ወለዲ ቋንቋ ሕንጣያት ደቆም ከመይ ምልማድ ይኽእሉ?

ሕንጣያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕንጣያት ምስ ተወለዱ ፈለማ ብዘስምዕዎ ፈለማይ ብኽያት፡ ንወለዶም የበስሩ።

ህፃናት ካብ ማህፀን ኣዲኦም ካብ ዝወፅእሉ ግዘ ጀሚሩ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ፡ ዝተፈላለዩ ድምፅታት የስምዑ። እንተኾነ፡ ካብ ዘስምዕዎ ሕድሕድ ድምፂ ቀፂሉ ብኽያቶም ይመፅእ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሕክምና ህፃናትን ጥዕናን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ሲሳይ ጨመዳ፡ “ሕንጣያት ካብ ማህፀን ኣዲኦም ምስ ወፅኡ ዝወፅእ ድምፂ ብኽያት፡ ጥዑያትን ጥንኩራትን ምዃኖም ንፈልጠሉ’ዩ” ይብል።

“ሕንጣያት ብዘይ ምኽንያት ኣይበኽዩን። ክበኽዩ እንከለዉ ዝኾነ ክነግሩና ዝደልዩ ነገር ኣሎ ማለት እዩ” ይብል።

ህፃናት ናይ ዝነብርሉ ማሕበረሰብ ቋንቋ ምልማድ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ኣብ ዝተወለድሉ ቦታ ብዘየግድስ፣ ስድርኦም ዝኾነ ዓይነት ቋንቋ ዋላ ይዛረቡ፡ ንርእሶም ዝገልፅሉ መገዲ ኣለዎም።

ንሱ ድማ ብኽያት፣ ፍሽኽታን ምንቅስቓስ ኣካልን ክኾን ይኽእል።

ናይ ሓደ ሕንጣይ ብኽያት፣ ምንቅስቓስ ኢድ፣ እግርን ርእስን፡ ንዝደልይዎ ነገር መሐበሪ ክኸውን ይኽእል ይብል፡ እቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር።

ህፃናት ሓደ ዝደልይዎ ነገር ዝገልፅሉ መገዲ፡ ዝበዝሕ ግዘ ተመሳሳሊ ምዃኑ ድማ ይሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቆልዑ ምስ ተወለዱ ኣብ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ሰሙናት ውሽጢ፡ ንምንታይ ከም ዝበኽዩ ንምርዳእ ንወለዲ ኣፀጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን’ምበር ህፃናት ንክበኽዩ ዝገብሩ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ጥምየት፣ ድኻም፣ ሕማም ከብዲ፣ ምቾት ምስኣን፣ ድቃስ እንትመፆምን ትኹረት ኣብ ዝደልይሉን ግዘ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስሩዕ ቋንቋ ዘይጀመሩ ህፃናት እንትጠምዮም፡ ውቅዒት ብዝተሓወሶ መልክዕ’ዮም ዝበኽዩ ይብል ዶክተር ሲሳይ።

ከሕምሞም እንከሎ ድማ ብዘይ ምቁራፅ ይበኽዩ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ገፆም ምልክት ምሽቓል ስለ ዘርእዩ ዘለዉ ይኾኑ ብዘይ ምቁራፅ ዝበኽዩ።

ቀስ ኢሎም እንትበኽዩን ገፆም እንትሓስዩን ክድቅሱ ደልዮም ኣለዉ፡ ወይ ድማ ደኺምዎም ክኸውን ይኽእል።

ኣውስትራልያዊት ፐርስላ ደንስተን፡ ድምፃዊት ቅዲ ሙዚቃ ኦፔራ ጥራሕ ኣይኰነትን፡ ሕንጣያት ቅድሚ ምብኻዮም ኣብ ዘውፅእዎ ድምፂ’ውን ትመራመር’ያ።

ደንስተን ኣብ ሙዚቃ ዘለዋ ክእለት ድምፂ ብምጥቃም፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ድምፂ ህፃናት፡ ብፍላይ ድማ ስሩዕ ቋንቋ ምዝራብ ናይ ዘይኸኣሉ ህፃናት ድምፂ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ተመራሚራ።

ስድራ፡ ሕንጣያት ብኽያት ቅድሚ ምጅማሮም ዘውፅእዎ ድምፂ እንተፈሊጦም፡ ውላዶም እንታይ ክነግሮም ከም ዝደለየ ንምፍላይ ይሕግዝ።

“ዋላ’ኳ ቋንቋ ህፃናት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ቋንቋ እንተዘይተቖፀረ፡ ስሩዕ ቋንቋ ዘይለመዱ ህፃናት ንምርዳእ ዝሕግዝ ፍታሕ ኰይኑ የገልግል ኣሎ” ትብል።

ደንስተን ብስማ ዝሰየመቶ ናይ ምርምር ስርሓ ‘ደንስተን ቋንቋ ህፃናት’ ይበሃል።

ቆልዑ ቅድሚ ምብካዮም ዘስምዕዎ ሓሙሽተ ዓይነታት ድምፂ ኣለዉ፡ ትብል እታ ተመራማሪት።

እዞም ድምፅታት ቆልዑ ምብኻይ ቅድሚ ምጅማሮም ብትኹረት ምስማዕ፡ እንታይ ከም ዝደለዩ ንምፍላጥ የኽእል።

ብደንስተን ቋንቋ ህፃናት ዝተፈለዩ ሓሙሽተ ድምፅታት

ኔህ = ጠምዩኒ

ኤህ = ምስርሳር (ምጕሳዕ)

ተኸኽ ኢሎም እንትበኽዩ= ክሸኑ ደልዮም

ህእ (እህ) = ኣካላዊ ምቾት ምስኣን (ሙቐት፣ ዛሕሊ፣ ራሕሲ)

ኦህ= ድቃስ

ዘመልክቱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሊፃ።

ዝበክይ ቆልዓ፡ ምስ ኣደኡ ተሓቑፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ደንስተን ዝተብሃለ ቋንቋ ህፃናት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እቶም ህፃናት ብምጥቃም፡ እንታይ ከም ዝደልዩ ንምፍላጥ ይፍትን።

ወለዲ፡ ደቆም ክንደይ ግዘ ከም ዝበኸዩን ብኸመይ ከም ዝበኸዩን ክከታተሉ ይግባእ ዝብል ዶክተር ሲሳይ እውን፡ ንናይ ደንስተን ሓሳብ ይድግፍ።

ብሓፈሻ ስሩዕ ቋንቋ ምዝራብ ዘይጀመሩ ሕንጣያት፡ ዝደልይዎ ነገር ዝገልፅሉ መገዲ ካብ ህፃን ናብ ህፃን ክንድ’ቲ ዘይፈላለይን ዝመሳሰልን’ዩ ይብል።

ደንስተን ቋንቋ ህፃናት፡ ወለዲ ክፈልይዎ ካብ መንጐ ዘቐመጦ ምንቅስቓስ ኣካል፡ ሓደ ህፃን እንከይበኸየ ርእሱ እንተድኣ ዘንቀሳቕስ ኰይኑ ክድቅስ ደልዩ ኣሎ ማለት’ዩ።

እንተድኣ እታ ሕንጣይ ርእሳ እናንቀሳቐሰት በኽያ፡ ምቾት ምስኣን ወይ ሕማም ይስምዓ ኣሎ ማለት እዩ።

ኢድ ምጭባጥ ምልክት ጥምየት፣ ኢድ ምውንጫፍ ድማ ምልክት ፍርሕን ስምባደን እዮም።

ጭብጥ ምባል (ንቑልቁል ኣፎም ምድቃስ)፡ እቲ/እታ ሕንጣይ ልዕሊ ዓቐን ፀጊቦም ከጕስዑ ከም ዝደለዩ የመልክት።

እዚ ምልክት ግና፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝመልኦም ሕንጦታት ዝተፈለየ ትርጉም ይህልዎ፤ ደኺምዎም ወይ ምቾት ስኢኖም ኣለዉ ማለት እዩ።

እግሮም ሓፍ ኣቢሎም እንተልዕሉ ድማ፡ ኣየር ከውፅኡ ወይ ሕጉሳት ኰይኖም ክፃወቱ ካብ ምድላይ ከም ዝኾነ፡ ደንስተን ኣብ ምርምራ ክትፈልዮ ክኢላ እያ።

እዚ ደንስተን ቋንቋ ህፃናት ይሰርሕ’ዶ፡ ኣይሰርሕን? ዝብል ንምርግጋፅ፡ ተመራመርቲ ሩሜኒያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት 65 ድምፅታት ሕንጦታት ብምእካብ፡ ብመሰረት ሓሙሽቲኦም ደንስተን ቋንቋ ህፃናት ንምፍላይ ፈቲኖም።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ 89 ሚእታዊት እቶም ሓሙሽተ ድምፅታት ትኽክል ኰይኖም ተረኺቦም።

መፅናዕቲ ደንስተን ከም ዝሕብሮ፡ ሕንጣያት ካብ ዝተወለዱላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዘ፡ እዞም ሓሙሽተ ድምፅታት ዝያዳ ውፅኢታውያን’ዮም።

ቆልዑ እናዓበዩ ብዝኸዱ ቁፅሪ፡ ናይ ባዕሎም ዝተፈለየ ድምፂ እናምፅኡ ይኸዱ።

ናይ ቆልዓ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶክተር ሲሳይ፡ ወለዲ ናይ ደቆም ኣበኻኽያ ምፍላጥን ምፍላይን ወሳኒ ከም ዝኾነን፡ ድሌት ህፃናት ንምምላእ ከም ዝሕግዝን ይዛረብ።

ገለ መፅናዕትታት፡ ደንስተን ቋንቋ ህፃናት ተማሂሮም ዝተረብሑ፡ እዞም ሓሙሽተ መረዳድኢ ቋንቋን ምንቅስቓስ ኣካልን ካብ ዘይጥቀሙ ወለዲ ብዝሓሸ ኩነታት ምስ ሕንጣያት ደቆም ከም ዝረዳድኡ ይሕብሩ።

ካብዚ ወፃኢ ይብል ዶክተር ሲሳይ፡ ሕንጣያት ወይ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ዝደልይዎ ነገር እንተድኣ ተማሊእሎም፡ ልዕሊ 16 ሰዓታት ግዚኦም ብምድቃስ’ዮም ዘሕልፍዎ።

ቆልዑ እንተድኣ ዘይጠምዮም፣ ዘይሓሚሞምን ዝድቅስሉ ቦታ እንተድኣ ፈትዮምዎ፡ “ካልእ ዝደልይዎ ነገር ናይ ወለዶም ትኹረት’ዩ። ከፃውትዎም ይደልዩ። ዋዒ ሰብነቶም ማእኸላይ ወይ ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ”።

ሕንጣያት፡ ዝተረጋግዑ ክኾኑ ወይ ከይርበሹ ንምግባር ድማ፡ ልስልስ ዝበለ ሙዚቃ ምኽፋት ካብ ዝወሃቡ ማዕዳታት ሓደ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣደታት ገና ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነፍሰፆር እንከለዋ ጀሚረን፡ ኣብ ከብደን ዘሎ ድቂ ልስልስ ዝበለ ሙዚቃ ምስማዕ እንተድኣ ኣልሚደንኦ፡ ዝተረጋግዐ ክኸውን ይሕግዞ’ዩ ይብል እቲ ሓኪም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣደታት ንደቀን ናብ ሙቐት ሰብነተን ምፅጋዕ፣ ዝህም ብዝበለ ማይ ነንሽዑ ምሕፃብን ዳይፐሮም እናተኸታተሉ ምቕያርን፡ ንከይኸብዩ፣ ዝተረጋግዑን ንቑሓትን ክኾኑን ይሕግዞም ይብል።