ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምፍናው ዝግበር ወጻኢ ንምንታይ ኣዘራሪቡ?

ስደተኛታት ካብ ጀልባ እናወረዱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሓደ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምፍናው ዝግበር ወጻኢታት ካብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክጸንሕ ንምግባር ዝግበረ ወጻኢታት ይዛይድ ተባሂሉ።

ዝኾነ ስደተኛ ናብ ከም በዓል ሩዋንዳ ዝበላ "ውሑስቲ ሃገር" ንምልኣኽ ዝግብር ወጻኢታት ካብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምጽናሕ ብገምጋም 63 ሽሕ ፓውንድ ዝያዳ ገንዘብ ክሓትት ከምዝኽእል መንግስቲ ገሊጹ’ሎ።

ብባይቶ ዝሓልፍ ዘሎ እማመ ‘ገምጋም ቁጠባዊ ጽልዋ’ ዘይሕጋዊ ስደት [Illegal Migration Bill] ንሓደ ውልቀሰብ ንምግዓዝ 169 ሽሕ ፓውንድ ሓፈሻዊ ወጻኢታት ከምዘድሊ የመልክት።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንተዝጸንሑ ግን እቲ ንደገፍ ኣባይቲ ዝውዕል 106 ሽሕ ፓውንድ ዝግመት ገንዘብ ካብ ወጻኢ ምደሓነ።

መንግስቲ ከምዝብሎ እቲ ፖሊሲ ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ እወንታዊ ጽልዋ ምሃለዎ ነይሩ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትው ዝኾነ ውልቀሰብ ብኣጋ ምኽልካል እንተተኻኢሉ ድማ ወጻኢታት ከምዘይህልው ገምጋም ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ'ሎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ እማመ "ልብወለዳዊን ዘይተፈተነን" ስለዝኾነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ምንታይ ደረጃ ገታኢ ጽልዋ ከምዘሕድር "ርጉጽ ከምዘይኮነ" ይግለጽ።

እቲ ክህሉ ዝኽእል ወጻኢታት ናይ ምድሓን ተኽእሎ "ኣዝዩ ዘይርጉጽ" ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ ንሓደ ውልቀሰብ ግን ኣብ ሞንጎ ካብ 106 ሽሕ ክሳብ 165 ሽሕ ፓውንድ ዝበጽሕ ግምታዊ ኣሃዝ ይወሃብ። እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ድማ ወጻኢታት ኣባይቲ እናወሰኸ ክቕጽል ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልኦት ካብ ንመንበሪ ዝኽፈል ክፍሊት ወጻኢ ዝኾኑ ተወሰኽቲ ወጻኢታት፡ ምስ ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኣሳሰሩ ከም ጥቕማጥቕሚ፣ ማሕበራዊ ኣባይትን ክንክን ጥዕናን ይርከብዎም።

እቲ ፖሊሲ፡ ከፈልቲ ግብሪ ዝኾነ ተወሳኺ ወጻኢታት ከይኸፍሉ ንምግባር፡ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽኡ ስደተኛታት ነቶም 37 ሚኢታዊት ከይኣትዉ ምዕጋት ከምዘድልዮ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ እማመ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ሰብ ዑቕባ ከይሓትት ብምኽልካል ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ሰባት ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ።

ክተሓዙን ናብ ሩዋንዳ ወይ ናብ ካልእ "ውሑስ ሃገር" ክስጎጉን ይግበር።

ንሓደ ውልቀሰብ ናብ ሩዋንዳ ወይ ካልእ ሳልሰይቲ ሃገር ንምግዓዝ ዝወጽእ ጠቕላላ ግምታዊ ወጻኢታት ክረአ ከሎ፡

  • ብነፍሲ ወከፍ ሰብ ነታ ሃገር ዝኽፈል ኣስታት 105 ሽሕ ፓውንድ
  • ከምኡ’ውን ንበረራታትን ምፍናውን እቲ ውልቀሰብ 22 ሽሕ ፓውንድን ዘጠቓልል እዩ።

ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ሓደ ጉዕዞ 50 ውልቀሰባት ናብ ካልእ ሃገር ክተሰጋግር እኳ ትጽቢት እንተተገበረ፡ ነፈርቲ ግን ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ሒዘን ክብገሳ ከምዝኽእላ እዩ ዝግመት።

ካልኦት ወጻኢታት ድማ ውልቀሰባት ኣብ መስርሕ ሕቶ ዕቑባ እናሃለዉ ምእሳር ይርከብዎም።

ሰልፊ ሌበር፡ እቲ ገምጋም ጽልዋ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ቁጠባ "ምሉእ ብምሉእ ቅየዐ" ምዃኑን መንግስቲ ድማ እቲ እማመ ክንደይ ከም ከም ዝውድእ "ፍጹም ፍንጪ ከምዘይብሉን" ገሊጹ።

ዓባይ ብሪጣንያ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሆቴላት ንምዕቃብ ኣብ መዓልቲ 6 ሚልዮን ፓውንድ ተውጽእ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ድማ ልዕሊ 45,700 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ መትረብ እንግሊዝ ኣካይዶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ እቶም ስደተኛታት ዝገብርዎ ምስጋር ደው ምባል ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቀንዲ ቀዳምነታቱ ዝገበረ ኮይኑ እዚ እማመ [‘እማመ ዘይሕጋዊ ስደት’ - Illegal Migration Bill] ድማ መንግስቲ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ንዝሓንጸጾ መደባት ማእከል ዝገበረ እዩ።

ስደተኛታት ኣብ ጀልባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ብሪጣንያ ስደተኛታት ንኽግዕዙ ስምምዕ ዝገበረት እንኮ ሃገር ሩዋንዳ ኮይና ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ በረራ ኣይተገበረን።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ታሕሳስ 2022 እቲ ውጥን ሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ግን ተወሳኺ ብድሆ ይገጥሞ ኣሎ። ጽባሕ ሓሙስ ድማ ደምዳሚ ውሳነ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።

እዚ እማመ ዘይሕጋዊ ስደት ገና ብቤት ምኽሪ ሎርድስ ክጸድቕ ኣለዎ። ኣብኡ ግን ርኡይ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ዝግለጽ ኮይኑ ከም ሕጊ እንተጸዲቑ ድማ ተወሳኺ ሕጋዊ ብድሆ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።

ነቐፍቲ ‘ውን እቲ እማመ ዘይሰርሕን ዓለምለኻዊ ሕጊ ክጥሕስ ከምዝኽእልን ይምጉቱ።