ክሪፕቶካረንሲ፡ 600 ሚሊየን ዶላር ዝሰረቐ ሰርሳሪ እቲ ገንዘብ ንዋንኡ መሊሱ

ኮምፒዩተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

600 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ ዝሰረቐ ሰርሳሪ ኮምፒዩተር መብዛሕትኡ እቲ ዝሰረቖ ገንዘብ ንሰብ ዋና ከም ዝመለሰ ተገሊጹ።

ትማሊ፡ ፖሊ ኔትዎርክ ዝተባህለ ብቢትኮይንን ካልእ ዓይነት ክሪፕቶካረንስን ዝካየድ ምልውዋጥ ሃብቲ ዝከታተል ትካል 268 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ኢተር ዝተባህለ ክሪፕቶካረንሲ ከም ዝተመለሰ ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ድማ እቲ ሰርሳሪ 342 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ ከም ዝመለሰ ተሓቢሩ።

እቲ ኮምፒተር ጠሊፉ ዝደልዮ ሓበሬታ ምስ ወሰደ ካብቲ ትካል ካሕሳ ዝሓትት ዘሎ ውልቀሰብ ነቲ ፖሊ ኔትዎርክ ዝተባህለ ትካል ዝሰረቐሉ ምኽንያት ወግዓዊ ገይሩ'ዩ።

እቲ ኩባኒያ ድማ እቲ ሰርሳሪ 600 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ እንተመሊሱ፡ ፍርቂ ሚሊየን ዶላር ከም ዝህቦ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ይኹን'ምበር እቲ ሰርሳሪ ነቲ ገንዘብ ከም ዘይደልዮ ተዛሪቡ።

እዚ ጉዳይ ድማ ንሰብ ሞያ ድሕነት ሳይበር ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ትካል ፖሊ ኔትዎርክ "ሕጂ'ውን ኣብ ኢድ እቲ ሰርሳሪ 33.4 ሚሊየን ዶላር ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ቴዘር ዝተባህለ ክሪፕቶካረንሲ ነቲ ምዝውዋር ስለ ዝዓገቶ'ዩ" ክብል ኣብ ለንደን ዝርከብ ተንታኒ ክሪፕቶካረንሲ ተዛሪቡ።

እዚ ገንዘብ ግን ዝምለስ ድዩ ብካሕሳ ነቲ ሰርሳሪ ዝተበዋህበ'ዩ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን።

ዕዳጋ ዲጂታላዊ ባጤራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰርሳሪ ንክዛነን ፖሊ ኔትዎርክ ሓለውኡ ንከጠናኽርን ብዝብል ነቲ ገንዘብ ከም ዝሰረቖ ይዛረብ።

ፖሊ ኔትዎርክ ዋላ'ውን ናይዚ ውልቀሰብ መንነት እንተዘይፈለጠ 'ሚስተር ዋይት ሃርት' እናበለ ይጽውዖ ኣሎ።

ዋይት ሃርት ዝተባህሉ ሰርሰርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኮምፒዩተር ብምጥላፍ ትካላት ናይ ድሕነት ስርዓቶም ንኸጠናኽሩ የተሓሳስቡ።

ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ልክዕ ኣብ ፖሊ ኔትዎርክ ብዝበጽሐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ኣጋጢሞም'ዮም።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 11 ሚሊየን ዶላር ዝሽረፍ ይርን ፋይናንስ፣ 37 ሚሊየን ዶላር ኣልፋ ፋይናንስ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ 32 ሚሊየን ዶላር ዝግመት መርካት ፋይናንስ ተሰሪቖም'ዮም።