ጉዕዞ ድነ ሞት፡ ስደት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ምድረበዳ ጅቡቲ

ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳ ጅቡቲ

ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ናብ ጅቡቲ ዝገብርዎ ጉዕዞ በረኻ ክንዕዘብ ኣብቲ ሓደገኛ ዝተበሃለ መስመር ጉዕዞ ጅቡቲ-ኦቦክ በጺሕና።

ኦቦክ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ እያ። ካብ ነበርታ ንላዕሊ ስደተኛታት ናብዝን ናብትን ክብሉ ይረኣዩ።

ብዘይካ ኣብ ኣባይቲ እታ ከተማ ዝተዓቆቡ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ካርቶን ተኸዲኖም ኣብ ሑጻ ደቂሶም ዝሓድሩ ስደተኛታት ውሑዳት ኣይኰኑን።

እቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኦቦክ ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ዝብላዕ ስለዘይብሎም፡ ማዕጾ ነበርቲ እናኳሕኲሑ’ዮም ምፅዋት ዝሓቱ።

ኣቦክ ግን ቀዋሚት መዕቆቢቶም ኣይኰነትን፤ መንገዲ ስደት ክሳብ ዘጣጥሑ ዝፀንሑላ ከተማ እያ።

ደላላይ 'ሕጂ ክንብገስ ኢና' ምስ በለ፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ተጻዒኖም ናብ ጌሄሬ ይጓዓዙ።

ሳእኑ ዝኸበዶ ስደተኛ ኣብ በረኻ ጌሄሬ

ጌሄሬ ካብ ኦቦክ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብመኪና ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ትወስድ።

ደላሎ ናብ የመን ክሰግሩ ዝወሰኑ ስደተኛታት ዝእክቡላ ምድረበዳ እያ።

ብርግጽ እቶም ደላሎ ስደተኛታት ዝእክብሎም ሰለስተ ቦታታት ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኢና።

ካብ ኦቦክ ናብ ጌሄሬ እናተጓዓዝና ከለና፡ ኣብ መንገድና ዝወደቐ ሸበጥ ኣጋጢሙና።

እቲ ብጉዕዞ ዝዛሕተለ፡ ሳእኑ ዝኸበዶ ስደተኛ ዝደርበዮ ሸበጥ ብዙሕ ነገር ዝገልጽ’ዩ። ኣብቲ ሳእኒ 'ትግራይ ዓደይ' ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።

ወናኒ እቲ ሳእኒ መበገሲኡ ካብ ትግራይ ከይኰነ ኣይተርፍን:: ኣበይ ከምዝወደቐ ግን ዝፈልጥ የለን።

'ትግራይ ዓደይ' ዝብል ጽሑፍ ዝተጽሓፎ ጫማ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ’ቲ ሑፅኡ ከም ሃልሃልታ ዘቃጽል ምርደበዳ፡ ኣብ’ቲ ሓያል ዋዒ ዘለዎ መንገዲ ስደተኛታት፡ ክልተ እግሪ ጫማኡ ደርብዩ ናበይ ከይዱ ይዀውን?

ካብ ሓለውቲ ዶብ ጅቡቲ እናተሓብአ ብጥራይ እግሩ እናተጓዓዘ ክሳብ ኣበይ ክበፅሕኸ ይኽእል?

እዚ ፍጻመ ንኣመሓዳሪ ኦቦክ ሙሳ ኣደን ሓድሽ ኣይኰነን። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሳእኖም ከቢድዎም ኣብ ልዕሊ ውዑይ ሑጻ ብጥራይ እግሮም ክጓዓዙ ተራእዮም’ዮም።

ብሰንኪ እዚ እግሮም ሓቢጡ ኣብቲ ምድረበዳ ዝተረፉ፡ እቶም ዝኻአሉ ድማ ናብ ትካል ጥዕና እታ ከተማ መጺኦም ሕክምና ክግበረሎም ይዝክር።

እታ ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝጸዓነት መኪና፡ ሓንቲ ናይ ትካል ስደተኛታት መኪና ብቐረባ እናሰዓበት ናብ ጌሄሬ ትበርር።

መኪናና ካብታ ንእሽቶ ከተማ ኦቦክ እያ ተላዒላ።

ኦቦክ ዝብልዋ ጅቡታውያን እዮም፤ ኢትዮጵያውያን ግን ሃዩ ኢሎም ክጽውእዋ ይመርጹ። ንምንታይ ዝብል ግን ንሳቶም’ውን ኣይፈልጥዎን።

እቶም ስደተኛታት ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ ታጁራ፡ ካብ ታጁራ ናብ ሃዩ ብምቹእ ጽርጊያ እዮም ዝመጹ።

ደላሎ ብእምባ ወይ ብበረኻ ክኸዱ እንተዘይመሪጾም፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ እቲ ምቹእ ፅርጊያ ብኣይሱዙ ተሳፊሮም ክጓዓዙ ይመርጹ።

እታ ኣይሱዙ ብሓደ ግዜ ሰላሳ ወይ ኣርብዓ ሰባት ክትጽዕን ትኽእል እያ።

ኩሎም ብዘይካ ሸበጥን ኮንጎ ሳእኒን ንበረኻ ዝሕግዝ ኣከዳድና የብሎምን።

ኩሎም ካብ ገጠር ቁሸታት ኢትዮጵያ ምስ ወጹ ብዓፋር ኣቢሎም ናብ ጅቡቲ ከም ዝሰገሩ ይዛረቡ።

እታ ናይ ትካል ስደተኛታት መኪና፡ እቲ ትካል ገለ ካብቶም ናብ የመን ክሰግሩ ካብ ገማግም ባሕሪ ዝተኣከቡ ስደተኛታት ከም ዝሓመሙ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ዳህሳስ ከካየዱ ዝለኣኾም ሰራሕተኛታቱ ዝጸዓነት’ያ።

ክኢላ ሕክምና ናይቲ ትካል ዶክተር ዩሱፍ ሙሳ፡ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ናይ ዳህሳስ ጉዕዞ ከም ዘካይድ ኣብ መጀመርታ ጉዕዞና ሓቢሩና’ዩ።

ደላሎ ኣብ በረኻታት ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስደተኛታት ብምእካብ ናብ የመን የሳግሩ።

ፋሕ ብትን ዝበሉ ስደተኛታት

ጉጅለ ሕክምና እቲ ውድብ ኣብ ጌሄሬ ክበጸዕሕ ከሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብዚን ኣብቲን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣግራብ ደቂሶም ነይሮም።

ቁጽሮም ብግምት ብኣማኢት ይኸውን።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ንሓደ ዝሓመመ መንእሰይ ከቢቦም ናብ ዝረኣዩ መናእሰያት ቀሪብና።

ካብ ቡታጅራ: ስልጤ፡ ቆቦ፡ ትግራይ፡ ኦሮሚያ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብዚ ቆላ ኣብ ትሕቲ እምባ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ኣብ እግሪ እቲ እምባ ንእሽቶ ገዛን ናይቲ ውድብ ናይ ማይ ታንከርን ይርአ።

ኣብ መገዲ ዘዕረፋ ስደተኛታት

ኣብ ጥቓ እቶም ስደተኛታት ዝደቀሱሉ ቦታ ዘገልግል ድስቲ ኣሎ። ካብዚ ወጻኢ ህልም ዝበለ በረኻ እዩ።

እቶም ስደተኛታት ምስ ደቂ ካበቢኦም ክኾኑ ይመርጹ።

ኣብ መንጎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንኣሽቱ ህጻንት’ውን ኣለዉ።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ካብ ስልጤን ካብ ዓድዋ-ትግራይን ዝመጹ ዕድሚኦም 15ን 16ን ዝኾኑ መንእሰያት ርእዩ’ዩ።

ኣብ ጌሄሬ ምስ በጻሕና፡ ብዝሒ ሓሚሞም ዝረኸብናዮም ስደተኛታት ኣርባዕተ ነይሮም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኦቦክ ቅድሚ ምብጋሶም ከም ዝበልዑ ይዛረቡ።

ኣብ ጥቓ እቲ ዝደቀሱሉ ቦታ ፌስታል’ኳ እንተሃለወ፡ ዝጥዕምዎ መግቢ ወይ ዝሰትይዎ ማይ ዝሓዘ ግን ኣይነበረን።

እቲ ካብ ራያ ቆቦ ዝመጸን ክሳብ ሻብዓይ ክፍሊ ከም ዝተማሃረን ዝዛረብ መንእሰይ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሰሪሑ ክሓልፈሉን ወለዱ ክሕግዝን ናይ ባጃጅ ስርሑ ገዲፉ ዝመጸ’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ መስመር ስደት መን ነጊሩካ ምስ ተበሃለ " ኣብ ስደት ዝሓለፈሎም ኣለዉ፤ በዚ ገይሮም ዝጠፍኡ’ውን ምስ ረኣናዮም ንሕና’ውን ክንፍትኖ ወጺእና” ክብል መሊሱ።

ካብቲ ንሱ ዝመጸሉ ከባቢ ዋጃ ዝመጸ ካልእ መንእሰይ፡ ካብ ገዛ ስድርኦም ካብ ዝወጹ ክልተ ሰሙን ከም ዝሓለፈ ይዛረብ።

ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ዝዓርፉሉ ዓራት፡ እኹል መግብን ማይን ከይረኸቡ እዮም ጌሄሬ በጺሖም።

"ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል ነፍሲ ወከፍ ገረብ ተደፊኡ ትርእዮ ዘለኻ፡ ብጥሜትን ጽምእን ዝደኸመ ጥራይ'ዩ" ይብል።

ኣብ ሓንቲ መኪና ክሳብ 50 ሰባት ተፃዒኖም ከም ዝመጹን ልዕሊ ሓንቲ መኪና ስደተኛታት ናብዚ ብለይቲ ስደተኛታት ከም ዘምጽአትን ይገልጽ።

ምሉእ ለይቲ ተጓዒዝና ኣብዚ በጺሕና እኳ እንተበሉ፡ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ዝበጽሑ ግን መግቢ ይኹን ማይ ዝሃቦም ሰብ ኣይነበረን።

እዚ ክሳዕ መዓስ ከም ዝቕጽል ኣይፈልጡን።

“ትማሊ ምስ በላዕና ኢና ዘለና። ምሉእ ለይቲ ተጓዒዝና። ክሳዕ ሕጂ ዝጠዓምናዮ እኽሊ የለን። ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ተደፊኦም ትርእይዎም ሰባት ዝበዝሑ ብጥሜት እዮም" ይብል እቲ ካብ ዋጃ ዝመጸ መንእሰይ።

እቲ ካብ ራያቆቦ ዝመጸ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ክብገሱ እንከለዉ ኣብ ሃራን ሎግያን ዝተኣስሩ መሓዙት ከም ዘለዉ ይዛረብ።

ካብቶም ካብ ከባቢ ቆቦ ዝመጹ ልዕሊ 13 ዝዀኑ መናእሰያት መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እቶም ካልኦት ካብ ትግራይ ዓድዋ ዝመፅኡ መንእሰያት ቅድሚ ምብጋሶም ነንሕድሕዶም ከም ዝተማኸሩ ሓቢሮምና።

ገለ ካብዞም መንእሰያት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ጸጉሪ ነንሕድሕደን ክሰርሓ እንከለዋ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ዝወደቐ ዕንጨይቲ ይታኸሱ።

ምምጻእና ዝሰምዐት ሓንቲ ጓል፡ ጸረ-ቃንዛ ሒዝና እንተዄንና ሓቲታትና። ካልእ ጓል ድማ መግቢ እንተሃልዩና ሓቲታትና።

ካብዞም ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን፡ እተን ክልተ ትሕቲ 18 ዓመት እየን።

እቶም መንእሰያት ንመወዳእታ ግዜ ምስ ስድርኦም ዝተዘራረቡ ቅድሚ 10 መዓልታት ምዃኑ ይገልጹ።

ዶብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገሩ፡ ቴለፎን ስለ ዘይነበሮም ክድውሉ ኣይከኣሉን።

ኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣግራብ ዝደቀሱ ስደተኛታት ኣብ ኦቦክ’ዮም ተራኺቦም።

ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወጽኡ እቲ ብተሌፎን ዘዘራረብዎ ደላላይ ዶብ ኣይሰግርን እዩ። ንኻልኦት ስግር ዶብ ብተሌፎን የረክቦም።

ኦቦክ ሓሊፎም ኣብ በረኻ ጌሄሬ ምስ በጽሑ’ውን እቲ ደላላይ ኣብ ቀረባ ኣይርከብን።

ዶብ ጂቡቲ መዓስ ኢኹም ክትሰግሩ?

ኣብ ትሕቲ ገረብ ደቂሶም ዘለው

እቲ ደላላይ እንታይ እዩ ዝሕግዘኩም?

ሓደ ካብ ቆቦ ዝመጸ መንእሰይ "ኣብ መዕረፊ ቦታ መግቢ የምጽኡልና። ባሕሪ ኣብ ምስጋር ይተሓባበሩና። ኣብ ነዊሕ መንገዲ ድማ ብመኪና የምጽኡና" ኢሉ ብልዙብ ድምጺ መሊሱ።

ኩሎም መዕለቢኦም ስዑዲ ዓረብ ምዃኑ ይዛረቡ። ምስ ደላሎ ድማ ብተሌፎን ከም ዝራኸቡ ይገልጹ።

ኣብ ኦቦክ ክልተ መዓልቲ ሓዲሮም’ዮም። ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ፡ ሓደ ክልተ መዓልቲ ኣብ መንገዲ ምሕዳር ልሙድ እዩ።

ዶብ ጂቡቲ መዓስ ኢኹም ክትሰግሩ?

"ኣይንፈልጦን ኢና፤ ኣብዚ ከውዕሉና ወይ ከሕድሩና ይኽእሉ እዮም" ዝብል መልሲ ኩሉ ሰብ እዩ።

“መዓስ ከም እንሰግር ኣይነገሩናን፤ ንኣምላኽ ኣሚንና ኮፍ ኢልና ኣለና" ትብል ሓንቲ መንእሰይ ካብ ዓድዋ።

ቢቢሲ ነቶም ኣብኡ ዝረኸብናዮም ሓቲቱ ከም ዝተረድኦ ዶብ ጂቡቲ ሰጊሮም የመን ንምብጻሕ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ዝተሰማምዑ ኣለው።

ብዙሕ ገንዘብ’ዩ። መን ይኸፍሎ?

ወለዶም ከብቶም ሸይጦም፡ ወይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሓው ወይ ሓፍቲ እንተሃልዮም ከም ዝኸፍሉሎም ይዛረቡ።

እቶም ካብ ትግራይ ዝመጹ መናእሰያት ክሳዕ ሕጂ ንመጓዓዝያ ክሳብ 10 ሽሕ ብር ከም ዝኸፈሉን ዶብ ምስ ሰገሩ ድማ እቲ ዝተረፈ ክኸፍሉ ምዃኖምን ገሊጾም።

ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ገንዘብ እየን ዝሕተታ፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብእግረን ክጓዓዛ ስለ ዝደኸማ ብመኪና ስለ ዘስግርወን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ ግን ዝተወሰነ ርሕቀት ብእግሮም ብምኻድ ወጻኢታቶም ከንክዩ ከም ዝጽዕሩ የረድኡ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ኣብ ጅቡቲ ሞት 54 ስደተኛታት ተመዝጊቡ።

ዓመት መጸ ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ክሰግሩ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያንን ገለ ኤርትራውያንን መስመር ጅቡቲ ኦቦክ ይመርጹ።

እዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኦቦክ፡ ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ቅድሚ ምጅማሮም ንሓጺር እዋን ዝዓርፉላ’ያ።

ኣብ 2022 ጥራይ ቁጽሪ ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ካብ’ቲ ቅድሚ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብቲ ዓመት ጥራይ 89 ስደተኛታት ብሰንኪ ሕማም፣ ከቢድ ኩነታት ኣየር፣ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓልን ብምግጫውን ከም ዝሞቱ ወይ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ተጸብጺቡ’ዩ።

ካብዚ ዝዛይድ ሞትን ምጥፋእን ድማ ከይተመዝገበ ከም ዝተርፍ ይእመን።

ብሰንኪ ኩናት ካብ ትግራይ ዝሃደሙ ተወለድቲ እቲ ክልል፡ ካብ ከተማ ጅቡቲ ልዕሊ 175 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሆልሆል ከተማ ይነብሩ።

ኣብ ሆልሆል ዝረኸብናዮም ስደተኛታት ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ መዕቆቢ ወጺኦም ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ክሰግሩ ከም ዝፍትኑን ውሑዳት ዘይበሃሉ ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአን ሓቢሮምና።

ካብ መዕቆቢ ወጺኦም በረኻ ጅቡትን ባሕርን ሰጊሮም ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ምስ በጽሑ ብወተሃደራት እታ ሃገር ዝተቐትሉ ክልተ ስደተኛታት ከምዘለዉ እውን ኣረዲኦምና።

ኣብ ጌሄሬ ንጉጅለ ሕክምና ውድብ ስደተኛታት ዝመርሕ ዶክተር ዩሱፍ፡ ኣብ ጅቡቲ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም 2023 ጥራይ 54 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

ኣስታት 23 ድማ ደሃዮም ኣይተፈልጠን።

ማዕረ ማዕሪኡ ትካል ስደተኛታት፡ ን2,930 ስደተኛታት መግብን ማይን ብምሃብ ክሕግዝ እንከሎ ኣብ መንገዲ ጸገም ጥዕና ንዘጓነፎም 267 ስደተኛታት ሕክምናዊ ሓገዝ ገይሩ’ዩ።

ካብ ታሕሳስ ክሳብ ሓምለ 2023፡ ኣብታ ሃገር 241 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ጅቡቲ የመልክት። ኣብ ዓሊ ሳቤህ፡ ኣርታ፡ ዲከል፡ ኦቦክን ታጁራን ድማ 258 ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝገበረ ይሕብር።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ ጌሄሬ ምስ በጽሐ፡ ትካል ስደተኛታት ንኣርባዕተ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ስደተኛታት ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብር ተዓዚቡ’ዩ።

እቶም ሰለስተ ዝሓሸ ሕክምና ስለዘድልዮም ናብ ኦቦክ ክኸዱ ተሰማሚዖም። "ናብ ኦቦክ ክኸዱ ምስምማዖም ዕድለኛታት ኢና" ይብል ዶክተር ዩሱፍ ሙሳ።

እቶም ደላሎ ነቶም ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዝሰግሩ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ነቶም ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝምለሱ እውን ኣብዚ ጌሄረ እዮም ዘቐምጥዎም።

ኣብ መገዲ ሓገዝ ሕክምና ዝግበረሉ ዘሎ ስደተኛ

እቲ ኣብ ቀረባ እትርከብ ከተማ ድማ ኦቦክ እያ።

እቲ ጸገም እቶም ደላሎ ኦቦክ ቀረባ ምዃና ይነግሩ እምበር ነቶም ተመለስቲ ግን ክሳብ እታ ከተማ ኣየምጽእዎምን።

ስለዚ ብጉዕዞ በረኻ ዝደኸሙ ስደተኛታት ነቲ ደረቕ በረኻ ጅቡቲ ብእግሮም ክሰግሩ ግድን እዩ።

እቲ ትካል ኣብቲ በረኻ ስደተኛታት ብዘይ ዝዀነ ምልክት ጽርግያ ንዝጓዓዙ ስደተኛታት ኣንፈት ንምሕባር ዝሕግዙ ታንከራት ማይ ኣብ ጽርግያታት ኣቐሚጡ ኣሎ።

እዘን ናይ ማይ ታንከራት ንጽምኢ ጎሮሮ ማይ ዝህባ ጥራይ ዘይኰናስ፡ ኣንፈት ኦቦክን ክንደይ ኪሎሜተር ከም ዝተረፈን ዝገልጽ ሓበሬታ’ውን ዘርእያ እየን።

'ስደተኛታት ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ክዛይዱ እዮም'

ኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ ሙሳ ዓደን ሚገነ ቅድሚ ናብዛ ከተማ ምምጽኡ ኣብ ኤሊሳቤህም ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ከም ኣመሓዳሪ ይኹን ከም ነባሪ ኣብዘን ከተማታት ጅቡቲ ኣብ ዝጸንሓለን ኩለን ዓመታት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ በረኻ ብጽምእን ጥምየትን ክሞቱ ከም ዝረኣየ ይዛረብ።

ሙሳ ዓደን፡ ኦቦክ ካብ 23 ሽሕ ዘይበዝሕ ብዝሒ ህዝቢ ከም ዘለዋ ሓቢሩና።

በብወርሒ ዶብ ንምስጋር ናብታ ከተማ ዝመጹ ስደተኛታት ልዕሊ 10 ሽሕ ከም ዝበጽሑ ይግምት።

"ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ማዕረ ክዀኑ ዝተረፎም ነገር የለን. . . ኣብ ኦቦክ፡ ካብ ነበርቲ ዝዛይዱ ስደተኛታት እዮም" ይብል እቲ ዋና ኣመሓዳሪ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ኦቦክ ሙሳ

ኣብ ገዛ ገዛ ኣብ ምልማን ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግጭት ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ክዘርጉ ዝረኣየሉ እዋናት ከም ዘለዉ ወሲኹ ይገልጽ።

እዚ ግን እቲ ሓላፊ ጥራይ ዘይኰነስ ናይቶም ነበርቲ ጥርዓን’ውን ኰይኑ ረኺብናዮ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ስደተኛታት ንሕክምና ናብታ ከተማ ከም ዝኣትዉ የረድእ።

ቢቢሲ ኣብ ኦቦክን ጌሄሬን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ስደተኛታት ብሕማም ኮሌራ ክሳቐዩን ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡን ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብ የመን ዝምለሱ ሰባት ውሑድ ምዃኖም ይሕብር።

ኣብ ጅቡቲ- ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ዲያስፖራ ዝዀነ ኣቶ ግዛቸው ኣብ 2015 (ግእዝ) ጥራይ ምስ ትካል ስደተኛታት ብምትሕብባር 1700 ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከም ዝተገበረ ሓቢሩና።

'መንገዲ ይወስድ፡ መንገዲ ይመልስ'

ቢቢሲ ኣብ ኦቦክ ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ናብ ታጁራ መንገዲ ጀሚሩ።

ኣብ መንገድና ብመኪና ተጻዒኖም ናብ ኦቦክ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ብሓደ ወገን ብእግሮም ናብ ታጁራ ዝጓዓዙ ድማ ብኻልእ ሸነኽ ተዓዚብና።

ማይ ክልምኑ ናብ ታጁራ ዝኸዱ ሽዱሽተ መንእሰያት ምስ ረኣና መኪናና ደው ኣቢልና።

ኣደም መሓመድን መሓዙቱን ዶብ ጅቡቲ ሰጊሮም ናብ የመን ኣትዮም ነይሮም።

ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተታሒዞም እኳ እንተነበሩ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቐን እሱራት ብምሓዙ ናብ የመን ከም ዝተላኣኹ ይዛረቡ።

“ኣብ ዶብ ብዙሓት ሬሳታት ሰጊርና ሓሊፍና” ይብል ኣወል ስዒድ ኣሕመድ ንሱ ባዕሉ ብፍንጫል ቦምባ ከም ዝተሃርመ እናርአየ።

እዞም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ የመን እናለመኑ ዝጸንሑ መንእሰያት፡ ስድርኦም ከብቶምን መሬቶምን ሸይጦም ባሕሪ ክሰግሩ ዘኽእል ገንዘብ ስለዝሰደደሎም ኣብ ዶብ ጅቡቲ ከም ዝበጽሑ ይዛረቡ።

ኣዳምን ኣወልን፡ ኣብ የመን ዘሎ ሰብ መምለሲ መንገዲ ስኢኑ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ዕጡቓት የመን ሓሊፍካ ስዑዲ ዓረብ ምእታው ኣጸጋሚ እዩ ዝብሉ እቶም ስደተኛታት፡ ብዙሓት ካብኣቶም ካብ የመን ክወጹ ከም ዝደልዩን ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክወጹ ከም ዘይከኣሉን’ዮም ዝገልጹ።

መንገዲ ጅቡቲ ስደተኛታት ምቕባልን ምስናይን ልምዱ’ዩ። ገምገም ቀይሕ ባሕሪ’ውን ስደተኛ ምስጋር ወይ ምውሓጥ ኣይደኽሞን።

ገማግም ባሕሪ ኦቦክ ድማ መዕቆቢ ዝሰኣነ ስደተኛ ካብ ምቅባል ድሕር ኣይብልን።

ናብ ሃገርና ዝመልሰና ስኢንና ኣብ ዝብሉላ ኣቦክ፡ ብዙሓት ኣብ ዶብ ጅቡቲ ኰይኖም ንየመን ይናፍቑ።

እቶም ካብ የመን ክወጹ መንገዲ ዝጠፍኦም ብዙሓት ስደተኛታት ዝረኣዩ በዓል ኣደም ድማ ንሓድሽ ስደት ናብ ኦቦክ ዝግዕዙ መንእሰያት እናረኣዩ፡ ንዓና ግን ናብ ሃገርና ተመሊስና እንታይ ከም ዝኸውን ምጽባይ ይሕሸና ብምባል ብእግሪ ጉዕዞኦም ናብ ኢትዮጵያ ይቕጽሉ ኣለዉ።

መን ይፈልጥ እቲ ካብ ስደት ዝተመልሱላ መሬት ሓድሽ ሽሻይ ሒዛ ትቕበሎም ትኸውን፤ ወይ ድማ ደላላይ ንዳግማይ ስደት ልቦም ኣሸፊቱ ናብቲ በረኻ ይምለሱ ይዀኑ።