ሓደ ቱርካዊ ን11,196 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ቱርካዊ ሓላፊ ማንዛዊ ባጤራን (ክሪፕቶካረንሲ) ክልተ ኣሕዋቱን ንኣውፈርቲ ሚልዮናት ዶላር ብምትላሎም ነፍሲ ወከፎም ን11,196 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።
ወዲ 29 ዓመት ፋሩክ ፋቲህ ኦዘር ኣብ 2021 እቲ ‘ቶዴክስ’ ዝተሰመየ ናይ ሸርፊ ንጥፈታቱ ሃንደበት ክስራን ምስ ኣጋጠሞ ናብ ኣልባንያ ሃዲሙ ኔሩ።
ንሱ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ቱርኪ ተመሓላሊፉ ክዋሃብ እንከሎ ብሕጽቦ ገንዘብ፡ ምትላልን ዝተወደበ ገበናትን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ኦዘር ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማኡ ንገበን ኔሩ እንተዝኸውን “ብኸምዚ ተልመዴናዊ ኣገባብ ኣይምሓዝክዎን” ምባሉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ኣናዶሉ ጸብጺባ።
“ኣነ ኣብ ምድሪ ንዝርከብ ዝኾነ ትካል ክመርሕ ዝኽእል በሊሕ እየ፤ እዚ ኣብቲ ወዲ 22 ዓመት እንከለኹ ዝመስረትክዎ ትካል ምርኣይ ይከኣል” ኢሉ።
እቲ መጋባእያ፡ ሓፍቱ ሴራፕን ሓው ጉቨንን እውን ብተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺብዎም።
እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ልዕሊ 2027 ግዳያት በብመገዶም ብዝፈጸምዎ ብርክት ዝበለ ገበናት እዩ ብይን ሂቡ።
ኣብ ቱርኪ ኣብ 2004 መቕጻዕቲ ሞት ካብ ዝስረዝ ንደሓር፡ ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ምሃብ ልሙድ እዩ።
ኣብ 2022፡ ኣድናን ኦክታር ዝተባሃለ፡ ሰባኺ ሓደ ጉጅለ እምነት፡ ብምትላልን ጾታዊ ገበናትን ን 8,658 ዓመታት ተፈሪዱ። ዓሰርተ ሰዓብቱ’ውን ተመሳሳሊ ብይን ተዋሂቦም።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኦዘር 40,562 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ምሕታቶም ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ቱርካውያን፡ ባጤራ ሊራ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ኣዝዩ ከንቆልቁል ምስ ጀመረ ብብዝሒ ክሪፕቶካረንሲ ክጥቀሙ ጸኒሖም ኣለው።
‘ቶዴክስ’ ኣብ 2017 ዝተመስረተ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ ዝዓበዩ ሸርፊ ማንዛዊ ባጤራታት ክኸውን በቂዑ እዩ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ግና እቲ መድረኽ ሃንደበት ወዲቑ። ርእሰ-ማል ኣውፈርቲ ክስወር እንከሎ፡ ኦዘር ተሸሪቡ።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኢንተርፖል ብዝተዋሃበ ዓለምለኻዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣብ ኣልባንያ ተታሒዙ ድሕሪ ነዊሕ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ቱርኪ ተዋሂቡ።
መራኸቢ ብዙሓን ቱርኪ፡ ኦዘር ክሳዕ 2ቢልዮን ዝግመት ርእሰ-ማል ሒዙ ከምዝተሰወረ እየን ጸብጺበን ኔረን።
ብኣኽባር ሕጊ ዝቐረበሉ ክሲ ግና፡ ቶዴክስ ክሳዕ 356 ሚልዮን ሊራ ዝግመት ገንዘብ ኣውፈርቲ ከምዘጥፈአ ይገልጽ።
እዚ ኣብቲ እቲ ውድቀት ዘጋጠመሉ እዋን ከባቢ 43 ሚልዮን ዶላር ዝግመት እኳ እንተነበረ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ዝቕባበን ውድቀት ሊራን 13 ሚልዮን ዶላር እዩ ዝሽረፍ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







