ቻይና ‘ክሪፕቶከረንሲ’ ዘይሕጋዊ’ዩ ኢላቶ

ቻይና 'ክሪፕቶከረንሲ' ዘይሕጋዊ'ዩ ኢላቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ማእኸላይ ባንኪ ቻይና ንቢትኮይን ሓዊስካ ዝኾነ ይኹን ብክሪፕቶከረንሲ ዝካየድ ዋጋ ዕዳጋ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

"ቨርቹዋል ባጤራ ተጠቒምካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዕድጊት ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ'ዩ" ክብል ህዝባዊ ባንኪ ቻይና ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ። "እዚ መስርሕ ውሕስነት ንብረት ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእተወ'ዩ" ክብል'ውን ኣጠንቀቑ'ሎ።

ቻይና ካብ ዓለም ካብተን ቀንዲ ዕዳጋ ክሪፕቶከረንሲ [ዲጂታላዊ ባጤራ] ከምዝኾነት'ዩ ዝንገር። ናይ ክሪፕቶከረንሲ ዕዳጋ ብሰንኪ ውሳነታት ጸለውቲ ውልቀ ሰባትን መንግስታትን ዋጋኡ ክወርድን ክድይብን ይርአ።

ድሕሪ እቲ ቻይና ትማሊ ዝወሰነቶ ውሳነ ስዒቡ ዋጋ ሓደ ቢትኮይን [ሓደ ካብ ዓይነታት ዲጂታላዊ ባጤራ] ዋግኤ ብ 2 ሽሕ ዶላር ከምዝነከየ ክፍለት ተኻኢሉ።

ቻይና ኣብ 2019 ክሪፕቶከረንሲ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኣጊዳ'ኳ እንተነበረት እንተኾነ እቲ ዕድጊ ብናይ ሸርፊ ወጻእ ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

መንግስቲ ቻይና ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ተራእዩ። ካብኣቶም ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት መንግስታውያን ትካላት ብክሪፕቶከረንሲ ንዝካየዱ ዕደጋታት ውሕስና ከምዘይህቡ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ባንክታት ኮነ ካልኦት መሳለጥያታት ክፍሊት ብናይ ክሪፕቶከረንሲ ዝካየዱ ናይ ገንዘብ ልውውጥ ደው ከብሉ መንግስቲ መምርሒ ኣውሪዱ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ከረንሲ ናይ ምፍራይ ተግባራት ምእጋድ ድማ እቲ ካልእ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ትማሊ ካብ ማእኸላይ ባንኪ ቻይና ዝተውሃበ መግለጺ፡ እታ ሃገር ብክሪፕቶከረንሲ ዝካየድ ዕድጊ ምሉእ ብምሉእ ክተቋርጾ ከምዝወሰነት ዘመላኽት'ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝተውሃበ መግለጺ ኣብ ክሪፕቶከረንሲ ዝሳተፍ ሰብ ብገበን ክሕተት'ዩ። ነዚ ኣገልግሎት ዘካይዱ ናይ ወጻኢ ትካላት ኢንተርኔት'ውን እንተኾነ ዘይሕወዊ ንጥፈት ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።

መግለጺ ቪድዮ, 'ክሪፕቶካረንሲ' ኣዘራራቢ ዲጂታላዊ ባጤራ።