ሓማስ ንዂናት ቓዛ ክምክቶ ይኽእልዶ ይኸውን?

ዕጡቓት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ንመላእ ቓዛ ክቈጻጸር ውጥን ከም ዘለዎ፡ እንተዀነ ነቲ ከባቢ "ክዕቅብ ከም ዘይደሊ" ይዛረብ።

ስለዚ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝህልዎ መጻኢ እንታይ ይመስል?

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ንመላእ ቓዛ ክቈጻጸር ዘለዎ ድሌት ቅድሚ ምግላጹ ሒደት መዓልታት፡ ሓማስ ልኡላዊት ሃገረ ፍልስጤም እንተ ዘይተመስሪታ ዕጥቂ ከም ዘይፈትሕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ዩ።

እዚ ድማ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ቓዛ ተዅሲ ንኽቋረጽ ኣብ ዝተገብረ ዘተ ንዘቕረባኦ ጠለብ ዝተወሃበ ምላሽ እዩ።

እስራኤል፡ እቲ ግጭት ደው ንኽብል ካብ ሓያሎ ኣውራ ቅድመ ኵነታት ሓማስ ዕጥቂ ምፍታሑ ከም ዝዀነ ትኣምን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብስዑዲ ዓረብን ፈረንሳን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ 17 ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሊግ ዓረብን ኣዋጅ ኣውጺአን ኣለዋ። ኣብቲ 'ኣዋጅ ኒውዮርክ' ብዝብል ዝጽዋዕ ኣዋጅ ድማ እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕን ኣብ ቓዛ ዘለዎ ቍጽጽር ደው ከብልን ጸዊዐን።

መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቓዛ ኣብ ዝግበር ዘተ መንጐኛታት ዝዀና ግብጽን ቐጠርን፡ ኣብቲ ኣዋጅ ፈሪመን እየን። ይዅን እምበር እስራኤልን ኣመሪካን ኣይፈረማን።

ረዲአት ዝቕበሉ ቓዛውያን

ምንጪ ስእሊ, Khamis Al-Rifi / Reuters

ሓማስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይቕጽል

ሓደ መራሒ ሓማስ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጕጅለ "ዋላ ብዝተተኰሰ ጥይት" ቃልሱ ከም ዝቐጽል ሓቢሩ።

እቲ ዝሃቦ ቃል፡ ሓማስ ፍልስጤማዊት ሃገር እንተ ዘይተመስሪታ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክቕጽል ድሉው ምዃኑ ደጊሙ ዘረጋገጸ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኡማ ቓዛ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ፍልስጤም ዝዀነ ሖሳም ኣል-ደጃኒ፡ ዓንቀጽ 11 ናይቲ ኣዋጅ ኒውዮርክ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ኣተኵሮ ከም ዝረኸበ ይኣምን።

ዓንቀጽ 11 ናይቲ ኣዋጅ፡ "ምሕደራ፡ ምኽባር ሕግን ጸጥታን ኣብ መላእ መሬት ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ብዓልመዚ ፍልስጤም ጥራይ ክኸውን ኣለዎ" ይብል።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ኣዋጅ ዝሰፈረ ካልኦት 41 ዓንቀጻት፡ መንግስቲ ፍልስጤም ክምስረትን ምስ እስራኤል ብሓባር ክነጥፍን ዝጠልቡ ምዃኖም ፕሮፌሰር ኣል-ዳጃኒ ይሕብር። እቲ ኣዋጅ ንሃገረ ፍልስጤም ንምምስራት ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ሜላታት ከም ዝጠቅስ እውን ይገልጽ።

"እቶም [ካልኦት ዓንቀጻት] ኣዋጅ ኒውዮርክ ኣብ ግብሪ እንተ ወዒሉ፡ ዓንቀጽ 11 [ድሮ] ተፈቒዱ'ሎ ማለት እዩ" ክብል ኣል-ዳጃኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሃገረ ፍልስጤም

ሓማስ ብኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተኣጊዱ እዩ።

እቲ ጕጅለ፡ ሃገረ ፍልስጤም ምስ ተመስረተት ዕጥቁ ንመጻኢ ሰበስልጣን ፍልስጤም ከም ዘረክብ ገሊጹ ኣሎ።

ተንተንቲ ግን ሓማስ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝነበሮ ቍጽጽር ብዓቢዩ ከም ዝሰኣነ ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓማስ ከም ኣመሓዳሪ ቓዛ ህላወኡ ዓቂቡ ኣሎ።

ሳህም ብዝብል ዝጽዋዕ ሓድሽ ዝተጀመረ ኣሃዱ ጸጥታ ሓማስ፡ ስቪላዊ ስርዓት ንምዕቃብን ዘመተ ንምክልኻልን ብዝብል ዕላማ እናነጠፈ ይርከብ።

ሰለማውያን ፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ ሓማስ ቍጥዐኦም ዝገለጹ ኰይኖም፡ ዕጡቓት ሓማስ ድማ ተቓውሞታት ንምዕፋን ስርሒታት ኣካይዶም እዮም።

መግብን ረድኤትን ድሩት ምዃኑ ስዒቡ፡ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ትካላት ረድኤትን ሕቡራት ሃገራትን የጠንቅቑ ኣለዉ።

ቓዚ ሓማድ

ምንጪ ስእሊ, Amr Alfiky / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቓዚ ሓማድ - በዓል ስልጣን ሓማስ

ብዙሓት ተንተንቲ ከም ዝኣምንዎ፡ ዕጡቓት ሓማስ ተዓብሊሎም ኣለዉ፤ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ዝደኸመ ኵነታት ክኣትዉ ትጽቢት ኣይነበሮምን።

እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ 22 ኣዋርሕ ብዝወሰደ ግብረመልሲ፡ ዕጡቓት ሓማስ ተዳኺሞም እዮም።

ሓማስ ሕጂ እውን ኣጽዋር እኳ እንተለዎ፡ ቀረቡ ግን የንቆልቍል ከም ዘሎ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ይሕብሩ።

ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተረፉ ኣጽዋራት - መብዛሕትኡ ክፍንጀሩ ዘይከኣሉ ቦምባታት - ዳግማይ ኣብ ምጥቃም ይምርኰስ ከም ዘሎ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እስራኤል ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብ ቓዛ ከይኣትዉ ስለ ዝኸልከለት፡ ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብደረጃ ዞባ ሓማስ ውሑዳት መሻርኽቲ እዮም ተሪፎሞ ዘለዉ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ፡ ኢራን ንሓማስ እትገብሮ ደገፍ ክትቅጽል ዓቕሚ ውሒድዋ ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ምልሻ ሕዝቦላህ እውን፡ እስራኤል ብዝፈጸመቶም መጥቃዕትታትን ቅትለታት መራሕቱን ተዳኺሙ እዩ።

ሕዝቦላህ፡ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ካብ መንግስቲ ሊባኖስ ምስ ዝቐረበ ጠለብ ይቃለስ ኣሎ፤ ካብ ወጻኢ ደገፍ ንምርካብ ዘለዎ ዕድል እውን ትሑት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ (ማእከል ጸጋም) ብ29 ሓምለ 2025 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ንቀዳማይ ምኒስተር ፍልስጤም መሓመድ ሙስጣፋ ይሓቝፎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ (ማእከል ጸጋም) ብ29 ሓምለ 2025 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ፍልስጤም መሓመድ ሙስጣፋ ኣብ ዝተራኸቡሉ

ሊግ ዓረብ

ሊግ ዓረብ ኣብቲ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ዝጽውዕ ኣዋጅ ኒውዮርክ ፈሪሙ እዩ።

እቲ ሊግ፡ ከም ቐጠር ዝኣመሰላ መብዛሕትኡ ግዜ መሓዙት ሓማስ ዝዀና ሃገራት ዝርከብኦ 22 ኣባላት ዘለዎ ትካል እዩ።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ቻታም ሃውስ ኣብ ዝተበሃለ መድረኽ ዘተ ዓለማዊ ጉዳያት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሮፌሰር ዝዀነ ዮሲ መከልበርግ፡ እስራኤልን ኣመሪካን ልሙድ መርገጺአን ይኽተላ ከም ዘለዋ ይኣምን።

መርገጺ ሃገራት ዓረብ ግን ይቕየር ከም ዘሎ ይዛረብ። ዓረብን ዞባውያንን ኣካላት እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ጸቕጢ፡ ሓማስ "ኣዝዩ ክንጸል" ክገብር ከም ዝኽእል እቲ ፕሮፌሰር ይሕብር።

እስራኤል ብዘካየደቶም መጥቃዕትታት ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, Dawoud Abu Alkas / Reuters

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ብዘካየደቶም መጥቃዕትታት ልዕሊ 60,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይንገር

ጅሆታት

ሓማስ ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ 2023 ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ነቶም ዝተረፉ ክሳዕ ሕጂ ከም መዋገዪ ዝጥቀመሎም ዘሎ።

ዕጡቓት ሓማስ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣስታት 1200 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም። ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝመጸ ኲናት፡ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ልዕሊ 60,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ቓዛ ጥዕና ይሕብር።

ኣመሪካ ብውሑዱ 20 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ቓዛ ብህይወት ከም ዘለዉ ትኣምን። ገለ ካብቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ክሞቱ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ናብ እስራኤል ተመሊሶም እዮም።

ሓማስ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ፡ ጅሆ ዝተተሓዘ ኤቫታር ዳዊት ኣመና ማሲኑ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ።

ሓማስ፡ እቲ ቪድዮ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ኲናት ንኸብቅዕ ስድራ እቶም ምሩኻት ዝያዳ ጸቕጢ ክገብሩ እዮም ዝብል ተስፋ ከም ዝነበሮ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።

እቲ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቶም ስድራቤታት፡ ነታንያሁ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ንዝግበር ጻዕሪ ቀዳምነት ክህብ ጸዊዖም።

ኣባላት ቀይሕ መስቀል ብ20 ለካቲት 2025 ኣብ ደቡባዊ ምድረበዳ ቓዛ ሬሳታት ኣርባዕተ እስራኤላውያን ጅሆ ኣብ ዝተረከበሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Haitham Imad / EPA-EFE / REX / Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ቀይሕ መስቀል ብ20 ለካቲት 2025 ኣብ ደቡባዊ ምድረበዳ ቓዛ ሬሳታት ኣርባዕተ እስራኤላውያን ጅሆ ኣብ ዝተረከበሉ እዋን

ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ዝተቐተሉ መራሕቲ ሓማስ

እስራኤል ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚራ፡ ጠቕላሊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ዝርከቦም ብዙሓት ላዕለዎት መራሕቲ ቀቲላ እያ። እስማዒል ሃኒያ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ተቐቲሉ።

እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዘዋደደ ብሰፊሑ ዝእመነሉ የሕያ ሲንዋር እውን ቀቲላቶ'ያ።

ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዝርከቡ መራሕቲ ሓማስ ካብቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዝተፈላለየ ድሌት ከም ዘለዎም ፕሮፌሰር ዮሲ መከልበርግ ይገልጽ።

ክንዮ'ቲ ንኣካላዊ ድሕነት ዝወሃብ ቀዳምነት፡ "ፖለቲካዊ ተዛማድነት ክዕቅቡ ይጽዕሩ፣ እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ገለ ሓገዝ ኣለዎ" ይብል።

እቲ ጕጅለ ተዛማድነቱ ንኽዕቅብ ግን እቶም ዝተረፉ መራሕቱ ተሪር ውሳነታት ክወስዱ ኣለዎም።

ነታንያሁ ብ7 ነሓሰ 2025 ንቓዛ "ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸር" ከምኡ'ውን "ሓማስ ንምጥፋእ" ዘለዎ ድሌት ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ጕጅለ ዘለዎ ምርጫታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ንቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

መጻኢ ሓማስ

ዕጡቓት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ተጋደልቲ ሓማስ ኣብ ለካቲት፡ እስራኤላውያን ጅሆ ኣብ ዘረከብሉ እዋን

ስለዚ፡ ሓማስ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክተርፍ ይኽእል ድዩ?

ፍልስጤማዊት ሃገር እንተ ተመስሪታ፡ ከምኡ'ውን ሓማስ ቃሉ እንተ ኣኽቢሩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከቋርጽ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል መርገጺኡ እንተ ዘይቀይሩ፡ ምስረታ መንግስቲ ፍልስጤም ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍጸም ኣይመስልን።

ከምኡ እንተዀነ እውን ሓማስ ህላወኡ ከቋርጽ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ፕሮፌሰር ዮሲ መከልበርግ፡ እቲ ጕጅለ ገና "ንመጻኢ ንነብሱ ዳግማይ ክምስርት"ን ኣካል ፖለቲካዊ መድረኽ ፍልስጤም ኰይኑ ክቕጽልን ዕድል ክህልዎ ከም ዝኽእል እዩ ዝግምት።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታት ፍልስጤም ወይ ኣብ ወጻኢ ኰይኑ ክፍጽሞ ይኽእል እዩ።

ብዙሕ ነገራት፡ እስራኤል ብዛዕባ ክትህሉ እትኽእል ሃገር ፍልስጤም ኣብ ዘለዋ መርገጺን ደጊም ቓዛውያን ዝጻወርዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ኵነታት ስዒቡ ሓማስ ኣብ ዝህልዎ ተቐባልነትን ዝምርኰሱ እዮም።

ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝዓነዉ ህንጻታት

ምንጪ ስእሊ, Amir Cohen / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝዓነዉ ህንጻታት