ሓማስ፡ ሃገረ ፍልስጤም ክሳብ ዘይተመስረተት ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ኣነጺሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ሓማስ፡ እየሩሳሌም ዋና ከተማኣ ዝገበረት ልኡላዊት ሃገረ ፍልስጤም ክሳብ ዘይተመስረተት ዕጥቁ ንምፍታሕ ከም ዘይሰማማዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ሓማስ፡ ንሓደ ካብቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ንዘቕረበቶም ቀንዲ ሕቶታት ንዝዀነ መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዩ ነዚ መርገጹ ኣነጺሩ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤም፡ ነቲ ሓምስ ዕጥቍ ንምፍታሕ "ድልውነቱ ገሊጹ" ንዝብል መግለጺታት ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝተዋህበ መልሲ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
እስራኤል ምፍታሕ ዕጥቂ ሓማስ ሓደ ካብ ሓያሎ ቀንዲ ቅድመ ኵነታት ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ገይራ ትቘጽሮ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ንምባልን ጅሆ ዝተወስዱ ሰባት ንምፍታሕን ዝካየድ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ ድርድር ዝሓለፈ ሰሙን ደው ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ሃገራት ፈረንሳን ካናዳን ሓዊሱ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ መደብ ከም ዘለወን ድሕሪ ምግላጸን፡ መንግስታት ዓረብ ሓማስ ዕጥቍ ክፈትሕ ኣተሓሳሲቦም።
ዓባይ ብሪጣንያ እስራኤል ክሳብ መስከረም ዝተወሰኑ ቅድመ ኵነታት እንተዘይኣማሊኣ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ገሊጻ'ያ።
እቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝርአ ሓማስ ኣብ መግለጺኡ፡ "ርእሰ ከተማኣ እየሩሳሌም ዝገበረት ልኡላዊት ሃገር ፍልስጤም" እንተዘይተመስሪታ ዕጥቁ ክፈትሕ ከም ዘይክእል ገሊጹ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሌተናል ጀነራል ኢያል ዛሚር፡ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ከም ዘይብል ኣጠንቂቑ።
ብቐዳም፡ ስድራቤት ጅሆ ዝተታሕዘ ኤቭያታር ዴቪድ፡ ሓማስ ጥራይ ነብሱን ብርሃን ኣብ ዘይብሉ በዓትን ኰይኑ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ መግለጺ ሂቦም።
ሓማስ ንፕሮፖጋንዳ ከይጥቀመሉ ዝሓተቱ እዞም ስድራቤት፡ መንግስቲ እስራኤልን ኣመሪካን ነቲ ህጻን ንምድሓኑ ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ ጸዊዖም።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ሰብ-ሰርሖን ጃምላዊ ጥምየትን ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም። ነታ ንዅሉ ቀረብ ናብቲ መሬት ንምእታው እትቈጻጸር እስራኤል ድማ ኰኒኖም።
እንተዀነ እስራኤል ኣብ ምብጻሕ ሓገዝ ዝዀነ ገደብ ከም ዘየለን ጥምየት ከም ዘይተፈጠረን እያ እትገልጽ።
መንግስቲ ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ሓያል ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ኣብ ዝወርደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ዝገበረ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ብቀዳም ኣብ ተልኣቪቭ ምስ ዝርከቡ ስድራ ጅሆ ዝተወስዱ ሰባት ተራኺቡ።
ዊትኮፍ፡ ጻዕርታት ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ፍርቃ ፍርቂ ነቲ ግጭት ኣብ ምውዳእን ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ዓዶም ኣብ ምምጻእን ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ከም ኣካል ናይቲ ዊትኮፍ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ብሓሙስ ምስ ነታንያሁ ተራኺቡ፡ ዓርቢ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብሰፊሑ ዝንቀፍ ናይ ረድኤት ቦታ ርእዩ።
ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ መወዳእታ ግንቦት ጀሚሩ ብውሕዱ 1373 ፍልስጤማውያን ሰኣን መግቢ ሞይቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







