ኣብ ልዕሊ ህጻናት ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዝፈፀሞ ኣነዋሪ ተግባር ዝተፈረደ ቻይናዊ

ሉ ኬ ዝበሃል እቲ ቻይናዊ ሱሱ ብዝብል እውን ይፍለጥ። ን 12 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ኰይኑ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።
እቲ ተግባር ኣብ ማላዊ ዝተፈጸመ ብምንባሩ ከኣ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ዜጋ ቻይና ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ክስታት እዩ ውሳነ ሂቡ።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናትን ኣብ መዘናግዒ ንኽሳተፉ ምግዛእን ዝብሉ ካብቶም ክስታቱ እቶም።
ዝፈጸሞ ተግባር ድሕሪ ምቅልዑ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ካብታ ሃገር ክወጽእን ንሓዋሩ ከይምለስን ተኸልኪሉ ነይሩ።
‘ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ’ ብዝብል ዝፍለጥ መርማሪ ጸብጻብ ምስ ኣቃልዖ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተታሒዙ።
እቲ ናይ ሽዑ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ህጻናት ማላዊ ብቋንቋ ሃገሩ ሰላምታ ከቕርቡ ብምግባር ቪድዮታት ክስእል ከሎ ዘርኢ ኰይኑ ገሊኡ መልእኽትታት ድማ ዓሌታዊ ትሕዝቶታት ዘጠቓለለ እዩ።
እቶም ዝሰኣሎም ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኢንተርነትን ቻይና ክሳብ 70 ዶላር (55 ፓውንድ) ይዕደጉ ነይሮም።
ዜናታት ኣጸያፊ ቪድዮታቱ ምስ ተሰምዐ ግን ሰበስልጣን ማላዊ ኣብ ልዕሊኡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ስለዘውጽኡ ናብ ጐረቤት ሃገር ዛምብያ ሃዲሙ።
ኣብታ ሃገር እውን ኣይቀንዖን፤ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዩ ብዝብል ተታሒዙ ተፈሪዱ። ድሕሪኡ ድማ እታ ሃገር ናብ ማላዊ ኣሕሊፉ ሂባቶ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዋሕስ ተኸልኪሉ ክሳብ እታ ትማሊ ሓሙስ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ዝፍረድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ’ዩ ጸኒሑ።
ንመዘናግዒ ንምጥቃም ህጻናት ብገንዘብ ምግዛእ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት፡ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነትን ጐዳኢ ማሕበራዊ ተግባራትን ዝብሉ ዝርከብዎም 14 ክስታት ኣብ ልዕሊኡ ከምዝቐረቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ሉ ኬ ወይ ሱሱ ግን ንዕቀት ዝመልኦም ቪድዮታት ከም ዘይሰርሐ ብምግላጽ’ዩ ዝቃወም።
ኣብ ዘቕረቦ ናይ መከላኸሊ ክትዕ ድማ፡ ንግዳያቱ ንምኽሓስን ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዝግበር ንጥፈታት ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዝውዕል 16 ሚልዮን ማላዊ ኳቻ (16,000 ዶላር) ንመንግስቲ ከም ዝኸፈለ ንቤት ፍርዲ ተናጊሩ።
ነቶም ቪድዮታቱ ዝሰርሓሉ ምኽንያት ባህሊ ቻይና ናብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንምዝርጋሕ ብምሕሳብ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







