ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብልመና ዘጨነቕዋ ከተማ

ከተማ ኦቦክ
መግለጺ ስእሊ, ጽንኩር ኵነታት ኣየር፡ ጥምየትን ግህሰትን ተጻዊሮም ናብ የመን ክሰግሩ ዝደልዩ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ብዓፋር ኣቢሎም ዶብ ጅቡቲ ምስ ሰገሩ ናብ ከተማ ኦቦክ ይዓርፉ

"ከመይ ኣለኹም?"

"Akkam jirtu?"

ነቶም ብጥቓና ዝሓልፉ ዝነበሩ ስደተኛታት ዘቕረብናዮ ሰላምታ’ዩ።

እቶም ስደተኛታት ዘይተጸበይዎ ሰላምታ’ዩ ነይሩ።

ንሳቶም፡ ቀጻሊ መግቦም መን ከም ዝተኹበሎምን ጽባሕ እንታይ ከምዝፍጠርን ዘይፈልጡ፡ ተስፋ ብምቝራጽ ኣብ ጸግዓጸግዒ ምድረበዳ ጅቡቲ ኮፍ ዝበሉ ኢትዮጵያውያን እዮም።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ኦቦክ፡ ናብ የመን ክሰግሩ ዝሓልሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝዓርፉላ ከተማ እያ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ዝቃለሱ ኢትዮጵያውያን፡ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ተስፋ ብምግባር ብጅቡቲ ይሰግሩ።

ካብ ጥሪ ክሳዕ ዝሓለፈ ሕዳር ጥራይ 95 ሽሕ ስደተኛታት ብጅቡቲ ገይሮም የመን ከምዝኣተዉ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦቦክ ሰላም ዝበልናዮም ስደተኛታት፡ ኣዒንቶም ብሓጐስ በሪሁ ሰላም ኢሎምና።

ኣብታ ካብ የመን ብዙሕ ዘይትርሕቕን ከተማ ኦቦክ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸሓይ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ዝረኣዩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጥራይ እዮም።

ነበርቲ ካብታ ጸሓይ ንምህዳም ገገዛኦም ኣትዮም ይረኣዩ።

ነበርታ ሃዩ ዝብልዋ ከተማ ኦቦክ ናብ የመን ዝኸዱን ካብ የመን ዝምለሱን ሰባት እውን ዝእከቡላ ቦታ እያ።

ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኦቦክ፡ ዘይፈልጥዋ ሃገር ዝናፍቑ መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ከተአንግድ ጸኒሓ’ያ።

መብዛሕትኦም ዘዘራረብናዮም ካብ ገጠራት ኢትዮጵያ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ዶብ ክሰግሩ ኣይኰነን ካብ መረበቶም ርሒቘም ዝፈልጡ ኣይመስሉን። ጥዑይ ሳእኒ’ኳ የብሎምን፤ ክዳውንቶም ዝበለየ’ዩ። ኣብታ ሰብ ዝመልአት ከተማ ድማ ተነጺሎም ይነብሩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ወይ ብሰንኪ ፖለቲካ ካብ ሃገር ዝወጹ ኣይኰኑን። ስራሕ ስኢኖም ካብታ ብግጭት ዝደኸመት ኢትዮጵያ ወጺኦም ዝሓሸ ናብራ ክረኽቡ ናብታ ብነዳዲ ዝሃብተመት ስዑዲ ዓረብ ክስደዱ ዝመረጹ እዮም።

"ሰሪሕና ክንነብርን ኢና መጺና" ክብሉ ይስምዑ እቶም ካብ ሃረርጌ፡ ጂማ፡ ኣርሲ፡ ወሎን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝመጹ ስደተኛታት።

ኣብ ኵርናዕ ሓጹር ሓደ ገዛ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ብኦሮምኛ የዕልሉ። ገሊኦም ኣዒንቶም ብቝራጽ ጨርቂ ሸፊኖም ጥንቅልዒት ደቂሶም ይረኣዩ። ሰላም ክንብሎም ከለና ክለዓሉ ዘይደለዩ’ውን ነይሮም።

ካብቶም ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ስደተኛታት ሓደ ዝዀነ ገብርኤል* ገና ንእሽቶ መንእሰይ እዩ።

ንሱ፡ "ብኣሽሓት ይመጹ፤ ገሊኦም ይጥሕሉ፡ ገሊኦም ብጥሜት ይሞቱ፤ ኣብዚ ንውዳእ ኣለና፤ ንመንግስትና ንገሩልና፡" ኢሉና።

ተስፋን ዓቕምን ንእስነቱ ምስኡ የለን፤ ጠሊምዎ እዩ። ካብ ሃገር ርሒቑ፡ ብቛንቋ ተጸጊሙ፡ ዝበልዖ ስለዘይብሉ ኣብ ሽግር ይርከብ።

እቶም መናእሰይ፡ ካብ 25 ክሳብ 50 ሽሕ ብር ንደላላይ ከፊሎም ካብ ሃገር እንተወጹ’ኳ፡ እቲ ደላላይ ኣብ ሜዳ ደርብይዎም ከምዝጠፍአ ይዛረቡ።

ስለዚ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦቦክ ግዳም ሓደር ኰይኖም ተሪፎም።

'ጥሜት ሓይሉና'

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኦቦክ ስደተኛታት ብምቕባልን ብምትእንጋድን’ያ ትፍለጥ ነይራ።

ሕጂ ግን ዝሰልቸዋ ትመስል።

ካብቶም ዘዕበዩዎም ስድራ ንላዕሊ ኣብ ዘይሕጋውያን ደላሎ ትራፊክ ተኣሚኖም፡ ዘይፈልጥዎ ሃገር ናፊቘም ካብ መረበቶም ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ግን ነዚ ዝተረድኡ ኣይመስሉን።

ዘዘራረብናዮም ኵሎም ብዛዕባ ጥሜት’ዮም ዘልዕሉ።

ጾር ወለዶም ከይኰኑ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ኣቦክ ጾር ባዕዳዊ ህዝቢ ኰይኖም።

ሙኽታር* ወዲ ኣዳማ’ዩ፤ "ገዛ ገዛ እናለመንና ኢና ንበልዕን ዘለና" ይብል።

ካብ ጅማ ዝመጸ ዓብዲ* ድማ “ስራሕ የብልናን። ሰባት ብዝህቡና ኢና እንነብር" ክብል ዝርከቡሉ ኵነታት ይገልጽ።

እቲ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሙህዲን ካብ ጌራ ከምዝመጸ ይዛረብ።

“ብጥሜትን ጽምእን ኢና ኣብዚ በጺሕና። ደላላይ ድማ ገንዘብና በሊዑ ጠፊኡ። ሰባት ካብ ኢትዮጵያን የመንን መጺኦም ኣብዚ ፈሲሶም ኣለዉ።"

እዞም ስደተኛታት ኣብዛ ንእሽቶ ከተማ ሰሪሖም ከይበልዑ ዘዐንቅፎም ፖሊስ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ካብ ፖሊስ ኣብ ዝሃድሙሉ እዋን ዝተጐድኡ እውን ከምዘለዉ’ውን የረድኡ።

“ኢደይ ሰቢሮምኒ። ሕጂ ክዝርግሓ ኣይክእልን” ይብል ኢዱ እናኣርኣየ።

ኣብ ከተማ ኦቦክ ከም መምህር ኰይኑ ዝሰርሕ መሓመድ ኣሚን፡ ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንዓመታት ክዕዘብ ጸኒሑ።

“ብዙሕ ሽግር ኣሎ። ብዝሒ ስደተኛታት ሓደ በል፤ ገዛ ገዛ ከይዶም ማዕጾ እናኳሕኩሑ መግቢ ይሓቱ። ንግሆ፡ ቀትሪ፡ ለይቲ ኣይብሉን። ካልኣይ ኣብ ቤት መግቢ ኣዚዝካ ክትበልዕ ክትብል ዓሰርተ ኰይኖም ክመጹ ትርእይ’ሞ ክትበልዕ ትጽገም፤ የሕዝኑኻ።”

ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ካብ ባሌ ደሎ መና ዝተበገሰ ዓብዱል ናስር*፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ’ውን ክበልዕ ኣይከኣለን።

“ናይ ከብዲ ነገር ከቢድ’ዩ። ማዕጾ ሰባት እናኳሕኳሕና ሰባት ክጸልኡና ኢሎም ኣለዉ። ክንሰግር ኣይከኣልናን። ደላላይ ገንዘብና በሊዑ ብዘይ ገለ ነገር ኢና ተሪፍና” ይብል።

“እዞም ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ እኳ ዘይበልዑሉ እዋን ኣሎ። ገሊኦም ይህቡና። ገሊኦም ድማ የባርሩና። ሰብ ብዝከኣሎ መጠን ይህበና። ንኣብነት ሸውዓተ ሰባት ማዕጾ ሓደ ሰብ ይዅሕኩሑ። ካብቶም ሸውዓተ ሓደ ሰብ’ዩ ዝረክብ። እቲ ሓደ ክበልዕ ከሎ፡ ካልኦት ብጥራሕ ከብዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እምኒ ይድቅሱ” ብምባል ንርእይቶ እቲ መምህር ይድግፍ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ጥሜት ጉዳይ ኰይንዎም’ምበር በቲ ዝገብርዎ ነገር ይሓፍሩ’ዮም። ግን ካብ ምሟት ምቕናይ ዝመረጹ ይመስሉ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ ዝዀነ ሙሳ ኣደም ሚገኔ፡ ስደተኛታት ካብ ከተማ ኦቦክ ክርሕቍ ከምዝተገበሩ ይፈልጥ’ዩ።

"ካብ ኢትዮጵያ መጺኦም ኣብዚ ሰሪሖም ዝነብሩ ኣለዉ። እቶም ስደተኛታት ግን በዚሖም፤ እቲ ልመና’ውን በዚሑ። ናብ ቤት መግቢ ኬድካ ዓሰርተ ኰይኖም ደው ኢሎም ትርኢ። ሽዑ ወነንቲ ቤት መግቢ ናብ ምምሕዳር መጺኦም ጥርዓን የቕርቡ። ወነንቲ ድኳናት እውን ከምኡ” ብምባል ስለምንታይ ካብታ ከተማ ክርሕቑ ከምዝተገበሩ ይገልጽ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ
መግለጺ ስእሊ, “ነቶም ዝመቱ ምእካብ ከቢድ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣግራብ፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ፡ ኣብ ጥቓ ኣባይቲን ኣብ ባሕር ጥሒሎም ዝሞቱ ብዙሓት እዮም" - ኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ

'እናቐበርና ኢና ኣብዚ በጺሕና’

ከድር* ካብቶም ካብ ሃገር ክወጹ ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ሲኖትራክ ዝተሰቕሉ ሓደ መንእሰይ ከምዝሞተ ይዝክር።

“ኣብ ትሕቲ ገረብ ገዲፍናዮ ሓሊፍና። ኣብ መንገዲ ድማ ዝሞተ ወዲ ረኺብና ቀቢርናዮ፤ ጉድጓድ ኵዒትና ብኣእማንን ከቢብናዮ ሓሊፍና። እንተሓሚሞም ሰብ ተሸኪምዎም ክጓዓዝ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኢና ንገድፎም።”

እዞም መንእሰያት ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ምስታፎም ባዕሉ ዘጠራጥር እዩ።

ኣብ መንገዲ ስደት ግን ባዕሎም ኣለይቲ፡ ባዕሎም ገነዝቲ፡ ባዕሎም መቓብር ኵዓትቲን ባዕሎም ቀበርቲን ኰይኖም ይፈልጡ’ዮም።

ከከም እምነቶም ጸሎት ገይሮም፡ በኽዮም፡ ቀቢሮም ጕዕዞኦም ምቕጻል ዕጫኦም ኰይኑ።

ከድር ወሲኹ፡ "ደላላይ ከምቲ ዝሕስዎ ኣይኰነን። ኣብ መንገዲ ብዙሓት ሰባት ሞይቶምና እዮም። ብሰንኪ ጥምየትን ጽምእን ኣብ መንገዲ ዝተረፉ ኣለዉ" ይብል።

ብሰንኪ ሓደጋ መኪና፡ ሕማም፡ እቲ ምድረበዳ በርቲዕዎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝተረፉ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም።

ኣብ 2022 ጥራይ ናብ ጅቡቲ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ቍጽሮም ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ጥራይ 89 ስደተኛታት ብሰንኪ ሕማም፡ ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ባሕሪ ምጥሓልን ብሓደጋ መኪናን ሞይቶም እዮም ወይ ደሃዮም ኣይተረኸበን።

ካብዚ ዝዛይድ ሞትን ምጥፋእን ድማ ከይተሓበረ ከምዝተርፍ ይእመን።

ካብ ሓምለ ክሳዕ መስከረም 2023 ጥራይ ኣብ ዘሎ እዋን 54 ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ከምዝሞቱ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

23 ስደተኛታት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ካብ ሓምለ - መስከረም 2023 ጥራይ 54 ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ከምዝሞቱ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሓምለ - መስከረም 2023 ጥራይ 54 ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ከምዝሞቱ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር

'ዝሞቱ ንምልዓል ተጸጊምና’

ካብ ከተማ ኦቦክ ናብ በረኻ ኣብ ዘውጽእ ከባቢ መቓብር ኣሎ።

ስደተኛታት ይዅኑ ደቂ ዓዲ እንተሞይቶም ኣብዚ መቓብር’ዮም ዝቕበሩ።

ነቲ መቓብር ምስ በጻሕና፡ ክንደይ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብኡ ከምዝተቐበሩ ንኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ ሕቶ ኣቕሪብናሉ። ሕቶና ምስ ሰምዐ ስምዒቱ ተለዋዊጡ፤ ዘማረረ ይመስል።

ብድሕሪኡ "ዝሞቱ ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ኢና ቀቢርና። ብልክዕ ቍጽሪ ክንፈልጥ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት እቶም ብኣኽራናት ኣቢሎም ዝኸዱ ስደተኛታት ምስ ሞቱ ድሕሪ ሰሙን ወይ ወርሒ ኣብ ገጠር ዝነብሩ ነበርቲ ነጊሮምና ክነልዕሎም ስለንኸይድ’ዩ። ዋላ ከምኡ ኰይኑ፡ ዝሞቱን ዝተቐበሩን ብዙሓት እዮም።”

ቢቢሲ ነቲ መቓብር በጺሑ ከምዝተረድኦ፡ እቶም ተወለድቲ ብየማን፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድማ ብጸጋም እዮም ዝቕበሩ።

“ዝሞቱ ምልዓል ከቢድ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣግራብ፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ፡ ኣብ ጥቓ ኣባይቲን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎምን ዝሞቱ ብዙሓት እዮም። ዝሓመሙ ወይ ዝሞቱ እንተሃልዮም እተምጽኦም መኪና ኣላትና" ይብል እቲ ኣመሓዳሪ።

ሰብመዚ እታ ከተማ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ስእሊ ኣርእዮሙና። ዝርዝር ናይቶም ኣብ ቀረባ እዋን ሞይቶም ዝተቐብሩ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ካብ መዝገቦም ኣውጺኦም ኣንቢቦምልና።

እቲ ነባሪ ከተማ ኦቦክ ዝዀነ መምህር’ውን፡ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ርእዩን ቀቢሩን’ዩ።

“ምስ ሞቱ ድማ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ገረብ ዝሞቱ ኣለዉ። ብድሕሪ ገዛ ክሞቱ ከለዉ እቲ ጨና የሸግር እዩ” ክብል የማርር።

ብቴንዳታት፡ ተረንሽዋ፡ ካርቶንን ዝተቘራረጸ ክዳውንትን ዝቘመ መሕደሪ ስደተኛታት
መግለጺ ስእሊ, ብቴንዳታት፡ ተረንሽዋ፡ ካርቶንን ዝተቖራረጸ ክዳውንትን ዝቘመ መሕደሪ ስደተኛታት

‘ኣብዚ ኢና ንሓድር. . .’

እቶም መንበሪኦምን መሕደሪኦምን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሩ ስደተኛታት፡ ኣፎም ነቒጹ፡ ገጾም ጸውሊጉ፡ ውዕሎኦም ኣብ ገምገም ገይሮም ይርከቡ።

መሕደሪኦም ብቴንዳታት፡ ተረንሽዋ፡ ካርቶንን ዝተቖራረጸ ክዳውንትን ኣቚሞም ይረኣዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ኢኹም ትሓድሩ?

መልሲ፡ ኣብዚ ኢና ንሓድር።

ቢቢሲ፡ ዝናብ እንተዘኒቡኸ?

መልሲ፡ እንኸደሉ የብልናንን።

ካብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ብዙሕ ከይረሓቑ ደገ ይወጹ። ነበርቲ እታ ከተማ፡ እቶም ስደተኛታት ናብታ ከተማ ከይኣትዉ ካብ ዝገበሩሉ ምኽንያት ሓደ ስግኣት ተላባዒ ሕማማት ምዃኑ ሓደ ነባሪ ገሊጹልና። “ህጻናት ኣለዉና፡ ተላባዒ ሕማማት ክመሓላለፎም ይኽእል እዩ።"

ቢቢሲ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ውን ኣብታ ከተማ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ዝርከቡ ኣኻውሕ ልሙጽ ኣይኰኑን።

“ኣብዚ ኣብ ከውሒ ዝተቖራረጸ ጨርቂ ኣንጺፍና ኢና ንነብር ዘለና። ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ኢና እንርከብ” ይብል ሓደ ካብኣቶም።

ብዛዕባ ኵነታቶም ንስድራቤቶም ሓቢሮም እንተዀይኖም ሓቲትናዮም።

“ምእንቲ ከይስንብዱ ‘ጽቡቕ ኣለና’ ኢና ንብሎም ። ስድራቤት ዘለናሉ ኵነታት ኣይፈልጥን። ገንዘብ ስደዱልና ክንብሎም ከለና ‘እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝሰደድናዮኸ?’ እናበሉ ኣይሰደዱልናን ዘለዉ” ዝብል መልሲ ይህቡ።

ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰግሩ ሰባት ዝሓልፍዎ መስመራት
መግለጺ ስእሊ, ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰግሩ ሰባት ዝሓልፍዎ መስመራት

'ክንምለስ ንደሊ ኢና'

ቢቢሲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦቦክ ዝረኸቦም ስደተኛታት ናብ የመን ክሰግሩ ወይ ናብ ሃገር ክምለሱ ተጸጊሞም ይርከቡ።

"መምለሲ ከቢዱኒ’ምበር ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እየ ዝደሊ" ይብል ጅብሪል።

እቶም ዝረኸብናዮም ኵሎም ሓደስቲ ተጓዓዝቲ ኣይኰኑን። ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰጊሮም ዝተመልሱ እውን ኣለው።

ተማም* ኣብ የመን ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ’ዩ።

“ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ምስ በጻሕኩ፡ ብብረት ሰብ ይውድኡ ነይሮም። ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተወቒዖም ኣብኡ ዝተረፉ ኣለዉ። ነዚ ምስ ረኣኹ ፈሪሐ ተመሊሰ። ዋላ'ኳ ካብ የመን እንተተመለስኩ፡ ናብ ሃገረይ ንምእታው ግን ተጸጊመ ኣብዚ ኮፍ ኢለ ኣለኹ።"

ናብ ጅቡቲ ንምብጻሕ ንሰሙናት ብእግሮም ዝተጓዓዙ እዞም እዞም ስደተኛታት፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደፈሩን።

ኣብታ ከተማ መዕቈቢ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት እኳ እንተሃለወ ዓቕሙ ግን ካብ 300 ስደተኛታት ኣይዛይድን። ስለዚ ንዅሎም ኣብታ ከተማ ግዳም ሓደርቲ ኰይኖም ዝበልዕዎ ዝሰኣኑን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ስደተኛታት ከአንግድ ኣይከኣለን።

ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንደላሎ ገንዘብ ከፊሎም’ውን ከምዝተጸገሙ ዝገልጹ ስደተኛታት ኣጋጢሞምና እዮም።

ተማም፡ "እቲ መንገዲ ርሑቕ ኰይኑ’ምበር ክንምለስ ንደሊ ኢና። ናብ ሃገርና ንምእታው እንኸፍሎ ገንዘብ የብልናን። ክልተ ዙር ዝኸፈልና ኣለና። ክንመውት ቀሪብና ክንብል ከለና ስድራ ገንዘብ ይሰድድ፤ እቲ ገንዘብ ግን ተበሊዑ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ኣይንፈልጥን። ንሕና ካብዚ ኣይረሓቕናን" ይብል።

ስቕ ኢሉ ዕላልና ዝግምግም ዝመስል ዝነበረ መንእሰይ፡ 10ይ ክፍሊ ትምህርቱ ምስ ወድአ ካብ ሃገር ከም ዝወጸ ይዛረብ።

"ከም ሰብ ሰሪሕና ክንልወጥ ኢልና ካብ ሃገር ርሒቕና፡ እቲ ጸገም ግን ቀዲሙና ኣብዚ ጸኒሑ" ይብል።

ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራኡ ክድግፍ ዝወጸ እዚ መንእሰይ፡ ሓሳቡ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ዝፍለ’ዩ።

“ሓደ ዕድል ክፍትን እየ። ምኽንያቱ ናብ ዓደይ እንተተመሊሰ፡ ካብ ስድራይ ዝረኽቦ ነገር ስለዘይህሉ፡ ውጽኢቱ ምርግጋም ጥራይ’ዩ ዝኸውን" ብምባል ኣብኡ ክጸንሕ ከምዝደሊ ይገልጽ።

እቲ ሓደ ዕድል ዝበሎ ጕዕዞ የመን እንተፈሺሉኸ. . .