ሓላፍነት ስድራ ክጾሩ ዝግደዱ ዘለዉ ሚልዮናት ህጻናት ዓለም

ትምህርቲ እናቋረጹ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝግደዱ ዘለዉ ህጻናት ቍጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ዕድል ሚልዮናት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ሓላፊ ትካል ዕዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ጊልበርት ሆንግቦ፡ ኣብዚ ቍጠባዊ ጸገማት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም "ንድሕሪ ምምላስ" ከምዝተራእየ ገሊጹ።
ገለ ካብቶም ዝኸፍአ ዝበሃሉ ዓይነታት ስራሕ ድማ ጾታዊ ምዝመዛ ዘጠቓልሉ ምዃኖም ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ከምዘድሊ እቲ ዋና ዳይረክተር ኣተሓሳሲቡ።
ድሕሪ ኮቪድ ዝሰዓበ ምውሳኽ ዋጋታት ንብረትን ብሰንኩ ዝበኣሰ ምኽባር ናብራን ንነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዘብጽሕዎ ብምሕባር፡ "ሕጂ ስጕምቲ እንተዘይወሲድና፤ ወሳኒን ቅልጡፍን ስጕምቲ እንተዘይኰይኑ እቲ ጸገም እናሓሰመ [ክቕጽል]'ዩ" ኢሉ።
ኣብ መጀመርታ 2020 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣከበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ኣስታት 160 ሚልዮን ህጻናት ንግዱድ ዕዮ ዝተቓልዑ ነይሮም።
ነዚ ንምውጋድ ዝግበር ዓለማዊ ጻዕሪታትን ምዕባለታቱን ድማ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዘለዎ ደው ከምዝበለ ይሕብር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቶጎ ነበር ሆንግቦ፡ እቲ ዝንባለ ይቕጽል ምህላዉ ኣቐዲሞ ዝተረኽቡ መረዳእታታት ከምዘመልክቱ ይገልጽ።
ንሱ፡ ኲናት ዩክረይን ዘስዓቦ ምውሳኽ ዋጋታት መግብን ጸዓትን ኣብ ወጻኢታት መነባብሮ ብዝፈጠሮ ምፅባብ፡ ንገለ ስድራቤታት "ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ናይ ምምጋብ ወይ ዘይምምጋብ ፍልልይ ከም ዝፈጠረ" ሓቢሩ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ወለዲ፡ ደቆም ንስድራቤት ክሕግዙ ብዝብል ናብ ንግዲ ጾታዊ-ርክብ ክሳብ ምድፍፋእ ዝበጽሑሉ "ዝኸፍአ መልክዕ ዕዮ ህጻናት" ኣምሪሑ ነይሩ።
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ ከተማ ሞምባሳ፡ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ህጻን፡ ነታ ንዓኣን ንኽልተ ኣሕዋታን ዝኸውን መግቢን ክፍሊት ትምህርትን ንምሽፋን ትለፍዕ ዝነበረት ኣደኣ ክትሕግዝ ብምሕሳብ ስራሕ ካብ ምድላይ ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበራ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ገንዘብ ንምርካብ፡ "ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክትድቅስ፡ ክዳውንቲ ክትሓጽብን ጸጕሪ ክትቍንን" ከምዝተገደደት ትዛረብ።
ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ሓደ-ሓደ ግዜ ኣዝዩ ጥሜት ከም ዝስምዓን "ክትጽሕፍ'ኳ ነታ ብርዒ’ውን ከተልዕላ ትጽገም ከምዝነበረትን" ተረድእ።
ኣደኣ ኣብታ ጸባብ መንበሪት ገዛአን ኰይና ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ንውላድካ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ስርሒ ክትብላ ቀሊል ኣይነበረን" ክትብል ትገልጽ።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ስራሕ ምስ ሰኣነት፡ ንስድራኣ ከምዘይከኣለት እትዛረብ እዛ ኣደ፡ ሕጂ ድማ ክዳውንቲ ብምሕጻብ መነባብሮኣ ንምምላእ ትቃለስ ምህላዋ ተዛሪባ።
"ኣዝዩ ልቢ ዝሰብር እዩ። ውላደይ ኣብ መጻኢ ተስፋ ዝዀና ጽቡቕ ስራሕ ንኽትረክብ ልክዕ ከም ካልኦት ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተ ትኸይድ ደስ ምበለኒ ግን ከኣ ዝዀነ ኣማራጺ ስለዘይብለይ ናብቲ ስራሕ ክትወፍር ተገዲዳ” ትብል።
ኣብቲ ንሳተን ዝነብራሉ ከባቢ ንዝርከብ ብንግዲ ጾታዊ-ርክብ ንዝመሓደራ ደቂኣንስትዮ ዘዋፍር ገዛ እትውንን ሰበይቲ፡ ገንዘብ ኣዝዩ ዘድልየን መንእሰያት ኣዋልድ እናበዝሓ ብምምጽአን፡ ንግዳ "ይስስን" ከምዘሎ ሓቢራ።
ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ጊልበርት ሆንግቦ፡ እቲ ብዝሒ ናብ ስራሕ ዝዋፈሩ ህጻናት ኣብተን ትሑት ማእከላይን ልዑልን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝረአ ኰይኑ ብስፍሓት ድማ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፡ ዕደናን ህንጻን ይርአ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ብንጹር ኣብ ወሳኒ ህሞት ኢና ዘለና” ብምባል " እቲ ሱር ጠንቂ ድማ ድኽነት'ዩ" ኢሉ።
ዳይረክተር መደብ ማሕበራዊ ፖሊሲን ማሕበራዊ ሓለዋን ዩኒሴፍ ናታልያ ዊንደር-ሮሲ ብወገና፡ "ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ተስፋ ምቝራጽ ተበጊሶም፡ ንግዚኡን ንነዊሕ እዋንን ንህጻናት ዝጸሉ ከቢድ ምርጫታትን ኣሉታዊ ናይ ምጽዋር ስትራተጂታትን ክጥቀሙ ግድን ይዀኖም" ክትብል ተረድእ።
ቢቢሲ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ንህጻናት ብኸመይ ይጸልዎም ከምዘሎ ንምዕዛብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ከተማ ሲዶን፡ ህጻናት ስድራቤቶም ንምድጋፍ ትምህርቶም ከምዘቋረጹ ገሊጾም።
"ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን መምህር ክኸውን እየ ዝምነ ነይረ። [ሕጂ] ምምናይ ኣቋሪጸዮ" ክትብል ኣብ ምጽራይ ኣባይቲ እትሰርሕ ጓል 14 ዓመት ኣላኣ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ዩኒሴፍ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ሊባኖስ ካብ ዝርከባ 10 ስድራቤታት ልዕሊ ሓንቲ ቈልዑ ናብ ስራሕ የዋፍራ። እታ ሃገር ዳርጋ ፍጹም ውድቀት ቍጠባ እዩ ኣጋጢምዋ ዘሎ።
"ብርግጽ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ምደለኹ፤ ኣብ ከምዚ ኵነታት ግን መን እዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ዝሓስብ? ንስድራኻ ዘድሊ ነገራት ከተማልእ ኣለካ። ኣነ ተጨናኒቐ ኣለኹ... ግን ክጻወሮ ኣለኒ" ይብል ኣብ መንገዲ ንዝሓልፋ መካይን ሶፍት ዝሸይጥ ወዲ 15 ዓመት መሓመድ።
ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ጊልበርት ሆንግቦ፡ እቲ ኵነታት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" እኳ እንተዀነ ፍታሕ ክረክብ ከምዝኽእል ግን ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኣብ ትምህርቲ፡ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ዘይሕጋውያን ኢንዱስትሪታት ምቍጽጻርን ዘተኮሩ ፖሊሲታት ካብቶም ክውሰዱ ዝኽእሉ ስጕምትታት ምዃኖም ድማ ኣረዲኡ።
መንግስታት "ሕጂ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም" ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



