ኢልሳልቫዶር፡ ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ዝወሰነት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃገረ ኢልሳልቫዶር ንቢትኮይን ዝተብሃለ ዲጂታላዊ ባጤራ ሕጋዊ መተዓዳዳጊ ክኸውን ዝወሰነት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና።
ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብፕረዚደንት ናይብ ዝመጽአ ሓሳብ ብሰሉስ ድሕሪ ምክታዕ 84 ደገፍ 62 ተቃውሞ ብምስማዕ ቢትኮይን ከም ዝኾነ ዓይነት ባጤራ [ገንዘብ] መተዓዳደጊ ክኸውን ምውሳኖም ተገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ውሳነ ነታ ሃገር ታሪኻዊ ምኳኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ናብ ሃገሮምን ስድርኦምን ሰልዲ ንኽሰዱ ዝቐለለ መንገዲ ተጣጢሕሎም ምህላዉ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ድሕሪ 90 መዓልታት ማዕረ ማዕረ ዶላር ናይታ ሃገር ኣብ ዕደጋ መሸጥን መለወጥን ክኸውን እዩ።
ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢልሳልቫዶር ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዓል ትካል ክፍሊት ብቢትኮይን ክቕበል ክግደድ እዩ።
ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድምጾም ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ትዊተር "ቢትኮይን ቁጠባዊ ድንፈዐን ቱሪዝማዊ መስሕብን ከምጽኣልና እዩ" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ቢትኮይን ከም ሕጋዊ ባጤራ ምጥቃም ነቶም ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ሕሳብ ናይ ባንኪ ዘይብሎም ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ዝሓሸ ዕድል ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ቁጠባ ኢልሳልቫዶር 20 ሚኢታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ካብ ዝሰድዎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እዩ ዝምርኮስ።
ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ኣብ ስደት እዩም ዝነብሩ፡ ምስ መበቆል ሃገሮም ዘለዎም ጥምረት ግን ኣዝዩ ተሪር እዩ። ዓመታዊ ኸኣ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ናብ ስድርኦም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዝልእኹ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







