ኣዋልድ ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ክቕጥቀጣ ዘርኢ ቪድዮ ቁጥዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሓደ መዕቆቢ ዘኽታማት ንዝርከባ መንእሰያት ኣዋልድ ክሃርሙ ዘርኢ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ኣመልኪቱ መርመራ ከምዝኸፈቱ ገሊጾም።
ኣብቲ ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ፖሊስን ሲቪል ዝለበሱ ሰበስልጣናትን ኣብ ኻሚስ ሙሻይት ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕበራዊ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ይረኣዩ።
ሓደ በዓል ስልጣን ንሓንቲ ተእዊ ጓል ብጸጉራ መሬት ንመሬት ጎቲቱ ክወስዳ እንከሎ፡ ሓደ ፖሊስ ድማ ብቑልእፊ (ቐበቶ) ክሃርማ ይርአ።
ንካልኦት ኣዋልድ ድማ ብናይ ዕንጨይቲ በትሪ እናቐጥቀጡ ከባርርወን እውን ኣብቲ ቪድዮ ይርአ እዩ።
ኩነታትን ግዜን እቲ ፍጻመ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ እተን ኣዋልድ "መሰለን ካብቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ሓቲተን ምስተነጽገን" ብድሕሪኡ "ኣንጻር ብልሽውናን በደልን ኣድማ" ኣብ ዘካይዳሉ እዋን ዝተፈጸመ ከምዝኾነ፡ ሓንቲ ነተን ቪድዮታት ከም ዘርትዐት ትዛረብ ተጠቃሚት ትዊተር ትገልጽ።
እታ ተጠቃሚት ትዊተር ጸኒሓ ናይተን ኣዋልድ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ቁስሊ ዘርእዩ ዝበለቶም ስእልታት ብምዝርጋሕ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቶም ቪድዮታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኽወርዱ ከምዘፈራርሖም ሓቢራ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምትን በቲ ሰሉስ ምሸት ዝተዘርገሐ ቪድዮ ቁጥዐኦም ክገልጹ እንከለዉ፡ "ካሚስ_ሙሻይት_ዘኽታማት" ዝብል ሃሽታግ ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትዊተር ትረንድ ክገብር ጀሚሩ።
እቲ ቪድዮ "ዘሰክፍ" ከምዝኾነ ዝገለጸ፡ ኣብ ዓባይብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ መሰላት ALQST፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ "እቶም ገበነኛታት ክሕተቱ ክገብሩ ኣለዎም" ይብል።
ነቲ "ሕሱም መጥቃዕቲ" ኮኒኑ፡ "ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ዝርከባ ኣዋልድ መሰረታዊ መሰላተን ንኽጥቀማ ምእንቲ ሓለዋ ንክግበረለን" ዝሓተተ ድማ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ተቓወምቲ ዝቖመ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ እዩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣሲር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝምርምር ኮሚተ ኣቚሙ ከምዘሎን፡ ርኽበታቱ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝመሓላለፍን ገሊጹ እዩ።
እዚ ፍጻመ እዚ ዘጋጠመ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዓለምለኻዊ ስክፍታ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ መኪና ከይዝውራ ዝገብር እገዳ ኣልዒሉ፡ ሕግታት ሓላፍነት ደቂ ተባዕትዮ ኣቕሊሉን እንተኾነ’ኳ ከም ኣካል ኣንጻር ተቓውሞ ዝውስድ ዘሎ ስጉምቲ፡ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ እውን ኣሲሩ እዩ።
ዳውን ዝበሃል ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓንቲ ስዑዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንመራሕቲ ንግስነት ዝነቅፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘቕረበቶ ጽሑፋት፡ ን45 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደት ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘመልክትዎ፡ ኑራ ቢንት ስዒድ ኣል-ቃሕታኒ "ኢንተርነት ተጠቒማ ማሕበራዊ ስርዓት ብምዝራግ" ከምኡ'ውን "ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ህዝባዊ ስርዓት ብምጥሓስ" እዩ ተፈሪድዋ።
ካልእ ስዑዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ተማሃሪት ፒኤችዲ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ሳልማ ኣል-ሸሓብ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብሰንኪ ኣብ ትዊተር ዝገበረቶ ንጥፈታት ን34 ዓመታት ተፈሪዳ እያ።

ምንጪ ስእሊ, AL THAQAFIA




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







