ጀርመን፡ ልዕሊ 220 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, AP
ብቐዳም 16 መስከረም፡ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት - ጀርመን - ክጅምር ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ 228 ዝዀኑ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ምስ ፖሊስ ብምግጫው ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ።
እቲ ፈስቲቫል ብደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ፖሊስ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተጻረርቲ ጕጅለታት ኣብ ዝተፈጥረ "መጠነ ሰፊሕ ግጭት" ከምዝተጸምዱ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ካርስተን ሆፍለር ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብ መግለጺኡ፡ መጠን ይዅን ዕምቈት እቲ ግጭት ኣቐዲሙ ትጽቢት ዘይተገብሮን፡ ዝተገመተ ከምዘይነበረን ኣረዲኡ።
ኣብቲ ግጭት፡ ኣባላት ፖሊስ ብዝተፈላለየ ነገራት፡ ሓጻውን በትሪ፡ ጠራሙዝ፡ ኣእማን፡ መሳምርን ካልእን መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም እቲ ኮሚሽነር ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሰንኪ’ዚ፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ክህረሙ እንከሉ፡ ሽዱሽተ ካብኣቶም ሆስፒታል ከምዝኣተዉ፤ ካብ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት እውን ዓሰርተታት ዝዀኑ ከምዝተሃርሙን፡ ኣርባዕተ ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ መደብን ክልተ ሰልፈኛታትን ተቓወምቲ ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ንጸብጻብ ፖሊስ ተወኪሱ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ጽንኵርነት መጕዳእቶም ብዝምልከት ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ብዘይካ'ዚ ምስቲ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ፡ 228 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ሰበስልጣን እታ ከተማ ድማ ነቲ ዓመጽ ብትሪ ኮኒኖም።
ከንቲባ ከተማ ሽቱትጋርት ፍራንክ ኖፐር ነዚ ኣመልኪቱ፡ "ኣንጻር’ቲ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ኣብ መሬት ጀርመን ዝፍጠር ግጭታት ቈራጽ ስጕምቲ ክንወስድ ኣለና" ክብል ንማዕከን ዜና ጀርመን ዲፒኤ ሓቢሩ።
እቲ ህውከት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ይዅን ፈስቲቫላት ኣብ ዝካየዱሉ ኣጋጣሚታት፡ ብማሕበረሰብ ዲያስፖራ ግጭት ከሰንዮም ተራእዮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, EVN
ኤርትራ፡ ዓፋኒት፡ ብሓደ ሰልፊ እትመሓደርን፡ ልዑል ወተሃደራዊ ሕብረተሰብ ዘለዋን፡ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም እያ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ሃዲሞም ከምዝሰደዱ፡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ትካል፡ ኤርትራ - ካብ ሰሜን ኮርያ እውን ዝዀፍአ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር፡ ኣመና ድሩት፡ ከቢድ መንግስታዊ ቍጽጽር ዝግበረሉ ሕትመትን ተበጻሕነትን ዘለዋ ሃገር ምዃና እዩ ዝሰርዓ።
ኣብ ነሓሰ፡ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኻየደ ባህላዊ ኣጋጣሚ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም፡ ቴንዳታትን ዳሳትን ፈስቲቫል ብሓዊ ተቓጺሎም።
ኣብ ሓምለ እውን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ፡ ተቓወምቲ ነቲ መደብ "መንግስቲ ንፕሮፓጋንዳዊ ዕላማታቱ ዝግልገለሉ እዩ" ብምባል ድሕሪ ዝፈጠርዎ ዕግርግር፡ ፖሊስ ጀርመን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ራብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንምስጓግ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ፖሊስ እስራኤል፡ ነቲ ብ3 መስከረም ዝተኻየደ ፍጻመ ንምቍጽጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ናዕበኛታት፡ ‘ስተን’ ቦምባታት፡ ዘንብዕ ጋዝን ጫፍ ናይ ሓሶት ጠያይትን ክጥቀሙ ተገዲዶም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ደገፍትን ተቓወምትን ድሕሪ ዝፈጠርዎ ግጭት ተሰሪዙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







