ብሪጣንያ፡ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክህብ'የ ዝበለትሉ ቅድመ-ኵነት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል "ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኵነታት ንምውጋድ ስጕምትታት" እንተዘይወሲዳ፡ ብሪጣንያ ኣብ መስከረም ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ እያ ክብል ቀዳማይ ምኒስትር ሰር ኬር ስታመር ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እስራኤል ካልኦት ቅድመ ኵነታት እውን ከተማልእ ኣለዋ ኢሉ።
እዚኦም ድማ፡ ተዅሲ ደው ምባል ምስምማዕ፣ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዘምጽእ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር ቃል ምእታው፣ ከምኡ'ውን ሕቡራት ሃገራት ቀረብ ሓገዝ ዳግማይ ክጅምር ምፍቃድ ዝብሉ'ዮም።
እንተዘይኰይኑ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ስጕምቲ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ክትወስድ እያ።
በንጃሚን ናታንያሁ ግን፡ እዚ "ንኣሰቃቒ ግብረሽበራ ሓማስ ምሽላም'ዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲሙ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ ዝለዓለ ጽልዋ ክህልዎ ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ክመጽእ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ፡ እዚ ድማ ከም ኣካል መስርሕ ሰላም ጌርካ ምውሳድ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ኬር ስታመር ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣባላት ባይቶ ሓዊሱ - ብዝቐልጠፈ ስጕምቲ ክወስድ ጸቕጢ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ኣባል ናይተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ጕጅለ ሸውዓተ ዝዀነት ፈረንሳ፡ ዝመጽእ መስከረም ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም እትህብ ገሊጻ ነይራ።
ሰር ኬር ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጂ ነቲ ውጥን ዝእውጅ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ "ዘይጽወር ኵነታት"ን "እቲ ተኽእሎ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ይንኪ ኣሎ" ዝብል ስክፍታ ዘንቀሎ ምዃኑን እዩ ኢሉ።
ብሪጣንያ "ኣብ ጐኒ ሓንቲ ተግባራዊትን ልኡላዊትን ሃገረ ፍልስጤም ውሑስቲ እስራኤል" ክትህሉ ዝብል ሸቶ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ጸቕጢ ክግበረሉ ከም ዝተራእየ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ወሲኹ፡ "ቀንዲ ዕላማኡ" ናብ ቓዛ ሓገዝ ከም ዝኣቱ ምርግጋጽ ኰይኑ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ምምሕያሽ ምዃኑ ገሊጹ።
ሰር ኬር፡ ዓባይ ብሪጣንያ መንግስቲ እስራኤል ክወስዶ ዝደለየቶ ስጕምትታት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝዀነ ይኹን ጐበጣ ከም ዘይህሉ ክገብር ክትገብር ከም ዝግባእ'ውን ገሊጹ።
እንተዀነ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል፡ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝብል መስርሕ ስለ ዝቃወም ምስቲ ቅድመ ኵነት ክሰማማዕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰር ኬር፡ ሓማስ ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፈትሖም፡ ተዅሲ ደው ምባል ክፍርም፡ ዕጥቁ ክፈትሕን ኣብ መንግስቲ ቓዛ ዝዀነ ተራ ከም ዘይጻወት ክቕበልን ኣለዎ ኢሉ።
ነታንያሁ ነዚ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ሕጂ ኣብ ዶብ እስራኤል እትርከብ ጅሃዳዊት ሃገር ጽባሕ ንብሪጣንያ ከተስግኣ እያ፡" ክብል ጽሒፉ።
ብሰኑይ ኣብ ስኮትላንድ ምስ ሰር ኬር ተራኺቡ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ እዚ ከም ዘይተዘራረቡ ብምግላጽ፡ "እቲ ጉዳይ ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ ... ከምኡ እንተገይርካ ድማ ንሓማስ ትሽልሞ ኣለኻ ዝብል ኣሎ። ክሽለሙ ድማ ዘለዎም ኣይመስለንን፡ ኢሉ።
ኣመሪካ - ምስ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ - ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ከም ኣካል ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ፍታሕ ናይቲ ግጭት ዝኸውን ስጕምቲ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።
መራሒ ሊበራል ዲሞክራት ሰር ኤድ ዳቪ፡ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ "ወሳኒ ስጕምቲ" ክብል ብሓጐስ ተቐቢልዎ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ግን ንሃገረ ፍልስጤም ብቕልጡፍ ኣፍልጦ ክህባ፡ ከምኡ'ውን "ኣብ ቓዛ ዘጋጥም ሰብኣዊ ሓደጋ ደው ንምባል ኣዝዩ ዝዓበየ ስጕምቲ" ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።
ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ሓዊሱ፡ ኣስታት 255 ኣባላት ባይቶ፡ መንግስቲ ንሃገረ ፍልስጤም ብቕልጡፍ ኣፍልጦ ክህባ ዝጽውዕ ደብዳበ ፈሪሞም።
ነቲ ደብዳበ ዘወሃሃደት ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ሳራ ቻምፕዮን፡ በቲ ተበግሶ ሓጐስን እፎይታን ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።
"እዚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ዝፍጸም ዘሎ ፍጹም ቅቡል ከም ዘይኰነ ዘነጽርን'ዩ። እንተዀነ እቲ እንህቦ ኣፍልጦ፡ ንግብሪ እስራኤል ቅድመ ኵነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ የሻቕለኒ'ዩ።
"እስራኤል ጎባጢቲ እያ፤ ኣፍልጦ ምሃብ ድማ ብዛዕባ ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤም'ዩ። ክልቲኦም ክፈላለዩ ኣለዎም፡" ኢላ።
ዓቃባውያንን ጽገናውያንን ዓባይ ብሪጣንያን ሕጂ እቲ ስጕምቲ እትወስደሉ ቅኑዕ ግዜ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ እዚ ንሓማስ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሽልማት እዩ ኢሎም።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት "ሰብ-ሰርሖ ጃምላዊ ጥምየት" ክብሉ ገሊጾሞ። ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ፡ ነታ ንዅሉ ናብ ቓዛ ዘእቱ መሬት እትቈጻጸር እስራኤል ይነቕፉ።
እስራኤል ግን፡ ኣብ ምብጻሕ ሓገዝ ዝዀነ ገደብ ከም ዘየለ ብምግላጽ "ጥሜት የለን" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







