ኣውስትራልያ፡ ነታንያሁ ንሓቅነት ኲናት ቓዛ 'ብምኽሓዱ' ከሲሳ

ሰበስልጣን መንግስቲ ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ንእስራኤላዊ መዘናኡ በንጃሚን ነታንያሁ ንክውንነትን ሳዕቤናትን ኲናት ቓዛ "ኣብ ምኽሓድ" እዩ ዘሎ ክብል ብትሪ ከሲሱ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ን ብሪጣንያን ፈረንሳን ስዒባ፡ ኣብቲ ኣብ መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ኣነጺሩ።

ብመንግስቲ እስራኤል ተስፋ ድሕሪ ምቝራጹ ናብዚ ውሳነ'ዚ ከምዝበጽሐ ዝገለጸ ኣልባነዝ፡ "ኣውስትራልያውያን እዚ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ቅትለትን ደው ኢሉ ክርእዩ ይደልዩ ኣለዉ" ኢሉ።

ኲናት ቓዛ ደው ንኸተብል ሰፊሕ ጸቕጢ ዝወርዳ ዘሎ እስራኤል፡ ኣፍልጦ ሃገረ ፍልስጤም፡ "ጉንዖ ንግብረሽበራ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነታንያሁ ድማ ነቲ ብኣውስትራልያን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ዝተወስደ ውሳነ "ዘሕፍር" ኢልዎ።

ነታንያሁን እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ እስራኤልን በቲ ካብ ቓዛ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ጥሜት ዝወርዶም ዘሎ ኵነኔ እናሰፍሐ ይመጽእ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን መኣዛታትን ኣማኢት ቈልዑን ዓበይትን ይሞቱ ኣለዉ።

ጥሜት ቓዛ ከምዘየለ እትነጽግ እስራኤል፡ ንትካላት ሕቡራት ሃገራት ረዲአት ካብ ዶባት ብዘይምውሳድን ብግቡእ ብዘይምክፍፋልን ትውንጅል። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነዚ ክሲ ብምንጻግ፡ ካብቲ እስራኤል ባዕላ እትቈጻጸሮ ዶባት ረዲአት ንምቕባል ምድንጓያትን መሰናኽላትን ከምዘጋጥሞ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ብሰሉስ ንማዕከን ዜና ኣውስትራልያ መግለጺ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ንነታንያሁ ከምዘዘራረቦን ውሳነ ሃገሩ ከምዘስምዖን ሓቢሩ።

"እቲ ዝረኣናዮ ሓገዝ ደው ምባል፣ ዝሰዓበ ቅትለት ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መከፋፈሊ ነቝጣታት ንመግብን ማይን ንምርካብ ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ ሰባት፡ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን፣ እዚ ድማ ገሊጽና ኢና" ኢሉ።

ኣልባነዝ ወሲኹ፡ "ንቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ኣዘራሪበዮ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝበሎ ዘሎ እዩ ደጊሙለይ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝወርድ ዘሎ ኵነታት ምኽሓድ እዩ።"

ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ኣቐዲሙ፡ ንሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህብ ዝወሰነ፡ ካብቲ ብእስራኤል ዝተጎበጠ ክፋል ናይቲ ምዕራባዊ ገማግም ዝቈጻጸር በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ሓማስ ኣብ መጻኢ ፍልስጤም ዝዀነ ተራ ከምዘይጻወት መረጋገጺ ድሕሪ ምርካቡ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ስጉምቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተፈላለየ - ደገፍን ተቓውሞን - ምላሽ ተዋሂብዎ'ሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቤት ፍርዲ ሰልፊ ክካየድ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ዝተሰለፉሉ፡ ንድልድል ሲድኒ ዝሰገረ ሰፊሕ ሰልፊ ደገፍ ንፍልስጤም ኣቓልቦ ስሒቡ ቀንዩ።