እቲ ‘በዓል ሽጉጥ’ ተኣሲሩ - ኤርትራ ‘ኢድ ሞሳድ ኣሎ’ ትብል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብቲ ብቀዳም 2 መስከረም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጻ ኣለዋ።
ቢቢሲ’ውን ነዚ ካብ ምንጭታቱ ከረጋግጾ ክኢሉ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ እዋን ናዕቢ "ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ምሓዙ ተጠርጢሩ ብካሜራ ዝተለለየ" ወዲ 41 ዓመት ነባሪ እታ ከተማን ካልኦት 7 ሰባትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ክትብል 'ዘ ጆርሳሌም ፖስት' ኣስፊራ።
እቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ናዕበኛታት ናብ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ንኽሰጋገሩ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ድማ፡ ሰኑይ ምሸት ከም ዝተሰጋገሩ ተፈሊጡ።
ነዚ ናይ ቀዳም ፍጻመ ኣመልኪቱ፡ ብ5 መስከረም ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ እቲ ፍጻመ፡ “ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሸርሒ እዩ” ከምኡ'ውን ሞሳድ ዝርከቦም ዓበይቲ ትካላት ስለያ፡ ብመኸተ ህዝቢ ኤርትራ ሰንቢዶም፡ "ብዕማኾ ሃሱሳት" ኣንጻሩ ዝሃንደስዎ እዩ ብምባል ዝርዝራቱ ክስዕብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል፡ "ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣትን በዓል መዚ ኢሚግሬሽንን ነቶም ንመኮንናት ፖሊስ ከይተረፈ ዘቝሰሉ ናዕበኛታት ናብ ምምሕዳራዊ መዳጐኒ ንምስጋሮም ዘቕረብክዎ ሓሳብ ብቐጥታ ግብራዊ ምግባሮም" ከም ዘሐጐሶ ብምግላጽ፡ "ኣንጻር ናዕበኛታት ብምሉእ ሓይልና ክንቃለስ ኢና" ኢሉ።
‘እቲ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተወስደ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ’፡ ንጥርጡራት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ክጸንሑ ዝገብር ኣገባብ ኰይኑ፡ እቶም ናዕበኛታት ብዘይ ፍርዲ ናብ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ምስግጋሮም ዘሕፍር እዩ ክብል ‘ዘ ሆትላይን’ ዝተባህለ ዘይመነግስታዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
ፖሊስ ገበናዊ ሕጊ ተኸቲሉ ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ዝተማሕጸነ እቲ ትካል፡ እዚ ምስግጋር ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ሸለልትነት እዩ ኢሉ።
ፖሊስ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ንዝቐረበሉ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሉን ግቡእ ሓለዋ ክገብር ኣይከኣለን ክብ ድማ ይነቅፍ።
ኣብቲ ቀዳም ዝተራእየ ንፖሊስ ዝጸንበረ ግጭት ልዕሊ 170 ሰባት ከምዝቘሰሉ ይፍለጥ።
ሎሚ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ቴልኣቪቭን ዮርሳሌምን፡ ፖሊስ ንኤርትራውያን ደው ብምባል መንነቶም ከም ዝሓትዎምን ነቶም ንኽልቲኡ ወገን ብምውካል ኣብ ሰልፊ ዝተሳተፉ ተባሂሎም ዝርዝር ኣስማቶም ምስ ፖሊስ ዝተሰነደ ይኣስርዎም ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ብዘይካ’ዚ እቶም ብቀዳም ብፖሊስ ዝተተሓዙ ኣብ ሆሎን ኣብ ዘርከብ ክልተ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ከምዘለዉ ቢቢሲ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።
ካብቶም ብቐዳም ብጥያት ተሃሪሞም ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ ኣርባዕተ ኤርትራውያን እቶም ክልተ ሃለዋቶም ከምዝፈለጡ እቶም ክልተ ግን ገና ኣብ ዕውለት ከምዝርከቡ’ውን እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገሊጾም።
ፖሊስ እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ካብ ዝነበሩ ማህረምቶም ዘይሓወየ ከይተረፉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይወስዱ ከምዘለዉ’ውን ቢቢሰ ሓበሬታ በጺሕዎ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ስደተናታት ዝተራእየ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ከም "ዝሰንበደ" ገሊጹ።
"በቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኤርትራውያን ናዕበኛታት ዝተወልዐ ናዕቢ ዝሰዓበ ልኡል ቁጽሪ ዘለዎ መቑሰልቲ ሰንቢድና" ክብል እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
"መርመራ ክግበርን፡ ብፍላይ ብወገን ሰብመዚ መግለጺታት ጽልኢ ኣገዳሲ'ዩ፡" ብምባል "ግዱድ ምምላስ ስደተኛታት" ከይፍጸም'ውን እቲ ውድብ ተማሕጺኑ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ኵነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራውያን "ቀይሕ መስመር ጥሒሶም ኣለዉ" ክብል ብምግላጽ፡ ኵሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል መስርሕ ክጅመር ምሕታቱ ይፍለጥ።
ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓትን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምትፍናን'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ናይ ቀዳም ረጽሚ ግን፡ እቶም ተቓወምቲ ነቲ ብኤምባሲ ኤርትራን ደገፍቲን ዝተወደበ ጽንብል ክስረዝ፡ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጠለብ ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ ተወሊዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







