ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ምግዓዝ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብል ቤትፍርዲ ወሲኑ

ናብ ብሪጣንያ ብጃልባ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ብመንግስቲ ዝወጸ ፖሊሲ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ወሲኑ።

መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስዳድን ንኸይምለሱ ንምእጋድን ዝሓንጸጾ መደብ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስጋር ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን፡ መንግስቲ ርዋንዳ ነቶም ስደተኛታት ናብታ መጀመርታ ዝሃደሙላ ሃገር ክመልሶም ከም ዝኽእል ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቶም ናብታ ሃገር ዝለኣኹ ሰባት ንሓደጋ ከቃልዕ ስለዝኽእል ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ግን እቲ፡ ምስ ርዋንዳ ኣብ ዝተገብረ ‘ሰነድ-ምርድዳእ’ (memorandum of understanding) ዝተሞርኮሰ ፓሊሲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝፍጸም ውግዓዊ ዓለምለኻዊ ውዕል ብምቕያር ከተግብሮ ክፍትን ምዃኑ ሎሚ ድሕሪ’ቲ ውሳነ ቤትፍርዲ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ዝለዓለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ድሕሪ ምውሳኑ፡ መንግስቲ ኣብ ዘቕረቦ ይግባይ ውሳነ ክህብ’ዩ ተሓቲቱ።

እቲ ኣንጻር እቲ ፖሊሲ ዝቐርብ ሕጋዊ ጉዳይ ኣብ መትከል ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይምግዳድ (ናን-ሪፋውልመንት') ዝምርኰስ እዩ።

"ናን-ሪፋውልመንት" ማለት ሓደ ዑቕባ ሓታቲ ናብ ሃገሩ ምምላስ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ እንተዀይኑ ናብ መበቆል ሃገሩ ክምለስ ከም ዘይብሉ ዝገልጽ መትከል ኰይኑ ኣብ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዓባይ ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ ውዕላትን ዝተመስረተ እዩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓታትቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ ሃገር መጽለልን ሓለዋን ዝሓተተ ሰብ እዩ ክብል ይገልጾ። ሕጋዊ መሰላት ስደተኛታት ክኣ ብኣህጉራዊ ሕጊ ሕልው እዩ። ይዅን’ምበር፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛ ቦታ ክወሃቦ ድዩ ኣይወሃቦን ዝውስና እተን ዝቕበልኦም ሃገራት እየን።

ምስ ውሳነ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ዝተሰማምዐ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ናብታ ሃገር ዝተሰደዱ ሰባት ናብ ዘይውሑስ ቦታታት ከግዕዞም ከም ዝኽእል ንምእማን "ዓቢ ምኽንያታት" ከም ዘለዉ’ዩ ገሊጹ።

ኣብ ሰነ 2022 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትጓዓዝ ዝተሓሰበት ነፋሪት ድሕሪ ከቢድ ሕጋዊ ብድሆታት ጉዕዞኣ ተሰሪዙ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰነ 2022 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትጓዓዝ ዝተሓሰበት ነፋሪት ድሕሪ ከቢድ ሕጋዊ ብድሆታት ጉዕዞኣ ተሰሪዙ’ዩ

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2022 ዝተኣወጀ ትልሚ ዕቝባ ሩዋንዳ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ፈተነ ክግበረሉ ዝተኣመመ መስርሕ’ዩ።

እቲ መስርሕ መንግስቲ ብሪጣንያ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክልእኾምን ኣብኡ ኸኣ ዕቝባ ክሓቱን ዝወሰኖ እዩ ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ድማ ኣብ ሩዋንዳ ንኽጸንሑ እታ ሃገር ወረቐት ስደተኛ ክትህቦም ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እንተዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ምኽንያት ኣብኡ ንምስፋር ከመልክቱ ወይ ድማ ኣብ ካልእ "ውሑስ ሳልሳይ ሃገር" ዕቝባ ክሓቱ'ዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ውጥን እተን ካብ ፈረንሳ ብመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግራ ንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም፡ “ብዘይሕጋዊ፡ ሓደገኛ ወይ ዘየድሊ ሜላታት" ተጠቒሞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣትዉ ሰባት ከም ዝዓግቶም ይገልጽ።

ይኹን’ምበር ብሰነ 2023 ቤት ፍርዲ ይግባይ ነቲ ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውጥን ሩዋንዳ ሕጋዊ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ ኣፍሪስዎ።

እቶም ዳያኑ፡ እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ስርዓት ዕቝባ “ጉድለታት” ስለዋ፡ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ወይ ኣብኡ ምስርጣይ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ብምባል ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ከም ዘይኰነት ወሲኖም።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ሚኒስተር ዝነበረት ሱዌላ ብሬቨርማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ዝወጽአ ውጥን ዘይሕጋዊ’ዩ ክብል ድሕሪ ምውሳኑ መንግስቲ ይግባይ ኣቕሪቡ ነይሩ።

መንግስቲ ብወገኑ እቲ ውሳነ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ክምጕቶ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ ኣሎ።

ነቲ ፖሊሲ ክትግበር ሓያል ጻዕርታት ከተካየድ ዝጸንሐት ኣዘራራቢት ላዕለወይቲ ሚኒስተር ዝኾነት ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱዌላ ብሬቨርማን ቅድሚ ብሰኑይ ካብ መዝነታ ተሰናቢታ'ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ስንፍና ከምዘርኣየ'ውን ካብ ስራሓ ድሕሪ ምብራራ ኣብ ዘውጽኣቶ ተሪር ነቐፌታ ብምረት ገሊጻ።