ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን እተአንግድ ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ

ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት የመን ዝመጸ ስደተኛ፡ ዝሓሸ ናብራ ክእልሽ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክሰግር ተስፋ ዝገበረ ኢትዮጵያዊ፡ መዓስከሩ ኣብታ ሃገር ዝዀነ ወተሃደር ምዕራባውያን ሃገራት፡ መራሕቲ መካይን ጽዕነት፡ ኣብ ህንጸት ዝተዋፈሩ ኤስያውያንን ዓፋርን፡ ሶማላውያን፡ እዚኦም ኩሉም ሓቚፋ ዝሓዘት’ያ - ጅቡቲ።
ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ኢትዮጵያ ኣብ ጐደናታታ ዝዘዋወራላ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተመስረተት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንኮ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዝረበላ ሃገር ጅቡቲ፡ እንግሊዝኛ ከም ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ቋንቋ ብዝጥቀማ ሃገራት ዝተኸበበት’ያ።
ብኲናት ሰላም ዝሰኣና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘዋስናኣ ጅቡቲ፡ ካብ ብዝሒ ህዝባ ዘይንእስ ስደተኛታት ከም እተአንግድ ምሁራታ ይገልጹ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ብብዝሒ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ይርከቡ።
ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዝዀነ ግዛቸው ጎሹ፡ ኣብ ጅቡቲ ካብ 150 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ይዛረብ።
ፕረዚደንት ማሕበረኮም ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ፡ ኣቶ ኣልዩ ዓብደላ እውን ምስዚ ግምት ይሰማማዕ።
ገለ ምሁራት ጅቡቲ ግን፡ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ዝዛይድ ምዃኑ ይጠቕሱ።
መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ይነብሩ። እታ ሃገር ዓሊ ሳብህ፡ ዲከል፡ ታጁራ፡ ኣርታን ኦቦክን ዝተበሃላ ኣውራጃታት ኣለዉኣ።
ጅቡቲ ናብ ወሽመጥ ኤደን’ውን ቅርበት ኣለዋ። ብተወሳኺ ብኣንፈት ወሽመጥ ኤደን ኣቢላ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትራኸብ።
ኣብዛ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብላ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ኰይና እተገልግል ሃገር፡ ብብዝሒ ሰነዳት ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ይነብሩ።
ኣቶ ኣልዩ፡ "ማሕበረሰብና ክነብረላ ምችእቲ ዝዀነት ሃገር እያ። ብፍላይ ኣብ ምብራቕን ሰሜናዊ ምብራቕን ዝርከቡ ሰባት ንጅቡቲ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም’ዮም ዝርእይዋ" ይብል።
"ብሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝሰርሑ እንተዀይኖም ንስራሕ ምቹእ ሃገር። ካብ ሃገርና ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ እናሰርሑ ህይወቶም ኣመሓይሾም’ዮም" ክብል ይውስኽ።
ሰነድ ኣልቦ ስደተኛታት
ዝሓሸ ናብራ ክእልሹ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ብሰለስተ ጐረባብቲ ሃገራት ኣቢሎም ይስደዱ።
ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ሊብያን ኤውሮጳን፡ ብኬንያ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብጅቡቲ ኣቢሎም ድማ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ይሰግሩ።
ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ተንቀሳቒሱ ከምዝተዓዘቦ፡ ኣብ ጅቡቲ ሰነድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም።
ኣብ ከተማ ጅቡቲ ዝተፈላለየ ናይ ጉልበት ስራሕ እናሰርሐ ዝረኸብናዮ ኢብሳ ናብ ጅቡቲ ካብ ዝመጽእ ክልተ ዓመት ኰይኑዎ ኣሎ። ጸገም’ኳ እንተሃለወ፡ ካብ ኢትዮጵያ ግን ኣብዚ ይሓይሽ ይብል።
"ህይወት ካብ ኢትዮጵያ ይሓይሽ። ዝተፈለየ ዓይነት ቅሬታታት ግን ኣሎ። ስቕ ኢልካ ሰብ ሒዝካ ምእሳር ኣሎ። ዝተፈላለየ ብድሆታት እኳ እንተሃለወ፡ ንዓይ ኣብዚ ይሕሸኒ። ኣብዚ ህይወተይ ከመሓይሽ እኽእል’የ” ይብል።
ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣቶ ግዛቸው ብወገኑ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጅቡቲ ንሓያሎ ዓመታት ክነብሩ እንተጸንሑ’ውን መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከምዝጽገሙ ይገልጽ።
እዚ ድማ ደቆም ንምምሃር ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ንደቁ ወረቐት ምስክር ልደት ከውጽእ ኣይክእልን።
ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ተምሃሮ ኣብ ዝቕበላሉ እዋን ምስክር ልደት ይሓታ’የን። በዚ ምኽንያት ኢትዮጵያውያን ንደቆም ክምህሩ ይጽገሙ።
ኣቶ ኣልዩ ግን ነዚ መፍትሒ እዩ ዝበሎ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ይገልጽ።
መንግስቲ ጅቡቲ ንማሕበረኮም ኢትዮጵያ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ዘኽእል 4 ሄክታር መሬት ብነጻ ከም ዝሃበን፡ ብ5 ሚልዮን ዶላር ህንጸት ንምጅማር ገንዘብ የዋህልሉ ከምዘለዉን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሳሪፊሌ- ኣብ ሸርፊ ወጻኢ ዝነጥፋ ሶማላውያን ደቂ ኣንስትዮ
ኣብ ጐድኒ እቲ ጻዕቂ ኣጋርን መካይንን ዝረኣዮ ጸበብቲ ጐደናታት ጅቡቲ፡ ዓበይቲ ቦርሳታተን ኣብ ብርከን ኣቐሚጠን ኣብ ፕላስቲክ መንበር ኮፍ ኢለን ይረኣያ።
ካብ ጸሓይ መጽለሊ ክረኽባ ገለ ህንጻ ተደጊፈን፡ ኣእጋረን ካብ ዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሐ ዱካ ኣንቢረን ሸርፊ ደልዮም ዝመጹ ዓማዊል ይጽበያ።
ተወለድቲ ዓዲ ሳሪፊሌ ይብልወን - ብሶማልኛ ሸርፊ ወጻኢ ዝልውጣ ወይ ገንዘብ ዘሽርፋ ማለት እዩ።
ቦርሳታተን ባጤራ ብዙሓት ሃገራት ዝሓዘ’ዩ - ዶላር፡ ዩሮ፡ ፓውንድ፡ ፍራንክ ጅቡቲ፡ ብር ወዘተ. . . ቅሩብ ኣምሓርኛ፡ ንእሽቶ እንግሊዝኛ ይፍትና።
እንተዘይኰይኑ ደቂ ዓዲ ዝዛረቡሉ ሶማልኛ ወይ ፈረንሳይኛ ይመርጻ።
በጻሕቲ ዓዲ፡ ወጻእተኛታት፡ ወተሃደራትን ነጋዶን ብቐሊሉ ባጤራ ካብአን ክገዝኡ ይኽእሉ።
ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣብ ሸርፊ ወጻኢ ከምዝተዋፈራ ንጹር ኣይኰነን።
ካብ ጐራዙ ክሳብ ዓበይቲ ኣንስቲ ግን ኣብቲ ንግዲ ተዋፊረን ይርከባ።
እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ኢትዮጵያውያን ብብዝሒ ዝርከብዎ ፒካዱስ እውን ኣለዋ።
ኣብ ማእከል ዕዳጋ ፒካዱስ ግን ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ኣጽሊለን ዘይኰነስ፡ ካብ ጸሓይ መጽለሊ ኣብ ዘይብሉ ቃልዕ ኰይነን ይሰርሓ።
ኣብ ፒካዶስ እቶም ፍራንክ ጅቡቲ ዝደልዩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ እተን ደቂ ኣንስትዮ መነባብሮኦም ንምምራሕ ምተሸገሩ ነይሮም።
ኢትዮጵያውያን ብተደጋጋሚ ዘማርሩሉ ተግባራት ስርቂ ግን ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ዘስግእ ኣይመስልን። ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ቦርሳታተን ሒዘን ብዘይ ዝዀነ ጸገም’የን ስርሐን ዝሰርሓ።

ሽዱሽተ ቋንቋ ዝዛረቡ ኢትዮጵያውን
ሎሚ እውን እንተዀነ ጅቡቲ መግዛእታዊ ቋንቋ ፈረንሳ ኣይገደፈትን። ብዙሓት ሰዓብቲ እስልምና ስለዘለዉ ድማ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ዜጋታት ኣለዉዋ።
ቀዳሞት ህዝብታት እታ ሃገር ሶማላውያንን ዓፋርን ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኣደ ኣለዎም፤ ሶማልኛን ዓፋርኛን።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ወፍሪ ዝነጥፉን ከም ወተሃደራት ኰይኖም ዝመጹን ብወገኖም እንግሊዝኛ ብምዝራብ እታ ሃገር ኣካል ዓለምለኻውነት ክትከውን ይገብሩ ኣለዉ።
ስለዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ ቋንቋ ፈረንሳ፡ ዓረብን ሶማልን ዝዛረቡ ዓበይቲን እንግሊዝኛ ንምዝራብ ዝጽዕሩ መንእሰያትን ስደተኛታትን ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ፈረንሳ ናይ ስራሕ ቋንቋ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ዓረብኛ ናይ ሃይማኖት ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ ድማ ናይ ወፍሪ ቋንቋ’ዩ ዝመስል።
ፋሪስ፡ ኣደኡን ኣቦኡን ኢትዮጵያውያን እዮም። ኣደኡ ካብ ባቲ ኣቦኡ ድማ ካብ ጎጃም ምዃኖም ይዛረብ።
ንሱ ግን መሬት ኢትዮጵያ ረጊጹ ኣይፈልጥን። ካብ ኢትዮጵያ ዝወረሶ ኣምሓርኛ’ዩ።
ሶማልኛ፡ ዓረብኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ዓፋርኛን እንግሊዝኘን እውን ይዛረብ።
ገሊኡ ካብቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ገሊኡ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተማህሮ ይዛረብ።
ኢትዮጵያውያን ዝውንንዎምን ዘመሓድርዎምን ዓበይቲ ኣብያተ መግቢ፡ ሚኒሊክን ላፎንቴን ላ ሂስቶሪያ ዝተበሃሉ ሆቴላት ኣብ ማእከል ከተማ ጅቡቲ ይርከቡ።
ኣቶ ኣልዩ "ሓደ ሓደ ግዜ የቕንኣካ። ኣብ ሃገርና ብዙሓት ቋንቋታት ኣለዉ። ሰባት ግን ቋንቋ ናይቲ ዝተወልዱሉ ከባቢ ጥራይ እዮም ዝዛረቡ። ኣብዚ ሓደ ሰብ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ቋንቋታት ይዛረብ" ይብል።
ኢብሳ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ከሎ ጥራይ ኦሮምኛ ይዛረብ ከምዝነበረ ይዝክር፤ ሕጂ ግን ሶማልኛን ዓረብኛን ወሲኹ ኣሎ።
"ኣብዚ ኦሮምኛ ጥራይ እናተዛረብካ ምንባር ኣይከኣልን'ዩ" ይብል።
ፈረንሳ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጅቡቲ ይወሃብ’ዩ። እቲ ካልእ ናይ ስራሕ ቋንቋ እታ ሃገር ዓረብኛ ኰይኑ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ከም ሓደ ቋንቋ ይወሃብ።
ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያንን ዓፋርን ብሓባር ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝዓበየ ፋሪስ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ካብ ስድራኡ፡ ቋንቋ ሶማልያን ዓፋርን ድማ ካብ ጐረባብቱ’ዩ ተማሂሩ።
ንሱ፡ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ትካል ቋንቋ ፈረንሳ ናብ ዝተፈላለያ ትካላት ደብዳበታት ንምጽሓፍ፡ ካልኦት ቋንቋታት ድማ ምስ ዓማዊል ንምርድዳእ ከም ዝሕግዞ ይዛረብ።
ኣብ ጅቡቲ ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈታት ብሓፈሻ ደብዳቤታት ንምልውዋጥ ፈረንሳ ክጥቀማ ይመርጻ ይብል።
ኣብ ሓደ ሆቴል ከም ተቐባሊት ኣጋይሽ ኰይና እትሰርሕ ፋጡማ ብወገና፡ እንግሊዝኛ ኣጸቢቓ ትዛረብ’ያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ምዕራባውያን ወይ ፈረንሳ ካብ ዘይዝረበለን ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምእንጋድን እንግሊዝኛ ምኽኣል ኣገዳሲ እናዀነ ይመጽእ ከምዘሎ ትገልጽ።
እንግሊዝኛ ቋንቋ ዲፕሎማሲ፡ ንግዲ፡ ምክልኻል፡ ስደተኛ፡ ሚድያን ኢንተርነትን ምዃኑ ትጠቅስ።
ከም ውጽኢቱ ድማ እንግሊዝኛ ክለምዱ ዝደልዩ መንእሰያት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሰፊሑ ዘይወሃብ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ከይዶም ምምሃር ከም ሓደ ኣማራጺ ይወስድዎ ከምዘለዉ ተብርህ።

ጣይታ ኢትዮጵያ ኣብ ጐደናታት ጅቡቲ
ኣብ ጅቡቲ ብኢትዮጵያውያን ዝውነኑን ዝመሓደሩን ብዙሓት ዓበይቲ ኣብያተ መግቢ ኣለዉ።
ሚኒሊክን ላፎንቴንን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ይርከቡ።
ፋርስ፡ “ጅቡቲ እዚኣ’ያ” ይብል ናብቲ እተን ሆቴላት ዝርከባሉ ከባቢ እናኣመልከተ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ጥራይ ልዕሊ 600 ሽሕ ህዝቢ ይነብር።
እዚ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር’ዩ።
ኣብ ጅቡቲ ወልፊ ቡን ዘለዎ ኢትዮጵያዊ፡ በብከባቢኡ ሓንቲ ፍንጃል ቡን ብ100 ፍራንክ ክረክብ ይኽእል እዩ። ማክያቶ ብቐሊሉ ዝረከበሉ ካፈተርያታት ኣለዋ።
መግቢ ኢትዮጵያ ዘቕርቡ ብዙሓት እዮም።
ሽሮ ካብ 1000 ክሳብ 1500 ፍራንክ፡ ጥብሲ ብ2000 ፍራንክ ዝርከበሎም ኣብያተ መግቢ ኢትዮጵያውያን ሒደት ኣይኰኑን።
ጣይታ ወይ እንጀራ ኣብ ጐደናታት ብ100 ፍራንክ ይሽየጥ።
ኢትዮጵያውያን ምስ የመናውያን እናተዳፍኡ ኣብ ዝጓዓዙሎም ጐደናታት፡ ከም ዕጣን፡ ጥረን ዝተቐለወ ቡን፡ ቀመማትን ዝኣመሰሉ ነገራት ብቐሊሉ ይርከቡ።
ኣብ በረንዳታት ብኢትዮጵያን ብየመናውያንን ዝውነኑ ኣብያተ መግቢ ሽሻ ምትካኽ ልሙድ እዩ።
ጅቡታውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝስማዕምዑሉ ሓደ ነገር፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ዋጋ መነባብሮ እዩ።
ናይ ገዛእ ርእሳ ወደብ ዘለዋ ጅቡቲ፡ ሓንቲ ሊትሮ ናፍታ እትሸጠሉ ዋጋ ካብታ ካብ ጅቡቲ ወደብ ዝተኻረየት ኢትዮጵያ እትሸጠሉ ዝኸበረ ምዃኑ እስማዒል ዝተበሃለ ኣካያዲ ሆቴል ይዛረብ።
“ናይ ገዛእ ርእስና ወደብ እናሃለወና፡ ሓንቲ ሊትሮ ናፍታ ብ2 ዶላር ኢና ንገዝእ። ካብ ኢትዮጵያ ዝኸበረ ማለት'ዩ" ክብል የማርር።
ጅቡቲ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ እያ ትረክብ፡ ነበርታ ድማ ብልዑል ዋጋኡ የማርሩ።
ሓደ ንበይኑ ዝነብር ጅቡታዊ ኣብ ወርሒ ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 70 ሽሕ ጅቡቲ ፍራንክ’ዩ ዝኽፍል ይብል እስማዒል።
ማይ’ውን ሕሱር ኣይኰነን፤ ኣብ ወርሒ 5000 ፍራንክ ንማይ ቡምባ ምውጻእ ልሙድ’ዩ።

ሪያዲ - ዕዳጋ አትክልቲ
ናይ ጅቡቲ ዕዳጋ ኣትክልቲ ለጋስ እዩ። ኣሕምልቲን ፍረታትን ብብዝሒ ይርከብ።
ጅቡቲ ጫት፡ ፍረታትን ኣሕምልትን ከምኡ እውን ጣፍ ካብ ኢትዮጵያ’ያ እተእቱ።
ኣብዚ ብሶማላውያን ዝዕብለል ንግዲ፡ ካብ ክልል ኣምሓራን ሓረርጌን ዝመጹ መንእሰያት ከም ሸየጥቲ ይሳተፉ።
ኣሊያስ ኣብ ዕዳጋ ፍረታት ዝተዋፈረ መንእሰይ እዩ። "ኣብዚ ዝሰርሑ መብዛሕትኦም ደቂ ሓረርጌ’ዮም፡ ካብ ወሎ ዝመጹ’ውን ኣለዉ" ይብል።
ጉዕ፡ ቀይሕ ሽጉርቲ፡ ድንሽ፡ ኮሚደረ፡ ኣራንሺ፡ ባናናን ካልኦትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትዉ ኣሊያስ ይዛረብ።
"እቲ ዕዳጋ ሓደ ኣይኰነን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኮሚደረ ንኪሎ ብ150 ፍራንክ፡ ድንሽ ብ100፡ ሽጉርቲ ብ250 ንሸይጥ ኣለና" ይብል።
ብኣንጻሩ ኢብሳ "ካብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣብዚ ክሽየጥ ዘይኽእል ነገር የለን" ብምባል ኣብ ጅቡቲ ዝበዝሑ ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ነገር ከምዝጥቀሙ ይገልጽ።
ጣፍ፡ ስርናይ፡ ዕፉንን ካልኦት ኣእኻልን እውን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትዉ ይዛረብ።
"ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ኢና ንበልዕ። ኣብዚ ኣብዚ ዝረኣኹዎ ነገር፡ ፍረታት ካብ ኢትዮጵያ ተመሪጹ ዝመጽእ ስለዝዀነ፡ ኣብዚ ዝያዳ ይርከብ።”

ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ጅቡቲ
ጅቡቲ ብዓቐና ንእሽቶ’ኳ እንተዀነት፡ ኣብቲ ዞባ ግን ኣገዳሲት ሃገር እያ።
ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንማእከላይ ምብራቕን ቀረባ ብምዃና፡ ባህሊ ዓረብ፡ጃውሮጳን ኣፍሪቃን ተንጸባርቕ’ያ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዓፋር፡ ብደቡብ ድማ ሶማላውያን ይርከቡ።
እዞም ክልተ ብሄራት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት እውን ይነብሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ገለ፡ ነታ ሃገር ምምሕዳር ካብ ዝጅምር 24 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መረጻ ብምትላል ይኸስዎ።
ኣብ ጅቡቲ ብዘይካ እቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር መራኸቢ ብዙሃን፡ ናይ ብሕቲ ሚድያ የለን።
ኣብ መንጐ ዓፋርን ሶማላውያንን ድሕሪ ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውን እገዳ ተገይሩ ኣሎ።
እታ ሃገር ምድረበዳ ስለዝዀነት ንሕርሻ ዝኸውን መሬታ ንእሽቶ’ዩ፤ ስለዝዀነ ድማ ኣገልግሎት ወደብ እዩ ቀንዲ ምንጪ እቶታ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብተዛማዲ ሰላማዊት ዝዀነት ጅቡቲ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ቀረባ ብምዃና፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብዙሓት ሓያላት ሃገራት ተአንግድ እያ።
ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጅቡቲ ይርከብ።
ጃፓን እውን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ እዋን ካብ ሃገራ ወጻኢ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣቚማ’ያ።
ቻይና’ውን ካብ ሃገራ ወጻኢ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝመስረተት ኣብ ጅቡቲ’ያ። ጣልያን፡ ስጳኛ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ እውን ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







