ቓዛ፡ ጥሜት ንሰብነትካ እንታይ'ዩ ዝገብሮ?

ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ቓዛ ኣህጉራዊ ስክፍታ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ቓዛ ኣህጉራዊ ስክፍታ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ዳርጋ ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ንመዓልታት መግቢ ከይተመገበ ይነብር ከም ዘሎ ትካል መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ቓዛ ከምዚ ዓይነት ነገር የለን ድሕሪ ምባሉ፡ ትራምፕ ኣብ ቓዛ "ሓቀኛ ጥምየት" እዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ኣብ ቓዛ ጥሜት የለን ብምባል ትኽሕድ ዘላ እስራኤል፡ ናብቲ ዞባ ሓገዝ ክኣቱ ንምፍቃድ "ከባቢያዊ ታክቲካዊ ውግእ ደው ምባል" ከም ዝገበረት እያ ትገልጽ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር ግን ጥምየት ንምክልኻል "ሰፊሕ" መግቢ ከም ዘድሊ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ቓዛ ካብ ሓሙሽተ ህጻናት እቲ ሓደ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎን ቍጽሪ ተጠቃዕቲ መዓልታዊ ይውስኽ ከም ዘሎን ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣብ ከቢድ ድኻም ዝርከቡ ሰባት ከም ዝተቐበላ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ጐደናታት ይወድቍ ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ጸብጺቡ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ግዝኣት ዓጸቦ ተኸሲቱ ኣሎ ክብል ኣይኣወጀን ዘሎ።

ትንታነ ኢንተግሬድስ ፌዝ ክላስፊኬሽን (IPC) ግን ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ዓጸቦ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።

ዓጸቦ መዓዝ ይእወጅ?

ዓጸቦ፡ ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዝህሉ ጸገም ጥሜት 'ፋሚን' ኢልካ ንምጽዋዕ ክማልኡ ዝግባኦም ሓሙሽተ ቅድመ ኵነታት ኣለው።

ኢንተግሬድስ ፌዝ ክላስፊኬሽን (IPC)፡ ሓደ ህዝቢ እኹል ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎን መኣዛ ዘለዎን መግቢ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጸገመ ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ዓለማዊ ደረጃ እዩ።

ዓጸቦ ናይ መወዳእታ ጸገም ስለ ዝዀነ እዚ ቃል ንምጥቃም ክማልኡ ዝግባኦም ደረጃታት ኣለው። እቲ ዝለዓለ ምዕራፍ - ምዕራፍ 5 ዓጸቦ - ነዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ዘማልእ ክኸውን ኣለዎ፤

  • ኣስታት 20 ሚእታዊት ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2100 ካሎሪ መግቢ ዝረክብ እንተዀይኑ
  • ከቢድ ሕጽረት መግቢ ልዕሊ 30 ሚእታዊት እንተዀይኑ
  • ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ሽሕ ሰብ ሞት ክልተ ሰባት እንተተመዝጊቡ፤ ወይ'ውን ካብ 10 ሽሕ ህጻናት ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ህጻናት እንተሞይቶም'ዩ።

ኢንተግሬድስ ፌዝ ክላስፊኬሽን ብዛዕባ ቓዛ ብ12 ግንቦት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መላእ ህዝቢ ኣብ ቅልውላው (ምዕራፍ 3)ን ልዕሊኡን ይነብር ከም ዘሎ ይሕብር።

ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም 2025 ኣስታት 469,500 ሰባት ኣዕናዊ ውሕስነት መግቢ (IPC Phase 5) ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

እዚ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቡራት ሃገራት ዓጸቦ ይእወጅ።

ሓሓሊፉ፡ ግዜ ምስ መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ብምትሕብባር፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ወይ ሰብኣዊ ትካላት ይእወጅ።

ኣብ እዋን ጥምየት ሰብነት ሰብ እንታይ ይኸውን?

ጥሜት ብሰንኪ ንነዊሕ እዋን መግቢ ዘይምህላው ዝመጽእ ኰይኑ፡ ኣካላትና ንኣዝዩ መሰረታዊ ስራሓቱ እኹል ካሎሪ ኣይረክብን ዘሎ ማለት እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላትና ንመግቢ ናብ ግሉኮስ ይቕይሮ።

መግቢ ምስ ተዓገተ ግን ኣካላትና ኣብ ጸላም ከብድን ጭዋዳታትን ዝርከብ ግላይኮጅን ብምብታን ግሉኮስ ናብ ደም ክለቅቕ ይጅምር።

እዞም ጸጋታት ምስ ተወድኡ፡ ኣካላትና እኹል ጸዓት ንምፍራይ ናብ ዝተዓቀበ ስብሒ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ጭዋዳታት ይኸይድ።

ጥሜት ሳንቡእ፡ ከብድን መፍረ ኣካላትን ክጐድእን ንሓንጐል ክጸልዎን ይኽእል፤ እዚ ድማ ምህትፍታፍ፡ ጭንቀትን ቅዛነተን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።

ገለ ሰባት ብጥሜት ክሞቱ እንከለዉ፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ሰባት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዝወርድ ጕድኣት፡ ከም ረኽሲ ዝኣመሰሉ ጸገማት ይሞቱ።

ጥሜት ንሰባት እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ ዝጸልዎም።

"ሃንደበት ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣይትጥቃዕን፤ እዞም ህጻናት ቅድሚ ሕጂ ሕማም ዕንፍሩር፡ ኒሞንያ፡ ተምላስ ወይ ተመሳሳሊ ሕማም ነይርዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ትብል ተመራማሪት ኣመጋግባ ደቂ ሰባት ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ፕሮፌሰር ሻርሎት ራይት።

"ቅድሚ ሕጂ ጥዕና ዝነበሮም ሕጂ ግን ክጠምዩ ዝጀመሩ ህጻናት፡ መግቢ እንተተረኺቡ ናይ ምብላዕን ምሕቃቕን ጸዓት ክህልዎም እዩ። ካልኦት ድማ ይባኽኑ እዮም።"

ሕጽረት መግቢ ንህጻናትን ዕሸላትን ብኸመይ ይጸልዎም?

ፍልስጤማውያን ካብ መሳገሪ ዶብ ዚኪም ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ካብ ዝመጻ ናይ ረድኤት መካይን ሓርጭ ተሰኪሞም እንትኸዱ

ምንጪ ስእሊ, Majdi Fathi/NurPhoto/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ካብ መሳገሪ ዶብ ዚኪም ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ካብ ዝመጻ ናይ ረድኤት መካይን ሓርጭ ተሰኪሞም እናኸዱ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ቍልዕነትካ ዘጋጥም ሕጽረት መግቢ ኣብ ምሉእ ዕድመኻ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ምጕዳል ኣእምሮኣዊ ምዕባለን ድኽዳኸን ይርከቦ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ድኽዳኸ ህጻናት ብሰንኪ ድኹም ኣመጋግባ፡ ተደጋጋሚ ረኽስን እኹል ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ምልዕዓልን ዘጋጥሞም ምጕዳል ዕብየትን ምዕባለን እዩ ኢሉ ይገልጾ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዞም ህጻናት እዚኣቶም ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ንላዕሊ ምስ ዕድመኦም ዘይከይድ ቍመት ዘለዎም ወይ ዝሓጸሩ እዮም።

ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ህጻናት ናይ ምውላድ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ፋውንዴሽን ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ዩኒሴፍ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ድኹም ኣመጋግባ ኣብ ኣደታት ዋሕዲ ደም፡ መመድይቲ፡ መዓልቲ ከይኣኸለ ምውላድን ሞትን ከምኡ'ውን ትሑት ክብደት ዘለዎ ቈልዓ ምውላድን ምድንጓይ ምዕባለን ህጻናት ከስዕብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ሕጽረት መግቢ ዘለወን ኣደታት ንደቀን ንምምጋብ እኹል መኣዛዊ ጸባ ንምፍራይ እውን ክጽገማ ይኽእላ እየን።

ሰራሕተኛ መዲስንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ ዝዀነ ክኢላ ሕክምና ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ህጻናት ዶክተር ኑራዲን ዓሊባባ፡ እቲ ጽልዋ ንዕድመ ምሉእ ዝተርፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።

"ዝደኸመ ዕብየት ዘይምለስ'ዩ፣ ማለት ካብቲ ሕጽረት መግቢ ዝነበሮም እዋን ሓሊፉ'ውን ሓጺር ቍመት ክህልዎም'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓቢ ጸገም የእትዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ቀዋሚ ናይ ትምህርቲ ስንክልና'ውን ኣሎ። እዚ ድማ ክሳብ ትምህርቲ ዝጅምሩ ርኡይ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ።"

"[ሕጽረት መግቢ] ንናይ ሰብነቶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ'ውን ይዓብጦ'ዩ፤ እዚ ድማ ንረኽሲ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ይገብሮም። ብዙሓት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ዘይርድእዎ ሓደ ኣገዳሲ ነገር፡ ንኣዋልድ ብሓቂ መኻንነት ከስዕብ ዝኽእል ደረጃ ሕጽረት መግቢ ኣሎ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ እንተጠኒሰን ድማ ትሑት መጠን ክብደት ዘለዎም ቈልዑ'የን ክወልዳ ዝኽእላ፡" ክብል የረድእ።

ምህማነ ዓጽሚ (Osteoporosis) ተወሳኺ ሕልኽላኽ ክኸውን ይኽእል።

ሕጽረት መግቢ ብኸመይ ይፍወስ?

"ነዚ ቅልውላው ንምምላስ፡ ብመሰረቱ ክልተ ኣገባባት የድልዩ፣ ክልቲኦም ዝያዳ መግቢ ናብ ቓዛ ክኣቱን እቶም ዝኸበሩ ናይ ፍወሳ መግቢታት'ውን ክቐርቡ ምግባርን'ዩ፡" ትብል ፕሮፌሰር ራይት።

"መግቢ ብህጹጽ ናብቶም ህጻናትን ኣደታቶምን ዳግማይ ከቕንዕ ኣለዎ። ምጥባው ዕሸላት እቲ ዝበለጸ ውሑስን ጽሬት ዘለዎን ኣማራጺ'ዩ፣ እንተዀነ እታ ኣደ ነቲ ህጻን ክትምግቦ ምእንቲ ክትምግባ ኣለካ። እቲ ሓቀኛ ብድሆ ድማ ንሱ'ዩ። ስለዚ መግቢ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብጭቡጥ ናብአን ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ የድሊ።

"እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ እቶም ቈልዑን ኣደታትን ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ዝብል'ዩ። ብዙሕ ዝደልዩ ኸኣ ኣይኰኑን።"

ከም ሓኪም እውን ዝሰልጠነት ሪፖርተር ጥዕና ቢቢሲ ዓረብ ስሚታ ሙንዳሳድ፡ ሕጽረት መግቢ - ብፍላይ ንህጻናት - ኣዕናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ሕክምና ኵሉ ግዜ ቀጥታዊ ከም ዘይኰነን ትገልጽ።

ኣብ ከቢድ ኵነታት፡ ሓደ ሰብ ድሕሪ ደጊም መግቢ ክውሕጥ ኣብ ዘይክእለሉ፡ ኣብ ሆስፒታል ወይ ክሊኒክ ብፍሉይ ዝተዳለወ ኣመጋግባ "ንረኽሲ ወይ ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ጸገማት ድማ ካልእ ሕክምና" ከድልዮ ይኽእል'ዩ ኢላ።

"ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ንሓደ ሰብ ቀልጢፍካ ወይ ብጌጋ መግቢ ምምጋብ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ መልሲ ሽዑ፡ መግቢ ምርካብ ጥራይ ኣይኰነን - ቅኑዕ መግቢ ምርካብ'ዩ - ነዚ ዝድግፍ ድማ ዝሰርሕ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ክህሉ ኣለዎ።"