ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ 'ኢድ ምትእትታው' ክቝጠብ ጸዊዑ

ኣቦ መንበር ኣብ ክልተ ዝተገምዐ ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብ8 ጥሪ 2017 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ተኸሲቶም ዘለዉ ውሽጣዊ ጸገማት ብተጋሩ ከም ዝፍትሑ ዝኣምን ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምስ ኵሎም ተጋሩን ፈተውትን ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ።

እንተዀነ እዚ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላቱን ኣብ ፖለቲካ እታ ክልል ንዝገብርዎ ዘለዉ ምእትእትታው፤ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ግቡእ ሓላፍነት ብዘይምውጻእን ብ"ጥልመትን" ከሲሱ።

እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕኑዕ ልቦና ክፍጽምን "ካብ ዘይግባእ ኢድ ኣእታውነትን ተቘጢቡ" ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ክሰርሕ ጸዊዑ።

እቶም ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝቈራቐሱ ዘለዉ ክልተ ጕጅለታት ሕወሓት ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ኣብቲ ክልልን ኣብ መንጎኦምን ዘሎ ጸገማት ብምዝታይ ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑን ተገሊጹ ነይሩ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ካብ 5-7 ጥሪ ንዘካየዶ ዘተ ምርኩስ ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ዝጠቐሶ መግለጺኡ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንቦርድ መረጻ ዝኣመሰሉ ትካላቱን፡ ኣብ ትግራይ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ይደልዩ ከምዘለዉ፤ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ተወሳኺ ጸገም" ኰይኑ ከም ዘሎ ከሲሱ።

ፖለቲካ ድሕረ-ኲናት ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሉ ንሓድሕዱ ዝወናጀልን ርኡይ ቍርቍስ ስልጣን ብሒቱዎ ዘሎን ኰይኑ፡ እቲ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ጕጅለ ህወሓት ድማ፡ ዝተዋህቦ ዕማም ብግቡእ ከየተግብር ዕንቅፋት እቲ ንማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ዝቈጻጸር ሓይሊ እቲ ውድብ ክወቅስ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝምርሖ ጕጅለ ህወሓት ንጕጅለ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) "ዓመጸኛ ጕጅለ" ብምባል ነቒፍዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እናገደደ ብምኻዱ፡ ክልቲኦም ወገናት ብቕሉዕ ክካሰሱን ንሓድሕዶም መጠንቀቕታታት ክወሃሃቡን ጸኒሖምን ኣለዉን።

እዚ ኣብ መንጐኦም እናዓረገ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒዅ ካልእ ሳዕቤናት ከየስዕብ ድማ ኣብ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ክወሃብ ዝጸንሐ ንሕጋውነት፡ ምዝገባን ጉባኤን ዝምልከት ውሳነታት፡ "ውዳበታት ተጋሩ ብምድስካል ትግራይ ግዳይ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ" ክብል ብምጥቃስ፡ እቲ ቦርድ "ጉባኤ ግበር" ካብ ምባል ከምዘይተቘጠበ ኣቐሚጡ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብ 22 ታሕሳስ 2017 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ክሳብ 3 ለካቲት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ፡ እንተዘይኰይኑ "ሕጋዊ ስጕምቲ" ክወስድ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።

እቲ ቦርድ፡ ህወሓት ድሕሪ 'ቲ ብ 3 ነሓሰ 2016 [ግ] ዝተገብረሉ ፍሉይ ምዝገባ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ነይርዎ።

ህወሓት "ብፍሉይ ኵነታት" ካብ ዝምዝገብ ንደሓር ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ምንባሩ እቲ ቦርድ ወሲኹ ሓቢሩ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ መግለጺ እቲ ቦርድ፡ "ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፎም ደብዳበታት፡ እቶም ዝተዋህቡ ውሳነታት ብምኽባር ኣብ ዝተረፈ ሓጺር ግዜ ሓፈሻዊ ባይቶ ክጽውዕ ብትሪ ይላቦ" ከምዝበለ ይዝከር።

እዚ ይዅን ግን ህወሓት ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ፡ ኣብዚ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፍልልይ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ "ንመኸተን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ዘራኽሱ" ዝበሎም "ውሳነታትን ትእዛዛትን፡ ሎሚ ይዅን ጽባሕ" ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ።