ቆልዑ እናሸጠ ብቢቢሲ ዝተቓልዐ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ዕሸላት ካብቲ ሆስፒታል ሰሪቑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ክሸጦም ከሎ ብምርመራዊ ፀብፃብ ቢቢሲ ዝተቓልዐ ኬንያዊ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ህፃናት ብምስግጋር ገበነኛ ተባሂሉ።
ፍሬድ ሌፓራን ዝተባህለ ውልቀሰብ ሰራሕተኛ ናይቲ ‘ማማ ሉሲ ኪባኪ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሓደ ህፃን ካብቲ ሆስፒታል ኣውጺኡ ብ2500 ዶላር ክሸይጥ ገንዘብ ክቕበል ከሎ ቢቢሲ ብቪድዮ ቀዲሕዎ ነይሩ።
ነቲ መርመራዊ ጸብጻብ ስዒቡ ድማ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2020 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይዝከር።
በቲ ተግባር ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክፍረዶ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።
ሓንቲ ሪፖርተር ናይቲ ‘ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ’ ዝበሃል መደብ ዓዳጊት መሲላ ንፍሬድ ሌፓራ ድሕሪ ምቕራባ፡ ንሓደ ካብቶም ካብቲ ሆስፒታል ናብ ብመንግስቲ ዝመሓደር ማእከል ክንክን ህጻናት ዝሰጋገሩ ህጻናት ክሸጠላ ተሰማሚዑ።
ሌፓራ ነቲ ህጻን ነታ ዓዳጊት መሲላ ዝቐረበቶ ሪፖርተር ኣብ ዘረከበሉ መዓልቲ፡ ሰለስተ ዕሸላት ናብቲ መንግስታዊ ትካል ክሰጋገሩ ትፅቢት ይግበር’ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ካብ ሆስፒታል ናብቲ ማእከል መዕበዪ ህጻናት ክልተ ዕሸላት ጥራይ ከምዝሰጋገሩ ብምምሳል’ዩ ኣደናጊሩ።
እቲ ውልቀሰብ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ዝሕብሩ መርትዖታት እኳ እንተሃለዉ ንሱ ግን ኣብ ኬንያ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ኣማኸርቲ ሕጊ ብምቑፃር ነቲ ጉዳይ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክካትዐሉ ፀኒሑ’ሎ።
እንተኾነ ነቲ ዝቐረበሉ ሰብኣውን ሰነዳውን መርትዖታት ክከላኸል ስለዘይከኣለ፡ እቲ ህጻን ክሸይጥ ተሰማሚዑ ነቲ ገንዘብ ክቕበል ከሎ ብቢቢሲ ዝተቐድሐ ቪድዮ ባዕሉ ምዃኑ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ተኣሚኑ።
ቢቢሲ ኣብቲ መርመራዊ ጸብጻብ ነቲ ኣብ ማማ ሉሲ ኪባኪ ዝተባህለ ሆስፒታል ህፃን ቆልዓ ንምሻጥ ዝተገብረ ፈተነ የቃልዕ እምበር፡ ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ሆስፒታል ግን ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ጥራይ 12 ህጻናት ደሃዮም ከምዝተሰኣነ ንቢቢሲ ቃሉ ሂቡ ነይሩ።
“ብዙሓት ሰባት ብልሹዋት እዮም። ዝኾነ ንኢሸተይ ነገር እንተተዋሂብዎም ዋላ ሓንቲ ኣይዛረቡን” ክብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ዝረአ ዘሎ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ገሊጹ።
ኣብ ኬንያ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ምስ መኻንነትን ዘይውላድካ ምዕባይን ብዝተሓሓዝ ዝመፅእ ተነፅሎን ተሪር ሕግን ንምህዳም ዝተሰርቁ ህጻናት ምዕባይ ከም ኣማራጺ ይወስዱ።
‘ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ’ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝፍፀም ስርቂ ዕሸላት ኣቃሊዑ እምበር፡ ኣብ ኬንያ ግን ኣብ ናይ ብሕቲ ክሊኒካት’ውን መሸጣ ህፃናት ይፍፀም’ዩ።
ብዙሓት ህጻናት ካብ ጎደናታት ብሓይሊ ይጭወዩ፤ ከምኡ’ውን ግዳም ሓደርን ድኻታትን ኣዴታት ደቀን ይምንጠላ።
ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዕሸላት ካብ ዝሽየጡለን ክሊኒካት ሓንቲ፡ ሜሪ ኡማ ብዝተባህለት ውልቀሰብ እትመሓደር ትርከበን።
ኣብታ ክሊኒክ፡ ነፍሰጾራት ገንዘብ ይኽፈላ እሞ ድሕሪ ሕርሲ ዕሸላተን ገዲፈን ይወጽኣ። ሜሪ ኡማ ዝተባህለት ሰበይቲ ድማ ነቶም ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ብመኽሰብ ትሸጦም።
ቢቢሲ ኣብ ምርመራዊ ጸብጻቡ ነዚ ክሊኒክ ምስ ኣቃልዐ ደሃይ ሜሪ ካብ ምጥፍኡ ብተወሳኺ እቲ ክሊኒክ’ውን ተዓጽዩ’ሎ።
ኣሃዛት መንግስቲ ኬንያ ከምዘመልክትዎ፡ ካብ ሓምለ 2014 ክሳብ ሚያዝያ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን 8,841 ህፃናት ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 1,296 ጥራሕ እዮም መሊሶም ምስ ስድርኦም ዝተራኸቡ።
ኣባል ዳይሬክቶሬት መርመራ ገበን ኬንያ ሙኤኒ ሙቲሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ኣብ ሰሙን ብውሕዱ ሓሙሽተ ህጻናት ከም ዝጠፍኡ ዝሕበር ፀብፃብ ይበፅሖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







