'ዓማዊለይ የፈርሞም እየ' - ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ

ኣሰጋጋሪ ሰባት

መንግስቲ ብሪጣንያ ዘውጽኦ መደብ ምስግጋር ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ፡ ንዓማዊሉ ዝዓግት ከም ዘይኰነ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ጃነ ኮርቢን ኣብ ቱርኪ ንዝርከብ ኣሰጋጋሪ ሰባት ረኺባ ኣዘራሪባቶ ኣላ።

ኣብ ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘሎ ሓደ ኣገዳሲ ውልቀሰብ ንምርካብ’የ ናብዚ መጺአ፤ እዚ ብሓደ እሙን መንጐኛ ኣዋርሕ እዩ ወሲዱ።

እዚ፡ ብኸመይ ኣሽሓት ስደተኛታት ዕቝባ ንምሕታት ኣብ ገማግም ደቡብ እንግሊዝ ይበጽሑ ዝብል ቢቢሲ ፓኖራማ ዘካየዶ መርመራ እዩ።

እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽአ’ዩ - መንእሰይ፣ ህድእ ኢሉ ዝዛረብን ጽቡቕ ኣከዳድና ዘለዎን እዩ፤ ጸሊም ክዳን ተኸዲኑ ክኣ ረኺበዮ።

መንነቱ ዘይንገልጽ እንተዄንና፡ ብዛዕባ ስርሑ ክነግረኒ ምዃኑ ተሰማሚዕና።

ዓጀብቱ፡ ኣብ ኣፍደገ 'ቲ ገዛ ኰይኖም ብተጠንቀቕ ይሕልው።

ምስግጋር ሰባት ዘይሕጋዊ እዩ ኢለ መጕተዮ።

“ዘይሕጋዊ ምዃኑ እፈልጥ'የ፤ ንዓይ ግን ብዛዕባ ሰብኣውነት’ዩ - እዚ ኸኣ ካብ ሕጊ ንላዕሊ’ዩ። ሰባት ኢና ንሕግዝ፤ ብጽቡቕ ንሕዞም፣ ደቂ ኣንስትዮ ነኽብር - ኣይነራኽስን ወይ ዝዀነ ሰብ ኣይንጐድእን” ኢሉኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ዓመት፡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣለው

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ሃገሩ ዕቝባ ዝሓቱ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ናይ 120 ሚልዮን ፓውንድ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ከም ዝፈረመ ይዝከር።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ መደብ ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምስባርን ቍጽሪ ሓደገኛ መገዲ መትረብ ኢንግሊዝ ደው ንምባልን ዝዓለመ’ዩ ይብል።

ድሮ፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነዚ መትረብ ሰጊሮም ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለው።

እቶም ኣሰጋገርቲ፡ ኣማኢት ስደተኛታት’ዮም ናብ ብሪጣንያ ዝሰዱ።

እዚ፡ ብዙሕ መኸሰብ ዝርከቦ ንግዲ ከም ዝዀነን፡ ልክዕ ከም ሓደ ነጋዳይ ከም ዝንቀሳቐስን እቲ በዓል ታሪኽ ይዛረብ።

“ሓደ ውልቀሰብ ድዩ ምሉእ ስድራ ብዘየገድስ - ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዓይነት ዋጋ’ዩ ዝኸፍል። ናብ ብሪጣንያ ንምኻድ ብጠቕላላ 17 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ይሓትት።”

ስለዚ፡ ኣብተን ኣዝየን ድዅማት ዝዀና ጀላቡ ብሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምግባር ብኸመይ’ዩ ዝርእዮ?

“ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል’ዩ፤ ንኽተርፉ ንነግሮምን ነፈራርሖምን ኢና። ‘እዚ መገዲ ሓደገኛ’ዩ፤ ኣየዋጽእን'ዩ። ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹም’ ኢለ ንወለዶም እውን ይነግሮም’የ“ ይብል።

እቲ ጕዕዞ፡ ሓደገኛ ምዃኑ ፈሊጦም ሓላፍነት ንምውሳድ ዝፍርሙዎ ቅጥዒ ክኣ ኣርእዩና።

እቶም ስደተኛታት ዝፍርምዎ ቅጥዒ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ዝፍርሙዎ ቅጥዒ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢስታንቡል ኣብ መንጐ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን፣ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን እትርከብ መእተዊት ኣፍደገ ኰይና፡ ጸሊም ዕዳጋ ምስግጋር ሰባት ኣዝዩ ዝዓመረላ እያ።

እቲ ዕዳጋ ኣዝዩ ንሕንሕ ዝበዝሖ’ዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኣሰጋገርቲ ብመሰረት እትኸዶ ቦታ ዘለዎም ዝተፈላለየ ዋጋታት ይነግሩ።

ንመሸጣ ዝተዳለው፡ ስኑዕ ፓስፖርታትን ፍቓድ መዘወሪ መኪናን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣለው።

እዚ ኣሰጋጋሪ፡ ዓማዊሉ ኣብታ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ስደተኛታት ዝርከቡላ ከተማ [ኢስታንቡል] ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ይእክቦም።

ኣብ ንኣሽቱ ክፍልታት ተኣኪቦም፡ ዝጓዓዝሉ መዓልቲ ክሳብ ዝበጽሕ ንኣዋርሕ ይጽበዩ።

ኣባላቱ ክኣ፡ መግብን ማይን የምጽኡሎም።

“ኵሉ ነገር ክሳብ ዝዳሎ ኣብ ገዛ ኢና ነጽንሖም። ኵሉ ምስ ተዳለወ ክኣ፡ ፖሊስ ብዛዕባና ንኸይፈልጡ ዝሓዝዎ ተሌፎናት ነሕድጐም” ክብል የብርህ።

እቶም ስደተኛታት፡ ብጸልማት ብመኪና ናብ እምባታት ኢስታንቡል ይግዕዙ።

ካብዚ፡ ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ሽዱሽተ ወይ ዓሰርተ ኰይኖም ኣብ ሜዲተራኒያን ናብ ዝጽበዮም ዘሎ ጃልባ ኣሰጋገርቲ ብእግሪ ይጕዓዙ።

እቲ ጕዕዞ፡ ናብ ግሪኽ ወይ ኢጣልያ እዩ ክኸውን።

እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት፡ ኣብ ጃልባኡ ሓደ ስደተኛ ከም ዝሞተ ዝቐርብ ክሲ ኣሎ፤ ንሱ ግን ይነጽጐ።

ዓሰርታት መንእሰያት፡ ኣብተን ጀላቡ ኰይኖም ብኢዶም ሰላምታ እናሃቡዎ፡ እናመስገንዎ ዘርኢ ቪድዮ ኣርእዩና።

እዚኦም፡ ንምስክርነት ዘቕርቦም ጥራይ ዘይኰኑ፡ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምብጽሖም’ውን ዘረጋግጸሎም’ዮም።

እቲ ስደተኛታት ንጕዕዞኦም ዝኸፈልዎ ገንዘብ፡ ክሳብ ስድራኦም ወይ መቕርቦም ብደሓን ከም ዝኣተው ዘረጋግጹ፡ ገንዘብ ኣብ ኢድ መንጐኛ’ዩ ዝጸንሕ።

እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት ግን፡ ዝያዳ ክኸፍሉ ንዝኽእሉ ዓማዊል ዘጽንሓሉ ኣዝዩ ምቹእ ኣገልግሎት ‘ቪኣይፒ’ ኣለዎ።

ድሕሪኡ፡ እቶም ስደተኛታት ብኣውሮጳ ኣቢሎም ናብ ባሕርታት ሰሜን ፈረንሳ - ድሕሪኡ መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽኣትው ይጕዓዙ።

እቲ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኣሰጋጋሪ፡ ዓማዊሉ ናብ ዝኸድሉ ቦታ ንኽበጽሑ ዝተሓጋገዞ ኣብ ከባቢ ካለይ፡ ኣብ100 ኪሎ ሜትሮ ዝሰርሕ ኔትዎርክ ገበነኛታት ኣሎ።

“ካብ 10 ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ዝዋግኣ ንእሽቶ ጃልባ ዓዲግና። ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ነታ ጃልባ ዝቕልስ እንተዀይኑ ብናጻ ክኸይድ ዕድል ይረክብ። ቀጥ ኢሎም’ዮም ዝኸዱ፤ ካብኡ ኢዶም ንፖሊስ ይህቡ” ኢሉ።

ኣብ መንጐ፡ እቶም ዓጀብቱ ስለ ዝሰግኡ ክኸይድ ደልዩ።

እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ንኣሽቱ ጀላቡ ክገዝእ ንመወዳእታ ግዜ ርእየዮ ነይረ። እቲ ንግዲ ክኣ፡ ዝያዳ እናዓመረ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ዋላ’ውን ቍጽሪ ናይቶም ናብ ሃገሩ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ናብ ርዋንዳ ናይ ምግዓዝ መደብ እንተኣውጽአ፡ ብዙሓት ሰባት ሕጂ’ውን መትረብ ኢንግሊዝ ይሰግሩ ኣለው።

ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ብብሪጣንያ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ መደብ፡ ለውጢ ዘምጽእ ዶ ይመስለካ? ኢለ ሓቲተዮ።

“መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ርዋንዳ እንተሰደዱ’ውን፡ ሰባት ደው ኣየብሉን እዮም፤ ወይ ንውሳነኦም ኣይቕይሮን። ሞት እንተዘይፈሪሖም፡ ናብ ርዋንዳ ምኻድ ኣየፍርሖምን እዩ።”