ሓማስ ደሞዝ መንግስቲ ዝኸፍለሉ ምስጥራዊ መርበብ

ዕጡቓት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ኲናት፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓማስ ብኸቢድ ተዳኺሙ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ድማ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ይርከብ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት፡ ሓማስ ምስጢራዊ ስርዓተ ክፍሊት ተጠቒሙ ን30 ሽሕ ኣገልገልቲ መንግስቲ ብድምር 7 ሚልዮን ዶላር ደሞዝ ክኸፍል ጸኒሑ ኣሎ።

ቢቢሲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ንነፍሲ ወከፎም ኣስታት 300 ዶላር ከም ዝረኸቡ ዘረጋገጹ ሰለስተ ሰራሕተኛተት መንግስቲ ኣዘራሪቡ።

እዚኦም፡ ካብቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ሰሙን ቅድሚ ኲናት ካብ ዝረኸብዎ ዝነበሩ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ጥራይ ክረኽቡ ዝቐጸሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ምዃኖም ይእመን።

ኣብ ቓዛ ዋጋታት ንብረት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብምዃኑ፡ እቲ ደሞዝ - ክፋል ናይቲ ምሉእ ደሞዞም - ኣብ ውሽጢ እሙናት እቲ ሰልፊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅሬታ ይፈጥር ኣሎ።

ኣብ ቓዛ ከቢድ ሕጽረት መግቢ - ትካላት ረድኤት ንገደባት እስራኤል ዝወቕስዎ - ከምኡ'ውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮታት ሕዱር ሕጽረት መግቢ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሓደ ኪሎ ሓርጭ ክሳብ 80 ዶላር ይሽየጥ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ግዜ ዝለዓለ ዋጋ'ዩ።

ኣብ ቓዛ ዝሰርሕ ስርዓተ ባንክ ስለ ዘየለ፡ እቲ ደሞዝ ንምቕባል እትኸዶ ርሕቐት ዝተሓላለኸን ሓሓሊፉ ድማ ሓደገኛን እዩ።

እስራኤል፡ ብቐጻሊ ንኣከፋፈልቲ ገንዘብ ሓማስ ኣለልያን ዒላማ ብምግባርን ነቲ ጕጅለ ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ክትዘርግን ትደሊ።

ሰራሕተኛታት፡ ካብ ኣባላት ፖሊስ ክሳብ ሓለፍቲ ግብሪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተሌፎን ወይ ድማ መጻምድቶም መልእኽቲ ይለኣኸሎም።

እዚ፡ ናብ ዝተመርጸ ፍሉይ ቦታን ሰዓትን "ሻሂ ንምስታይ ንራኸብ፡" ዝብል መልእኽቲ ይመጾም።

ኣብቲ ዝራኸብሉ ቦታ፡ እቲ ደሞዝ ዝቕበል ሰራሕተኛ ሓደ ሰብ ይመጽኦ - ወይ ሓሓሊፉ ጓል ኣንስተይቲ።

ንሱ ድማ፡ ግዜ ከየባኸነ፡ ነቲ ገንዘብ ዝሓዘ ዝተዓሸገ ፖስታ ብጥንቃቐ የረክቦ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ክገልጽ ዘይደሊ ሰራሕተኛ ምኒስትሪ ጕዳያት ሃይማኖት ሓማስ፡ ደሞዙ ኣብ ዝቕበለሉ ግዜ ሓያሎ ሓደጋታት ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉ ኣብሪሁ።

"ደሞዘይ ክወስድ ኣብ ዝኸድኩሉ ግዜ፡ ንበዓልቲ ቤተይን ደቀይን ይፋነዎም። ከይምለስ ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ እስራኤል ብዙሓት ደሞዝ ዝኽፈለሎም ቦታታት ኣጥቂዓ እያ። ኣብ ከተማ ቓዛ ንዝነበረ ጽዑቕ ዕዳጋ ዒላማ ካብ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሒነ'የ፡" ኢሉ።

ድሕነቱ ንምሕላው ስሙ ዝተቐየረ ዓላ፡ ብሓማስ ኣብ ዝመሓደር መንግስቲ ተቘጺሩ ዝሰርሕ መምህር ኰይኑ፡ ኣላዪ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ እዩ።

"ዝኣረገ 1000 ሸከል (ኣስታት 300 ዶላር) ተቐቢለ - ዝዀነ ነጋዳይ ኣይቅበሎን። 200 ሸከል ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ውዒለን - ዝተረፈ፡ እንታይ ከም ዝገብሮ ኣይፈልጥን፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንክልተ ወርሕን ፈረቓን ምስ ጠመና፡ ዝኣረገ ጥረ ገንዘብ ይኸፍሉና። መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀይ ንምምጋብ ሓርጭ ክረክብ ተስፋ ብምግባር ናብ መከፋፈልቲ ረድኤት ክኸይድ ይግደድ። ሓሓሊፉ ቅሩብ ናብ ገዛይ ሒዘ ክመጽእ ዕድል ይረክብ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣይሰልጠንን።"

ኣብ መጋቢት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ከሃን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ንሓላፊ ፋይናንስ ሓማስ እስማዒል ባርሁም ከም ዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ገንዘብ ናብ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣመሓላሊፉ ክብል ድማ ይኸሶ።

ሓማስ ንመብዛሕትኡ ምምሕዳራውን ፋይናንሳውን ትሕተ-ቅርጻታቱ ምዕናዎም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ደሞዝ ምኽፋል ብኸመይ ክቕጽሎ ከም ዝኸኣለ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ዘገልገለን ንፋይናንሳዊ ስርሓት ሓማስ ዝፈልጥን ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጕጅለ ቅድሚ እቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብን ኣማኢት ሚልዮናት ሸከላትን ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ታንከራት ከም ዝኸዘነ ተዛሪቡ።

እስራኤል፡ ድሕሪ እቲ ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ኣዕናዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክትወስድ ጀሚራ እያ።

እዚኦም ብቐጥታ መራሒ ሓማስ ነበር ያሕያ ሲንዋርን ሓዉ መሓመድን ይቘጻጸሩዎም ነይሮም ይበሃል - ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክልቲኦም ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም።

ቍጥዐ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ሓማስ

ሓማስ ምንጪ ገንዘቡ፡ ህዝቢ ቓዛ ካብ ዝኸፍሎ ከቢድ ግብሪን ኣታዊ ካብ ዝዀኑ ዝኽፈል ቀረጽን ኰይኑ፡ ካብ ቐጠር'ውን ብሚልዮናት ዝግመት ደገፍ ይረክብ ነይሩ።

ብፍሉይ ፋይናንሳዊ ስርዓት ዝሰርሕ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ቓሳም ብቐንዱ ብኢራን ይምወል።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይቲ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ዝተኣገደ ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ጽልዋ ዘለዎም እስላማዊ ትካላት ኰይኑ፡ ኣስታት ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ባጀቶም እውን ናብ ሓማስ ከም ዘቕንዕ ገሊጹ።

ሓማስ ኣብ እዋን ኲናት እቶት ንምርካብ፡ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ግብሪ ምኽፋል እውን ቀጺሉ።

ካብዚ ብዝሰገረ ሽጋራ ብኣስታት 100 ዕጽፊ ናይቲ መበገሲ ዋጋታት ብምግባር ብብዝሒ ሸይጡ።

ቅድሚ እቲ ኲናት፡ 20 ሽጋራ ዝሓዘት ሓንቲ ባኮ፡ 5 ዶላር ትሽየጥ ነይራ - ሕጂ ናብ ልዕሊ 170 ዶላር ሓፍ ኢሉ።

ሓማስ ብዘይካ'ቲ ብጥረ ገንዘብ ዝኽፈል፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት እስራኤል መሪሕነቱ ብተደጋጋሚ ቀይሩ'ዩ። ኣብ ክሊ እዚ ናይ ውሽጢ ዓዲ ህጹጽ ኮሚቴታት ተጠቒሙ ንኣባላቱን ስድራቤታቶምን ሓገዝ መግቢ ገይሩ'ዩ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቍጥዐ ፈጢሩ፤ ብዙሓት ነበርቲ ቓዛ፡ ሓማስ ንደገፍቱ ጥራይ ሓገዝ ከም ዝዕድልን ነቲ ህዝቢ ከም ዘጓነዮን ይኸሱ።

እስራኤል ንሓማስ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ እዋን ምቍራጽ ተኹሲ ናብ ቓዛ ዝኣተወ ሓገዝ ሰሪቝ ክትብል ከሲሳ ነይራ፤ ሓማስ ነዚ ይነጽጐ።

ይዅን እምበር ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ኣብዚ እዋን ብሓማስ ርኡይ መጠን ሓገዝ ከም ዝተወሰደ ገሊጾም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት በዓል ቤታ ብሕማም መንሽሮ ድሕሪ ምማቱ ንሰለስተ ቈልዑ ትኣሊ ዘላ መበለት ነስሪን ኻልድ፡ "እቲ ጥሜት እናገደደ ምስ ከደ፡ ደቀይ ብቃንዛ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ሓማስ ዝምድና ዘለዎም ጐረባብትና መግብን ሓርጭን ክቕበሉ ብምርኣዮም'ውን ይበኽዩ ነይሮም።"

"ምኽንያት ስቓይና'ዶ ኣይኰኑን እዮም? ስለ ምንታይ እዮም ቅድሚ እቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ድፍረቶም፡ ውሕነስት መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ክህሉ ዘይገበሩ?"