ብሪጣንያ፡ ‘ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምብራር’ ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብሪጣንያ፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያታ፡ ንዅሎም’ቶም “ብዘይሕጋዊ መንገዲታት” ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ክሰጕግ ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ።
እቲ ንሎሚ ሰሉስ ክቐርብ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ እማመ-ሕጊ፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ስደተኛታት መሰል ዕቝባ ዝኸልእን ኣብ መጻኢ ናብ ብሪጣንያ ከይምለሱ ዝኽልክልን’ዩ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱኤላ ብራቨርማን፡ እቲ እማመ "ልክዕ’ዩ ገለ ደረታት ኣህጉራዊ ሕጊ" ክጥሕስ’ዩ፤ እንተዀነ "ነዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣድላዪ እዩ" ክትብል ንጋዜጣ ኤክስፕረስ ተዛሪባ።
መራሒ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኬር ስታርመር፡ ነቲ ውጥናት "ዘይስራሕ" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣብ ጋዜጣ ሳን ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጽ እቲ ውጥናት "ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉን ሕጋዊ ሕቶ ዕቝባ ዘለዎምን ፍትሓዊ'ዩ" ኢሉ።
ብመትረብ እንግሊዝ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 45 ሽሕ ብምብጽሖም፡ እዚ ቝጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ 2018 ዝነበሮ ኣስታት 300 ጥራይ ብዕጽፊታት ብምዕራጕ፡ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ክፈትሕ ጸቕጢ ፈጢሩሉ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ እማመ ሕጊ፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናይ “ምስጓግ ግዴታ” ክህልዎ እዩ።
እዚ፡ "ናይ ምስጓግ ግዴታ"፡ ቅድሚ መሰል ዕቝባ ደቂ ሰብ ዝስራዕ'ኳ እንተዀነ፡ ንትሕቲ 18 ዓመትን ከቢድ ሕክምናዊ ጸገም ዘለዎ ሰባትን ግን ኣየጠቓልልን እዩ።
ዝዀነ፡ ነዚ ሕጊ’ዚ ምርኵስ ብምግባር ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝተገብረ ሰብ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ብሪጣንያ ክምለስ ወይ ዜግነት ክሓትት ኣይክፍቀደሉን እዩ።
እዚ እማመ፡ ንዝመጽእ ሓያሎ ኣዋርሕ ሕጊ ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተዀነ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ግን ተግባራዊ ክኸውን፤ ጕዳያት ክርኢ ዝኽእል እዩ። እዚ ማለት ዝዀነ ካብ ሰሉስ 7 መጋቢት 2023 ጀሚሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ ሰብ፡ ብመሰረት እዚ ሕግታት ናይ ምስጓግ ሓደጋ ክህልዎ እዩ።
ቀዳማይ ሚስተር ሱናክ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ሳን ዘስፈሮ ሓሳቡ፡ ብሪጣንያ "ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም ሰባት ናይ ምቕባል ዘዅርዕ ታሪኽ" ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ ስጕምትታት ኸኣ "ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉን ሕጋዊ ሕቶ ዕቝባ ዘለዎምን ፍትሒ ዝህብ" ምዃኑን ገሊጹ።
"እቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጹ ዘለዉ ሰባት ብቐጥታ ካብ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ዝሃድሙ ወይ ንህይወት ሰጊኦም ዘምለጡን ኣይኰኑን" ኢሉ።
“መትረብ ቅድሚ ምሕላፎም’ውን እኮ ብውሑሳትን ሃገራት ኣውሮጳ ሰጊሮም እዮም። ከምኡ ክገብሩ ምኽኣሎም ንባዕሉ ኣብቶም ብሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ዝመጹ ጸቕጢ ዝፈጥር’ዩ፤ ካብዚ ንንየው ይኣክል!”
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ እዞም ውጥናት "ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዛ ሃገር እንተመጺእካ ብኡ ንብኡ ከምእትባረር ንጹር መልእኽቲ ዘሕልፉ እዮም፡" ከምኡ'ውን "ንንግዲ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምስባር ዝሕግዝ'ዩ" ኢሉ።
እዚ እማመ-ሕጊ ካብ ተቓወምቲ ኣካላትን ትካላት ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ነቐፌታታት ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ሰልፊ ዕዮ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይሰርሐ ውጥናት ዳግማይ ከም ዘልዓለ ጥራይ እዩ ክብል ገሊጹ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ምእታው ዝብል ሓድሽ ገበን ኣብ፡ ሕጊ ዜግነትን ዶባትን ብሪጣንያ ኣብ 2022 ብናይ ሽዑ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል ዝተኣታተወ’ኳ እንተዀነ ዳርጋ ኣብ ኣይሰርሐን ክበሃል ይከኣል።
መራሒ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ ንራድዮ ኤልቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉዳይ ምስጋር መትረብ እንግሊዝ "ክእለ ጥራይ እዩ ዘለዎ" ብምባል ነቲ ሽግር ብኣድማዕነት ንምግጣሙ እንተተደልዩ፡ “ነቶም ነዚ ዘንቀሳቕሱ ጃንዳ ገበነኛታት ምብታኾም’ዩ" ኢሉ።
ሰር ኬር ስታርመር፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ ገበን ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘኽእል ፍሉይ ኣሃዱ ንምቛም ዘኽእሎ ጸጋታት ክፍቀደሉን፡ ነቶም ዝጸንሑ ሕቶታት ዕቝባ ንምቅልጣፍ ዝያዳ ክስራሕ ከም ዝግባእን ኣገንዚቡ።
እቲ ውጥን ብመንጽር ሕጊ ዝከኣል ድዩ ተባሂሉ ዝተሓተ ሰር ኬር - ዳይረክተር ዓቃቢ ሕጊ ነበር፡ "ብዛዕባኡ ኣይፈለጥኩን፤ እንተዀነ ምስ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ከመይ ክኸውን እዩ ኣመና ክንጥንቀቕ ዘለና እመስለኒ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ካብ ኣፍጋኒስታንን ዩክረንን ዝኣመሰላ ብፍሉይ ዝረኣያ ዘለዋ ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ዝምልከት ፍሉይ ኣተሓሕዛ ገዲፍካ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመብዛሕትኦም ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት ዝኸውን ውሑስን ሕጋውን መንገድታት ከምዘየለ ኸኣ ሓያለ ነቐፍቲ ይምጕቱ።
እቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ዝተሸገሩ ስደተኛታት ዘለዎም እንኮ ኣማራጺ ዘይሕጋዊ መገድታት ምስጋር ጥራይ እዩ።
ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራትስ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ሕጊ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢሞራላዊ፡ ዘውጽኢታውን፡ ከምኡ’ውን ነተን ክዓግተን ዘይክእል ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ንምባል ተባሂሉ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ንምእማኑ ዘጸግም ወጻኢታት ምምንዛዕ ጥራይ እዩ፡” ኢሉ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ስደተኛታት ኤንቨር ሰሎሞን፡ "እዚ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ዝጸንሐ፡ ሰባት ዝኸድዎ መንገዲ ብዘየገድስ ፍትሓዊ መስርሕ ኣተሓሕዛ ጉዳያቶም ምሃብን ምስምዖምን ዝጸንሐ ኪዳን ብሪጣንያ ዘደውን እዩ" ኢሉ።
ንሓተቲ ዕቝባ፡ ድሕሪ ነዊሕ ስቓያቶም ኣገልግሎት ፍወሳ ዝህብ ‘ፍሪደም ፍሮም ቶርቸር’ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ነቲ ስጕምትታት "ክቱር ስምዒት ሕነ ምፍዳይ ዝደረኾ ዘይሰርሕ" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







