ኣዕራብ፡ ስለምንታይ'ዮም ዲሞክራሲ ንቝጠባ ከም ዘዳኽሞ ዝኣምኑ?

ስእሊ ሰባት

ኣዕራብ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ቍጠባዊ ምርግጋእ ንምርግጋጽ ኣብ ዴሞክራሲ ዘለዎም እምነት ይስእኑ ከም ዘለዉ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ቢቢሲ ኒውስ ዓረብን መርበብ ዓረብ ባሮሜትርን ኣብ ትሸዓተ ሃገራት ከምኡ'ውን ግዝኣታት ፍልስጤምን ዝርከቡ ኣስታት 23 ሽሕ ሰባት ቃለ-መሕትት ገይሮምሎም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ፡ ‘ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዴሞክራሲ ድኹም እዩ’ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም።

እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ እቲ ቀውዒ ዓረብ [Arab Spring] ብዝብል ዝፍለጥን ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ዝጽውዕን ተቓውሞታት ካብ ዝካየድ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት’ዩ ወጺኡ ዘሎ።

ተቓውሞታት ካብ ዝውላዕ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ዝዀነት ቱኒዝያ ዴሞክራሲያዊት ክትከውን ክኢላ።

እንተዀነ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ እማመ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) እንተጸዲቑ፡ ነታ ሃገር ናብ ምልካዊ ስርዓት ክመልሳ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ዳይሬክተር ዓረብ-ባሮሜተር ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ዝርከብ መርበብ መጽናዕቲ ሚኪኤል ሮቢንስ፡ ካብቲ ብ2018/19 ዝተኻየደ ዳህሳስ ንደሓር ኣብ ዴሞክራሲ ዘሎ ኣረኣእያ ዞባዊ ለውጢ ከም ዝተራእየ ይዛረብ።

"ዴሞክራሲ ፍጹም ስርዓተ መንግስቲ ኣይኮነን፤ ንዅሉ ነገራት ምዕሩይ ክገብር ኣይክእልን ዝብል ግንዛበ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ" ይብል።

"ኣብ መላእ እዚ ዞባ ንርእዮ ዘለና፡ ሰባት ይጠምዩ፡ ባኒ ይደልዩ፡ በቲ ዘለዎም ስርዓታት ተስፋ ይቘርጹ ኣለዉ፡" ክብል’ውን ወሲኹ ይገልጽ።

ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዴሞክራሲ ድኹም ምዃኑ ዝኣምኑ ሰባት

ኣብ መብዛሕትአን እተን ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ድዅም እዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት ካብ ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ዓይነት መንግስቲ ዘይኰነስ ኣድማዕነት ፖሊሲታት መንግስቶም ብዝያዳ ከም ዘተሓሳስቦም ይሰማምዑ።

ንሃገራት ብጉዳይ ዴሞክራሲ ዝዕቅንን ዝሰርዕን ‘EIU Democracy Index’ ከም ዘመልክቶ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ኵለን ኣብቲ መዐቀኒ ዝተዳህሰሳ ዞባታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

እስራኤል ኣብ “ጕድለት ዘለዎ ዴሞክራሲ" ክትምደብ እንከላ፡ ቱኒዝያን ሞሮኮን ኣብ "ዝተዳቐለ (ሕውስዋስ) ስርዓታት" ይምደባ፤ ዝተረፈ ክፋል እቲ ዞባ ድማ "ምልካዊ" ይምደብ።

ኣብ ክንዲ ንዘለዎ ቅርፂ ንውጽኢታውነት መንግስቲ ዝግደሱ

ኣብ 7 ሃገራትን ግዝኣታት ፍልስጤምን፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ነገራት ንምፍጻም ኣገዳሲ ኰይኑ እንተተረኺቡ፡ ሃገሮም "ሕግታት ክጥምዝዝ" ዝኽእል መራሒ ከም ዘድልያ ይሰማምዑ።

ኣብ ሞሮኮ ጥራይ ግን፡ ትሕቲ ፍርቂ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዳህሳስ ምስቲ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ።

ብርግጽ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ዮርዳኖስን ሱዳንን እውን ምስቲ መግለጺ ዘይሰማምዑ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ኣብ ቱኒዝያ ካብ 10 እቶም ሸሞንተ ሰባት ምስቲ መግለጺ ዝሰማምዑ ኰይኖም፡ ካብ 10 እቶም ትሽዓተ፡ ፕረዚደንት ስዒድ ኣብ ሓምለ 2021 መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ንምውጋድን ባይቶ ንምእጋድን ዝወሰዶ ስጕምቲ ይድግፍዎ።

ተቓወምቱ ዕልዋ መንግስቲ ክብሉ እንተዀነንዎ’ውን፡ ንሱ ግን ብልሹው ፖለቲካዊ ስርዓት ንምእላይ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ቱኒዝያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ቀውዒ ዓረብ፡ ቀጻሊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ክትምስርት ዝኸኣለት እንኮ ሃገር’ያ።

ይዅን እምበር ቱኒዝያ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ስዒድ ናብ ምልካዊ ምሕደራ ትምለስ ዘላ ትመስል።

ብመሰረት መዐቀኒ ዴሞክራሲ EIU 2021፡ እታ ሃገር ብ21 ደረጃታት ወሪዳ፡ "ጕድለት ዘለዎ ዴሞክራሲ" ዘይኰነስ "ዝተዳቐለ ስርዓት" ተባሂላ ተመዲባ ኣላ።

ብዙሓት ንሓያላት መንግስቲ ይመርፁ

መጽናዕቲ ቱኒዝያ፡ ኣብ መንጐ ጥቅምትን ሕዳርን 2021 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

ምኽንያቱ ንሱ ባይቶ ብምፍራስን ንኮሚሽን ምርጫ ብምቍጽጻርን ስልጣኑ ኣጽኒዑ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው የንቆልቁል ኣሎ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ቱኒዝያ ናብ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምምላስ ትርከብ፣ ወይ ድማ ዴሞክራሲኣ ናብ ድሕሪት ኣብ ምምላስ ይርከብ።

እዚ ድማ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ኵነታት'ዩ" ይብል ኣባል መስረት'ቲ ዓረብ ባሮሜተርን ዲን ቤት ትምህርቲ ህዝባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ፕሪንስተን፡ ኣማነይ ጀማል።

ቁጠባ ካብ ኮቪድ-19 ብዝዛየደ በዳሂ ኮይኑ ከምዝርከብ

ኣብ ሸውዓተ ሃገራትን ግዝኣታት ፍልስጤምን፡ ቍጠባዊ ኵነታት ልዕሊ ብልሽውና፡ ዘይምርግጋእን ዝርግሐ ኮቪድ-19ን ብድሆ ኰይኑ ይርከብ።

ቍጠባዊ ኵነታት ከም ወሳኒ ጉዳይ ዘይረአ፡ ኣብ ክልተ ሃገራት ጥራይ እዩ።

ንሱ ድማ ኣብታ ብልሽውና በዳሂ ዝኾነላ ዒራቕን፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሊብያን ከም ዝዀነ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት ብውሑዱ ሓደ ካብ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ዘድልዮም መግቢ ንምዕዳግ እኹል ገንዘብ ቅድሚ ምርካቦም፡ እቲ ዝሓዝዎ መግቢ ከም ዝተወድኦም ይገልፁ።

ግብጽን ሞውሪታኒያን መግቢ ምርካብ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነለን ሃገራት’የን።

መብዛሕትኡ'ቲ መጽናዕቲ፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ቅድሚ ምውራራ ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ ኲናት ኣብ መላእ እቲ ዞባ - ብፍላይ ነተን ኣብ ሰደድ ስርናይ ሩስያን ዩክረይንን ብብዝሒ ዝምርኮሳ ግብጺ፡ ሊብያን ቱኒዝያን - ንዘሎ ውሕስነት መግቢ ዝያዳ ሃስይዎ ኣሎ።

ተወሳኺ መግቢ ዝገዝኡሉ ገንዘብ ከምዝሓፅሮም

ዝነበሮም መግቢ ምስወድኡ ተወሳኺ ክገዝኡ ከም ዘይክእሉ ዝተገለጹ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ብፍላይ ካብ ሱዳን፡ ሞሪታኒያን ሞሮኮን ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ዝበዝሑ ሰባት ንዴሞክራሲ ዘለዎም ድጋፍ ዝተሓተ’ዩ።

ሊባኖስ ካብ ኵለን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓላ።

ካብቶም ዝተሓተቱ ሊባኖሳውያን ትሕቲ 1 ሚእታዊት፡ ህሉው ቁጠባዊ ኵነታት ሃገሮም ጽቡቕ እዩ ይብሉ።

ባንኪ ዓለም፡ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ካብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ከበድቲ ቅልውላዋት ሓደ ክብል ይገልፆ።

መብዛሕትኦም ሰባት ቁጠባዊ ኵነታት ሃገሮም ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ትጽቢት የብሎምን።

ኣብ መፃኢ ተስፋ ከምዝገብሩ ዝገልፁ ሰባት

ይዅን እምበር ገለ ተስፋ ኣሎ። ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት፡ ልዕሊ ሲሶ ካብቶም ዳህሳስ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት እቲ ኵነታት ዝሓሸ ወይ ብመጠኑ ዝሓሸ ክኸውን ምዃኑ ይዛረቡ።

እቲ መጻኢ "ዘተኣማምን ኣይኮነን" ይብል ዶክተር ሮቢንስ ካብ ዓረብ ባሮሜተር።

ዜጋታት እቲ ዞባ፡ ከምቲ ኣብ ቻይና ዘሎ - ምልካዊ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት - ዝኣመሰሉ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስርዓታት ክጥምቱ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ፡ "ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ድኽነት ኣውጺኡ" ይብል።

"ቅልጡፍ ዝዀነ ዓይነት ቍጠባዊ ምዕባለ ብዙሓት ሰባት ዝደልይዎ'ዩ" ክብል ድማ ወሲኹ የረድእ።