ትራምፕ፡ ምስ ፑቲን ዋላ'ኳ እንተ ዘይተሰማምዑ 'ለውጢ' ከም ዝተራእየ ግን ገሊጹ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ዋላ እኳ ስምምዕ እንተ ዘይተገብረ "ለውጢ" ግን ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ክሳዕ ውዕል ዝፍጸም ውዕል የሎን። ናብኡ ገና ኣይበጻሕናን፡" ኢሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ዝርርብ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ደኣ ይሃቡ'ምበር፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐርበሎም ሕቶታት ክምልሱ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።
ፑቲን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ "ልዑል ድሌት" ከም ዘለዎ እኳ እንተ ገለጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ትራምፕ ነቲ ኣብቲ ዝርርብ ዘይተዓደመ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ "ውዕል ክፍርም" ጸዊዑ።
ትራምፕ ሰላም ኣብ ምዕሳል መሪሕ ተራ ክጻወት ከም ዝደሊ ከርኢ'ኳ እንተ ደለየ፡ ኣብቲ ናይ ኣላስካ ዝርርብ ግን ናብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።
ትራምፕን ፑቲንን ክልተ ግዜ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ምዉቕ ሰላምታ ክለዋወጡን ኣብታ ናይ ትራምፕ ሊሞዚን ብሓባር ተሰቒሎም ናብቲ ኣኼባ ክኸዱን ተራእዮም።
ዩክረይን ግዝኣታ ናብ ሩስያ ንምጽንባር ዘኽእል ስምምዕ ዘይምብጻሑ ኣብ ዩክረይን ፍስሃ ዝፈጠረ ይመስል። ትራምፕ ንፑቲን ካብ ብዓልቲ ቤቱ ሜላንያ ትራምፕ ብኢድ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ሂቡዎ።
እታ ኣብ ስሎቨንያ ዝተወልደት ቀዳመይቲ እመቤት ኣብቲ ናይ ኣላስካ ዝርርብ ኣይተረኸበትን።
እቲ ደብዳበ ብዛዕባ ኣብ እዋን ኲናት ዝተጨውዩ ቈልዑ ከም ዝጠቐሰ ይግለጽ።
መንግስቲ ዩክረይን 19,500 ህጻናት ከም ዝተጨውዩ ዝገለጸ ኰይኑ፡ እቶም ዝተጨውዩ ቈልዑ እንከይተመለሱ ስምምዕ ሰላም ክኽተም ከም ዘይክእል ይኣምን።
ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበን ንፑቲንን ኮምሽነር መሰል ህጻናትን ቈልዑን እታ ሃገር ማርያ ልቮቫ-ቤሎቫን ኣብ 2023 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ቈልዑ ከሲስዎም ዝነበረ ኰይኑ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺእሎም ነይሩ'ዩ።
ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ኣላስካ ይዛተዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንከይተረፈ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ።
ዩክረይን ንገስጋስ ሩስያ ንምምካት ሰራዊታ ናብ ምብራቓዊ ግዝኣታ ኣዋፊራ።
ዘለንስኪ፡ ፑቲን ንሰላም ተወፋይነት ከም ዘለዎ ዘርኢ መርትዖ ከም ዘየሎ ይዛረብ።
ፑቲን ምስ ዘለንስኪ ንምርኻብ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ዘለንስኪ መራሒ ዩክረይን ስለ ምዃኑ እውን ኣይኣምንን እዩ።
ዘለንስኪ፡ ንፑቲን ከም ዘይኣምኖን ተስፋኡ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝዀነ ምግላጹ ዝዝከር።
ኣብቲ ናይ ኣላስካ ዝርርብ ዕላማ ትራምፕ ንሩስያ ተዅሲ ደው ከተብል ጸቕጢ ምግባር'ዩ ነይሩ። እንተኾዀነ፡ ፑቲን ብሓሳብ ትራምፕ ኣይተሰማምዐን።
ትራምፕ ንፑቲን ቀይሕ ምንጻፍ ኣንጺፉ ብዓቢይ ኣኽብሮት'ዩ ተቐቢልዎ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓያል ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ ነይሩ። ተዅሲ ደው ንምባል ዘቕረቦ ሕቶ ግን ካብ ፑቲን እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበን።
ወሃቢ-ቓል ሩስያ ድሚትሪ ፔስኮቭ፡ ንዕላል ክልቲኦም መራሕቲ "ኣዝዩ ውጽኢታዊ" ክብል ገሊጽዎ።
ዘተ እዞም ክልተ መራሕቲ "ንቕድሚት ብሓባር ክስጕሙ" ከም ዝሕግዞም'ውን ጠቒሱ ኣሎ።
ትራምፕ ብዛዕባ ምስ ፑቲን ዝገበሮ ርክብ ኣመልኪቱ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምሩኻት ንምልውዋጥ ዕድል ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
"ፍርቃ ፍርቂ ዕድል'ሎ። ዝዀነ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ፑቲን ግን ነቲ ጉዳይ ክፈትሖ ይደሊ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡" ኢሉ።
"ዝርዝር ኣሽሓት እሱራት ሂቦምኒ ኣለዉ። ክነፍትሖም ኢና፡" ክብል ትራምፕ ወሲኹ ገሊጹ። እቶም እሱራት ብወገን ሩስያ ድዮም ብወገን ዩክረይን ንዝብል ሕቶ ግን ንጹር መልሱ ኣይሃበሉን።
ኲናት ዩክረይን ግዝኣታት እታ ሃገር ኣሕሊፍካ ብምሃብ ድዩ ክፍታሕ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ትራምፕ ኣብ መብዛሕትኡ ነጥብታት ምስ ፑቲን ከም ዝተሰማምዑ ብምግላጽ፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ ዕላል'ዩ። ናብ ስምምዕ ንቐርብ ኣለና፡" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ዘለንስኪ ነቲ ስምምዕ ክፍርም ኣለዎ ኢሉ። "ኣይፋል ክብል ይኽእል'ዩ። ግን ነቲ ውዕል ክፍርሞ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ዘለንስኪ ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽቱ ኰይኑ ነቲ ስምምዕ ክፍርሞ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ትራምፕ ኣብ መንጎ ፑቲንን ዘለንስኪን ስዒቡ ዝመጽእ ርክብ ክህሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኔቶ ነበር ዳግላስ ሉት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትራምፕ ካብ ዝርርብ ኣላስካ "ዝረኸቦ ነገር የሎን፡" ኢሉ።
"ፑቲን ካብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተገሊሉ ነይሩ። ሕጂ ኣብዚ ምስ ትራምፕ ኣሎ፡ ኣቀባብላ ድማ ተገይሩሉ። ትራምፕ ካብቲ ዝርርብ ዝረኸቦ ነገር የሎን፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







