ኢልሳልቫዶር፡ ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ዝወሰነት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና

ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢልሳልቫዶር ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዓል ትካል ክፍሊት ብቢትኮይን ክቕበል ክግደድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢልሳልቫዶር ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዓል ትካል ክፍሊት ብቢትኮይን ክቕበል ክግደድ እዩ

ሃገረ ኢልሳልቫዶር ንቢትኮይን ዝተብሃለ ዲጂታላዊ ባጤራ ሕጋዊ መተዓዳዳጊ ክኸውን ዝወሰነት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና።

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብፕረዚደንት ናይብ ዝመጽአ ሓሳብ ብሰሉስ ድሕሪ ምክታዕ 84 ደገፍ 62 ተቃውሞ ብምስማዕ ቢትኮይን ከም ዝኾነ ዓይነት ባጤራ [ገንዘብ] መተዓዳደጊ ክኸውን ምውሳኖም ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ውሳነ ነታ ሃገር ታሪኻዊ ምኳኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ናብ ሃገሮምን ስድርኦምን ሰልዲ ንኽሰዱ ዝቐለለ መንገዲ ተጣጢሕሎም ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ድሕሪ 90 መዓልታት ማዕረ ማዕረ ዶላር ናይታ ሃገር ኣብ ዕደጋ መሸጥን መለወጥን ክኸውን እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, 'ክሪፕቶካረንሲ' ኣዘራራቢ ዲጂታላዊ ባጤራ።
Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢልሳልቫዶር ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዓል ትካል ክፍሊት ብቢትኮይን ክቕበል ክግደድ እዩ።

ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድምጾም ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ትዊተር "ቢትኮይን ቁጠባዊ ድንፈዐን ቱሪዝማዊ መስሕብን ከምጽኣልና እዩ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ቢትኮይን ከም ሕጋዊ ባጤራ ምጥቃም ነቶም ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ሕሳብ ናይ ባንኪ ዘይብሎም ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ዝሓሸ ዕድል ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ቁጠባ ኢልሳልቫዶር 20 ሚኢታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ካብ ዝሰድዎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እዩ ዝምርኮስ።

ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ኣብ ስደት እዩም ዝነብሩ፡ ምስ መበቆል ሃገሮም ዘለዎም ጥምረት ግን ኣዝዩ ተሪር እዩ። ዓመታዊ ኸኣ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ናብ ስድርኦም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዝልእኹ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብር።

መግለጺ ቪድዮ, "ብቢትኮይን ሓደ ሚልዮን ዶላር ረኺበ"