እስራኤል፡ ምምስራት ሃገረ ፍልስጤም ንምዅላፍ ሰፈራታት ዘስፍሕ ውጥን ኣጽዲቓ

ውጥን ሓደስቲ ሰፈራታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ልዕሊ 3,000 ኣባይቲ ንምህናጽ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ንሕቶ ሃገርነት ፍልስጤም "ዝደብእ ወይ ዝቐብር እዩ፡" ክብል ኣኽራሪ ምዃኑ ዝንገረሉ ምኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ቤዛለል ስሞትሪች ገሊጹ።

እቲ ኢ1 ዝበሃል ኣብ መንጎ ኢየሩሳሌምን ሰፈራ ማኣለ ኣዱሚምን ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ሓያል ኣህጉራዊ ተቓውሞ ስለ ዝሰዓቦ እዩ ንዓሰርተታት ዓመታት ተቛሪጹ ጸኒሑ። እቲ ኣብኡ ዝህነጽ ሰፈራታት ድማ ንምዕራባዊ ገማግም ካብታ ዝተጐበጠት ምብራቕ ኢየሩሳሌም ክፈልዮ እዩ።

ስሞትሪች፡ "ኣፍልጦ ዝወሃቦን ኣፍልጦ ዝህቦን ስለ ዘየሎ"፡ ነቲ ሕቶ ሃገርነት ፍልስጤም ከፍሽሎ እዩ ኢሉ።

ሰፈራታት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋዊ ዝቝጸር ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ጉዳያት ሓደ እዩ።

ኣስታት 700,000 ሰፋሮ ኣብ ኣስታት 160 ሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ከም ዝነብሩ ጸረ ሰፈራ እስራኤላዊ ጕጅለ ፒስ ናው ይሕብር።

እዚ ቦታ፡ ፍልስጤማውያን ንመጻኢ ናጻ ሃገር ኣብ ዝምስርትሉ እዋን ዝደልዩዎ መሬት እዩ።

"ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣህጉራዊ ጸቕጥን ምቍራጽን፡ ውዕላት ኣፍሪስና ንማኣለ ኣዱሚም ምስ ኢየሩሳሌም ነራኽቦ ኣለና፡" ይብል ስሞትሪች።

"እዚ እቲ ዝሓየለ መልክዕ ጽዮናውነት እዩ፤ ኣብ ምድሪ እስራኤል ልዑላውነትና ምህናጽን ምቕማጥን ምድልዳልን እዩ።"

እቲ ምኒስተር ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓያሎ ሃገራት ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ ምዃነን ድሕሪ ምግላጸን'ዩ።

ነዚ ውጥን ምስ ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ሰፋሮ የሻ እስራኤል ጋንዝን ከንቲባ ማኣለ ኣዱሚም ጋይ ይፍራችን ኰይኖም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝገለጸ ስሞትሪች፡ እቲ መሬት ንኣይሁድ ብኣምላኽ ከም ዝተዋህበ ገሊጹ።

እዚ መደብ፡ ነተን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ንሃገረ-ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ መደብ ንዘለወን ከም ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት እንታይ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ ተባሂሉ ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣይከውን እዩ፣ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ኣይክትህሉን እያ፡" ኢሉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ርጉእ ምዕራባዊ ገማግም ንድሕነት እስራኤል ዘረጋግጽን ምስቲ እዚ ምምሕዳር ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋጽ ዝሓንጸጾ ዕላማ ዝሰማማዕን'ዩ፡" ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ግን እስራኤል በቲ ውጥን ከይትቕጽል ተማሕጺኖም።

"ሕብረት ኤውሮጳ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ወገናት ዝግበር ፖለቲካዊ ስምምዕ ዘይኰነ ዝዀነ ይዅን ግዝኣታዊ ለውጢ ይነጽግ፡" ኢሉ እቲ ወሃቢ-ቓል።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ፡ እቲ እማመ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

"ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ መደባት ሰፈራ ኢ-1 ኣትሪራ ትቃወሞ። እዚ ድማ ንመጻኢ ሃገር ፍልስጤም ኣብ ክልተ ክኸፍልን ብግልጺ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘመልክትን'ዩ፡" ኢሉ።

ጀርመን ነቲ ውጥን፡ "ብትሪ ከም እትነጽጎ" ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብቲ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም "ህንጸት ሰፈራታት ደው ከተብሎ፡" ከም ዝተማሕጸነት ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ'ውን ነቲ ውሳነ ኰኒኑዎ፣ "ኣህጉራዊ ሕጊ ዕሽሽ ዝብል"ን "መሬታዊ ሓድነት" ሃገረ ፍልስጤም ዒላማ ዝገበረን'ዩ ኢሉ።

እስራኤላዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰላም ናው፡ "መንግስቲ ናታንያሁ ምዕራባዊ ገማግም ንምሕዋስን ፍታሕ ክልተ ሃገራትን ንምዅላፍ ደቒቕ ብደቒቕ ይሰርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።

"ሎሚ ንሓማስ ንምስዓር እቲ ኣውራ ኣማራጺ፡ ኣብ ጐድኒ እስራኤል ሃገረ ፍልስጤም ምምስራት ምዃኑ ንዝዀነ ሰብ ብሩህ እዩ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክንዲ ኲናት ከብቅዕ ዝሰርሕ፡ ምፍሳስ ደም ንክቕጽል ንዓና ይዅንነና ኣሎ።"

ንሰፈራታት ዘርኢ ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ነቲ ሓድሽ ውጥን ሰፈራ፡ "ምንዋሕ ገበናት ምጽናት ዓሌት፡ ምምዝባልን ብሓይሊ ምጽንብርን፡" ክብል ገሊጹዎ።

እስራኤል ንነዊሕ እዋን ከምዚ ዓይነት ክስታት ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ። እንተዀነ፡ ዓበይቲ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል፡ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ቓዛ ዘርኣየቶ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ምጽናት ዓሌት ምዃኑ ይምጕቱ።

እስራኤል ከም ሃገር፡ ኣብ 1948 ምስ ተመስረተት ኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ክመዛበሉ ከም ዝገበረት እዩ ዝግለጽ። ፍልስጤማውያን ሕጂ'ውን ዳግማይ ተመሳሳሊ ነገር ከይፍጸም ይሰግኡ።

እቶም ሽዑ ካብ ዓዶም ዝተመዛበሉ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ሰለስተ ርብዒ ኣብ ቓዛ ይርከቡ። ካልኦት 900,000 ድማ ኣብቲ እስራኤል ብሓይሊ ክትቈጻጸሮ እትደሊ ዘላ ምዕራባዊ ገማግም ይነብሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ተወሰኽቲ 3.4 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ሶርያን ሊባኖስን ከም ዝነብሩ ይሕብር።

እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ግዝኣታት ፍልስጤም ንዝዀነ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ሒዛቶ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ 700,000 ኣይሁድ ዝነብርሉ 160 ሰፈራታት ሃኒጻ። ምዕራባዊ ገማግም 3.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ዝነብርሉ እዩ።

ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሰፈራታት እስራኤል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ ክብል ይዅንኖ። እስራኤል ግን ነዚ ትኽሕዶ።

ኣብ እስራኤል ስልጣን ዝሓዙ ብዙሓት መንግስታት ነቲ ሰፈራታት ክሰፍሕ ገይሮም እዮም። ነቲ ሰፈራታት ዝድግፍ ልፍንዊ መንግስቲ ዝመርሕ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ'ውን፡ ሰፈራታት ኣብ ምስፋሕ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኲናት ቓዛ እዞም ሰፈራታት ንኽስፍሑ ባብ ከም ዝኸፈተ ይንገር። ኣብ ርእሲኡ፡ እቶም ሰፋሮ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝገብርዎ መጥቃዕቲ'ውን ወሲኹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 975 ፍልስጤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብሓይልታት ጸጥታን ሰፋሮ እስራኤልን ተቐቲሎም።