማ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ቀንዲ ዕንቅፋት ተፈጻምነት እቲ በብእዋኑ ዝወጸ መደባትን ስምምዓትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቍርቍስ፡ መሰረታዊ ድሌታት ህዝቢ ዝዘንግዐ፡ ግን ድማ ነቲ ጉዳይ ህዝቢ ጅሆ ሒዝካ ነናይ ባዕልኻ ኣጀንዳ ከተፈጽም ናይ ምድላይ ምንቅስቓሳት ስለዘሎ እዩ፡ ብምባል ንሰበስልጣን ትግራይ ብትሪ ወቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን፡ ዓድግራት፡ ኣክሱም፡ ዓቢይ ዓዲ፡ ሽረን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዝተፈላለየ ሕቶታት ዘልዓለ ሰላማዊ ሰልፊታት ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝግበሩ ንጥፈታት ምስ ምፍራስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ከም ዝዀነ ብምግላጽ እዚ ድማ "ክሳብ መወዳእታ ሰነ" [እቲ ዝሓለፈ ዓመት] ክፍጸም ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ሌ/ጀነራል፡ ኣብ ሓምለ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፋራይ ኣሎ፤ መንግስቲ ኣምሓራ ዘስፈሮም ኣለው። እዚኦም ኣብ ናጻ ቦታ ኣይኰኑን ሰፊሮም ዘለው፣ ዋና ኣብ ዝነበሮ ቦታ እዮም ዘለው። እዚ እንተዘይተላዒሉ እቲ ምምላስ ከተሓላልኾ ከም ዝኽእል ገሚትና ኢና። እዚ ክሳብ ዝውዳእ ንጽናሕ ኣይኰነን፡ ጐና ጐኒ ተመዛበልቲ ክንመልስ ኣለና፡" ምባሉ ይዝከር።
ውዕል ፕሪቶሪያ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘምጽኦ ብዙሕ ረብሓታት ዝዘርዘረ ምኒስተር ኣብርሃም በላይ፡ እቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመና ድዅም ተቕዋም ምዃኑ ኣረዲኡ።
እንተዀነ፡ እቲ ምምሕዳር ብብቕዓት 'ነቲ ዝተመስረተሉ ዕላማታትን ተልእኾን ከየፈጽም' ሓሊዅ ዝሓዘ ጕጅለ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጕጅለ ተገምጢሉ ባዕሉ ሽግር ፈጣሪን ከሳሲን ዝዀነሉ ኵነታት እዩ ዘሎ ኢሉ።
ዝሓለፈ ሓሙስ መግለጺ ዘውጽኡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል ምትዕርራይ ክግበረሉ፤ "ዝደኸሙ መራሕቱ" ድማ ክትክኡ ከም ዝጸውዑ ይፍለጥ።
ነዚ ምላሽ ዝሃበ እቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ፡ እቶም ኣዘዝቲ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣዋጅ ኲናትን ስርዓት ኣልቦነትን" ዘስዕብ ብምዃኑ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ "ብውነ ተገንዚብኩም ብፅንዓት ክትነፅጉዎን ካብዚ ወፃኢ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ትእዛዝ ተግባራዊ ከይትገብሩን ነፍልጥ" ክብል ተማሕጺኑ እዩ።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሰለስተ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እውን፡ ነቲ ካብ "ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ" ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ክልል ዳግም ናብ ኲናትን ምምዝባልን ክኣቱ ዝዕድም'ዩ ብምባል ኰኒነናኦ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል፡ ናይ ባዕሉ ናይቲ ውድብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ባዕላቶም ክፈትሕዎ" ትጽቢት ከምዝግበርን መንግስቲ ምትእትታው ከምዘይገብረሉን ድማ እቲ ምኒስተር ኣመልኪቱ።
እንተዀነ፡ እቲ ጕጅለታት "ኣነ እየ ህወሓት፣ ኣነ እየ ህወሓት" እናበለ ይካሰስ ኣብ ዘለወሉ ኵነታትን ግን ምስ ኣየናይ ወገን ህወሓት ተዘራሪብካ እዩ እቲ ጸገም ዝፍታሕ ኣጸጋሚ ኵነታት ከምዝፈጠረ ኣረዲኡ።
እዚ ይዅን ግን "ግዝያዊ መንግስቲ ብሕታዊ መንግስቲ ትግራይ እዩ፤ ፈደራል መንግስቲ እውን ርክቡ ምስኡ እዩ፡" ኢሉ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ዶ/ር ኣብርሃም፡ እቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባቢታት ራያ ዝተፈጸመ መስርሕ ምምላስ፡ እቲ ህዝቢ ስዒሩ ስለዝወጸ እዩ ብምባል፡ እቲ ተፈናቒሉ ናብ መረበቱ ክምለስ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ካልእ ከባቢታት ድማ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስድን፡ ካብቲ 'ንፖለቲካዊ መኽሰብ ትሕጃ ተታሒዙሉ ዘሎ ኵነታት' ክላቐቕን ጸዊዑ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ጉዳያት ትግራይ እንተተፈቲሖም፡ ግዝያዊ መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕን፡ ናብ መረጻን ንቡር ፖለቲካዊ መድረኽ ምስግጋር ክቀላጠፍ ከምዝኽእልን ድማ ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







