'ፈቘዶኡ ኣዕጽምቲ ኢኻ ትረክብ' ሓደገኛ ጕዕዞ ስደት

ብኣእዱግ ዶብ ዝሰግሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, BBC/Ed Habershon

ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ካብ ዚምባብወ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ኣብ ከባቢ ዶባት ብዘጋጥሞም ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ከቢድ ዋጋ’ዮም ዝኸፍሉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ድኽነትን ዓቕሊ ጽበትን ዝሃድሙ ዘለው ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት፡ መዕረፊ እግርና ዝብሉዋ እያ፤ ደቡብ ኣፍሪቃ።

እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን መረጻ፡ ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ዝንባለታት ጽልኢ ወጻእተኛታት ኣዝዩ’ዩ ዝገድድ፤ ካብዚ ብዝብገስ መንግስቲ ኣብ ዶባት ዘካይዶ ሓለዋ ከጽንዕ ይግደድ።

ንፖርቲ ሙሬቬሲ ዝዓመጹዋ ደቂ ተባዕትዮ፡ ነፍሰ ጾር ምዃና ስኽፍ ኣይበሎምን። ኣብ ርእሲኡ ብጠራሙዝ’ውን ኣጥቂዖምዋ፤ ኣብ ኢዳ በሰላ ኣሎ።

ሕጂ ዳርጋ ብጽሕቲ ወርሒ’ያ፤ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ሙሲና ኣብ ዝርከብ ብሓደ ቤተክርስቲያን ዝመሓደር ትካል መናበዪ ክንክን ትረክብ ኣላ።

“ሓሓሊፉ ክድቅስ እንከለኹ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝገበሩኒ ይርኣየኒ” ትብል።

ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግዳያት መጥቃዕትን ዝምታን ከም ዝዀኑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ን23 ዓመታት ዝተቐመጠ ሲሳይ፡ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገበን ሳሕቲ ዝረአ ኣይኰነን። እናተዘመትካ ኢኻ እትነብር። ብዙሕ ገበን ርእየን ሰሚዐን እየ። ኣነ ባዕለይ ክልተ ግዜ ኣጋጢሙኒ’ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ዝምታ መብዛሕትኡ ግዜ ብብረት ዝሓዙ ሰባት ከም ዝፍጸም ዝገልጽ ሲሳይ፡ 'ዕድለኛ እንተዄንካ ዘለካ ብኣጋኡ ሂብካ ህይወትካ ተድሕን' ይብል።

ዝበዝሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን፡ ዶብ ምስ ሰገሩ ናብ ማእከል ኢሚግሬሽን ከይዶም ከመልክቱ ይግደዱ።

እቲ ጸገም፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ንስደተኛታት ‘ተቐቢልና ወይ ከልኪልና’ ዝብል መልሲ ዘይምሃቡ እዩ። ፍቓድ ሓታቲ ዑቕባ ጥራይ እዩ ዝህብ።

እዚ ሰነድ እንተበዝሐ ን6 ኣዋርሕ ወይ ትሕቲኡ ዝጸንሕ ኰይኑ በብእዋኑ ክሕደስ ኣለዎ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘድሊ ሰነዳት ስለ ዘይብሎም፡ ምዕባለኦም ድሩት ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ንኣሽቱ ስራሕ ወጺኦም ናብ ወግዓዊ ቍጠባ ንምስግጋር ይጽገሙ’ዮም።

እቶም ብኣጋኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉን ዘድሊ ሰነዳት ዝነበሮምን ግን ህይወቶም ቀይሮም ኣለዉ።

ስደተኛታት ግዳያት ዝምታን መጥቃዕትን ይዀኑ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከተማ ሙሲና፡ ብዙሓት ስደተኛታት ከይተራእዩ ሰሊዀም ዝሓልፉላ ብምዃና፡ ብስደተኛታት ዝተፈልጠት ከተማ እያ።

እቶም ዕድል ገይሮም ዝኣትው፡ ብጫካ ኣዝዩ ከቢድ እግሪ ጕዕዞ ክጻወርዎ ዝኽኣሉ ጥራይ’ዮም።

ተጓዳእቲ እንስሳ ዘገዳም ጕጅለታት ገበነኛታትን ቀጻሊ ስግኣት እዚ ከባቢ እዮም።

ኣብዚ፡ ታሪኻት ዝምታ፡ ማህረምቲ፡ ጾታዊ ዓመጻትን ቅትለትን ምስማዕ ልሙድ እዩ።

“ኣዝዩ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ” ዝብል ጆርጅ ዝተባህለ ዚምባበኣዊ ሰብኣይ።

“ኣዕጽምቲ ትርኢ፤ ቅድሚ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ዝተቐትሉ ሰባት ትርኢ” ይብል ነቲ ዝመጽኣሉ መገዲ እንክዝክር።

ገለ ዕድለኛታት ኣብታ ከተማ ስራሕ ረኺቦም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ ስድራቤቶም ዝልእኩዎ ቅርብ ሰልዲ ኣለይ መለይ ይብሉ።

ሓደ፡ “ናብ ዚምባብወ ክንምለስ ኣይንኽእልን፤ ኣብኡ ምንም ነገር የለን፤ ንጠሚ ኢና ዘለና፤ መግቢ የለን” ኢሉ።

ኣብዚ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ከም ዝነብሩ ብወግዒ ኣይፍለጥን፤ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ኣህጉር እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ቍጠባ ኣለዋ እትብሃል ሃገር’ያ።

ኣብታ ሃገር፡ ልዕሊ 2.4 ሚሊዮን ወጻእተኛታት ከም ዝርከቡ -ኣስታት ፍርቂ ዜጋታት ዚምባብወ- የመልክት። እዚኦም ልዕሊ ሰለስተ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ይሽፍኑ።

ብዛዕባ እቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተው ስደተኛታት ግን ብዝሒኦም ምግማት ኣፀጋሚ እዩ።

ሓፈሻዊ መረጻ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንበት ክካየድ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ድማ፡ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ርሱን ፖለቲካዊ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

ሰብ መዚ፡ ኣብ ዶባት ዝካየድ ሓለዋ ነጽንዕ ኣለና ይብሉ። ቢቢሲ ነዚ ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

ካብ ሙሲና ናብቲ ንደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ዝፈሊ ሩባ ሊምፖፖ ገጽ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ዝረአ ብረታት ኣሎ፤ እዚ ድማ ዝተረገጸ፣ ዝተሰባበረ ተረፍ መረፍ ሓጹር ዶብ እዩ።

ሓለውቲ ዶብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ሩባ ንርእሱ ዳርጋ ነቒጹ እዩ፤ ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ፡ ዓሰርተታት ሰባት ንሓደ ዘይርአ ዶብ ሰጊሮም ንቕድሚትን ንድሕሪትን ክፃደፉ ይርኣዩ።

ኣቑሑ ዝጸዓና ዓረብያታት ኣእዱግ ኣብ ከባቢ እቲ ዝተሰነጣጠቐ ሩባ ይርኣያ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ርእሰን ዝተሰከምኦ ዝተደራረበ ጽዕነት ሚዛን እናሓለዋ ጐኒ ንጐኒ ኰይነን ይጓየያ።

ካብታ ኣብ ቀረባ እትርከብ ቁሸት ዙምባብወ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ኣስታት ሓሙሽተ ደቓይቕ ከም ዝወስድ ሓቢሮምና።

ከምኡ'ውን ኰይኑ ግን ዝዓግቶም ነገር የለን - ሓጹር የለን፡ ሓለውቲ የለውን።

ጆን - መንነቱ ንከይፍለጥ ሽሙ ክቕየር ዝሓተተ ስደተኛ - ኣብ ዚምባብወ ስድራ ከም ዘለዎ ሓቢሩና።

ኣብኡ ግን ስራሕ የለን፤ እኹል መግቢ የለን። ስለዚ ኣብዚ ብርጭቕ ኣፍርዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሸይጥ፤ ኣብኡ ዝለዓለ ዋጋ ክረኽበሉ ስለ ዝኽእል።

“ብህይወት ንኽነብር እየ ከምዚ ዝገብር” ኢሉ።

እዚ፡ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶባዊ ዕዳጋ እዩ። እቶም በዚ ዝሰግሩ ስደተኛታት ናብ ሙሲና ኣድካሚ ጕዕዞ ክገጥሞም እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ኣቝሑ ብዓረብያ ወይ ብመኪና እዩ ዝጕዓዝ።

ሓሓሊፉ ወተሃደራት መጺኦም ከም ዝኣስሩ ጆን ነጊሩና። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ከም ዘሎ ብምግላጽ ዋላ’ውን ሓደገኛ እንተዀነ ናብ ቍጥቋጥ ከም ዝሕብኡ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ነዚ ክቈጻጸሮ ከም ዝደሊ ይገልጽ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ሓድሽ ሓይሊ ዶብ ከም ዘበገሰ ይዝከር።

ኮሚሽነር በዓል መዚ ምሕደራ ዶባት ማይክ ማስያፓቶ፡ 400 ሓደስቲ ዝሰልጠኑ መኰንናት ናብ ዶብ ከም ዝልእኽን ኣብቲ ቦታ ዝግበር ሓለዋ ንምምሕያሽ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ሞተር ብሽክለታን ካልኦትን ይዕድግ ከም ዘሎን ሓቢሩና።

“እቲ ሕጂ ዘሎ መሪሕነት ኣገዳስነት እዚ ስራሕ ከም ዝተረድኦ ከረጋግጸልኩም እደሊ” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ ብሓቂ ዶብ እታ ሃገር ንምውሓስ ሓያሎ ግዜ ከም ዝወስድ ይኣምን።

“ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ክንዕወት ተስፋ ንገብር።”

ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ኤኤንሲ ግን ነዊሕ ዓመታት ዘይክህልዎ ይኽእል። ኤኤንሲ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን እኳ እንተጸንሐ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ብሕጽረት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ምውሳኽ ዓመጻዊ ገበናትን ዝሳቐዩላ ሃገር እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝካየድ መረጻ ድማ፡ ንኤኤንሲ ኣብ መዋጥር ዘእቱ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ገለ ተቓወምቲ - ከም ጸረ-ስደተኛታት ሰልፊ ስርሒት ዱዱላ - ጸገማት እታ ሃገር ስደተኛታት ዘንቀሉዎ’ዩ ክብሉ ብግልጺ ይነቕፉ።

ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘሎ ጽልኢ ስፍሕ ዝበለ ኰይኑ፡ ስደተኛታት ካብ ደቂ ዓዲ ስራሕ መንዚዖም እናተባህሉ መጥቃዕቲ ክወርዶም ጸኒሑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ እንከይተረፈ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ወጻእተኛታት ንማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘጋድዱዎ ተዛሪቡ ነይሩ። ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት’ውን፡ ዝያዳ ጽኑዕ ምቍጽጻር ዶባት ይጠልባ ኣለዋ።

“መንግስቲ ኤኤንሲ ንህዝብና ብዘስካሕክሕ መንገዲ ፈሺልዎ’ዩ” ትብል ወሃቢት ቃል ዞባዊ ሰልፊ ኣክሽንኤስኤ ማሌቦ ኮቤ።

ኣብ ጥቓ ዶብ ዚምባብወ ዝረኸብናያ ኮቤ፡ ኣብዚ ከባቢ መረጽቲ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑዎ ዛዕባ እዩ ክትብል ተዛሪባ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላትን ካልኦት ኣገልግሎታትን በቶም ሕክምና ወይ ካልእ ረብሓ ደልዮም ዝመጽኡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ዘዕለቕለቓ እያ ትገልጽ።

ሰባት ግብሪ ንዘይከፍልሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክጥቀሙ ምርኣይ ድማ ኣዝዩ ከም ዘሕርቓ ሓቢራ።

እንተዀነ ሕጂ'ውን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ይውሕዙ'ዮም ዘለው።