ግርምቢጥ ምስጢር ብሓይሊ ምውሳድ ህጻናት ካብ ስድራኦም እንታይ እዩ?

ጓል 11 ዓመት ፋጢማ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እያ ካብ ገዝኣ ተወሲዳ
መግለጺ ስእሊ, ጓል 11 ዓመት ፋጢማ፡ ፍርቂ ለይቲ እያ ካብ ገዛኣ ተወሲዳ

ሞግይኛ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ኣባይቲ ስድራቤትን ብድምር 24 ዝዀኑ ሰባትን ዝነብሩላ ኣዝያ ንእሽቶ ቁሸት እያ።

መካይን ይትረፍ ብለይቲ ብቐትሪ'ውን ሳሕቲ እየን ዝረኣያ።

ብ6 መስከረም 2022 ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ ግን፡ ክሸይን ካብ ኣጕዶኡ ዝወጸ ሙሳሕ ሙስጣፋ ናብታ ንእሽቶ ቁሸት ገጸን ብፍጥነት ዝጓዓዛ ኣርባዕተ መካይን ይርኢ።

ሙሳሕ ብድሕሪ ገረብ ተሓቢኡ ክዕዘብ ምስ ጀመረ፡ ዕጡቓት ካብተን መካይን ወሪዶም ናብ ክልተ ገዛውቲ ክቐርቡ ርእዩ።

ካልኦት ነበርቲ ንምጥንቃቕ ጨዲሩ’ኳ እንተነበረ፡ ዝዀነ ሰብ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ግን እቶም ዕጡቓት ናብተን ኣጓዱ ኣትዮም ኣርባዕተ ቈልዑ ብሓይሊ ኣውጺኦም።

ሓንቲ ካብቶም ህጻናት፡ ጓል 11 ዓመት ፋጢማ ዝተባህለት ህጻን ኰይና ካብቲ ምስ ኣያታታ ደቂሳትሉ ዝነበረት ክፍሊ ብኣእዳዋን ኣእጋራን ተሰኪሞም እዮም ኣውጺኦምዋ።

ሽጉጥ ኣብ ክሳዳ ዝተጻወደ ሳና ዝተበሃለት ዓባያ ንፋጢማ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ህጻናት ከይወስድዎም ትልምን ነይራ። ንምንታይ ከምዝተወሰዱ ኣይተረድኣን።

ክልተ ኣኮታት ካብቶም ቈልዑ እውን ተወሲዶም። ሳና ድሕሪ ደጊም ኣዝማደይ ኣይርእይን ዝብል ፍርሒ ተሰሚዕዋ።

ብዓይኒ ደቂ እታ ቁሸት፡ ዓመጽ ዝመልኦ ጭውያ’ዩ ተፈጺሙ።

እንተዀነ፡ እቲ ፍጻመ ጭውያ ኣይነበረን።

ኣባላት ፖሊስ ጋና ብወግዒ ዘካየድዎ ናይ ምድሓን ስርሒት እዩ።

ብመንጽር ሕጊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት እታ ሃገር ድማ ሕጋዊ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ እቶም ህጻናት ናብ ክንክን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሰጋጊሮም።

እቲ ስርሒት ኣይጂኤም ብዝተበሃለ ትካል ዝተበገሰ እዩ።

ኣይጂኤም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝፍለጡ ኣብ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ትካላት ክኸውን ከሎ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ ምወላ ረኺቡ’ዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣስታት 300 ኣብያተ ክርስቲያናት ድጋፍ ይረክብ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ጋና ዝካየዱ ምንቅስቓሳቱ ንምድጋፍ ካብ ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት ለገስቲን ልዕሊ 280 ሽሕ ዶላር ረኺቡ ነይሩ።

እንተዀነ ግን ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ትካል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከምዘሎ ዳርጋ ዝዀነ መርትዖ ኣብ ዘይነበረሉ ኵነታት ገለ ቈልዑ ካብ ስድራቤቶም ከምዝኣለየ የመልክት። እዚ ዓመጽ ዝተመልኦ ኣገባብ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ብዝነበረ ዒላማ ዝገበረ ባህሊ ኣሰራርሓ ዝተመርሐ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ቢቢሲ ህጻናት ብሓይሊ፡ ብዘሰንብድን ብዘይፍትሓውን መንገዲ ዝተኣለይሉ ከምኡ’ውን ኣዝማድ እቶም ህጻናት ድማ ከም ኣሰጋገርቲ ህጻናት ዝተኸሰስሉ ክልተ ዝተሰነዱ ጉዳያት ስርሒታት ምድሓን ረኺቡ። ሓደ ካብዚኦም፡ ጉዳይ ፋጢማ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጋና፡ ኣይጂኤም ኣብ ቀላይ ቮልታ ከም ባሮት ሸቃሎ ኰይኖም ክሰርሑ ዝተሸጡ ህጻናት ኣብ ምድሓን እዩ ዝነጥፍ።

ህጻናት ኣብ ገማግም ቀላይ ቮልታ ክሽቅሉ ምርኣይ ልሙድ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ኣብ ገማግም ቀላይ ቮልታ ክሽቅሉ ምርኣይ ልሙድ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ገማግም ቀላይ ቮልታ ህጻናት ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ብዝተፈላለየ ደረጃ ምዝመዛ ክሰርሑ ምርኣይ ልሙድ እዩ፤ ገሊኦም ንስድራቤቶም ይድግፉ፡ ገሊኦም ድማ ብውሑድ ወይ ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ይቝጸሩ።

ኣይጂኤም፡ ኣብ 2016 ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ህጻናት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እዮም።

ኣብ 2015 ስርሒት ምድሓን ህጻናት ከካይድ ዝጀመረ ኣይጂኤም፡ ኣብ 2018 ግን ኣብቶም ህጻናት ለይቲ ከም ዝቕመጡሎም ዝንገረሎም ቦታታት ናይ ለይቲ ወራር ናብ ምክያድ ኣትዩ።

ሓደ ካብዞም ተልእኾታት ድማ ስርሒት ‘ሂልቶፕ’ ብዝብል ዝተሰመየ ኣብ ቁሸት ሞግየኛ ዝተፈጸመ ወራር እዩ ነይሩ።

‘ኣፍሪካ ኣይ’ ዝተበሃለ ኣካል ቢቢሲ፡ ኣብ ጋና ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ስራሕ ስክፍታታት ድሕሪ ምፍላጡ፡ ሓደ ሕቡእ ጸብጻብ ኣብቲ ትካል ግብረ ሰናይ ትካል ኣቐሚጡ።

ስርሒት ‘ሂልቶፕ’ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ክረክብ ክኢሉ።

እቲ መርትዖ ከም ዘመልክቶ፡ ኣይጂኤም ንኣባላት ሓይሊ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እቶም ኣርባዕተ ቈልዑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሰጋገሩ እዩ ገሊጹሎም። ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ዝተፈጸሙ ርክባት ግን፡ ኣብ ጉዳይ ፋጢማን እቶም ክልተ ህጻናትን "ባእታታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከምዘየለ" ከምዝደምደመ የመልክቱ።

ሓላፊ ሕጊ ኣብ ውሽጣዊ መልእኽቱ፡ መሓመድ ዝተበሃለ ወዲ ሓውቦ ፋጢማ ጥራይ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከምዝዀነ ጠቒሱ።

ብስድራቤት መሓመድ ግን ነዚ መደምደምታ ይነጽጉ።

እቲ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርባዕቲኦም ህጻናት ንምእላይ ዝተኻየደ ተልእኾ ግን፡ እቲ ጉዳይ ዋላ እኳ ከቢድ እንተዀነ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕጡቕ ወራር ዘድልዮ ኣይነበረን።

ፋጢማን እቶም ካልኦት ሰለስተ ቈልዑን ኣብ መዕቆቢ መሻርኽቲ ኣይጂኤም ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ኣዝማዶም ተፈልዮም እዮም ተቐሚጦም ነይሮም።

ብድሕሪኡ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጋና ብዘካየዶ መርመራ እቶም ህጻናት ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከም ዘይኰኑን ናብ ስድራቤቶም ክምለሱን ወሲኑ።

ሞግይኛ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ገዛውቲ ዘለዋ ቁሸት እያ
መግለጺ ስእሊ, ሞግይኛ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ገዛውቲ ዘለዋ ቁሸት እያ

ፋጢማ ሕጂ ናብታ ቁሸታ ተመሊሳ፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ዓባያ ሳና ትርከብ። ኣቦታት እቶም ካልኦት ክልተ ቈልዑ ግን ደቆም ኣብ ካልእ ቦታ ክነብሩ እዮም ወሲኖም።

ነበርቲ እታ ቁሸት፡ እቶም ቈልዑ ብምምላሶም ከም ዝተሓጎሱ እኳ እንተገለጹና፡ ሳዕቤን ስርሒት ሂልቶፕ ግን ገና ይስምዖም ከም ዘሎ ይገልጹ።

ኣባላት ቢቢሲ ናብቲ ከባቢ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ፋጢማ ዳግማይ ክወስድዋ ዝመጹ መሲልዋ ከም ዝሰግአት ገሊጻ።

"ኣዝየ ሰንቢደ ክበኪ ጀሚረ" ክትብል ብዛዕባ እታ ለይቲ ዘለዋ ተዘክሮ ትገልጽ። "ክቐትሉና ዝወስዱና ዘለዉ መሲሉኒ። ናበይ ከም ዝወስዱና ኣይፈለጥናን።"

ኣብቲ ስርሒት ናንቶግማ ኣቡካሪን ሳይቡ ኣልሓሰንን ዝተበሃሉ ኣኮታት ፋጢማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናትን ብምዝመዛ ጉልበት ህጻናትን ተኸሲሶም ኵሉ ዝዓቘርዎ ገንዘብ ንመስርሕ ቤት ፍርዲን ዋሕስን ኣውጺኦምዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ቤት ፍርዲ በጺሕካ ምምላስ ዝግበር መገሻ ልዕሊ 132 ዶላር የውጽኡ ነይሮም፤ እዚ ድማ ዳርጋ ማዕረ ናይ ክልተ ወርሒ ኣታዊ እዩ።

እቲ ክሲ ኣብ መወዳእታ ተዓ ኣስማቶም ተሰሪዙ፡ እንተኾነ ብገለ መንገዲ "ምስቶም ቈልዑ ዘሰጋግሩ ሰባት ተሓባቢሮም" ክዀኑ ይኽእሉ ብዝብል ጥርጣረ ገለ ኣባላት ስድራቤቶም ከም ዘየዛርብዎም ይገልጹ።

ብዛዕባ ጉዳይ ፋጢማ ካብ ቢቢሲ ሕቶታት ዝቐረበሉ ኣይጂኤም፡ ተልእዀኡ ነቶም ኣርባዕተ ቈልዑ ምስ ኣቦታቶም ናብ ውሑስ ቦታ ብዓወት ከም ዘግዓዘ ይገልጽ።

ማውሲ ኣምላደ ብጌጋ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ተኣሲራ
መግለጺ ስእሊ, ማውሲ ኣምላደ ብጌጋ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ተኣሲራ

እቲ ካልኣይ ጸገም፡ ኣብ 2019 ክልተ ኣሕዋት ካብ ስድራኦም ንምእላይ ዝተኻየደ ስርሒት እዩ። ማውሲ ኣምላደ ዝተበሃለት ኣደ እቶም ቈልዑ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ተኸሲሳ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ነይሩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕምም ድማ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ርግጸኛ ከይኰነት ካብ ደቃ ምፍላይ ምዃኑ ማውሲ ኣምላደ ትዛረብ።

"ደቀይ ናበይ ከም ዝተወስዱ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን፡ ልዕሊ ዝዀነ ነገር ብዛዕባኦም ይጭነቕ ነይረ" ትብል።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሱድረው ግሎባል ኢንስቲትዩት ፍትሒ ዝተበሃለ መሻርኽቲ ኣይጂኤም ዝዀነ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣመሪካ ብዘካየዶ ምትእትታው፡ ፍርዲ እታ ኣደ ተሰሪዙ።

እቲ ትካል ነታ ኣደ ብመስርሕ ይግባይ ነጻ ምውጻእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጉዳያ ምፍሻል ፍትሒ ከም ዝዀነ ኣብ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ወፍሪ ኣወዓዊዑ።

ድሒሩ ኣብ ዝተደምሰሰ ጽሑፍ ኢንስታግራም፡ ወግዓዊ ኣካውንት ሱድረው፡ እታ ኣደ "ብሓሶት ብኸቢድ ገበን ዝተፈርደት ኣደ ክልተ ቈልዑ" ክብል ገሊጽዋ ነይሩ።

እንተዀነ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ማውሲ ኣምላደ ክሳዕ ሕጂ ምስ ደቃ ኣይተራኸበትን።

ሱድረው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሽርክነት እንተሃለወ፡ ካብ ኣይጂኤም ነጻ ኰይኑ ከምዝተዋስአን፡ ናይ ረብሓ ጐንጺ ከምዘየለን ገሊጹ።

ኣብ ቀላይ ቮልታ ኣብ ስርሒታት ምድሓን ህጻናት መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ ላዕለዋይ መምህር ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዶክተር ሳም ኦኪየር፡ ብሕቡእ ዝተቐድሑ ዕላላት ገምጊሙ፡ ብዛዕባ እቲ ዒላማ ዝገበረ ዝመስል ባህሊ ኣሰራርሓ ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ኣይጂኤም ምስራሕ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎን ተደላዪን ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰራሕተኛታት "እቲ ዝምነይዎ ስራሕ ከይስእኑ ክብሉ ሸቶታት ንምምላእ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም ማለት'ዩ" ይብል ዶክተር ኦኪየር።

ኣብ ሞግይኛ ዝርከብ ገዛ ፋጢማ ካብታ ዝቐረበት ዓባይ ከተማ ንሓያሎ ሰዓታት ብመኪና ኣብ ዘጉዕዝ ርሕቐት ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሞግይኛ ዝርከብ ገዛ ፋጢማ ካብታ ዝቐረበት ዓባይ ከተማ ንሓያሎ ሰዓታት ብመኪና ኣብ ዘጓዕዝ ርሕቐት ይርከብ

ክሲ እቲ ዒላማ ዝገበረ ባህሊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ "ኣብ ጋና ዝርከብ ኣይጂኤም ጽልዋ ንምግምጋም ሸቶታት የቐምጥ፡ እዚ ድማ ንሰበስልጣን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ደው ንምባል ዝበለጸ ኣድማዒ ደገፍ ንምሃብ’ዩ" ይብል።

ሰራሕተኛታት ሸቶታት እንተዘይኣማሊኦም ይቕጽዑ እዮም ዝብል ክሲ ግን ነጺጉ።

"ኣቀራርባና ኵሉ ግዜ ድሕነት ናይቲ ህጻን ኣብ ሕመረት ዘእተወ'ዩ። ኣይጂኤም ጋና ዝደገፎም 76 ስርሒታት፡ ኣማኢት ህጻናት ብሰበስልጣን ጋና ናብ ውሑስ ቦታ ክሰግሩ ገይሩ'ዩ" ኢሉ።

ኣይጂኤም ኣብ ጋና ዘካይዶም ንጥፈታት ንምውዕዋዕ ሲነማዊ ቪድዮታት ፈንዩ እዩ። ኣብ ሓንቲ ቪድዮ፡ ሓደ ወዲ ካብ ቀላይ ድሕሪ ምድሓኑ ምስ ኣባሓጉኡ ዳግማይ ዝራኸበሉ ስምዒታዊ ህሞት ይረአ። ኣብቲ ቪድዮ ኣይጂኤም ኣስታት 1.25 ሚልዮን ዶላር ወፈያ ንምእካብ ከምዝሓገዘ ተገሊጹ።

ፋጢማ ናብ ቁሸታ ክትምለስ ከላ ግን ከምዚ ዓይነት ደገፍ ኣይተገብረላን።

ዕጡቓት ናብ ገዛኡ ኣትዮም ንወዲ ጓሉ ሒዞም ክኸዱ ከለዉ ዝዕዘብ ዝነበረ ኣቦሓጎ፡ ፋጢማ ኣብቲ መዕቆቢ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ ሞይቱ።

"ኣባሓጎይ ኣዝዩ ፈታዊ ሰብ እዩ ነይሩ" ትብል ፋጢማ። "ምስ ተመለስኩ፡ ኣቦሓጎይ ዳግማይ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ይሓስብን ይበክን ነይረ” ትብል።