ሓድሽ ሕጊ ዕቝባ 'ኣመና ዘሻቕል'ን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን እዩ - ሕቡራት ሃገራት

ስደተኛታት ኣብ ጀልባ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

እቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝወጠኖ ሕጊ ዕቝባ "ኣመና ዘሻቕል"ን ነቶም ኣገዳዲ ጠለብ ዘለዎም ከይተረፈ ዝዓግትን ምዃኑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት [ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር] ቪኪ ቴናንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ስጕምቲ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ብመትረብ ዝካየድ ምስጋር ደው ንምባል ዘየድሊ ምዃኑን ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ነቲ ሕጊ ግብራዊ ንምግባርን ዝዀነ ሕጋዊ ብድሆታት ንምስጋርን "ክቃለስ ተላዒሉ" ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሰልፊ ዕዮ [‘ለበር’] ብወገኑ እቲ ውጥናት፡ "ነቲ ህውከት ናይ ምግዳድ" ሓደጋ ከምዘለዎ የጠንቅቕ።

መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣቱ ዝዀነ ሰብ ዕቝባ ከይሓትት ብጽኑዕ መንገዲ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ብሰሉስ ዕላዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዩ ዝተረኸበ ሰብ እውን ናብታ ሃገር ከይምለስ ወይ ዜግነት ብሪጣንያ ከይሓትት ክዕገት እዩ።

እዚ ስጕምቲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዓመት ብመትረብ [ቻናል] ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኣትዉ ሰባት ዘሎ ወሰኽ ንምቍጽጻር ዝግበር ፈተነታት ኰይኑ እቲ ብዝሒ ኣብ 2018 ካብ ዝተመዝገበ ኣስታት 300 ኣብ 2022 ናብ ልዕሊ 45 ሽሕ በሪኹ’ሎ።

ብዛዕባ እቲ ውጥናት ርእይቶኣ ክትህብ ብቢቢሲ ዝተሓተተት ቪኪ ቴናንት፡ "ኣዚና ተሻቒልና ኣለና። እዚ ብዘይስሩዕ መንገዲ ንዝመጹ ሰባት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተበጻሕነት ዕቝባ ዝዓጹ እዩ" ኢላ።

"ንጹር ምጥሓስ ውዕል ስደተኛታት'ዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኽንያታት ዘለዎም ሰባት'ውን ጉዳዮም ዘቕርቡሉ ዕድል ዝዓጹ ከምዝዀነ ኣይንረስዕ" ክትብል ወሲኻ ሓቢራ።

እቲ ኣብ 1951 ስምምዕ ዝተገበረሉ ውዕል ስደተኛታት፡ መን ከም ስደተኛ ብቝዕ ክኸውን ከምዝኽእልን እተን ዝፈረማ ሃገራት ድሕነት ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምውሓስ ግዴታአንን ዘቐምጥ ውዕል እዩ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰብኣዊ ልምዲ" ከምዘለዋ ዝሓበረት ቴናንት፡ ንስደት ዝምልከት ጉዳያት ብግቡእ ቍጽጽርን ዝሓሸ ምምሕዳር ብዘለዎ ስርዓትን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣረዲኣ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሱኤላ ብራቨርማን ንዅሎም ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ እቲ ሕጊ፡ "ልዕሊ 50 ሚእታዊት" ምስ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዘይቃደወሉ ዕድል ከምዘሎን ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ትጽቢት ከምዝግበርን ሓቢራ’ላ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ እንታይ ማለት እዩ?

  • ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝስጐጕ ሰባት ኣብ መጻኢ ናብ ብሪጣንያ ከይምለሱ ወይ ዜግነት ከይሓቱ ክኽልከሉ እዮም።
  • ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት 28 መዓልታት ማእሰርቲ ዋሕስ ክረኽቡ ወይ ፍርዳዊ ዳህሳስ ክሓቱ ኣይክእሉን።
  • ዓባይ ብሪጣንያ ብ"ውሑስን ሕጋውን መስመራት" ኣብ ትቕበሎም ብዝሒ ስደተኛታት ደረት ክህሉ'ዩ፤ እዚ ድማ ዓመታዊ ብባይቶ ዝውሰን ይኸውን
  • ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ክኣስሮምን ናብ ሩዋንዳ ወይ "ውሑስቲ" ሳልሰይቲ ሃገር ከውጽኦምን ግዴታ ይህልዎ
  • ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፡ ብሰንኪ ጸገማት ጥሕና በረራ ክገብሩ ዘይክእሉ ወይ ድማ ኣብታ ዝእለዩላ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ከጋጥሞም ዝኽእሉ ካብ ብሪጣንያ ዝስጐጉሉ መስርሕ ክደናጐይ ይኽእል
  • ካልእ ዝዀነ ሕቶታት ዕቝባ ድሕሪ ምስጓጕ ብማዕዶ ይስማዕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ፖሊሲ ንምሕንጻጽ ካብ ECHR ክትወጽእ ኣድላዪ ምዃኑ ከምዘይኣምንን፡ መንግስቲ "ኣህጉራዊ ግዴታታትና የማልእ ከምዘሎን" ገሊጹ።

"ብዛዕባ ተሪርነት ናይዞም ስጕምትታት ክትዕ ከምዝህሉ ይርዳኣኒ እዩ" ብምባል፡ ብኻልእ መንገዲ ተፈቲኑ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።