ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባ ‘ሓይልታት ኣምሓራ ዝተቖፃፀሩዎም ከባብታት’ እንታይ ኢሉ?

ኣብርሃም በላይ

ምንጪ ስእሊ, ABREHAM BELAY FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ሚኒስትር ምክልኻል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ካብቶም ጠንቂ ጎንፂ ክልላት ኣምሓራ ን ትግራይን ዝዀኑ ግዝኣታት ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለሱን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር፡ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እዩ ከምኡ ኢሉ።

ዶክተር ኣብርሃም፡ "ብቐዳምነት ዝተመዛበለ ህዝብና ደሕንነቱን ሰላሙን ብዘረጋግፅ መንገዲ ናብ መረበቱ ሙሉእ ብሙሉእ ክምለስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣመራርሓ ክልቲኦም ክልላት ኣብ ዘለውዎ ፌደራል መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ናብ ተግባር ንምልዋጥ እናተሰርሐ ይርከብ:” ብምባል፡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደረራል ኣብቲ ከባቢ ክዋፈሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ መንነት ዝተመስረተ ስርዓት ፌዴራሊዝም ቅድሚ 30 ዓመታት እንትትግበር፡ እቶም ናብ ትግራይ ዝተኻለሉ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ካብ ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ክቐርበሎም ጸኒሑ እዩ።

ሓለፍቲ ትግራይ፡ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን፡ ብወገን ኣምሓራ ድማ ‘ወልቃይት ጠገዴ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሰፊሕ ግዝኣታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ክልላት ጎንፂ ዘስዓበ ዀይኑ፡ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ብሓይሊ ተቖጻጸሮምዎ ይርከቡ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሱዳንን ካልኦት ከባብታት ትግራይን ብግፍዒ ከምዝተመዛበሉ ዝግለፅ ዀይኑ፡ ኣምነስቲን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ናይ 2021 ጸብፃቦም 'ኣብቲ ከባቢ ምጽናት ዓሌት ፈፂሞም' ዝበልዎም፡ ሓይልታት ኣምሓራን ጉጅለ ፋኖን ክፈርሱ ሓቲቶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ውዕል ፕሮቶርያ ስዒቡ ተፃብኦታት ጠጠው እንተበሉ'ኳ፡ እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን፡ እቲ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ'ውን ናብ ነባር ትሕዝትኡ ኣይተመልሰን ፀኒሑ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር፡ ኣብቲ መልእኽቱ፡ “ኣብ ሓፂር እዋን ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ብዘረጋግፅ መንገዲ ምሕደርኡ ባዕሉ ክምስርት ክግበር እዩ። ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወፃኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ተጠቒሙ ዝተጣየሸ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወፃእ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ከይህሉ ነዚ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፍነት ወሲዱ ከፈፅም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ” ኢሉ።

ካብኡ ድማ፡ ህዝቢ ብዘይ ዝዀነ ፅዕንቶ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣቢሉ ህዝበ ውሳነ፡ ዘካይደሉ ኩነታት ክመቻቸ ምኳኑ ገሊፁ።

“ካብዚ ወጻኢ. . . ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ብጉልበት ክንቀሳቀስ ዝሰርሕ ኣካል እንተሃልዩ ድማ ፌደራል መንግስቲ ጀሚርዎ ብዘሎ መንገዲ ምኽባር ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከረጋገፅ ክሰርሕ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ እቶም ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓሎም ከባቢታት ቀዋሚ ፍታሕ ንምሃብ ህዝበ-ውሳነ ምክያድ ዝብል ሕቶ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ንመጀመርያ ግዜ መርገፂ መንግስቲ ፌደራል ዘብረሀ እንትኸውን፡ ካብ መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ እዚ ዝተባህለ ነገር የለን።

ብወገን ኣምሓራ እዚ ከባቢ ብዘይግቡእ ናብ ትግራይ ተኻቲቱ ዝብል ጥርዓን ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሕቶ ቀሪቡ ክመዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ድሕሪ እቲ ኲናት፡ ሓደ ካብቶም ምዕራብ ትግራይ ዘመሓድሩ ዘለዉ፡ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መፍትሒ ጉዳይ ወልቃይት ሕጋዊ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሰፊሕ ፀብፃብ ዘውጸአ ሁዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብቲ ከባቢ ሕዚ'ውን ምፅናት ዓሌት ይቕፅል ኣሎ ዝበለ ኰይኑ፡ ንኮ/ል ደመቀ ብስሙ ጠቒሱ ብዓሌት ምጽናት ክሕተቱ ኣለዎም ካብ መንጎ ዝበሎም ሓደ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።