ስለምንታይ እዩ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ናብ ደማዊ ናዕቢ ተቐይሩ?

ምንጪ ስእሊ, getty images
ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞን ሰላማዊ ሰልፍታትን ክረአ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ከኣ ንእለቱ ብሓይሊ እዩ ዝቑጸ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ግን ኣንጻር ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።
እቶም ሰልፈኛታት ከኣ፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር፡ ኣብዝሓ ሰልፍታት ክፍቀድ፡ ፖለቲካዊ ምህዳር ክሰፍሕ፡ ብፖለቲካዊ ርእይቶኦም ዝተኣሰሩ ክፍትሑ፡ ጠንቂ ስደት ብዙሓት መንእሰያት ዝዀነ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕ ዝብል ተደጋጋሚ ጻውዒታት የስምዑ።
ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ኣካላዊ ጉድኣት ዘኸትል ከቢድ ናዕብን ጎንጽን ኣጋጢሙ እዩ።
ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጀርመን ዓመታዊ ፈስቲቫል ጊሰን ኣዳልዮም ነይሮም። ኣብ መንጎ ኣዳለውቲን ነቲ ፈስቲቫል ንምብታን ዝተንቀሳቐሱ መንእሰያትን ናዕቢ ምስ ተላዕለ 26 ፖሊስ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ቆሲሎም። ብዙሓት ድማ ተኣሲሮምን ተኸሲሶምን።
ብ3 ነሓሰ 2023 ኣብ ሽወደን ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ ሽሕ ሰልፈኛታት ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሰቢሮም ኣጥቂዖም። በቲ ዓመጽ ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም። ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝተሓሰበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ተቛሪጹ። ኣብ ከም በዓል ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ፡ እቲ ፈስቲቫል ናብ ዓመጽ ከይምርሕ ብዝብል ስግኣት ከይካየድ ተኣጊዱ።
ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ናዕቢ ድማ ኣብ ተልኣቪቭ እስራኤል ኣጋጢሙ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መንጎ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘጋጠመ ናዕቢ ዓቢ ዕንወትን ጉድኣትን ስለዘኸተለ ኣቓልቦ ሚድያታት ስሒቡ፤ ንእስራኤል’ውን ኣቖጢዕዋ።
ኤልሳ ጭሩም፡ ንሳን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ እስራኤል፡ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ይፋጠጡ ስለዘለው፡ ዝኾነ ጉድኣት ከይሰዓበ እንከሎ ናብ ፖሊስ እስራኤል ደብዳበ ጽሒፎም እኳ እንተነበሩ ርእይተኦም ስለዘይተሰምዐ እቲ ክስተት ከምዘጋጠመ ሓቢራ።
ድምጽና ኣይተሰምዐን ዝበሉ ኣማኢት ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ መደብ ንምትዕንቓፍ፡ ነቲ በዓል ዝካየደሉ ቦታ ድሕሪ ምውራሮም ከኣ እቲ ናዕቢ ተጓሃሂሩ።
ፖሊስ እስራኤል ነቲ ዓመጽ ንምቁጽጻር ጥይት፣ ዘንብዕ ጋዝን ፕላስቲክ ጥይትን ክተኩሱ ተገዲዶም።
እቲ ግጭት እናገደደ ብምኻዱ፡ እቶም ስደተኛታት ብእምኒ፡ በትሪን ሓጺንን ነንሕድሕዶም ብጭካነ ክዋቕዑ ተራእዮም። መካይንን መሳኹትን እውን ሰቢሮም።
ነበርቲ እቲ ካባቢ፡ ጎደናታት ተልኣቪቭ ንሰዓታት ዓውደ ውግእ መሲሉ ከምዝተራእዮም፡ ደወል ህጹጽ ኩነታት ከምዝሰምዑን ሓንቲ ሄሊኮፕተር እውን ክትሕንበብ ከምዝረኣዩን ገሊጾም።
ልዕሊ 170 ስደተኛታትን ልዕሊ 50 ፖሊስን ክቖስሉ እንከለዉ ኣብ ንብረት እውን ከቢድ ጉድኣት በጺሑ።
ድሕሪ እቲ ግጭት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ "ቀይሕ መስመር ተጣሒሱ" ብምባል ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኤርትራውያንን ካልኦት ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያንን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ምዃኖም ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ዘቖምናዮ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ንምስጓግ ዘጠቓልል ስጉምትታት ክውሰድ ሓቲትና ኣለና። ደገፍቲ እቲ ስርዓት፡ ‘ንሕና ስደተኛታት ኢና ክብሉ ኣይክእሉን እዮም’። እንተድኣ ደጊፎሞ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።
ሓደ ኤርትራዊ-እስራኤላዊ በዓል ድኳን፡ ነቲ ኩነታት "መዓት" ክብል ገሊጽዎ።
“እቲ ኩነታት ኣሰንቢዱና። ሕፍረትን ሓዘንን ተሰሚዑና። ውሕስነት ኣይስምዓናን ዘሎ። ናበይ ክንከይድ ንኽእል? ዋላ'ኳ ኣብ ሃገርና ካብ ዘሎ ስቓይ እንተሃደምና፡ እቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ግን ኣፍና ክዓጽወና ይሃድነና’ሎ" ኢሉ።
ካልእ ኤርትራዊ ድማ "ብዙሓት ዝተጎድኡ ሰባት ምርኣየይ የሕዝነኒ፡ ምኽንያት ክልቲኦም ወገነይ’ዮም” ኢሉ።
ስለምንታይ እዩ ተቓውሞታት ናብ ጎነጽ ክምዕብል ጀሚሩ?
ኣብ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝሰርሕ ዝነበረን ኣብ እንግሊዝ ንሳልሳይ ዲግሪ ፖለቲካ ዲያስፖራ ዝመሃር ዘሎን ዘርአስላሴ ረዳኢ ሸከር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጥዐ 'ድምር ናይ ብዙሓት ጸገማት' ክብል ይገልጾ።
"ድሕሪ ናጽነት ንነዊሕ ዓመታት፡ ብፍላይ ካብ 1998 ጀሚሩ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክገብሮ ዝጸንሐ ግህሰት፡ ውጽኢት ናይቲ ንህዝቢ ዝነጸለን ዝኸፋፍልን ኣካይዳ እቲ ስርዓት'ዩ" ይብል።
ኣብ ኤርትራ ተሃድሶን ዲሞክራስን ክህሉ ዝጠለቡ ብጂ-15 ዝፍለጡ መራሕቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ኣብ መስከረም 2001 ብመንግስቲ ተኣሲሮም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ኣይተፈልጠን።
እታ ሃገር ጎኒ ጎኒ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ናጽነት፡ መሰል ዜጋታታ ብምግሃስ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ።
ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ካብታ ሃገር ክስደዱ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ኤርትራ ግና እተን ትካላት ናይ ምዕራባውያን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ምዃና ብምግላጽ ነቲ ስደት ንፖሊሲታት እተን ሃገራት ትወቅስ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራብ ለንደን ፕሮፌሰርን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኪምን ሰላም ኪዳነ ብወገና፡ መንግስቲ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዲያስፖራ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጠንቂ ተቓውሞን ናዕብን ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኤርትራውያን ኣብ ዝተሰደዱለን ሃገራት ዝርከቡ ማሕበረሰባት "ናይ ገዛእ ርእስኹም ፕሮፖጋንዳ ብፍላይ ድማ ጽልእን ኲናትን ከተካይዱ ኣይንፈቅደልኩምን ኢና" ክብሉ ከም ዝጸንሑ ትዛረብ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍቲ መንግስትን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ "ንኹሉ ኤርትራዊ ዝጎድእ ክኸውን የብሉን" ክብል ተመራማሪ ፖለቲካ ዲያስፖራ ዘርአስላሴ የብርህ።
እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጎነጻዊ ናዕቢ፡ እቲ ሰላማዊ ምንቅስቓሳት ፍረ ከየምጸአ ስለዝተረፈ ዝሰዓበ ምዃኑ ይዛረብ።
"እቲ ስርዓት ናብ ልቡ ክምለስ፡ ጸገማት ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ክፈትሑን ከምኡ’ውን ስልጣን ንህዝቢ ከረክብን ብጽሑፍ ይኹን ብመግለጺ ጻውዒት ቀሪቡ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ስራሕቲ ምንቅስቓሳት ተገይሮም እዮም። እቲ ስርዓት ግን ኣይሰምዕን ዘሎ። ምዝመዛ እናቐጸለን ተቓውሞ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓውሞ ክውስኽ ባህርያዊ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝነብሩ መናእሰያት ብዙሓት ሰልፍታት ይካየዱ’ኳ እንተለው፡ እቶም ሰልፍታት ዘይተወደቡን እቶም ዘተሓባብሩ’ውን ዘይፍለጡን ከም ዝዀኑ’ዩ ዝገልጽ።
“ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ብባህሪኦም ኣድማሳዊ እዮም። እቲ ምንቅስቓስ ኩሎም ተቓወምቲ እቲ ስርዓት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ጎስጎስቲ፡ ደለይቲ ፍትሕን ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ዘለዎ በብከባቢኡ ዝተወደበ እዩ” እዩ ዝብል።
"ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣለዉ” እትብል ሰላም፡ ንኣብነት ኣብ ለንደን ተቓውሞ ንምውዳብ “ብዙሓት መንእሰያትን ኣዴታትን እዮም ዝረኣዩ ነይሮም" ትብል።
“ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ስራሕ ይሰራሕ’ዩ። ብዙሕ ሓሳባትን ሃብቲ ናይ ምእካብ ዓቕምን እውን ተፈጢሩ እዩ። ሓደ ኣተሓባባሪ ዘለዎ’ዩ ምባል ግን ኣይከኣልን” ትብል።
ኣብ እስራኤል ዘሎ ኵነታት’ውን ተመሳሳሊ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
ኣብ መንጎ እቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ደጋፊ መንግስቲ ክህሉ የብሉን ትብል ሰላም፡ “ካብ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ናይቲ መንግስቲ ሃዲምና ዝመጻና ኢና እዮም ዝብሉ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ቅድሚ እቲ ስርዓት ዝመጽኡንን ዝተወልዱን እውን ኣለዉ። ኣብ እስራኤል ግን ኩሎም ሃዲሞም ዝመጽኡ እዮም። ደጋፊ ክህሉ ኣይግባእን’ዩ ነይሩ" እያ ትብል።
መንግስቲ “ንኣሽቱ ፍልልያት ተጠቒሙ ዓበይቲ ጽልእታት ክህሉን ናይ ገዛእ ርእሱ ፕሮፖጋንዳ ከካይድን ስለዝፈተነ” እቲ ግጭት ከም ዝተፈጥረ ከኣ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ንተኸታታሊ መዓልታት "መንግስትን ደገፍቱን 'ንዳሎ ኣለና፡ ከነርእዮም ኢና' ይብሉ ነይሮም። 4ይ ግንባር ዝተባህለት ጉጅለ ኣላትና ጽቡቕ ጌራ ክትከላኸለልኩም እያ፤ 'ሓንቲ ልቢ' እትበሃል ጉጅለ ከተሰልጥናን ክትሕግዛን ዘርእዩ ቪድዮ፡ ስእልታትን ጽሑፋትን'ውን ክዝርጋሕ” ከም ዝጸንሐ ትሕብር።
እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ዝጽውዑሉ "ብርጌድ ንሓመዱ" ዝብል ስም፡ ብሓሳብ፡ "ሃገረይ፡ መሬተይ፡ ህዝበይ ሓራ ከውጽእ እየ" ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎ ኣቶ ዘርኣስላሴ የረድእ።
ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኣብ ዝተመቓቐሉሉ እዋን፡ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ ናዕብን ጎነጽን ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣብ 2019 ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ተመሳሳሊ ናዕቢ ኣጋጢሙ፡ ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ዝዀነ ሓታቲ ዑቕባ ተጎዲኡ ነይሩ።
ስለምንታይ ግን እቲ ግጭት ነቶም ስደተኛታት ስግኣት ኰይኑ?
ኣብዚ እዋን መብዛሕቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ልዕሊ 18 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ከም ዝነብሩ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን መንግስቲ እስራኤል፡ ንብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስዱዳት እዮም ብምባል ክሰጎም ፈታቲኑ ነይሩ። እንተኾነ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ስለዝተቓወመ ኣይተተግበረን።
ሰላም፡ እቶም ኣብ እስራኤል ስደተኛታት ዘይደልዩ ውድባት ነቲ ዕድል ስለ ዝጥቀሙሉ፡ እቲ ግጭት ጽልዋ ከም ዝህልዎ ትኣምን።
"ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ ናብቲ ዝመጸሉ ቦታ ክምለስ ኣይክእልን'ዩ" ትብል። እቶም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሰርሑ ዝነበሩን ንወገናቶም ከጥቅዑ ዝተዳለዉን ብዙሕ ቅሬታ ከምዘይስመዓ እትገልጽ ሰላም፡ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝኸዱ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ግን ተመልክት።
“እቶም ዝድግፉ ዘለው ስለዘይጠዓሞም እዮም ተሰዲዶም" ትብል። ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝሰርሕ ዝነበረ ዘርአስላሴ፡ "ሕጊ ዑቕባ እስራኤል ሓለዋ ኣይህብን'ዩ። ነቶም ስደተኛታት ንምስጓግ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ነገር ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን ዝብል ትረኻ ይጥቀሙ ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ንምንታይ እዩ እቲ ተቓውሞ ካብ ሃገር ወጻኢ ሓይሉ?
እቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጠቒሙ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ሕጋውን ሕቶታት ንዘልዕሉ፡ "ጸላኢ ሃገር ገይሩ ናይ ምጥቃዕ ባህሪ ስለዘለዎ’ዩ ኣብ ወጻኢ ሃገራት (ፖለቲካዊ ናዕቢ) ንርኢ ዘለና" ይብል።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኰይኑ እቲ ተቓውሞ ምናልባት ናብታ ሃገር ክዝርጋሕ ይኽእል’ዩ ክብል ይግምት።
"ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ነቲ መንግስቲ እንተተቓዊሞም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ'ውን ነቲ ስርዓት ክቃወምዎ እዮም። ግን መዓስ ክራኸብ’ዩ ዝብል ናይ ግዜ ጉዳይ'ዩ" ክብል የመልክት።
ካብ ሃገር ወጻኢ ብዙሓት ተቓውሞታት ከም ዝተኻየዱ ዝገለጸት ሰላም፡ 'ጽልዋ ዝነበሮምን ዘይነበሮምን' ተመኩሮታት ከም ዘለዉ ተመልክት።
እቲ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ናዕቢ ኣብ መላእ ዓለም ብማዕከናት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ድማ ትግምት።
ጠንቂ’ቲ ተቓውሞ ዝዀነ ምድላው ኤምባሲ ኤርትራን ደገፍቱን
"ንኣብነት፡ ኣብቲ ዝዳሎ ፌስቲቫላት፡ ነቲ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ጸገም ብዋዛን መስሓቕን ምግላጽ፡ ንህጻናት ወተሃደራዊ ክዳን ከዲንካ ኣጽዋር ዝመስል መጻወቲ ብምሃብ ፕሮፖጋንዳ ምስራሕ ንዝዀነ ሰብ ዘርብሕ ስለዘይኮነ ክንቃወሞ ይግባእ” ትብል ዶክተር ሰላም ኪዳነ።
ኣብ ከም በዓል ዓዲ እንግሊዝ ዝኣመሰላ ሃገራት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ምድላው ምእጋዱ "ጽቡቕ ውጽኢት" እዩ ክትብል ከኣ ትገልጾ።
መንግስቲ ኤርትራኸ እንታይ ይብል?
ብመንግስቲ ኤርትራ እተውነን መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ብ5 መስከረም 2023 ኣብ ዘሕተመቶ ሓጺር ጽሑፍ፡ ገለ ሃገራት ነቲ ባህላዊ በዓል ንምዝራግ፡ ነቲ ዓመጽ "ከተባብዑ ተራእዮም" ክብል ብምኽሳስ ንስለያ ትካል እስራኤል ሞሳድ እውን ወቒሱ።
"ብዘይስዓር ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰናበዱ ዓበይቲ ትካላት ስለያ (ሞሳድ ሓዊሱ) ውሑዳት ጕጅለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ዝኣለምዎ ሸርሒ’ዩ" ብምባል ከኣ ብቀጻሊ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝህብ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







